ኢራን - እስራኤል፡ ጠንቂ ኣብ መንጐአን ዘሎ ዓሚቝ ጽልኢ እንታይ እዩ?

ነታንያሁን ዓሊ ኻሜኒን

እተን ወትሩ ብዓይኒ ጽልኢ ዝጠማመታ፡ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ክጠቓቕዓ ዝጸንሓ ኢራንን እስራኤል፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዙ፡ እስራኤል ብዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ኣብ ዲቕ ዝበለ ኲናት ብምእታወን ንመላእ ዓለም ኣጨኒቝ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራንን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያድ፡ ሓያሎ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሳይንሰኛታት ኒዩክለስን ቀቲላ፣ መሳለጥያታት ኒዩክለስን ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጽን ከምዝሃሰየት ይፍለጥ።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ኢራን ሚሳይላትን ድሮናትን ተጠቒማ ብዝፈነወቶ ፈዳይ ሕነ ስጕምቲ፡ ንሓያሎ ከተማታት እስራኤል ኣጥቂዓ። መጥቃዕቲ እስራኤል ቀጺሉ፡ ኢራን ድማ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ትህብ ኣላ።

እስራኤል፡ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምፍራይ ኣብ ጥርዚ በጺሓ እያ፣ እዚ ድማ ንህልውናይ ከቢድ ሓደጋ እዩ ብምባል ክትከስስ እንከላ፡ ኢራን ብወገና እስራኤል ልኡላውነታ ስለዝተጣሕሰ ንነብሳ ካብ ምክልኻል ድሕር ከምዘይትብል ኣጠንቂቓ።

ብሰንኪ'ዚ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ስግረ-ዶባዊ ግጭት፡ ናብ ኣዕናዊ ኒዩክለሳዊ ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእል ዓለም ኣብ ከቢድ ስክፍታ ኣትያ'ላ። ሕቡራት ሃገራትን ዝርከበን ሓያለ ሃገራት፡ እስራኤልን ኢራንን ነዚ ግጭት ካብ ምዕራግ ክቝጠባ ጸዊዐን፤ ገለ ሃገራት ንእስራኤል ዝድግፋ እንከለዋ፡ ገለ ድማ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ኰኒነን ኣለዋ።

እዘን ክልተ ሃገራት ንነዊሕ እዋን ከቢድ ቅርሕንቲ እዩ ጸኒሑወን። ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ከቢድ ኵነታት ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንኸይሰፍን ዓቢ ማሕንቘ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ።

ኢራን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ፡ ንእስራኤል "ንእሽቶ ሰይጣን" ብምባል ካብ ገጽ ምድሪ ተደምሲሳ ክትርእያ ክትደሊ እንከላ፡ ንኣመሪካ ድማ ከም "ዓባይ ሰይጣን" ኢላ እያ እትገልጻ።

ኢራን ንእስራኤል ብቐጥታ ካብ ምጥቃዕ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብእተዕጥቘም ሓይልታታት ኣቢላ እያ ብውክልና ክትቃለሳ ጸኒሓ።

ኣብ 1979 ናብ ስልያን ዝመጸ መራሒ ሰውራ ኢራን ኣያቶላ ከሜኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጠንቂ ጽልኢ ቴህራንን ተልኣቪቭን እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክሳብ መወዳእታ ሰብዓታት ዝምድና እስራኤልን ኢራንን ዘይከም ምስ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥ ዓረብን ዝሓሸ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ምምስራት እስራኤል ኣብ 1948 ድሕሪ ግብጺ ነታ ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበት ካልኣይቲ እስላማዊት ሃገር ኢራን እያ።

ኣብቲ እዋን ኢራን፡ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ዝነበረ ሻህ ፓህላቪ እያ ትምራሕ ነይራ።

ኣብ 1979 ኢራን፡ እስላማዊ ሰውራ ለውጢ መንግስቲ ምስ ገበረ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዝምድና ብኡ ንብኡ መልክዑ ቀይሩ።

መራሒ እስላማዊ ሰውራ ኣያቶላህ ዅመይኒ ንመንግስቲ ሻህ ካብ ስልጣኑ ዓልዩ፡ "መራሒ ውጹዓት" ኰይኑ ድሕሪ ምቕልቃሉ መትከላት መንግስትነቱ ን"ሃጸይነት" ኣመሪካን መሻርኽታን ምቅዋም እዩ ነይሩ።

ኣያቶላህ፡ ሃገሩ ምስ እስራኤል ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምብታኽ፡ ፓስፖርት እስራኤል ኣፍልጦ ብምኽላእ፡ ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ነቲ ኣንጻር መንግስቲ እስራኤል ዝቃለስ ዝነበረ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ኣረኪቡ።

ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ንዝፍጠሩ ግጭታት ዘጽንዕ ትካል ክራይስስ ግሩፕ ዓሊ ቫዝ፡ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኢራን ብኣጋኡ ከምዝጀመረ ይዛረብ።

"ዓሚቝ ጽልኢ እስራኤል መለለዪ ናይቲ ሓድሽ መንግስቲ ኢራን ኰይኑ፤ ብዙሓት መራሕቲ ኢራን ኣብ ከም በዓል ሊባኖስ ዝኣመሰሉ ቦታታት ምስ ፍልስጤማውያን ተቓለስቲ ጥቡቕ ርክብ ኣማዕቢሎም፣ ኣብኡ ድማ ነቶም ጕጅለታት ከሰልጥኑን ጸኒሖም እዮም፡" ይብል።

ብተወሳኺ እታ ሓዳስ ኢራን፡ ንጉዳይ ፍልስጤም ብምጕላሕ ብዛዕባ ኣስላም እትግደስን፡ ጸረ-እስራኤልን ኰይና ተቐልቂላ።

ቫዝ ከም ዝብሎ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋናት፡ ዒራቕ ንእስራኤል ዝዓበየት ስግኣት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኢራን ክሳብ ክንድዚ ሕጂ ዘለዋ ከቢድ ቅርሕንቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከተሕድር እያ ዝብል ጥርጣረ ኣይነበረን።

እስራኤልን ኢራንን ብዓይኒ ጽልኢ ክጠማመታ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ውድቀት ሳዳም ሑሴን፡ እስራኤል ንኢራን ንጸጥታ እቲ ዞባ ዝያዳ ሓደገኛ ሃገር እያ ኢላ ብምእማን፡ ብዛዕባ ኢራን ስክፍታ እናዓረገ መጺኡ። እቲ ኢራን ንሰላማዊ መዓላ እዩ እትብሎ መደብ ምምዕባል ኑክሌሳዊ ዓቕሚ ድማ ወትሩ ድቃስ ከሊእዋ እዩ ጸኒሑ።

ርክብ ኢራንን እስራኤልን ካብ 1979 ጀሚሩ'ዩ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ እስራኤልን ኢራንን ናይ ኢደ-ዙር ኵናት

ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥ ዓረብን፡ ብጀካ ንእስራኤል ንስዑድ ዓረብ'ውን ብጥርጠረ'ያ ትርእያ።

ኣብቲ መብዛሕትኦም ተኸተልቲ ሱኒ ዝርከብዎ ዞባ፡ ኢራን እታ ዝበዝሑ ሽዓ ዝርከብዎ ሃገር'ያ።

ንገዛእ ርእሳ ካብ ዝኾነ ዓይነት መጥቓዕቲ ንምክልኻል ከኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ስትራተጂ ብምንዳፍ ካብ ዓለም ክትንጸል ከምዝኸኣለት ቫዮዝ ይገልጽ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ መንግስቲ ኢራን ካብ ምስ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ዕጡቓት ብምሽራኽ'ዩ ድሌታቱ ከማልእ ጸኒሑ።

ኢራን 'ኣክሲስ ኦፍ ረዚዝታንስ' ኢላ እትጽውዖም ዕጡቃት ጉጅለታት ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ኢራቕን የመንን ከምኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኢራን ጸረ እስራአል ዝኾኑ ጉጅለታት ዝሓቖፈ'ዩ።

ኢራን ነቲ ብኣመሪካን ብሕብራት ኣውሮጳን ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ጉጅለ ሕዝቦላህ'ውን ተዕጥቖ'ያ።

ንወሽመጥ ቃዛ ዘመሓድሩ ሓማስ፡ ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ'ውን ኢራን ከም እተሰልጥኖምን ከምእተዕጥቆምን'ዩ ዝግለጽ።

እስራኤል ብወገና ኢራን እዚ ኩሉ እናገበረት ስቕ ኢላ ኣይተዓዘበታን።

ኣብ ልዕሊ ኹሎም እቶም ብኢራን ይድገፉ'ዮም ዝብሃሉ ጉጅለታትን ኣብ ውሽጢ ኢራን ዝርከብ መደበራትን መጥቓዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኢራንን እስራኤልን ከካይደኦ ዝጸነሓ ኵናት 'ኵናት ድሕረ መጋረጃ' እናተባሃለ'ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኢራን ንእስራኤል በቶም ንሳ ትድግፎም ዕጡቓት ገይራ'ያ ከተጥቕዓ ጸኒሓ፡ እስራኤል'ውን ብተመሳሳሊ ተሪር መልሰ ግብሪ ክትወስድ ጸኒሓ።

