እስራኤልን ኢራንን ሓድሕደን ብምጥቕቓዐን ክስዕቡ ዝኽእሉ ተኽእሎታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንግዜኡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት'ዩ ተሓጺሩ ዘሎ።
ብሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ክልቲኤን ሃገራት ንሓድሕደን ካብ ምጥቅቓዕ ክሕየባ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።
ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ክልቲኤን ሃገራት ጸማም እዝኒ እንተሂበነኦን እቲ ውግእ እንተኣስፋሕፊሑን ግን እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል?
ንገለ እቲ ዝኸፈአ ከጋጥም ዝኽእል ተኽእሎታት ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኣመሪካ ተጐቲታ ኢዳ ክትሕውስ
ዋላ ድኣ ኣመሪካ ኣይፋል ትበል'ምበር፡ ኣመሪካ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ብውሐዱ ከምእትድግፎ ኢራን እምንቶ ኣለዋ።
ከም መልሰ ግብሪ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ መዓስከራት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል'ያ።
ኣብ ኢራቕ ዘሎ መዓስከር ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ፡ ኣብ መሽመጥ ዓረብ ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን ካልእ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ማእከላት ኣመሪካን ገለ ካብቲ ብኢራን መጥቃዕቲ ክፍጸሞ ዝኽእል ቦታታት'ዩ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሓማስን ሕዝቡላህን ብዓቕሚ ተዳኺሞም ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም፡ እቶም ኣብ ኢራቕ ዘለዉ ንኢራን ዝድግፉ ምልሻታት ግን ምስ ምሉእ ዓቕሞም ዘለዉ'ዮም ዝመስሉ።
ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ከይመጽኣ ስለዝሰገአት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥ ዓረብን ካብ ዝነበረ ዓቕሚ ሰባ ንገለ ከተጉድሎ ክኢላ'ያ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኢራን ክስዕብ ዝኽእል ሳዕቤን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ኣመሪካ ኣጠንቂቓታ ኣላ።
ኣብ ተልኣቪቭ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ብመጥቃዕቲ ኢራን ኣመሪካዊ ወይ ኣመሪካውያን ምስ ዝቕተሉ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል?
እዚ ምስ ዘጋጥም ዶናልድ ትራምፕ መልሰ ግብሪ ክህብ ክግደድ ይኽእል'ዩ።
እስራኤል ንኢራን ኣብ ምስዓር ኣመሪካ ኢዳ ክትሕውስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ካብ ነዊህ ከደልዮ ዝጸንሐ ነገር ምዃኑ'ዩ ዝኽሰስ።
ተንተንቲ ኵናት፤ ነቲ ኢራን ኣብ መዓሙቕ መሬት ተማዕብሎ ዘላ ኒክለር፡ በሲዑ ከጥቕዖ ዝኽእል ወተሃደራዊ ብረት ኣመሪካ ጥራይ ከምዘለዋ'ዮም ዝገልጹ።
ትራምፕ፡ ነቲ መወዳእታ ዘይህልዎ ኵናት ማእከላይ ምብራቕ ከምዘይጅምሮ ቃል ኣትዩ ነይሩ'ዩ።
እንተዀነ ብዙሓት ሪፖብሊካንን መንግስቲ እስራኤልን ኣብ ኢራን መንግስቲ ክቕየረሉ ዝኽእል ዝማእመአ ግዜ ሕጂ ምዃኑ'ዮም ዝኣምኑ።
ነዚ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዳርባታት ቦምባ ኣመሪካ ኢዳ እትሓዊሳትሉ ናብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኵናት ክቕየር ከም ዝኽእል'ዮም ክኢላታት ዝገልጹ።
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተጐቲተን ኢደን ክሕውሳ
ኢራን ነቲ ብምዕቡል ቴክኖሎጀ ዝተሓገዘ ሓለዋ ዘለዎ ወተሃደራውን ካልእን ዕላማታት እስራኤል መጉዳእቲ ከተውርደሉ እንተዘይክኢላ፡ ከምቲ ሓሰኻ ደንበስ ናብ ዝለምለመሉ ዝብሃል፡ ገጻ ናብቲ ኣብ ውሽጥ ዓረብ ዘሎ ዕላማት ከተዝውር ትኽእል እያ።
ብፍላይ ድማ ናብተን ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንጻላእታ ይሕግዛ'የን ዝበለተን ሃገራት።
ኣብቲ ዞባ ኢራን ዒላም ክትገብሮ እትኽእል ማእለያ ዘይብሉ ቦታታት'ዩ ዘሎ።
ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ሪፋይነሪታት ስዑድ ዓረብ ኣብ 2022 ከኣ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢራማት ዓረብ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን ከምዝፈጸመቶ'ዩ ዝግለጽ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መንጐኢራንን ገለ ሃገራት ናይቲ ዞባን መጠናዊ ዕርቒ ተፈጢሩ'ዩ።
እንተዀነ እዘን ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ መሬተን ወተሃደራዊ መዓስከር ክህለልዋ ዘፍቐዳ ሃገራት'የን።
ገለ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንእስራኤል ካብ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ኢራን ከም ዝተከላኸላል ይግለጽ'ዩ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕቲ እትፈጺማ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ካብ መጥቃዕቲ ኢራን ንኽከላኸላለን ኢደን ክሕውሳ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።
![እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመት ኣንጻር ኢቲ መጥቃዕቲ ጭርሖ ዝሓዘ ሰብኣይ [ኣብ ኒውዮርክ ኣመሪካ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/e786/live/dd04e990-48e6-11f0-9471-e380f647874e.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ንኒክለራዊ ማእከል ኢራን ከተዕንዎ እንተዘይክኢላ
እቲ 400 ኪሎ ዝምዝነንን 60 ሚኢታዊት ዩራንየም ዘለዎን ኢራን ኣማዕቢላቶ ዘላ ኒክለራዊ ጻዓት፡ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ካብ ምዃን ቀሩብ'ዩ ተሪፍዎ ዘሎ።
እስራኤል ነዚ ከተዕንዎ እንተዘይክኢላ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል?
