ህቦብላ ፍሬዲ፡ 'ንሰበይቲ ወደይ ኣብ ጭቃ ይእልሻ ኣለኹ'

ፍሬዲ ዝተባህለ ህቦብላ፡ ኣብ ማላዊ ልዕሊ 300 ሰባት ቀቲሉ'ዩ። ምናልባት ሓንቲ ካብዚኦም ድማ ሰበይቲ ወዲ ቫዮሌት ፍራንክ ክትከውን ትኽእል።
ሰበይቲ ወዳ፡ ወዳን ክልተደቆምን ቅድሚ ሒደት መዓልታት እዮም ንቫዮሌት ክሓትዋ መጺኦም፤ ብዘይካ ሰበይቲ ወዳ ግን እቶም ካልኦት ግዳይ ካብ ምዃን ድሒኖም።
"ኣብ ቺሎብዌ ኣብ ዝርከብ ገዛ ምስ ወደይ እያ ነይራ። ኣብ ደገ ገዝኦም ዝዀነ ነገር ክወድቕን ጎረባብቲ ክውዩን ሰሚዑ ንደገ ወጺኡ" ትብል ቫዮሌት።
"ዕድለኛ ኰይኑ ብህይወት ተሪፉ። ብሰናይ ዝምነዩ ሰባት ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ። በዓልቲ ቤቱ ግን ኣበይ ከም ዘላ ኣይንፈልጥን።"
ቫዮሌት ነቲ ዝዓነወ ገዛ እናጠመተት ኢና ረኺብናያ። ኣብ ማእከል እቲ ክልተ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዎ ገዛ ሓደ ዓቢ ከውሒ ወዲቑ ይርአ፤ ኣብኡ ዝነበረ ኹሉ ነገር ዓንዩ’ዩ።
ብሰንኪ ውሕጅን መደረጓሕ ከውሕታትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ዓንዮም’ዮም።
ሒደት ሜትሮታት ርሒቖም፡ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ካብቲ ፍርስራስን ጭቃን ሓደ ሬሳ ሒዞም ወጺኦም። ናይ በዓልቲ ቤት ወዲ ቫዮሌት ግን ኣይኰነትን።
ንሓደ ካብቶም ሓለፍቲ ሰበይቲ ወዳ ንምድላይ ክሕግዝ ሓቲታቶ፤ ኣይመለሰላን።
"[ንጉጅለታት ምድሓን ህይወት] ሰባት ኣበይ ክደልዩ ከም ዘለዎም ምስ እትነግሮም፡ ናብኡ ኣይከዱን እዮም። ካብቶም ክንድቲ ዘይተጎድኡ ቦታታት ሬሳታት ጥራይ እዮም ዘውጽኡ ዘለዉ።ግን ናትና ሰብ'ከ? መዓስ እዮም ክደልይዎም?"

ቺሎብዌ፡ ኣብታ ንግዳዊ ማእከል ማላዊ ዝዀነት ብላንታይር ብዘጋጠመ ህቦብላ ካብ ሞንጐ ዝተሃስዩ ከባቢታት ሓንቲ እያ።
መብዛሕትኦም ነበርቲ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ህቦብላ ካብ ሰበስልጣን ዝተወሃቦም ምኽሪ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክጸንሑ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን ብዙሕ ኣይሓገዘን።
ኣብ ቺሎብዌ ክንደይ ገዛውቲ ከም ዝዓነወ ንጹር ኣይኰነን፡ እንተዀነ ገዛውቲ ዝጸፍጸፈ ዓበይቲ ኵምራታት ኣካውሕን ኣግራብን ይርአ።
ካልኦት ኣባይቲ ድማ ብውሕጅ ማይ ተሓጺቦም ወይ ኣብ ትሕቲ መደራግሕ ጭቃ ተቐቢሮም እዮም።
ሓምለዋይን ብኣናእሽቱ ትካላት ንግዲ ዕሙር ዝነበሩን ከባቢታት ኣብ ዝጸልመተ መንፈስ ይርከቡ።
እቶም ክሳብ ሕጂ ገዝኦም ዘይፈረሰ፡ ሬሳታት እናደለዩ ነቲ ፍርስራስ ንምጽራግ ጭኻሮን መጋሕፈልን ተሰኪሞም ክኸዱ ይረኣዩ።

