ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ግዳያት መጥቃዕቲ ድሮን ከተማ መቐለ እንታይ ይብሉ?

  2. ኣብ ሕክምና መንሽሮ ዝተራእየ ሓድሽ ዓወት፡ ንውልቀ ሰባት ብፍሉይ ዝዳሎ ክታበት ተፈቲኑ

  3. ምስጢራት 'ጕድለታት' ንዩክለሳዊ መደብ ኤል ዳባ ግብጺ፡ ንምንታይ የዛርብ ኣሎ?

  4. ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብዕጽፊ ብምውሳኽ ልዕሊ 40 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ

    ገጹ ዘይረአ፡ ናብ ሓደ ዓቢ ስክሪን ገጹ ዝጠመተ ሰብኣይ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዕቑድ ብዕጽፊ ብምውሳኽ ልዕሊ 40 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጸሐ ዝወጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    እዚ እታ ሃገር ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ኣዝዩ ብዙሕ ማል ከምዘህለኸት ዘርኢ’ዩ።

    ኣብ 2016 ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ ትሕቲ 20 ትሪልዮን ዶላር ምንባሩ ይዝከር።

    ቤትጽሕፈት ኮንግረስ ባጀት ኣመሪካ ሓፈሻዊ ልቓሕ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ዓመት 2026፡ 39.6 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።

    ቤትጽሕፈት ኮንግረስ ባጀት ኣመሪካ፡ ውህሉል ዕዳ ኣመሪካ ኣብ 2036 ናብ ኣስታት 64 ትሪልዮን ዶላር ክድይብ ትጽቢት ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

    መንግስቲ ፈደራል ንሕጽረት ባጀቱ ንምሽፋን ዝያዳ ገንዘብ ኣብ ዘውጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ተጠቀምቲ ዝለዓለ መጠን ወለድን ዋጋታት ንብረትን ኣጋጢምዎም ኣሎ።

    እዚ ኣመሪካ ኣዘቕቢብዋ ዘሎ 40.05 ትሪልዮን ዶላር ዕዳ ብመሰረት 18 ነሓሰ ዝወጽአ ጸብጻብ ዝተረኸበ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ፕረዚደንታት [እዋን ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን] ንዘሎ ​​መጠን ልቓሕ ኣመሪካ ዘጕልሕ እዩ።

  5. ሩስያ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ብውህዱ ሓሙሽተ ሰባት ቐቲላ

    እቲ ባርዕ ዝፈጠሮ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ሩስያ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኪቭ ርእሰ-ከተማ ዩክረይንን ከባቢ እታ ከተማን ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተለት ተገሊጹ።

    እቲ ደብዳብ ኣብ ሓያለ መንበሪ ኣባይትን ሓደ ዓቢ መኻዚኖን ከምዝተፈጸመን ብውሕዱ 23 መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ዩክረይን ገሊጻ።

    ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ብፍርስራስ ዝተጸቐጡ ሰባት ከይህልዉ ንምርግጋጽ ብቝልጡፍ ናይ ተፍትሽ ስራሓት ክካየድ ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩማንያ ኣብቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ፡ ሓንቲ ድሮን ናብ ክሊ ኣየራ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ገሊጻ።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ሩማንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓሙስ ንግሆ “ሓንቲ ድሮን ንክሊ ኣየር ሮማንያ ብምጥሓስ ካብ ከተማ ጋላቲ ንሸነኽ ምብራቕ 13 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ክትበርር ተራእያ” ኢሉ።

    እታ ድሮን ኣብ ሓደ ሰብ ዘይነብሮ ከባቢ ብምዕላብ ንኡስ ባርዕ’ኳ እንተ ፈጠረት፡ እቲ ባርዕ ቀልጢፉ ከምዝጠፈአ እቲ ምኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

  6. ምስጢር እርጋን፡ ወዲ-ሰብ ንኣማኢት ዓመታት ክነብር ይኽእል ድዩ?

  7. ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ኣወለፍቲ ድዮም? ኩባንያ ሜታ ኣብ ቤት ፍርዲ ተማጒቱ

  8. ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን፡ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ፀዊዑ

    ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዩክረይን፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን- ነበር፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡

    እቲ ዕዙዝ ስም ዘለዎ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን- ነበር ፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ኣብ እዋን ኲናት ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ምፅውዑ ስንባደ ፈጢሩ።

    እዚ ፃውዒት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍፅም፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን፡ ንፕረዚደንትነት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ዲሞክራሲ ብሩስያ ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ዝበለ ኮይኑ፡ ዩክረይን ‘ናጻ ሃገር ኤውሮጳ ኮይና ክትቅጽል’ ትቃለስ ከምዘላ ገሊጹ።

    እቲ ኲናት ኣብ 2022 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኣዋጅ እትርከብ ኰይና፡ መስርሕ መረፃ ተቛሪፁ ፀኒሑ ኣሎ።

