ሞዛምቢክ፡ እታ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ኣብ ልዕሊ ገረብ ዝተወለደት 'ተኣምራታዊት ቈልዓ' ኣብ 25 ዓመታ ሞይታ

ካሮሊና ሰሲልያ ክሪንድዛን ሪስታን ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሄሊኮፕተር’የን ካብቲ ገረብ ናብ ድሑን ቦታ ተወሲደን

ምንጪ ስእሊ, SABC

መግለጺ ስእሊ, ካሮሊና ሰሲልያ ክሪንድዛን ሪስታን ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሄሊኮፕተር'የን ካብቲ ገረብ ናብ ድሑን ቦታ ተወሲደን

ኣብቲ ቅድሚ 26 ዓመት ኣብ ሞዛምቢክ ዘጋጠመ ዕልቕለቕ፡ ዳርጋ ኣቓልቦ ኩለን ማዕከናት ዜና ዝሰሓበ ክስተት ኣጋጢሙ።

ሓንቲ ካብቲ ዕልቕለቕ ነብሳ ከተድሕን ናብ ልዕሊ ገረብ ዝደየበት ኣደ፡ ኣብቲ ልዕሊ ገረብ ኰይና ሓሪሳ።

ካብቲ ገረብ ብሓገዝ ሄሊኮፕተር ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ እናተወሰደት እንከላ ዘርኢ ቪድዮ ምስ ተዘርገሐ፡ እታ ቈልዓ 'ተኣምራታዊት' ተባሂላ።

ሕጂ ነዚ ታሪኽ እዚ ክንምለሶ ዘገደደና፡ እታ ኣብ ልዕሊ ገረብ ዝተወለደት ሮሲታ ሳልቫዶር ማቡንጎ ዝተብሃለት 'ተኣምራታዊት ቈልዓ' ነዊሕ ሓሚማ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 25 ዓመታ ብሰኑይ ከም ዝሞተት ሓፍታ ንቢቢሲ ገሊጻ።

እታ ኣብ 2000 ኣብ ሞዛምቢክ ዘጋጠመ ዕልቕለቕ ሓደ ካብቲ እታ ሃገር ዝርኣየቶ ዝኸፈአ ባህርያዊ ሓደጋታት'ዩ።

ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ዳንኤል ቻፖ ድሕሪ ሞታ፡ ሮሲታ ሳልቫዶር ኣብነት ደቀንስትዮ እታ ሃገር ከም ዝዀነት'ዩ ገሊጹ።

ኣብ ለካቲት 2000፡ ኣብ ደቡብ ሞዛምቢክ ዝርከብ ፈለግ ሊምፖፖ ልዕሊ ዓቕሙ መሊኡ ንደንደሳቱ ኣፍሪሱ ነታ ሃገር ምስ ኣዕለቕለቓ።

ኣማኢት ሞይቶም ኣማኢት ኣሽሓት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ።

ኣብ ተለቪዥናት ዝተራኣየ ምስሊ ሮሲታ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ተነሲዱ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, SABC

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ተለቪዥናት ዝተራኣየ ምስሊ ሮሲታ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ተነሲዱ ይርከብ

ኣዲኣ ንሪሲታ፡ ካሮሊና ሰሲልያ ቺሪንድዛ፡ ሓንቲ ካብተን በቲ ዕልቕልቕ ዝተኸበባ ግዳያት'ያ።

ካሮሊና ኣብቲ እዋን ብቀይሕ መስቐል ቃለ መሕተት ምስ ተገበረላ "ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ'ዩ ነይሩ፡ እቲ ዕልቕልቕ ብራኸኡ በብቕሩብ ክውስወኽ ጀሚሩ፡" ኢላ።

"እቲ ማይ ብቀጥታ ናብ ገዛና'ዩ ዝመጽእ ነይሩ፤ ሓይሉ ከኣ መመሊሱ ይውስኽ ነይሩ። ስለዚ ልክዕ ከም ኩሎም ደቂ እቲ ዓዲ ናብ ገረብ ክሓኵር ነይሩኒ። ነተን ክልተ ንኣሽቱ ደቀይ ኣብ ዝባነይ ሓዚለ ናብቲ ገረብ ክሓኵር ፈቲነ፡ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ።

"ኣብታ ገረብ ብድምር 15 ሰባት ኢና ነይርና፡ ንኣርባዕተ መዓልታት ከኣ ኣብታ ገረብ ጸኒሕና፡ ብዘይ ምቁራጽ ንጽሊ ነይርና፡ ዝብላዕ የብልናን፡ ቈልዑ ብጥምየት ክበኽዩ ጀሚሮም። ዋላ ሓንቲ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ግን ኣይነበረን፡" ትብል።

ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካሮሊና ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ገረብ ኰይና ምስ ሓረሰት ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ኣብታ ዝነበረትላ ገረብ ሰባት ከም ዘለዉ ብልዕሊኦም ትሓልፍ ዝነበረት ህይወት ኣብ ምድሓን ትሰርሕ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ደቡብ ኣፍሪቃ ርእያቶም።

ካሮሊና ምስታ ኣብቲ ገረብ ዝተወለደት ሮሲታ ሳልቫዶር ማቡንጎ፡ ክልተ ደቃን እቶም ካልኦትን ካብቲ ገረብ ዝነበሩን ብፍሉይ ስርሒት ተላዒሎም።

ኣደን ጓልን ከኣ ከም ፍሉያት መዘክር እቲ ከቢድ ዕልቕልቕን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኰይነን።

ካሮሊና ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ናብ ኣመሪካ ተወሲዳ።

ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ቀሪባ ብዛዕባ እቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን እንታይ ከም ዘጋጠመን መብርሂ ሂባ።

ካሮሊናን ሮሲታን ኣብ ሓምለ 2000 ኣብ ዋሺንግተን ንሓጺር እዋን ኣብ ዝኸዳሉ ዝተሰኣለኦ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካሮሊናን ሮሲታን ኣብ ሓምለ 2000 ኣብ ዋሺንግተን ንሓጺር እዋን ኣብ ዝኸዳሉ ዝተሰኣለኦ ስእሊ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሮሲታ ሳልቫዶር ማቡንጎ ብሰኑይ ከም ዝዓረፈት ሓፍታ ሰልያ ሳልቫዶር'ያ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንሳ "ድሕሪ ነዊሕ ሕማም'ያ ዓሪፋ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፤ እቲ ሕማም ከምዚ'ዩ ኢለ ክገልጾ ኣይክእልን'የ፡" ኢላ።

ምስቲ ስድራ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ግን ሮሲታ ንዓመታት ብሕማም ኣነምያ [blood disorder anaemia] ክትሳቐ ምጽንሓ ሓቢሮም።

ሕማም ምስ ከበዳ ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ከምዝጸንሐትን ኣብኡ ብሰኑይ ከምዝዓረፈተን እቲ ሓበሬታ የብርህ።

ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ዳንኤል ቻፖ ሞት ሮሲታ ምስ ሰምዐ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣዝዩ ዘሕዝን ዜና'ዩ። ንኹሎም ኣባላት ስድራኣ ምጽንናዕ ይምነ፡" ኢሉ።

ብምስዓብ "ንሳ ኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ሞዛምቢክ'ያ ነይራ፡ እዚ ስለ ዝኾነ'የ ንኹሉ ህዝቢ ሞዛምቢክ ምጽንናዕ ዝምነየሉ፤ ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ሞዛምቢክ" ኢሉ።

ሮሲታ ኣብቲ ዝተወለደትሉ መበቖል ዓዳ ቺቡቶ ኣብኡ ምስ ስድራኣ ዓብያን ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዛዚማን።

ተንታኒ ፖለቲካ ቻርለስ ማንገዊሮ ሞት ሮሲታ "መንግስቲ ኩሉ ስርዓተ ህዝባዊ ኣግልግሎት ብፍላይ ከኣ ስርዓተ ጥዕና ንኸመሓይሽ ናይ መጸዋዕታ ደወል ገይረ'የ ዝወስዶ። ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና ደሞዝ ኣይወሰድናን ኢሎም መዓልታዊ እናኣማረሩን ከም ጓንትን ካልእን ዝኣመሰለ ሕጽረታት ኣለና እናበሉን ዝሓመመ ክሰርር ወይ ክሓዊ ኣይትጽበይን ኢኻ፡" ኢሉ።

መንግስቲ ሞዛምቢክ ዋላ ድኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ጥዕና እንተቆጸረ፡ ተንተንቲ ግን ኣብታ ሃገር መሰረታዊ ሕጽረታት መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ከም ዘሎ'ዮም ዝገልጹ።

ከንቲባ ቺቡቶ ሀንሪክ ማቻቫ ንጋዜኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ ሮሲታ ምስ ስድራኣ ይዘራረቡ ከም ዘለዉን ኩሉ እቲ ወጻኢታት ብምምሕዳር ክሽፈን ምዃኑን ገሊጹ።