ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣንጻር ትራምፕ ህዝባዊ ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ኣንጻር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሰልፊታት ተቓውሞ ተኻይዶም። እዞም ሰልፊታት "ኖ ኪንግስ" ብዝተባህለ ጕጅለ ዝተወደቡ'ዮም።
እዚኦም፡ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘዳለዎ ወተሃደራዊ ምርኢት ዝቃወሙ ከም ዝዀኑ ተገሊጹ።
እዚ ሰልፊታት ተቓውሞ፡ ኣብ ሎስ ኣንጅለስን ካልኦት ከባቢታትን ንፖሊሲ ስደተኛታት እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞ ድሕሪ ምልዓሉ ዝስዓቡ'ዮም።
ሓገግቲ ሕጊ፡ መራሕቲ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ኣክቲቪስታትን፡ ኣብ ኒውዮርክ፡ ፊላደልፊያን ሂዩስተንን ሓዊሱ ባንዴራ ኣመሪካን ንትራምፕ ዝነቕፉ ጭርሖታትን ንዝሓዙ ሰልፈተኛታት ዘረባ ኣስሚዖም።
ብቐዳም ኣጋ-ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ በዓል ልደት ትራምፕ'ውን እዩ ነይሩ፤ ብተወሳኺ መበል 250 ዓመት ሰራዊት ኣመሪካ ንምኽባር ዝዓለመ ነይሩ።
ነዚ ምርኢት ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ ዝካየድ ዝዀነ ሰልፊ ድማ "ከቢድ ስጕምቲ" ክውሰድ'ዩ ክብል ኣጠንቂቝ።
ኣተሓባበርቲ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተሳተፍቲ ዝተሳተፍሎም ኣማኢት ሰልፊታት ተቓውሞ ከም ዝተኻየዱ ሓቢሮም።
እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ፊላደልፊያ 'ላቭ ፓርክ' ተኣኪቦም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
ጓል 61 ዓመት ነርስ ካረን ቫን ትራይስቴት፡ ንኣሶስየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ዴሞክራሲና ክንከላኸሎ ከም ዘለና ይስምዓኒ፡" ኢላ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤጀንሲታት ጥዕና ዝወሰዶ ምንካይ ሰራሕረኛታት ኣብቲ ሰልፊ ንክትሳተፍ ካብ መንጐ ዝደፍኡዋ ምኽንያታት ከም ዝዀነ ተዛሪባ።
ብምምሕዳር ከተማታትን ኣኽበርቲ ሕጊን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ብምቅዋም ተኸታተልቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ምክያዶም ስዒቡ ዝተፈላለየ ዕንወት ካብ ዝበጽሕ ንድሓር፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
ትራምፕ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዋላ'ኳ ምምሕዳር ጋቪን ኒውሶምን ሰብ መዚ እቲ ከባቢን ፍቓደኛታት እንተዘይኰኑ፡ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ሃገራዊ ሓለዋ ክዋፈር ከም ዝገበረ ይዝከር።
ትማሊ ቀዳም፡ ኣባል ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት ብራውን ብሬትስ ዝዀነ ጆሴ ኣዜትላ፡ ጕዳይ ስደተኛታት ናብቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ክጽንበር ከም ዝገበሮ ተዛሪቡ።
"ጨካን ጥራይ ዘይኰነ ብኽፍኣት ዝተመልአ'ዩ፤ ቤተሰብ ምፍልላይ ኣየድልን፡" ኢሉ።
ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሰልፈኛታት ምስ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ኣብ ምፍጥጣጥ ድሕሪ ምእታዎም ነቲ ህዝቢ ንምብታን ድማ ዘንብዕ ጋዝ ተተኲሱ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ግን ሓደ ወይ ክልተ ህንጻታት ሓሊፎም ሰላማዊ ሰልፎም ቀጺሎም።
ትራምፕ ዳግማይ ካብ ዝምረጽ ንደሓር ዝዓበየ ተቓውሞታት ክካየድ እንከሎ፡ ዳህሳስ ህዝባዊ ርእይቶ ግን ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ብሰፊሑ ተፈታዊ ምዃኑ ይሕብር።
እቶም "ነገስታት ኣየድልዩናን" ብዝብል ጭርሖ ናብ ጐደናታት ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ፡ ገደብ ስልጣኑ ብምሕላፉ ነቒፎሞ።
ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት፡ ታንክታትን ወተሃደራዊ መካይንን ብወተሃደራዊ ሰልፊ ክሓልፉ ከለዉ፡ እቲ ፕረዚደንት ደው ኢሉ ሰላምታ ክህብ ተራእዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘስምዖም ሓጺር መደረ ንወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንዝገበርዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኑ።
"ወተሃደራትና ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም። ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም። ተስፋ ኣይቆርጹን። ይቃለሱ፡ ይቃለሱ፡ ይቃለሱ። ይዕወቱ፡ ይዕወቱ፡ ይዕወቱ" ኢሉ።
ኣብ ኣመሪካ ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣብ ሰነ 1991፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ፡ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ወሽመጥ ዓረብ ንዝረኸበቶ ዓወት ንምጽንባል ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ 200 ሽሕ ሰባት ክሳተፉ ከለው፡ እቲ ምርኢት ርችት ድማ 800 ሽሕ ሰባት ከም ዝተዓዘብዎ ኤል.ኤ ታይምስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ምርኢት፡ ብሰንኪ ጠሊ ዘለዎ ኩነታት ኣየርን ዝናብ ይዘንብ ስለ ዝነበረን ዝተሓተ ውሑድ ህዝቢ እዩ ተሳቲፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







