ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ቱርካውያን በጻሕቲ ዝርከቡዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

  2. 'እንቋዕ ናብ 2976 ኣብጽሓኩም' - ንዓለም ብሓደ ሽሕ ዓመት ዝቕድሙ ህዝቢ

  3. ኤርትራ፡ ናብ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ተመሊሳ

  4. ትራምፕ፡ ኢራን ንተቓወምቲ ብሞት እንተቐጺዓ 'ሓያል ስጕምቲ' ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ

  5. ሓለዋ ስደተኛታት ዝቐንጠጠ ሓድሽ መምርሒ ምምሕዳር ትራምፕ

    ኣብ በረድ ዝኣተከበሉ ቦታ ደው ዝበሉ ሶማላዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣመሪካ፡ ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይጥረዙ ዝገብር ውሕስነት ክለዓል ወሲና።

    እቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ብቐሊሉ ካብ ኣመሪካ ክስጐጉ ኣፍደገ ዝኸፈት’ዩ።

    ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝኾነት ክሪስቲ ኖም ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ “ናይ ሶማልያ ኩነታት ሃገር ተመሓይሹ ስለዝኾነ፡ ንቅጥዕታት ናይቲ ሕጊ [ሓለዋ] ዘማልእ ኣይኮነን” ብምባል ሞጒታ።

    “ጐሓፍ ናብ ሃገርና ምቕባል እንተቐጺልና ኣመሪካ ናብ ግጉይ መንገዲ ክትከይድ'ያ” ክብል ዝተዛረበ ትራምፕ፡ ሶማላውያን ካብ ሃገሩ ክወጹ ከምዝደሊ ክዛረብ ጸኒሑ’ዩ።

    እቲ 1990 ዝወጸ "ፍቓድ ግዝያዊ ሓለዋ" (TPS) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ስደተኛታት ናብ ዘይውሑሳት ሃገራት ከይስደዱ ዝእግድ እዩ።

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ 17 መጋቢት ጀሚሩ ኣስታት 2,500 ኣብቲ ትሕቲ ሓለዋ ናይቲ ሕጊ ክነብሩ ዝጸንሑ ሶማላውያን ናይ ስራሕን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ተሓዲጎም ንምጥራዝ ክቃልዑ እዮም።

    ናብታ ብዙሓት ሶማላውያን ከምዝነብሩላ እትፍለጥ ርእሰከተማ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝኾነት ከተማ ሚኒያፖሊስ ተወሰኽቲ ተቖጻጸርቲ ኢሚግሬሽን ፈደራል ከዋፍር ምዃኑ ምምሕዳር ትራምፕ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረኔ ኒኮል ጉድ ዝተብሃለት ተሓላቒት፡ በቶም ኣባላት ኢሚግሬሽን ብጥይት ምቕታላ ኣብታ ከተማን ካልኦት ክፍለሃገራትን ተቓውሞታት ኣስዒቡ ጸኒሑ'ዩ።

  6. ማይክል ካሪክ ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ ክኸውን ተሓርዩ

    ማይክል ካሪክ ኣብ መስመር ሜዳ ብምልክት እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እግሊዛዊት ክለብማንቸስተር ዩናይትድ፡ ማይክል ካሪክ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ክኸውን ተሰማሚዓ።

    እቲ ወዲ 44 ዓመት ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ተሓሊሉ ዝተሰናበተ ፖርቱጋላዊ ሩበን ኣሞሪም ብምትካእ’ዩ ነታ ጋንታ ክሕዛ ተሓርዩ ዘሎ።

    ምስታ ጋንታ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተጻወተ ካሪክ፡ ኣብ ትሕቲ ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ኣለክስ ፈርጉሰን ሓሙሽተ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግን ሓንቲ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳን ዝርከቦ ዓወታት ዝሓፈሰ’ዩ።

    ድሕሪ ፈርጉሰን ዓወት ዝተሓረማ ዩናይትድ፡ ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ልዕሊ 10 ቀወምትን ግዝያውያንን ኣሰልጠንቲ ቆጺራ ከምዘሰናበተት ይፍለጥ።

    ሓደ ካብቶም ውሩያት ኣጥቃዕቲ ናይታ ጋንታ ዝነበረ ዋይን ሩኒ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውሳነ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነታ ጋንታ ናብ ናይ ቀደም ዝናኣ ዝመልስ ዕድል ምዃኑ ይዛረብ።

