ኢራን፡ ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ኣመሪካ እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ክትህበሉ ትኽእል?

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሜኒ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ "ዘይሓዊ ጕድኣት" ከም ዘጋጥም ኣጠንቂቑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Supreme Leader of Iran via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ "ዘይሓዊ በሰላ" ከም ዘስዕብ ኣጠንቂቑ'ዩ

ኲናት እስራኤልን ኢራንን ካልኣይ ሰሙን ሒዙ ኣሎ።

ዳሕረዋይ ምትእትታው ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ኒዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኸቢድ ዝተዓጽወ መሳለጥያ ፎርዶ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ብምፍጻም፡ ንቴህራን ምርግጋእ ከሊኡዋ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናታንዝን እስፋሃንን ምስ ዝግበር መጥቃዕቲ፡ ነቲ ብዕምቈት ዝተደላደለ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መሳለጥያ ፎርዶ 13 ሽሕን 600 ኪሎ ግራም ዝምዘን 'ማሲቭ ኦርድናንስ ፔኔትራተር' (MOP) ዝበሃል ቦምባታት ክትጥቀም ፍቓድ ሂቡ'ዩ።

ድሕሪኡ፡ እቶም ቦታታት "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተደምሰሱ" ኣዊጁ።

ቴህራን ሕነ እንተፈድያ ድማ "ኣዝዩ ዝዓበየ ሓይሊ" ከም ዝስዕብ ኣጠንቂቝ።

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ ኣመሪካ ኣብ ጐንጺ ኢራንን እስራኤልን ብቐጥታ እንተተሳቲፋ፡ "ዘይሓዊ በሰላ" ክስዕብ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ስለዚ፡ ኢራን ኣብዚ እዋን ክህልውዋ ዝኽእሉ ኣማራጺታት'ያ ትመዝን ዘላ።

እዚኦም እንታይ ክዀኑ ይኽእሉ?

ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ ምጥቃዕ

ኢራን ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ኣመሪካ፡ ንዅሉ ኣብቲ ዞባ ዝህሉ ረብሓታት ኣመሪካ ናብ ሓደጋ ዘእትዎ'ዩ ክትብል ኣጠንቂቓ።

ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድሕሪ እቲ ብኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቴህራን እትህቦ ምላሽ "ኣመሪካ ብግብራ ከም እትጣዓስ ክገብራ'ዩ፡" ኢሉ።

በዚ ድማ፡ መደበራት ኣመሪካ ነቲ ኢራን እትህቦ ምላሽ ተቓላዕቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ፡ ባሕሬን፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኩዌት፡ ዮርዳኖስን ሶርያን መዓስከራት ኣለዋ።

ኵሎም ድማ ኣብ ውሽጢ ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይላት ኢራን እዮም ዝርከቡ።

ኣብ 2020 ኢራን፡ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚኣ ቓስም ሱሌማኒ ኣብ ዒራቕ ብትእዛዝ ትራምፕ ምስ ተቐትለ፡ ነቲ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ሓይልታት ኣመሪካ ዘአንግድ መዓስከር ኣየር ኣል ኣሳድ ወቒዓ፡ ሕነ ንምፍዳይ ከም ዝፈተነት ይዝከር።

ቴህራን ንኣመሪካ ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ስለ ዝነበረት፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ሞት ኣየስዓበን፤ እንተዀነ ኣብቲ መደበር ርኡይ ጕድኣት ኣውሪዱ'ዩ።

ቴህራን ኣብዚ እዋን'ዚ ተመሳሳሊ ኣገባብ ክትደግም ትኽእል እያ።

ይዅን'ምበር ኣብዚ እዋን ዝዓበየ ወጥሪ ብምህላው፡ እቲ ኵነታት ንኢራን ደፊኡ ኣማራጺ የብለይን ኣብ ትብለሉ ደረጃ እንተብጺሑዋ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዘይኰኑ ረብሓታት ኣመሪካ፡ እንተላይ ኣብ ኤምባሲታት ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ምብጻሕ ከም ኣማራጺ ክትርእዮ ተኽእሎ ኣሎ።