እቲ ዩራንዮም ኣብ ኣዝዩ ዓሙቕ ብኸበድቲ ቀጸላታት ዝተሃደመን ኣብ ስቱር ቦታን ከም ዘሎ'ዩ ዝእመን።
እስራኤል ብዙሓት ኢራናውያን ተመራመርቲ ንዩክለር ክትቀትል ክኡላ'ያ ነቲ ነቲ ዩራንዮም ምዕናው ዝብል ቀንዲ ዕላማኣ ግን ክትዕወተሉ ኣይክኣለትን።
እዚ ንመራሕቲ ኢራን፡ ካብ መጥቃዕቲ እስራኤል ንምክልኻል እቲ እንኮ መገዲ ኒክለራዊ ኣጽዋር ምምዕባል'ዩ ናብ ዝብል ሓሳብ ክደፍኦም ይኽእል'ዩ።
ነዚ ንምክልኻል፡ እስራኤል ንኢራን ዘየቃርጽን ንነዊሕ እዋን ዝቅጽልን መጥቃዕትታት ብምፍጻን ንመራሕቲ ኢራን ሓደ ድሕሪ ሓደ ከተጉድሎም ተኽእሎ ኣሎ።
ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ክስዕብ
እዘን ክልተ ሃገራት ዳርባ ቦንባታት ካብ ዝጅምራ ዋጋ ነዳዲ ድሮ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
ኢራን ነቲ ካብ ወሽጥ ዓረብ ናብ ህንዳዊ ውቕያኖስ ዘራኽብ ወሽመጥ ሆርሞዝ እንተዓጽያቶን ኣብቲ ዞባ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ከም ዘይንቀሳቐሳ እንተገይራተንን ከድኣ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል?
እቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ክገብዎ ዝጸንሑ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕትታቶም እንተኣሓይሎም፡ ምስቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ገለ ሃገራት ዓለም ኣዊጅዎ ዘሎ ልዑል ታሪፍ ተደሚሩ ንዓለም ምሉእ ከናውጽ ዝኽእል ቀጠባዊ ቅልውላው ክስዕብ ይኽእል'ዩ።
ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ እታ እንኮ ካብ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ክትከስብ እትኽእል ሃገር ሩስያ'ያ።
ፑቲን ነቲ ናብ ካዝናታቱ ክውሕዝ ዝኽእል ቢልዮናት ዶላራት ከኣ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘከይዶ ዘሎ ኵናት ከውዕሎ ይኽእል'ዩ።
ስርዓት ኢራን እንተወዲቁ ክስዕብ ዝኽእል ሃጓፋ
እስራኤል ቀኒዕዋ ነቲ ንዓሰርታት ዓመታት ሃረር ክትብሎ ዝጸንሐት ምእላይ ስርዓት ሰውራ ኢራን እተኣጋጢሙ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል?
በንያሚን ነታንያሁ ቀዳማይ ዕላማኡ ንኒክለሳዊ ዓቕሚ ኢራን ምዕናው ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን እቲ ዝዓበየ ዕላምኡ ኣብ ኢራን ስርዓት ምቕያር ምዃኑ ብንጹር ቃላት ገሊጽዎ'ዩ።
ንሱ ኣብ ቃላቱ "ሕቡናት ህዝቢ ኢራን" ድሕሪ ምባል እቲ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ "ካብቲ ሸይጣንን ጸቓጥን ስርዓት ናጽነትኩም ንኽትእውጁ ኢና መንገዲ ንጸርገልኩም ዘለና" ኢሉ።
መንግስቲ ኢራን ምእላይ ንገለ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ ንገለ እስራኤላውያን ክምስጥ ይኽእል እዩ።
ግን እንታይ ሃጓፍ ክገድፍ ይኽእል? እንታይ ዘይተጸበናዮ ሳዕቤን ይህልዎ? ኣብ ኢራን ከጋጥም ዝኽእል ሲቪላዊ ግጭት እንታይ ክመስል'ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ዘለዓዕል'ዩ።
ኣብ ኢራቕን ኣብ ሊብያን ዝነበሩ ሓያላትን ምእኩላትን መንግስታት ምስ ተዓለዉ ዝሰዓበ ነገር ዓለም ብዓይና ክትርእዮ ክኢላ'ያ።
ስለዚ ዝበዝሐ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዳርባ ቦንባታት ኣብ ዝቅጽል መዓልታት ናበይ ከምርሕ ይኽእል ርኢኻ ዝምለስ'ዩ ክኸውን።
ኢራን ብኸመይን ክሳብ ክንደይ ሕነ ክትፈዲ እያ? ከምኡ'ውን ኣመሪካ ክትገብር ትኽእል እትኾይና ኣብ ልዕሊ እስራኤል እንታይ ዓይነት ልጓም ትገብር ትኸውን? ዘብላ ክልተ ወሰንቲ ሕቶታት ግን ብዙሕ መልስታት'የን ሒዘን ዘለዋ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