    "እታ ክለብ መንነታ ኣጥፊኣ እያ፡ እቲ ስድራቤታዊ ስምዒት ኣጥፊኣቶ'ያ፡ እንተደሊኻ። ኦለ [ጋነር ሶልሻየር] ይኹን ማይክል፡ ንዕኡ ዝመለስ፡ ንመንፈስ ማንቸስተር ዩናይትድ ናብታ ክለብ ዝመልስ ዕድል'ዩ" ብምባል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    ማይክል ካሪክ ዕዉት መንፈስ ፈርጉሰን ድዩ ወይ መናፍስቲ ስዕረት ዝሓለፉ ብዙሓት ኣሰልጠንቲ ክገጥሞ ግን ዝመጽእ ግጥማት ናይዚ ዓመተ-ውድድር ዘብርሆ'ዩ ክኸውን።

  7. ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ወግዓዊ ልብሲ ዝተኸደ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኣኼባ እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ምስ መራሕቲ ሶማልያ ንምዝርራብ ናብ ሞቓድሾ ኣትዩ።

    እቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ከምዘብጽሐ ዝንገረሉ ዘሎ ሬድዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዕጹው ኣኼባ ከምዘካየደ ሪፖርተር ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

    ዝርዝር ናይቲ ልዝብን መልእኽትን ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

    ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሬድዋን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ጂቡቲ ተጓዒዙ ነይሩ'ዩ።

    ብሰንበት ናብ ጂቡቲ ዝኣተወ ኣቢይ፡ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢስማዒል ዑመር ገለህ ብምርኻብ "ብዛዕባ ጆኦፖለቲካዊ ኩነታት፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን" ከምዝተዘራረቡ ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ ነይሩ።

    ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ቁጠባዊን ንግዳዊን ምትሕግጋዝን ርክብን ንምሕያል ምልዛቦም'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ የመልክት።

    ወደባት ጂቡቲ ቀንዲ ኣፍደገ ባሕሪ ናይታ ኣብቲ ዞባ ብብዝሒ ህዝብን ቁጠባን ዝዓበየት ሃገር ምዃነን ይፍለጥ።

    ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ'ውን ምስቲ ልኡኽ ኣብ ጂቡቲ ተራእዩ ነይሩ።

    ብወገን ሞቓድሾ ይኹን ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ምብጻሕ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ሞቓድሾ ብወግዒ ዝተባህለ የለን።

  8. ሶማሊላንድን ፑንትላንድን፡ መንግስቲ ሶማል ስምምዓት ኢማራት ዓረብ ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺገን

    ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ (ጸጋም)፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ (ኣብ ማእከል) ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ፑንትላንድ ስዒድ ዓብደላሂ ደኒ (የማን)

    ምንጪ ስእሊ, MFA Somaliland/Hassan Sheikh Mohamud/Puntland State House

    ንርእሳ ከም ናጻ ሃገር እትቘጽር ሶማሊላንድን ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዞባ ጁባላንድን፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገበሮ ስምምዓት ወደባት ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺገን።

    ሶማሊላንድ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ግዝኣታ “ሕጋውን ምምሕዳራውን ስልጣን” ከም ዘይብሉ ክትገልጽ ከላ፡ ፑንትላንድ ውሳነ ሞቃድሾ “ተግባራዊ ዘኰነን ባዶን” እዩ ኢላ።

    ፈደራላዊ መንግስቲ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተገብረ ኩሉ ክልተኣዊ ስምምዓት ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ብሰኑይ 12 ጥሪ 2026 ኣፍሊጡ እዩ።

    እቲ ውሳነ “ስርሒታት ወደባት፡ ትካላት መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝግበር ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን” ዝምልከት ምዃኑ ይንገር።

    ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዘተኰረ መግለጺ መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ውሳነ ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ወደብ በርበራ፡ ኣብ ፑንትላንድ ዝርከብ ወደብ ቦሳሶ፡ ኣብ ጁባላንድ ዝርከብ ወደብ ኪስማዮ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ገሊጹ።

    ወሲኹ ድማ “ፌደራላዊ ትካላት”ን ኣካል ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ዝዀና ክልላትን ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ፌደራል እቲ ውሳነ “ልኡላውነት ሶማልያ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ሃገራዊ ሓድነት ሶማልያ ንምሕላው ኣድላዪ እዩ” ኢሉ።

    ብተወሳኺ ኢማራት ዓረብ “ንናጽነትን ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሶማልያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዕጡቕን ንሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ተግባራት” ፈጺማ እያ ክብል ከሲሱ።

  9. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምልሶም ትጽቢት ዝተገብረሎም ዘቤታዊ ጉዳያት

