'ንዅሉ ተማሕጺነ፡ ግን ኣላህ ወሲዱዋ' ሓደጋታት ጥንስን ሕርስን ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, AP Photo/Abdel Kareem Hana
ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ ኲናት እናቐጸለ ሓጽሽ ህይወት ይጅምር'ኳ እንተሎ፡ እቶም ገና ኣብ ሓደስቲ ሕንጦታትን ገና ኣብ ማህጸን ኣደታቶም ዘለዉ ንጽላታትን፡ በቲ ከቢድ ኵነታት ካብ ዝህሰዩ ዘለዉ እዮም።
ብሰንኪ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ፡ ሓደ ካብ 10 ሕንጦታት፡ ትሕቲ ክብደት ኰይኑ ወይ ኣብ ዘይመዓልቱ ከም ዝውለድ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ምንጻል ጥንሲ፡ ሞይቶም ዝውለዱ ህጻናትን ዝኣመሰሉ ዘይልሙድ ተርእዮታትን እውን ወሲኹ ኣሎ።
ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኸሃን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር፡ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ነብሰጾር ዝዀነት ማላክ ብሪስ፡ በቲ ብእስራኤል ዝፍጸም ደብዳባትን ትእዛዛት ግዱድ ምግዓዝን ልዕሊ ዅሉ ውላዳ ከይትስእን ኣሻቒሉዋ ኣሎ።
ማላክ፡ "ኣብ ዘይመዓልተይ፡ ሃንደበት ከይወልድ ተሻቒለ ኣለኹ፡ ፈሳሲ ማህጸነይ ድማ እቲ ቘልዓ ንኽዓቢ እኹል ከይከውን ይኽእል'ዩ" ትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።
ማላክ ካልኣይ ውላዳ ክትጠንስ ሓሳብ ኣይነበራን። ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ፡ ንዕብየትን ሓለዋን እቲ ዕሸል ወሳኒ ዝዀነ ፈሳሲ ማህጸን ብዙሕ ፈሲስዋ። እዚ ኵነታት ድማ ንውላዳ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ።
"ዶካትር ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢን ድኻምን ከም ዝኾነ ነጊሮምኒ፣ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከምዘሎ ነጊሮምኒ፡ እቲ ድቂ ክድሕን ወይ ክመውት ይኽእል።"
ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ኣብ ጥንሲ ሓድሽ ሓደጋታት ኣብ ዘስዕበሉ፡ ሕርሲ'ውን ብጣዕሚ ሓደገኛ ኰይኑ ኣሎ።
እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ጸቕጢ ንምፍጣር ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ 02 መጋቢት ኣብ ቓዛ ዘንበረቶ ምሉእ ዕጽዋ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብኸፊል ኣፋዂሳቶ። ጸረ ቃንዛን መሰረታዊ ፍርያታት ጽርየትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ቀረባት ሕክምና ግን የለን።
ብሰንኪ ስጕምቲ ወተሃደራት እስራኤልን ግዱድ ምምዝባልን፡ ደቂኣንስትዮ ብዘይ ገለ ሕክምናዊ ድጋፍ ኣብ ቴንዳ ይወልዳ ኣለዋ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሆስፒታል ቓዛ ትሰርሕ ዝነበረት አሜሪካዊት ነርስ ሳንድራ ኣድለር ኪለን፡ "ኣደታት ናብ ሆስፒታል መጺአን ክወልዳ ዕድለኛታት እንተዀይነን፡ ብንቡር ዝሓርሳ ኣደታት (ብርሕሚ) ድሕሪ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰዓታት ናብ ገዛአን ይስደዳ" ትብል።
"ብመጥባሕቲ ዝወልዳ ኣደታት ድማ፡ ድሕሪ 24 ሰዓታት ይወጻ። ኣደታት ብተደጋጋሚ ጸገም ጥዕና ሒዞም ምስ ዝተወለዱ ዕሸላተን እየን ካብ ሆስፒታል ዝወጻ። ኣብ ንቡር ኵነታት ኣብ ሆስፒታል ጸኒሐን ተወሳኺ ሓገዝ ምረኸባ ነይረን።