ኣብ 1992 ኣብቲ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ዝነበረ ዓባስ ኣል ሙሳዊ ምስ ተቐተለ፡ ምስ ኢራን ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮ እስላማዊ ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም 29 ሰባት ቀቲሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኢስራኤል ንሞት መራሒ ሕዝቦላህ ዋላ'ኳ ሓላፍነት እንተዘይወሰደትሉ፡ እቲ መራሒ ሕዝቦላህ ብሞሳድ ከምዝተቐተለ'ዩ ዝእመን።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ኣርጀንቲና ዝርከብ ኢምባሲ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ'ውን ብዘይ ኣፍልጦ ኢራን ክገብሮ ከምዘይክእል'ዩ ዝእመን።

እራኤል፡ ናይ ኢራንን ኒክለሳዊ መደባት ንምዕንቓፍ ኩሉ ዝክኣላ'ያ ትገብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኒዩክለር ኢራንን ስግኣት እስራኤልን

እተን ብቀደሙ'ውን ዓይንን ሓመድን ዝነበራ ክልተ ሃገራት፡ ኣያቶላህ ኣብ ኢራን ናይ ኒዩክለር መደብ ምስ ሓንጸጸ'የን ናብ ድሙን ኣንጭዋን ተቐይረን።

እስራኤል፡ ኢራን ወናኒት ኒክለራዊ ኣጽዋር ንኸይትኸውን ኩሉ ዝክኣላ'ያ ክትገብር ጸኒሓ።

ኢራን ግን እቲ ኒዩክለር፡ ንጸዓት ጥራይ ክትጥቐመሉ ምኻና'ያ ትማጎት ዘላ።

ነዚ ምኽንያት ፈጺማ ዘይትቕበሎ እስራኤል፡ ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ካብ ምንባር ጀሚራ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ኣብ ኮምፒታራት ኢራን 'ስቱኤኔት' ዝብሃል ቫይረስ ብምእታው ከቢድ ዕንወት ኣብጺሓትላ'ያ።

እስራኤል፡ ንኮምፒተራር ኢራን ጥራይ ዘይኮነ ንተመራመርቲ ኢራን'ውን ካብ ምጥቃዕ ዓዲ ኣይውዓለትን።

ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ማእከል ቴህራን ሓያሎ ተመራመርቲ ኢራን፡ ብእስራኤል ተቐቲሎም።

ኣብ 2020 ኣብ ልዕሊ ፍሉጥ ኢራናዊ ተመራማሪ ሞህሰን ፋክሪዛሄድ ዝተፈጸመ ቅትለት ግን ኣዝዩ ኣዘራራቢ'ዩ ነይሩ።

ክፍሊ ስለያ እስራኤል፤ ነዚ ተመራማሪ ንምቅታል ንነዊሕ እዋን መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ'ዩ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ወሰናስን ከተማ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ቦታ ንሞህሰን ፋክሪዛሄድ ቀቲልዎ።

እዚ ኩሉ ክኸውን ኢራን'ውን የእዳዋ ኣጣሚራ ኣይኮነትን ትዕዘብ ነይራ።

ናብ እስራኤል ናይ ድሮንን ሮኬታታን ምጥቃዕትታት ብምፍጻምን ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ብክያድን ንእስራኤል ሕማም ርእሲ'ያ ኮይናታ።

ኣብ 2011 ሰውራ ጽድያ ዓረብ ምስ ተኻየደ ኣብ ሶርያ ዝጀመረ ኵናት ሓድሐድ፡ እቲ ካልእ ንእስራኤልን ኢራንን ብኢደ ኣዙር ንክዋግኣ ዝድረኸ ሮቋሒ'ዩ።

ንፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንምእላይ ሰውራ ምስ ተጀመረ፡ ባሻር ኣል ኣሳድ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ኢራን ብዕጥቒ፡ ብገንዘብን ብወተሃደራውያን መኮነናትን ኩሉ ደገፍ ከምዝገበረትሉ ሃገራት ምዕራብ ይኸሳ።

እስራኤል ከኣ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሕዝቦላህ ካብ ኢራን ዝረኽቦ ዝነበረ ደገፋት ብሶርያ ስለዝሓለፍ፡ ምዕላው ባሳር ኣል ኣሳድ ነቲ መስመር ስለዝበትኾ፡ ባሻረ ኣል ኣሳድ ካብ ስልጣን ንኽእለ ኩሉ ዝክኣላ ነገር ትገብር ነይራ።

እስራኤልን ኢራንን ብድሕሪ መጋረጃ ዝካይደኦ ዝነበራ ኵናት ካብ መሬት ሓሊፉ ኣብ ባሕሪ'ውን ክካየድ ጀመረ።

ኣብ 2021 ንብረት ዝሽከማ መራኽብ እስራኤል ብኸበባ ዖማን እናሓለፋ እንከለዋ ብኢራን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን እስራኤል ከሲሳ።