    ፌዶሮቭ፡ ኣብቲ ቪድዮ ንዘለንስኪ ብስሙ’ኳ እንተዘይጠቐሰ፡ ካብ ዝሽወም ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሓላፍነቱ ብዘይተጸበዮ መንገዲ ተኣልዩ ዘሎ።

    እቲ ውሳነ ድማ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ተቓውሞታት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ዘለንስኪ ነቲ ካብ ፌዶሮቭ ዝተውሃበ ርእይቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።

    ይኹን እምበር፡ ሓደ ምንጪ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ማእከል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኰይናካ፡ መረፃ ክተካየድ ምሕሳብ ዘይመስል ነገር እዩ" ኢሉ።

  9. ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሶርያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒና

    ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብቲ ከበባኢ ዝርአ ቍርፅራፅ

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ግዝኣት ኢድሊብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒና።

    ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ብምኹናን "ዘየድሊ ግጭት ዘጋድድ" ብምባል እያ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊማ።

    ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ቶም ባራክ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ግጭት ንላዕሊ ንዘተ ቀዳምነት ክህቡ ኣተሓሳሲቡ።

    ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሶርያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መደበር ኣየር ኢድሊብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ዘይምኽንያታዊ" ክብል ኮኒንዎ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መስመር መልዐሊ ነፋሪት፡ ጽገናን መኽዘንን ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዕንወት ኣውሪዱ።

    በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝተጎዱኡ ሰባት ጸብጻብ ዛጊት የልቦን፡ እስራኤል ብወገና ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ኣላ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መጉየዪ ነፋሪት ፡ ጽገናን መኽዘንን ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዕንወት ኣውሪዱ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  10. ጋንታ ደንደን ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ኪጋሊ ኣትያ

  11. ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ

  12. ፍሉይ ህያብ መመረቕታ፡ ዓለም እተዛርብ ዘላ ጤል

  13. 'ንኣደይ ዘታለላ ሰብ ንምርካብ ኣህጉራት ሰጊረ ተጓዒዘ፡ ዝረኸብክዎ ግን ካልእ እዩ'

  14. ''ሃተፍተፍ ትራምፕ ብዛዕባ ወሽመጥ ሆርሙዝ: ኣብ ቀረባ ግዜ ከነዕርዮ ኢና’’-ኢራን

    ምላሽ ኢራን ንናይ ትራምፕ ልጥፎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ሓድሽ ግዛኣት ኣመሪካ ክገብሮ እየ" ምባሉ ሲዒቡ: ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ፡ " መህተፍተፊ" ክብል ጸሪፍዎ።

    "ዶናልድ ትራምፕ ከምቲ ንወሽመጥ ፋርስ ብትኽክል ምጽሓፍ ዝተማህሮ፡ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዎ ህልወሳ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ከነዕርዮ ኢና" ክብል ጽሒፉ።

    ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢትታ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ስእሊ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ከቢቡ፡ "ሓድሽ ግዝኣት ኣመሪካ" ክብል እዩ ጽሒፉ።

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እውን ደጊሙ ነዚ ልጥፎ እዚ ዘርጊሕዎ ኣሎ።

    ብኻልእ ወገን ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ: ኣመሪካ ነቲ ስምምዓት መዘክር ምርድዳእ እንተዘይተግቢራ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ኣፍሊጡ።

  15. ሑቲ የመን፡ ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ሱዕዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺሞም

    ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተደጋጋሚ መጥቃዓቲ ኣካይዶም

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ነቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጂዛን ዝርከብ ዓቢ መሳለጥያ ነዳዲ ኣራምኮ ዳግማይ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዘጥቅዑ ኣፍሊጦም።

    ብሑቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሳባ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሳለጥያ ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ስዑዲ ዓረብ ንክሊ ኣየር የመን ብምጥሓሳ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ሓቢሩ።

    እቲ ማዕከን ዜና ንወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ፡ ሑቲ ንሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምውቃዕ ንመጻረዪ ነዳዲ ኣራምኮ ዒላማ ከምዝገበሩ ሓቢሩ።

    እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ ከምዝሓበሮ እቲ ስጉምቲ ፡ ‘ስዑዲ ዓረብ ንዝገበረቶ ጥሕሰት ክሊ ኣየር ግዝኣታት የመን ዝኾና ሳዓዳን ሓጃን ምላሽ እዩ’ ብምባል ገሊጹ።