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምልሶም ትጽቢት ዝግበረሉ ቀንዲ ዘቤታዊ ጉዳያት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ቀዳምነት ኣይህቦምን’ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

    ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን ለውጢዶ ይገብር ይኸውን ክብል መልሲ ንዝደልየሉ ሕቶታት መልሲ ንክረክብ ይጽበ ከምዘሎ ይእመን።

    ኤርትራውያን ዝደልይዎ ለውጥታት፡

    • ለውጥታት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲታት

    ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ቁጠባ ኤርትራ በቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንስድራ ቤቶም ንምሕጋዝ ብዝሰዱዎ ገንዘብ (‘ረሚታንስ)’ እዩ ዝድገፍ ዘሎ።

    ካብቶም ቀንዲ ሓለኽቲ ዝኾኑ ረቛሒታት፡ ስሩዕ ባጀታዊ ስርዓትን ፊስካላዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ዘይምህላውን፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ውትህድርና ተጸሚዱ ብዓይኒ ቁጠባ ዓዲ-ውዒል ኮይኑ ብምህላዉን ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ቁጠባ ዝገልጹ።

    ኤርትራ ንውትህድርናን ጸጥታን እተውጽኦ ዓቢ ባጀት’ውን ተወሳኺ ጸቕጢ ከም ዝገብረላ እዩ ዝንገር።

    ብዘይካ’ዚ፡ ኣውፈርቲ ረጊኦም ርእሰ ማሎም ዘፍስስሉ ንጹርን ውሕስነት ዘለዎን ፖሊሲ ብዘይምህላዉ፡ ገንዘብ ዜጋታታ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሃድም ምግባሩ እውን ይንገር እዩ።

    ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን፡ ጠንቂ ቁጠባዊ ቅልውላው ኤርትራ ካብቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝምንጩ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ዝብልዎ “ተጻብኦታት” ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

    2. ምምሕያሽ መሰረታዊ ኣገልግሎታት

    ህጹጽን እዋናውን ፍታሓት ክናደየሎም ዘለዎ ሓያሎ ማሕበራውን ትሕተ ቅርጻውን ኣገልግሎታት’ውን ኣለዉ ይብሉ እቶም ንቢቢሲ ርእይተኦም ዝሃቡ ሰባት።

    ሓደ ካብኦም፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ዘይተፈትሐ ቅልውላው ጸዓት’ዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ዓመት መጽአ ዝኣተዎም መብጽዓታት ምብራኽን ምስፋሕን ምንጪ ጸዓት ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበሩን።

    እዚ ድማ ንመዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ንቁጠባዊ ልምዓት እታ ሃገር ዝሓለኸ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኣመነሉ ጉዳይ’ዩ።

    3. ፖለቲካዊ ለውጥታት

    ካብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ “ተጻቦታት” ዝተወንዘፉ ቀንዲ ኣጀንታታት ኤርትራ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት’ዩ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ምስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር’ውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ንዓመታት ተቐይዶም ዝተሰወሩ ናይ ሕልና እሱራት፡ እንተወሓደ ብምሕረት ክፈትሕ ብዙሓት ስድራ ቤታት ሃንቀው ዝብልዎ’ዩ።

  10. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ዝምልከት ተስፋ ዝህቡ ሓደስቲ ፖሊሲታት ዝተጸበዩ ብዙሓት ኤርትራውን ትጽቢቶም ከም ዘይተማልአ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብረመልሲ ይህቡ ኣለዉ።

    ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

    • ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዝቐረበሉ "ዘቤታዊ ጉዳያት"፡ ንሕተ ቅርጺ፡ ማይ፡ ትምህርቲን ሱታፌ ድያስፖራን እዩ ኣልዒሉ
    • ኣብ 2026 "ቀዳምነትና ህንጸት ትሕተ ቅርጺ'ዩ ክኸውን ኣለዎ፡" ብምባል "ናይ ጽርግያታት ነገራት ከሊስና፡ ቅድሚ ሕጂ ወጢናን ዘይሰራሕናዮም ንምንታይ? ኣብ 2026 ግን ክንሰርሖም ዘለና ሓደ ክልተ ኢልና ከነቐምጦም ኣለና፣ ምስ ጐረባብትና ዘራኽበና መስመራት'ውን ክስርሓሉ ኣለዎ፡" ኢሉ
    • ንትሕተ-ቅርጺ ማይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ "ነዚ ዝስዕብ ከኣ ጽዓት'ዩ፡ በዳምንተ 360 ሜጋ ጸዓት ምምንጫው'ዩ፡" ክብል እንከሎ ኣብ ጉዳይ ጸዓት "ኑክሊየር ክንጥቀም ኣለና ኢለና እንሓስበሉ'ውን ርሑቕ'ዩ ክንብል የብልናን፡" ክብል ኣተንቢሁ
    • ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ'ውን እቲ ዝዓበየ ብድሆ "ጸጋታት ሰብና እዩ፡" ብምባል፡ "ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝኸይድ ዝዓበየ መደብና ንስርዓተ ትምህርትና ምቕያር እዩ፣ ናይ ትምህርቲ መደብ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነንታትና እዩ፡" ኢሉ።
    ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