ኢራን ብግዲኣ ብቀይሕ ባሕሪ እናሓለፍት እንከላ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ መርከባ፡ ፈጻሚቱ እስራኤል ምዃና ከሲሳ።

እስራኤል ኣብ ቃዛ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ካብ እትጅመር ከኣ፡ ኣብ የመን ዝመደበሮም ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጽሙን ናብ እስራኤል ደብዳብ ድሮናት ከካይዱን ጸኒሖም'ዮም።

ብእስራኤል ከምዝተቐተለ ዝግለጽ ላዕለዋይ ኢራናዊ ተመራማሪ ሞህሰን ፋክሪዛሄድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መጥቃዕቲ ሓማስን ምፍጣጥ ክልቲአን ሃገራትን

እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዝጀመረ ኲናት ቓዛ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ መላእ ዓለምን ኣሻቓሊ ኵነታት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ጽልኢ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጺሑዎ ይርከብ።

ብኢራን ከም ዝድገፍ ዝንገር ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ፡ ዶብ እስራኤል ሰጊሩ ሃደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ኵነታት ንኽልቲአን ሃገራት ናብ ሓያል ኲናት ከ'እትወን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ብኣጋ'ኡ ስግኣት ፈጢሩ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝዓስከሩ ብኢራን ዝድገፉ ዝተፈላለዩ ጕጀለታት፡ ኣንጻር እስራኤል ሓያለ መጥቃዕትታት ሚሳይል ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም።

እስራኤል ንሓማስ ንምጥፋእን፡ በቲ ዕጡቕ ሓይሊ ጅሆ ንዝተታሕዙ ዜጋታታት ንምልቃቕን ኢላ ኣብ ቓዛ ኲናት ካብ እትኸፍት ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ምስ ኢራን ናብ ሓድሽ ኲናት ኣትያ ትርከብ። ቅድም ኢላ'ውን ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሕዝቦላህ፡ ሑቲን እውን ከተጥቅዕ ጸኒሓ እያ።

ብፍላይ ኣብ ሊባኖስ፡ ንመራሕቲ ሕዝቦላህ ሃዲና ብምቕታል ነቲ ጕጅለ ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዳትሉ እያ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ሶርያ እውን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ጸላእተይ እዮም እትብሎም ሓይልታት ከተዳኽም ጸኒሓ እያ።

ኣብ መንጐ'ዚ ስርሒታት'ዚ፡ እቲ ንላዕለዎት መኮንናትን ተመራመርቲ ኑክሌስን እናሃደነ ዝቐትል ትካል ስለያ እስራኤል፡ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ቈንስል ኢራን ሃደንበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ከቢድ ጕድኣት ከምዘውረደት ይዝከር።

በዚ መጥቃዕቲ ዒላማ ዝተገብሩ ወሰነት ሰበስልታን ኢራን እዮም ነይሮም። ክልተ ጀነራላትን ሓያለ ወተሃደራዊ መኮንናትን ኣብ ሶርያ ተሪፎም እዮም።

እስራኤል እቲ ኣብዞም ሰበስልጣን ዝተፈጸመ ቅትለት ብወግዒ ሓላፍነት'ኳ እንትዘይወሰደትሉ ዓለም ግን ካብ እስራኤል ወጻኢ ካልእ ነዚ ክፍጽም ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየለ ትሰማማዕ።

ኢራን ብወገና ከም ግብረመልሲ ናይዚ ቅትለታት፡ ልዕሊ 300 ሚሳይላትን ድሮናትን ተጠቒማ ብቐጥታ ንእስራኤል ብምጥቃዕ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሀ ኵነታት መልክዑ ከም ዝቕይር ገይራቶ።

ሕጂ ድማ ድሕሪ'ቲ እስራኤል ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ፡ ኢራን ግብረመልሲ ብምሃብ ኣብ ከቢድ ኲናት ተሸሚመን ኣለዋ።

እስራኤል፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ንምድኻም፡ ኢራን ድማ ሕነ ንምፍዳይ ዘለወን ዓቕሚ ይጥቀማ ኣለዋ።

እዚ ግጭት ናብ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ኑክሌሳዊ ውግእ ከየምርሕ ንመላእ ዓለም ኣሻቒሉ'ሎ። እስራኤል ንኢራን ከተንበርክኽ ዝጀመረቶ ወፍሪ ዘይተቋርጽ እንተዀይና ኢራን ዘለዋ ኵሉ ኣማራጺታት ካብ ምጥቃም ድሕር ከምዘይትብል ይግመት። ካብዚ ስግኣት'ዚ ብምጋስ እዩ ሃገራት ዓለም እዚ ኵነታት ብኣጋ ክሃድእ ዝጽውዓ ዘለዋ።

ኣብ ውሽጢ ኢራን ጸረ እስራኤል ዝካየዱ ተቓውሞታት ማእላያ የብሎምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images