    መሓዙት ኢራን ዝኾኑ ሑቲ፡ ከም መልሰ ግብሪ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ወደባት የመን ዘንበረቶ ናይ ምንቅስቃስ ማዓቀብ ፡ካብን ናብን ወደባት ስዑዲ ዓረብ ዝብገሳን ዝኣትዋን መራኽብ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብመጻብቦ ባብ ኤል-ማንዳብ ክሓልፋ ዝፈተና ሓያሎ ናይ ጽዕነት መራኽብ ንድሕሪት ክምለሳ ስለዝተገደዳ፡ ኣብ ምንቅስቓሰን ምዝንባዕ ፈጢሩ።

    ብተውሳኺ ሑቲ፡ ትሕተ ቕርጺ ምውጻእን ምጽራይን ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ንመዕርፎ ነፈርቲ ዒላማ ብምግባር ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣካይዶም’ዮም።

  16. ትራምፕ: መጻብቦ ሆርሙዝ "ሓድሽ ግዝኣት ኣሜሪካ እዩ" ኢሉ

    ሆርሙዝ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ናይ መሓበራዊ መራኸቢታት ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ሰእሊ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምኽባብ "ሓድሽ ግዝኣት ኣሜሪካ" ክብል ጽሒፉ።

    ትራምፕ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ’ውን "ኣብ ቀረባ እዋን መጻብቦ ሆርሙዝ ግዝኣት ኣሜሪካ ኮይኑ ክእወጅ'ዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

    እቲ ፕረዚደንት "ኢራን ምስ ሰዓርናያ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ መሬት ኣመሪካ እዩ' ኢለ ክእውጅ እየ" ክብል እውን ተሰሚዑ እዩ።

    ድሕሪ መደረ እቲ ፕረዚደንት ግን ብዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ፡ መደረ ትራምፕ "ዋዛ" እዩ ኢሉ ሓቢሩ።

    ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዓት ናይቲ መዘክር ምርድዳእ እንተዘይተግቢራ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ኣፍሊጡ።

    ዋና ተደራዳሪ ኢራን ኣቶ ጋሊባፍ፡ እቲ ኣሜሪካ ዘንበረቶ ናይ ባሕሪ እገዳ፡ ናይ ነዳድን ንብረትን ማዓቀብ እንተዘይተልዒሉን፤ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እንተዘይተገቲኡን መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቀጠር ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ክዛዘም ትጽበ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ማጂድ ኣንሳሪ፡ እቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዝምልከት ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዝካየድ ድርድር ንኽቕጽል ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ብብዝሒ ነዳድን ጋዝን ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ግጭት ንምንቅስቓስ መራኽብ ሓደገኛ ኮይኑ ኣሎ::

  17. ውዕል መካ፡ ቱርኪ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን 'ኣስላማዊ ኔቶ' ክፈጥራ ይኽእላ ድየን?

  18. 'ዘ ፖሊጋሚስት'፡ ተፈላጥነት ረኺባ ዘላ ፊልም 'ህይወት ደቀንስትዮ ተንጸባርቕ' - ብኸመይ?

  19. ፍቕራውን ዘይፍቕራውን ምስዕዓም ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት

  20. ትራምፕ፡ ንመሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ

    ትራምፕ ኣብ ጥቓ ነፋሪት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ተቓራኒ መርገፂ እንተደኣ ሒዛ፡ ብቦምባ ክድብድባ ምዃኑ ከምዘፈራረሐ ፎክስ ኒውስ ጸብጺቡ።

    ኣመሪካን ዖማንን፡ በብወገነን ምስ ቴህራን ብምዝርራብ፡ ነቲ ንዓለማዊ ቁጠባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንክኽፈት ክፅዕራ ጸኒሐን እየን።

    አዚ መስመር ማይ፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳረጋ ተዓፅዩ ይርከብ።

    ጋዜጠኛ ፎክስ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምኡ ዝበለ፡ ብሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኰይኑ፡ ፀርፊ ዝተሓውሶም ዘይእዱባት ቃላት ይጥቀም ነይሩ።

    ቅድም ክብል፡ ሰበስልጣን ኢራን ምስ ዖማን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከምዝቐረቡ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን፡ ን60 መዓልታት ዝፅንሕ መረዳዲኢ ሰነድ (MoU) ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን፡ መጻኢ እቲ ግጭት ንጹር ኣይኮነን።

    መፃብቦ ሆርሙዝ- ኣስታት ሓሙሻይ ክፋል ናይ ዓለምና ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዝሓልፈሉ ማያዊ መስመር ዀይኑ፡ ቀንዲ ነጥቢ ዘተ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

    ዖማን፡ ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ መጻብቦ ትርከብ ኰይና፡ ኣብዚ ግጭት ዘይሻራዊት ሃገር ምዃና እያ ትገልጽ።ይኹን እምበር፡ ካብ ኢራን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት በፂሑዋ ኣሎ፤ ሕጂ ድማ ምስ ቴህራን ነቲ መስመር ማይ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ልዝብ ቁልፊ ተራ ትጻወት ኣላ።