ካብ ቓዛ ወጻኢ፡ መብዛሕትኦም ሕንጦታት ብገምጋም ትሕቲ 32 ሰሙንን ትሕቲ 1400 ግራምን እዮም ዝውለዱ። ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ኒዮ-ናታል ክዀኑ ምተገብአ። ግን እዞም ሕንጦታት ናብ ገዛኦም'ዮም ዝስደዱ፣ በቃ፡ ንዕኦም ዝኸውን ቦታ የለን" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሆስፒታል ናስር ሕጂ'ውን ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ኒዮ- ናታል ኣለዎ፤ እንተዀነ መሊኡ እዩ። ዶካትር እቲ ሆስፒታል፡ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ሆስፒታል ኣውሮጳ ኣብቲ ዝሓለፈ 13 ግንበት ዒላማ ከቢድ ደብዳብ እስራኤል ኰይኑ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ካብ ዝኸውን ንደሓር፡ ብተሓከምቲ ከም ዘዕለቕለቐ ይገልጹ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ብምፍጻም፡ ንመራሒ ሓማስ መሓመድ ሲንዋር [ንእሽቶ ሓዊ ነቲ ቀንዲ መራሒ ሓማስ ዝነበረ ያሕያ ሲንዋር] ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ኣውሮጳ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር ዒላማ ከም ዝገበሮ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይፍለጥ።
በዚ ድማ ንሓማስ ወተሃደራዊ መሓውራቱ ኣብ ድሕሪ ሕሙማትን ቍሱላትን ብምሕባእ ይኸስሶ፤ ሓማስ ግን ነዚ ክሲ ኣይቅበሎን።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ምርካብ ኣዝዩ በዳሂ ኰይኑ፡ ኣብ ቓዛ 55 ሽሕ ደቀንስትዮ ስሩዕ ክትትል ጥንሲ ቅድመ ወሊድ ክገብራ ከም ዘይክእላ ሕቡራት ሃገራት ይግምት።
ሓላፊ ክንክን ህጻናትን ወሊድን ሆስፒታል ናስር ዶክተር ኣሕመድ ኣልፋራ፡ "ስነልቦናዊ ኵነታት ደቂኣንስትዮ ኣብ እዋን ሕርሲ ልቢ ዝሰብር'ዩ፣ ኣምላኽ ይሓግዘን፡" ይብል።
"ኣደታት፡ እቶም ዘይተወለዱ ዕሸላተን ግቡእ ክትትል ከም ዘይረኸቡን ንርእሰን'ውን ዝተመጣጠነ ምግቢ ከም ዘይረኸባን ስለ ዝግንዘባ፡ ዝወልዳኦም ዕሸላት ትሕቲ ስሩዕ ክብደት ከም ዝዀኑ ወይ ካልኦት ጸገማት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዝጸበይኦ ነገር'ዩ፣ እዚ ሓደ ዘሻቕል ጉዳይ'ዩ።"
እቲ ካልኣይ ድሕሪ ወሊድ፡ ብፍላይ ምስቲ ዘሎ ሕጽረት ምግቢ፡ ብኸመይ ከጥብዋ ወይ ንውላደን ፍሉይ ምግቢ ህጻናት (ፎርሙላ) ከውሕሳ ከም ዘለወን ኣዝየን ይሻቐላ፣ ክልቲኦም ኣማራጺታት ኣጸገምቲ'ዮም" ይብል።

ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ሓደ መዕቈቢ ስደተኛታት ትርከብ ኣያ ኣ'ስካፊ፡ ንብዓታ እናጸረገት ስእሊ ጓላ - ጀናን ትርኢ።
ጀናን ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ኣብ ዝተገበረ ምቍራጽ ተዅሲ ደው ምባል'ያ ተወሊዳ። ምሉእ ጥዕና'ዩ ነይርዋ። ምግቢ ምስ ተሰኣነ ግን፡ ኣደኣ ንውላዳ ንምጥባው ተጸጊማ።
ኣያ፡ "መሳገሪታት ምስ ተዓጸዉ፡ ንዓና ኵሉ ነገር'ዩ ተዓጽዩና። መግብን ማይን፡ ጥዕና ክህልወካ ኣገደስቲ ዝዀኑ ፍረታትን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ ኣይነበሩን። ኵነታተይ ኣዝዩ ምስ ገደደ፡ ኵነታት ጀናን ኣዝዩ ከፊኡ" ትብል።
ጀናን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ፡ ድርቀት ሰብነትን ኣጋጢምዋ፣ ጸገም ምሕቓቕ ምግቢ'ውን ነይርዋ። ዶካትር እቲ ዘድልያ ፍሉይ ምግቢ ህጻናት (ፎርሙላ) ክረኽቡላ ኣይከኣሉን።
ኣያ፡ " 'ንጓለይ ካብ ሞት ኣድሕንዋ፡ ኣድሕንዋ!' ኢለ ንመላእ ዓለም ክሳብ ዘእዊ ኣብ ዓሚቝ ቃንዛ ኣትየ" ብምባል፡ ነቲ ህሞት ትዝክሮ።
"ንሓገዝ ተማሕጺነ፡ ግና ጐይታ ዓለም ኣምላኽ እዩ ሰሚዑኒ። ካብ ጭካነ እዚ ዓለም ዘድሓና ኣምላኽ ጥራይ እዩ።"
ጀናን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሞይታ፤ ጓል ኣርባተ ወርሒ'ያ ነይራ።
ብዙሓት ኣደታት፡ ብሰንኪ ዘለወን ድኹም ጥዕና ንደቀን ንምጥባው ይብድሃ ኣለዋ። ኣብ ስኮትላንድ ዝመደበሩ ትካል ኣመጋግባ ዕሸላት ቓዛ ግን፡ ዶካትር ውሽጢ ዓዲ ድጋፍ ንኽህቡ የሰልጥን ኣሎ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ጥንስን ሕርሲን ንመብዛሕትአን ደቂኣንስትዮ ቓዛ፡ ብሃንቀውታ ዝጽበይኦን ምንጪ ሓጐስን'ዩ ነይሩ፤ እንተዀነ ከቢድ ሻቕሎትን ፍርሕን ዝረኣየሉ እዋን'ዩ ኰይኑ።
ሕንጦታት ኣብ ክንዲ ተስፋ ሓድሽ ህይወት፡ ተምሳሌት ብህወይት ንምትራፍ ዝግበር ግድል ኰይኖም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