    ምንጪ ስእሊ, Shabait

    ጕዳይ ዲያስፖራ

    • "ሱታፌ ድያስፖራ ኣድማዒ ዝዀነሉ መንገዲ ክግበር ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ዝወጸ መደብ ክንገብሮ ዘይምኽኣልና ስንፍናና ኣይኰነን፡" ኢሉ

    በዚ ድማ ኣብ ጉዳይ መኸተ፡ "ምሕዝነታቶምን ምስ ዝተፈላለየ ህዝብታት ዘለዎም ርክባት ብምስፋሕ ፖለቲካዊ መኸተ ከሐይሉ፣ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሜድያ ሓይሊ ዜናዊ መኸተ ንምግጣም'ውን ውዳበ የድሊ፡" ክብል ተዛሪቡ።

  11. ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ብዛዕባ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ እንታይ ይብል?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ምስቲ ዳግማይ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ሓድሽ ጽምዶ" ንምፍጣር መደብ ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ማእከል ዝገበረ ፖለቲካ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኲናት ከይኣትዋ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ጕዳይ እዩ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል እዩ ኣነኣኢስዎ።

    "ኣዋጅ ኲናት ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ናይ ማያት ናይ ካልእ ዝብሃል መዳመቒ ዝቐርብ'ዩ፡" ኢሉ።

    እንተዀነ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናትን) ኣጽዋራትን ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ'ሎ። ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።

    እቲ ፕረዚደንት ግን፡ ኲናት እንተተኣዊጁልና ናብ ምክልኻል መሰልና ንማንም እንሓተሉ ኣይኰነን ብምባል፡ "ኣብ ናታቶም ናይ ሓሶት መአዲ ክንዕደም የብልናን። ብናይ ስድታት ጠልቀፍቀፍ ኣብ ኲናት ኣይንዕደምን ኢና። ኣብዚ ዝተወደበ ፕሮፖጋንዳታት ዘጓዪ የብልካን፡" ኢሉ።

    ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ 2025፡ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወጽአ ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ እተካይዶ ሽርክነት፡ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝምልከት ዝሓዞ መደብ ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ እንታይ ይብል?ተወሳኺ ንባብ

  12. መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ኣቋሪጹ

    ፕረዚደንት ሶማልያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ከም ዝቘረጸን ኩሎም ክልተኣዊ ስምምዓት ከም ዝተሰናኸሉን ኣፍሊጡ።

    ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ስምምዓት ከም ዘቋረጾ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    እዚኦም ምስ ወደባት፣ ጸጥታን ምክልኻልን ዝተኣሳሰሩ ስምምዓት ይርከብዎም።

    በዚ መሰረት፡ ምስ ወደባት በርበራ፡ ቦሳሶን ኪስማዮን ዝተኣሳሰሩ ስምምዓት፡ ከምኡ’ውን ምስ ፌደራላውን ዞባውን ትካላት ሶማልያ ዝተገብረ ስምምዓት ተሰሪዙ።

    ኣብ 2016 ብምምሕዳር ሶማሊላንድ ምስ ዲፒ ዎርልድ ዝተገበረ ስምምዕ ወደብ በርበራ፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ፌደራል ዝተፈረመ እዩ ብምባል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

    መንግስቲ ሶማልያ እቲ ውሳነ ልኡላውነት እታ ሃገር፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ቅዋምን ንምሕላው ዝተወሰደ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ፡ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፣ መርትዖ ንናጽነት እታ ሃገር፣ ሃገራዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ልኡላውነት እታ ሃገር ዘዳኽም ተግባራት ምስ በጽሖ’ዩ ምዃኑ ገሊጹ።

    መንግስቲ ሶማል ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣህጉራዊ ሕግን ልኡላውነትን ዝጥሕስ፡ ከምኡ’ውን ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝን ሊግ ዓረብን ኣብ ዘይምትእትታው ዝተበጽሐ ስምምዓት ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ውሳነ ነቶም ንሓድነትን ናጽነትን ሶማልያ ዘዳኽም ተግባራት ዝቃወሙ ዜጋታት ሶማልያ እውን ዝምልከት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

    ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ውሳነ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ንውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ሕቡራት መንግስታትን ከም ዘፍልጥ ገሊጹ።

  13. ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'ኲናት ናይ ማያት ኢልካ ምእዋጅ፡ ንመን?'

