እስራኤል፡ ናብ ቓዛ እተቕንዕ ዝነበረት ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ሒዛ

ምንጪ ስእሊ, Freedom Flotilla Coalition
ወተሃደራት እስራኤል ረድኤትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሒዛ ካብ ኢጣልያ ናብ ቓዛ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ከም ዝሓዙ፡ ኤፍ-ኤፍ-ሲ ዝተባህለ ጕጅለ ገሊጹ።
ጕጅለ ልፍንቲ ሓርነት ፍሎቲላ (FFC)፡ እታ መርከብ ካብ ርክብ ወጻኢ ኰይና ከም ዘላ ኣብ ተሌግራም ገሊጹ። ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ዝለበሱ ሰባት፡ ብኾፎም ኣእዳዎም ንላዕሊ ኣልዒሎም ዘርኢ ስእሊ ድማ ለጢፉ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ እታ መርከብ ብሰላም ናብ እስራኤል ትጓዓዝ ከም ዘላን እቶም ተሳፈርቲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኽእሉን ገሊጹ። እዚ ድማ እታ መርከብ ከም ዝተታሕዘት ዘረጋግጽ ይመስል።
ተሓላቒት ክሊማ ግሬታ ቱንበርግ ኣብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ከም ዘላ ዝተገልጸት መርከብ ተሰቒላ ምህላዋ ተፈሊጡ ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓማስ ኣጽዋር ከይበጽሕ እገዳ ጕዕዞ ባሕሪ ኣድላዪ ምዃኑ እያ እትገልጽ።
እቲ ኤፍ.ኤፍ.ሲ ዝተባህለ ጕጅለ፡ እታ ጃልባ ተታሒዛ ድሕሪ ምባል፡ ቱንበርግ ሓዊሱ ኣቐዲሙ ዝተቐድሐ ሓጸርቲ ቪድዮታት ናይ ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ለጢፉ።
ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ "እዛ ቪድዮ እንተ ርኢኹማ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ወይ ንእስራኤል ዝድግፉ ሓይልታት ተዓጊትናን ተጨዊናን ኣለና ማለት'ዩ፡" ይብሉ።
ኤፍ.ኤፍ.ሲ ኣቐዲሙ፡ እታ ብዓርቢ ካብ ደሴት ሲሲሊ ኢጣልያ ዝተበገሰት መርከብ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ሒዛ ከም ዝነበረትን "ንተኽእሎ መጥቃዕቲ እስራኤል ድልውቲ ከም ዝነበረትን፡" ገሊጹ።
ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ፡ እታ ጃልባ ንድሕሪት ክትምለስ ከም ዘለዋን እስራኤል ድማ ኣንጻር ዝዀነ ይዅን ነቲ እገዳ ንምፍራስ ዝካየድ ፈተነ ክትሰርሕ ምዃናን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ንሱ ብሰንበት ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እታ 'ማድሊን' ዝተባህለት መርከብ ናብ ቓዛ ከይትበጽሕ ደው ከብሉዋን ነዚ ንምዕዋት ድማ ዘድሊ ዘበለ ኵሉ ክገብሩን ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከም ዝሓበሮም ገሊጹ።
ካትዝ፡ እዚ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ እገዳ፡ "ናብ ሓማስ ኣጽዋር ከይሰጋገር ንምክልኻል" ዝዓለመን እስራኤል ድማ ንሓማስ ከተጥፍእ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን ንጸጥታኣ ኣገዳስን ምዃኑ ይገልጽ።
ኤፍ.ኤፍ.ሲ፡ እቲ ዕጽዋ ባሕሪ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምምጓት፡ መግለጺ ካትዝ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ሰባት ዘይሕጋዊ ሓይሊ ብምጥቃም ከም ዘፈራርሐትን ኣብነት ናይቲ ን"ዓመጽ" ከተመኽንዮ እትፍትንን ምዃኑ ይገልጽ።
"ኣይክንፈርሕ ኢና፣ ዓለም ትዕዘብ ኣላ፡" ክብል ሓላፊ ፕረስ ኤፍ.ኤፍ.ሲ ሃይ ሻ ዊያ ገሊጹ።
"ማድሊን ስቪላዊት መርከብ እያ። ዕጥቂ የብላን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ከኣ ትጓዓዝ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጽኡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጽዒና... እስራኤል ናብ ቓዛ ንምብጻሕ እትገብሮ ጻዕሪ ክትዕንቅፍ መሰል የብላን።"
እታ መርከብ፡ ሩዝን መግቢ ህጻናትን ሓዊሱ ዝተፈላለየ ሓገዛት ሒዛ ከም ዘላ እቲ ጕጅለ ገሊጹ።
ዜጋታት ብራዚል፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ስጳኛ፡ ሽወደንን ቱርኪን ኣብታ መርከብ ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Freedom Flotilla Coalition
ኣብ 2010፡ ኮማንዶታት እስራኤል፡ በዛ ጕጅለ ዝተኣከበ ረድኤት ዝሓዘት መርከብ ቱርኪ ናብ ቓዛ ገጻ ኣብ እተምርሓሉ ዝነበረት ግዜ ተዅሲ ብምኽፋት ዓሰርተ ሰባት ቀቲሎም ነይሮም እዮም።
እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ መሬት ዕጽዋ፡ ውሱን ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ክትፈቅድ ጀሚራ። እቲ ሓገዝ ድማ ብመንገዲ እቲ ብእስራኤልን ኣመሪካን ዝድገፍ፡ ብተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ዝዅነን ጕጅለ ግብረ-ሰናይ ክካየድ እያ ቀዳምነት ሂባ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ "ፍልስጤማውያን ኣዝዩ ሕማቕ ምርጫ ይወሃቦም ኣሎ፣ ወይ ብጥሜት ይሞቱ ወይ ድማ ነቲ ንእሽቶ መግቢ ንምርካብ ኣብ ዝጽዕርሉ እዋን ኣብ ሓደጋ ሞት ይወድቁ፡" ኢሉ።
ትማሊ ንግሆ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ግሬታን ካልኦትን ኣቓልቦ ንምርካብ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ምርኢት ክገብሩ ከም ዝፈተኑ ገሊጹ። ካብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ዝወሓደ ሓገዝ ጥራይ እዮም ኣምጺኦም። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙን ልዕሊ 1,200 ናይ ረድኤት መካይን ካብ እስራኤል ናብ ቓዛ ኣትየን ኣለዋ። ከምኡ'ውን ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ቓዛ፡ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰባት ብቐጥታ ኣስታት 11 ሚልዮን መግቢ ሂቡ፡" ኢሉ።
"ናብ ወሽመጥ ቓዛ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝሕግዙ መንገድታት ኣለዉ - ናይ ኢንስታግራም ሰልፊ ዘጠቓልሉ ግን ኣይኰኑን።"
እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጻመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒባ ወተሃደራዊ ወፍሪ ካብ እትጅምር ዳርጋ 20 ኣዋርሕ ኰይኑ ኣሎ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 54,880 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