ሓደጋ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣዝዩ ልዑል ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ቐጠር፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየን ብስትራተጅያዊ ኣገዳስነትን ዘለዎ መደበር ፔንታጎን፡ ማለት መዓስከር ኣየር ኣል-ዑደይድ ዝርከበላ ሃገር እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቐጠር፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየን ብስትራተጅያዊ ኣገዳስነትን ዘለዎ መደበር ፔንታጎን፡ ማለት መዓስከር ኣየር ኣል-ዑደይድ ዝርከበላ ሃገር እያ

ወሽመጥ ሆርሙዝ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ምዕራባውያን ተጻባእታን ዝለዓል ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ፖለቲካዊን ወተሃደራውን ሰብመዚ ቴህራን ነዚ ወሽመጥ ምጥቃዕ ከም መፈራርሒ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ጸቢብ መስመር ማይ ወሽመጥ ዓረብ፡ ስትራተጅያዊ ቦታ ኰይኑ፡ ኣስታት ሓደ ሕምሲት ዓለማዊ ምትሕልላፍ ነዳዲ የተኣናግድ።

ሕጂ'ውን፡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ክትዓጽዎ ትኽእል እያ ዝብል ግምታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ብዙሓት ድማ፡ እዚ ስጕምቲ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋታት ነዳዲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቍጠባ ኣመሪካ ልዑል ጽልዋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይገልጹ ኣለው።

ናይ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኮር (IRGC) ፍጥነት ዘለዋ ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, Nur Photo via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፈጣን ጃልባ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን

ሆርሙዝ ምጥቃዕ፡ ብውህደት ነተጕቲ ሓይሊ ባሕሪ፡ ክሩዝ ሚሳይላት፡ ምክልኻል ገማግም ባሕሪ ከምኡ'ውን ብዙሓት መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ፈጣናት ጀላቡ ብምጥቃም ክዕወት ይኽእል'ዩ።

ነዚአን ድማ ኮር ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከፍርየንን ክእክበንን ጸኒሑ'ዩ።

ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዓረብን ቀይሕ ባሕርን ንዝርከባ መራኽብን ትካላትን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ሚሳይላትን ነተጕትን ኣብ ምፍጻም ውሑድ ታሪኽ'ዩ ዘለዋ።

ድሕሪ'ቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ግን፡ ቴህራን ብዝያዳ ጽዑቕ ስጕምቲ ክትወስድ ትኽእል እያ።

በዚ ድማ፡ ኣብ ሃገራት ስዑዲ ዓረብ ወይ ኢማራት ዓረብ ንዝርከባ ታንከራት፡ ወደባት ወይ ትካላት ጸዓት ዒላማ ብምግባር ዓለማዊ ስንባደ ነዳዲ ከተልዕል ትኽእል።

ዓቃባውያን ኢራን ድማ፡ ንመሳለጥያታት ጸዓት ስዑዲ ዓረብ ብፍሉይ ንምውቃዕ ክህሉ ዝኽእል መደባት ክገልጹ ተራእዮም ኣለው።

ካርድ ውክልና

እቲ ምስ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ምትእትታው ኣመሪካን፡ ኢራን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ "ግዜ ጸገምካ ዝረድእ መሓዛ" ኰይኖም ከገልግሉ ይኽእሉ'ዮም።

ዋላ'ውን ክግታእ ብዝኽእል ደረጃ ኣብ ንብረት ወይ መስመራት ቀረብ ኣመሪካ ዝተዋደደ ናይ ውክልና መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ንኣመሪካን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ረብሓታትን ብሓቂ ስክፍታ ዝፈጥር እዩ።

ኢራን ነቶም ጕጅለታት ንዓመታት ክትምውሎምን ከተዕጥቘምን'ኳ እንተጸንሐት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብወተሃደራዊ መዳይ ተደኺሞም እዮም ዘለው።

ስለዚ፡ ትርጕም ዘለዎ ጽምዶ ንምፍጣር ድሌት ከም ዘይብሎም ይግለጽ።

ካብ ጥቅምቲ 2023 ክሳብ ሕዳር 2024 ምስ እስራኤል ብዝገበሮ ኲናት ዝተዳኸመ ሕዝቦላህ፡ ክሳብ ሕጂ ተዓዛቢ ናይቲ ግጭት ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ንሓይልታት ኢራን ንምሕጋዝ ዝዀነ መብጽዓ ክኣቱ ድማ ኣይተርኣየን።