    ቀይሕ ባሕሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብፍላይ፡ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣትሒዝካ፡ ዝተፈላለዩ ምኒስተራት፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ኣምባሳደራትን ፖለቲከኛታትን ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ብዝተፈላለየ ግን ከኣ ናብ ሓደ ዕላማ ዝቐንዐ መግለጺታት ከስምዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

    እዚ ድማ "ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ" ብምባል፡ ነቲ ኣብ 1993 ብወግዒ ዝተኣወጀ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ክሳብ ምእታው ከም ዝበጽሑ ይፍለጥ።

    ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ኤርትራ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ምዃኑ ዝተሓተተ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል ኣነኣኢስዎ።

    ኤርትራ ግን እንታይ እያ ክገብር? ምላሽ እቲ ፕረዚደንት እንታይ ነይሩ?

  14. ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን 'ድብያን ጭውያን' ገጢምዎ

    ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንምምሕያሽ ዝተወስደ ተበግሶ ጽምዶ "ዕንቅፋት" ከም ዝገጠሞ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ።

    ብፍላይ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ "ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ኣይክኣልን'ዩ" ዝብል መግለጺ ከምዘቖጥዖ እቲ ፕረዚደንት ኣይሓብአን።

    "መደወኒ ወይ ድማ መሰይጠኒ ዓይነት መልእኽቲ እዩ። ብኸመይ መገዲ ከምዚ ተጋራጫዊ መልእኽቲ ክመጽእ ይኽእል?።

    "በቲ ሓደ ወገን ኮፍ ኢልና ክንዛረብ ንደሊና ብዛዕባ ወፍሪ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ እንድሕር ተባሂሉ፡ ኣብ ኤርትራ ኣይክኣልን'ዩ እንድር ዝብሃል ኰይኑ ንምንታይ'ዩ እቲ ዕላማ? ጸቕጢ ክትገብር፡ ወፍሪ ብናትካ ኩነት ከተገድድ ምእንቲ? ዶስ ነቲ ጽምዶ ንገዛእ ርእሱ ከትብትኖ ምእንቲ'ዩ ዝግበር ዘሎ?

    "ኣነ ሕጂ እንታይ'የ ዝብሎ፡ ድብያን ጭውያን'ዩ፡ ከም ስልቲ እንተሪኢኻዮ ድብያን ጭውያን። ከትሪ፡ ትኸትር ኣብ መንገዲ፡ ነቲ ጉዳይ ከይከደ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ናትካ ዝመስለካ ኣርእስቲ [ተምጽእ]፡" ኢሉ።

    ኣስመራ በቲ ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት ተስፋ ከይቆረጸት ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝግበር ጽምዶ ከትቅጽሎ ድያ?

  15. ቃለ መጠይቕ ፕረዚደንት ኤርትራን ትጽቢት ዜጋታትን

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንዞባዊን ኣህጉራውን ጉዳያት ዝምልከት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ሂቡ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Shabait

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ትማሊ ምስ ቴለቪዥንን ኤርትራ ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣብ ዞባዊ፡ ዓለምለኻውን ውሽጣውን ጉዳያት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

    ንውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሮም ዝምልከት ተስፋ ዝህቡ ሓደስቲ ፖሊሲታት ዝተጸበዩ ብዙሓት ኤርትራውን ግን ትጽቢቶም ከም ዘይተማልአ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብረመልሲ ይህቡ ኣለዉ።

    ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግን፡ በቲ ዓመት መጽአ ዝወሃብ ግን ከኣ ዘይትግበር መብጽዓታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝሰልከዩ እዮም ዝዛረቡ።

    እቲ ፕረዚደንት ግን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

  16. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዛረበሉ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ?

  17. ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን 'ድብያን ጭውያን' ገጢምዎ

  18. ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘልዓሎም ቀንዲ ጕዳያት

  19. ሞዛምቢክ፡ እታ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ኣብ ልዕሊ ገረብ ዝተወለደት 'ተኣምራታዊት ቈልዓ' ኣብ 25 ዓመታ ሞይታ

  20. ንኣፍሪቃውያን መራሕቲ 'ደለይቲ ስልጣን' ኢሉ ዝነቅፍ ሙሰቨኒ ንሻውዓይ እብረ ስልጣን የቋምት