ተቓውሞ ሎስ ኣንጅለስ፡ ትራምፕ 2,000 ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋን 700 ሰራዊትን ሰዲዱ

ትራምፕ 2000 ሃገራዊ ሓለዋን 700 ሓይሊ ባሕሪን ሰዲዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረደዚንት ዶናልድ ትራምፕ ናብቲ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ዝቐጸለ ተቓዉሞ፡ 2,000 ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ከም ዘዋፈረ ሰብመዚ ገሊጾም።

ፔንታጎን፡ ትራምፕ ነቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ንምቍጽጻር ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ንምሕጋዝ፡ ተወሳኺ 2,000 ሃገራዊ ሓለዋን 700 ሰራዊትን ክዋፈሩ ከም ዝኣዘዘ ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኢምግረይሽን ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ተቓውሞታት ከልዕል እንከሎ፡ እዚ ኣንጻር ውጥን ምስጓግ ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ትማሊ ንራብዓይ መዓልቱ ቀጺሉ ውዒሉ።

እቲ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከተማ ሎስ ኣንጅለስ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ላቲናውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ፓራማውንት ዝተባህለ ከባቢ ብቐዳም ዝጀመረ እዩ።

ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ዘዋፈሮም 2,000 ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ፡ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከልዕሉ እንከለዉ፡ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ጋቪን ኒውስኮምን ከንቲባ ሎስ ኣንጅለስ ካረን ባስን፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንተቓውሞ እዞም ሰልፈኛታት ክቈጻጸር ይኽእል'ዩ ብምባል ይምጕቱ።

ወተሃደራት እታ ሃገር፡ ዘቤታዊ ሕጊ ኣብ ምኽባር ክሳተፉ ምርኣይ ልሙድ ኣይኰነን።

ትራምፕ፡ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምስጓግ ዘውጽኦ ፖሊሲ ብምቍዋም ናብ ሰልፊ ዝወጽኡ ሰባት ንምቍጽጻር፡ ኣባላት ሰራዊትን ከምኡ'ውን ተወሳኺ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ክዋፈሩ ምግባሩ ግን ምትፍናን ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ኣንጻር ፖሊሲ ኢምግረይሽን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ።

እዚ ምምሕዳር ትራምፕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምስጓግ ካብ ዝወሰዶ ተኸታታሊ ስጕምትታት እቲ ዳሕረዋይ እዩ።

ትማሊ ሰኑይ ምሸት፡ ፖሊስ ኣብ ማእከል ከተማ ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ዝርከብ ፈደራላዊ መዳጐኒ ማእከል ኢምግረይሽን ወጻኢ ብኣማኢት ንዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ክብትኑ ጀሚሮም።

ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ እሱራት ካብቲ ህንጻ ንኸይወጽኡ ኣብ ሓለዋ ነይሮም።

ፖሊስ ሎስ ኣንጅለስ ንሰልፈኛታት ክደፍኡዎም ብምጅማሮም፡ "ንእሽቶ መጕዳእቲ ዘብጽሑ" ጠያይቲ ክትኵሱ ጀሚሮም።

ፖሊስ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ጀሚሩ ተመሳሳሊ ሜላታት ክጥቀም ጸኒሑ እዩ።

ፖሊስ ኤል.ኤ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ፈይስቡክ ገለ ሰልፈኛታት ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣቕሓ ክድርብዩ ከም ዝጀመሩን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ጐማ ጥይትን ክጥቀሙ ፍቓድ ከም ዝተዋህቦምን ገሊጹ ነይሩ።

ካሊፎርንያ ሕጊ ፈደራልን ልኡላውነት ክፍለ ግዝኣታትን ዝጥሕስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋን ወተሃደራት ኣመሪካ ብምውፋሩ ትኸስስ።

ኣመሪካ ንኸም ህቦብላን ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ዝኣመሰሉ ህጹጽ ኵነታት ንምምካት እያ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሃገር እተውፍር።

ዘቤታዊ ስርዓት ንምትግባር ወተሃደራት ኣመሪካ ምውፋር ግን ኣዝዩ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ እዩ።

ፔንታጎን ትማሊ ሰኑይ 2000 ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ክወፍሩ ከም ዝሓተተ ብምርግጋጽ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት ናብ 4,000 ከም ዝበጽሑ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናዕቢ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ንኸይወጽእ ብዝሒ ሰራዊት ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

ትራምፕ፡ ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም፡ ምምሕዳሩ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ንምስጓግ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንምዕንቃፍ ክጽዕር እንከሎ፡ ክእሰር ይግባእ ብምባል ቶም ሆማን ንዘቕረቦ ሓሳብ ከም ዝድግፍ ገሊጹ።

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቶም እንተ ዝኸውን ነይረ ምገበርኩዎ። ጽቡቕ [ስጕምቲ]'ዩ ዝመስለኒ፡" ኢሉ።

ደሞክራት፡ ትራምፕ ነቲ ተቓውሞታት ንምዕጋት ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምውፋር ዝወሰዶ ውሳነ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም'ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ካሊፎርንያ ከኣ ዘይሕጋዊ እዩ ክትብል ትምጕት።

ቤት ጽሕፈት ፕረስ ኒውሶም ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፡ "እቲ ምዕባለ ፍጹም ዘይግቡእ፡ ዘየድልን ተራእዩ ዘይፈልጥን'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ክሳዕ ሕጂ ዝተኻየደ ተቓውሞ ውሑዳት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ኣብ ልዕሊ ንብረት ጕድኣት ከም ዝወረደን ይፍለጥ።

ፖሊስ ሎስ ኣንጅለስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ሓሙሽተ ፖሊስ ቀሊል መጕዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ሓቢሩ።

ብሰኑይ፡ ፖሊስ ጣልቃ ቅድሚ ምእታዉ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ተቓወምቲ ኣብቲ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ዝተኣስርሉ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ሎስ ኣንጅለስ ብምኻድ፡ "ኵሎም ናጻ ይውጽኡ፡" ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዖም።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ምፍቃዱን ከም ሎስ ኣንጀለስ ዝኣመሰላ ብደሞክራት ዝመሓደራ ከተማታት ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኢደን የእትዋ ከም ዘለዋን ከሲሱ።

ትራምፕ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ሰባት ክጥረዙን ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ክዓጹን ቃል ኣትዩ እዩ።

ኣብ መዓልቲ ብውሑዱ 3,000 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ናይ ምእሳር ሸቶ ድማ ኣቐሚጡ ኣሎ።