ወዲ 34 ዓመት ሪቻርድ ጋለታ፡ በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ቀቢሩ።
"ንዕኦም ክብል ኣበርቲዐ ይሰርሕ ነይረ። ሕጂ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን" ኢሉ።
"ንመወዳእታ ግዜ ንበዓልቲ ቤተይ ዝበልክዋ ነገር፡ ኣብዚ ሰሙን ገንዘብ ከምዝህባን ንወለዳ ክትበጽሕ ከምትኸይድን እዩ። ሕጂ ግን ኣነ እየ ክኸይድ ዘለኒ፡ ሕማቕ ዜና ከካፍፍሎም’የ።"
ሪቻርድ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተጣየሸ ግዝያዊ መዓስከር ይነብር ኣሎ።
ሪቻርድ ኣብኡ ዝነበረ ህይወት ቀሊል ከም ዘይኰነ ይገልጽ። ነቶም ናይ ምድሓን ስራሕ ዘካይዱ ዘለዉ ድማ፡ እኹል መግቢ ምርካብ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቶም ግዳያት ብግቡእ ከም ዘይከታተሉ ከሲሱ።
"ብዙሓት ትካላት መግቢ ኣምጺኦምልና ኣለዉ። ግን ኣብ ሓንቲ ካብተን ናብ መኽዘን ዝተቐየራ ክፍልታት ጥራይ እዩ ዝበስበሰ ዘሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሓላፊ ናይቲ መዓስከር ቀይሕ መስቀል ማላዊ ዝኾነ ማሊንጋ ናሙኩ፡ ንሰባት ይምግቡ ከም ዘለዉ እኳ እንተገለጸ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን "ንወለንተኛታት መን ከም ዝተመገበን መን ከም ዘይተመገበን ንምክትታል ከቢድ'ዩ። ንሕና ግን ዝከኣለና ንጽዕር ኣለና" ኢሉ።
ኣብቲ መዕቆቢ ብዙሓት ህጻናት ካብ መጥባሕቲ ጓንቲ ብዝተሰርሑ ግዝያዊ ባሎናት ይጻወቱ ነይሮም።
ንዓኣቶም ክትርእይ ከለኻ ዞባ ሓደጋ ኰይኑ ኣይስምዓካን።
ዋና ጸሓፊ ጥዕና ማላዊ ዶክተር ቻርለስ ምዋንሳምቦ፡ ጥዕና ኣእምሮ ናይቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ሰብ መዚ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት ክከታተልዎ ዘለዎም ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ መዓስከር ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ዝሓቖፈ ኰይኑ፡ ብዙሓት ካልኦት ድማ ደረቕ መሕደሪ ቦታ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ይመጽኡ ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ኣብቲ መዓስከር ዝቕመጡ ሰባት ካልእ ዝኸድዎ ቦታ ስለዘይብሎም ኣብ ጭንቀት ይርከቡ።
እቲ ኩነታት ኣየር ንጉጅለታት ምድላይን ምድሓንን ሰባት ንምርካብ ኣጸጋሚ ይገብሮ ኣሎ።
ኣብ ገለ መዓልታት ብሰንኪ ዝናብ ወይ ግመ ንጥፈታት ደው ይብል ነይሩ።
ኣብቲ ምድላይ ዝሕግዙ ዘለዉ፡ ኣገልግሎት ፖሊስ፡ ወተሃደራውን ዓለምለኻዊ ትካላት ይርከብዎም።
ፖሊስ ሬሳታት ንምድላይ ኣኽላባት እውን ይጥቀም ኣሎ።
ክሳብ ዓርቢ ኣብ ማላዊ ልዕሊ 300 ሞት ዝተረጋገጸ ክኸውን ከሎ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሞዛምቢክ ድማ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ካብ ገዝኦም ከምዝተበዛበሉን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት ቁጽሪ ሞት ክውስኽ ተኽእሎ ኣሎ።
ብውሑዱ 200 ሰባት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣይተረኽበን - ካብዚኦም ሓንቲ ሰይቲወዲ ቫዮሌት እያ።
ቫዮሌት፡ ምእንቲ ግቡእ ቀብሪ ክግበረላ ሬሳኣ ክረክብ ተስፋ ትገብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