ኣብዚ እዋን፡ ካብ መንግስትን መራኸቢ ብዙሃንን ሊባኖስ ኣጽዋር ክፈትሕን ምስ ቀዳምነታት መንግስቲ በይሩት ክሰማማዕን ጸቕጢ ይገጥሞ'ዩ ዘሎ።

ሑቲ ኣብ የመን መሻርኽቲ ኢራን ኰይኑ፡ ከምቲ ኣብ 2023 ንመርከብ ጽዕነት ጋላክሲ ሊደር ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዒላማ ክገብር ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Houthi Movement via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሑቲ ኣብ የመን መሻርኽቲ ኢራን ኰይኑ፡ ከምቲ ኣብ 2023 ንመርከብ ጽዕነት ጋላክሲ ሊደር ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዒላማ ክገብር ይኽእል እዩ።

ዕጡቓት የመን ሑቲ'ውን፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ከም ዘየርኣየ ይፍለጥ።

ቅድሚን ድሕሪን መጥቃዕቲ ኣመሪካ ግን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገብሩ ኣጠንቂቘም።

እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ግን፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ምስ ዋሽንግተን ዝኣተውዎ ውዕል ምፍራስ'ዩ ክኸውን።

ካብ ወገን ዒራቕ ክሳብ ሕጂ ኣብ መጠንቀቕታ ዝተሓጽረ መግለጺ ምትሕግጋዝ ጥራይ ክስማዕ እንከሎ፡ ሶርያ ድማ መሓዛ ቴህራን ባሻር ኣልኣሳድ ካብ ዝግልበጥ ንደሓር፡ ኢራን ካብ መንግስቲ ደማስቆን ወከልቲ ጕጅለታትን ዝግበር ደገፍ እናነከየ ክመጽእ ርእያ ኣላ።

ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ ንመሰረታት ናይቲ ን46 ዓመታት ዝጸንሐ ምሕደራኣ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ከቢድ ምዕባለ እንተኣጋጢሙ፡ ኢራን ብዝዀነ ደረጃ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለው መሓዙት ጕጅለታት ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝግለጽ ጽምዶ ክትጽበ እያ።

ገምጋም ሓደጋታት

ኢራን፡ ኣብቲ ምስ እስራኤል ዘለዋ ኲናት፡ ናብ ከተማታት እስራኤልን ወተሃደራዊ ቦታታትን ሚሳይላት ኣብ ምውንጫፍ ኣተኲራ ጸኒሓ።

እዚ ድማ፡ ቀጥታዊ ምላሽ ኣመሪካ ከለዓዕል ካብ ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ንምቝጣብ ክትክተሎ ዝጸንሐት መገዲ'ዩ።

እቲ ኲናት በዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት እንተቐጺሉ፡ ኢራን ነቶም ናብ እስራኤል እተቕንዖም ሚሳይላት ክትመቕሎም ክትግደድ ትኽእል እያ።

ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ 150 ሚሳይላት ክተወንጭፍ እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ድማ እቲ ኣሃዝ ናብ ኣስታት 30 ኣብ መዓልቲ ወሪዱ።

እዚ ይውሕድ ኣሎ ማለት፡ ኣንጻር ንብረት ኣመሪካ ዝሰፍሐን ዝነውሐን ወፍሪ እንተተፈጢሩ፡ ድሩት ዓቕሚ እዩ ክህልዋ ማለት'ዩ።

ሕነ ምፍዳይ ንኢራን ናብ ክልተ ግንባራት ኲናት ክጐታ'ውን ይኽእል፤ ንኣመሪካ ንዝዓበየ ጸረ-መጥቃዕቲ ክዕድምን ንመሪሕነት እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝያዳ ናብ ወሰን ክደፍኦን ይኽእል።

ኢራን ዘለውዋ ኣማራጺታታ ኣብ እትዕቅነሉን ሓደጋታት ኣብ እትመዝነሉን ዘላ እዋን፡ ኣብ ሕቶ ህላወን ምስ ኣመሪካ ዝግበር ከቢድ ምግጣም ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤንን ክትውጠር'ያ።