ጃምላዊ መቓብር ኢትዮጵያውያን፡ ወዲ በዓልቲቤት ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ጃምላዊ መቓብር

ምንጪ ስእሊ, MALAWI POLICE

ፖሊስ ማላዊ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ምስ ዝተረኸበ 30 ሬሳታት ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ብዝተኣሳሰር ንወዲ በዓልቲቤት ፕረዚደንት ነበር ፒተር ሙታሪካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ተገሊጹ።

ሰብመዚ ማላዊ፡ ንታዲኪራ ማፉብዛ ንሓያሎ መዓልታት ክደልይዎ ድሕሪ ምጽንሖም ትማሊ ረቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ኢዱ ከምዝሃበ ይገልጹ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ንማፉብዛ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ማላዊ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ምዚምባ ዝተረኽበ መቓብራት ዘተኣሳስር ጽኑዕ መርትዖ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቶም ሬሳታት ኩሎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኣትዉ ዝሓሰቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝኾኑ ይእመን።

ፖሊስ ማላዊ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብቲ ቦታ ዝተኣከበ መርትዖ፡ እቶም ግዳያት ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዘርኢ'ዩ" ምባሉ ይዝከር። ጠንቂ ሞት እቶም ስደተኛታት’ውን ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ ኔሩ።

እቶም ግዳያት ኩሎም ካብ 25 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ብድሕሪ’ዚ ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ከተማ ካሮንጋ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ጫካ ተሓቢኦም ዝተረኽቡ 72 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ነቶም ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋር ናይ ዝተዋፈረ መርበብ ኣካል እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዓሰርተ ማላውያን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ ክስተት ከምዝሓዘነ ብምግላጽ፡ መንግስቱ ምስ መንግስቲ ማላዊ ብምዃን መርመራ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ውጽኢት እቲ መርመራ'ውን ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

ሚኒስትር ፀጥታ ውሽጢ ሃገር ማላዊ፡ ዣን ሰንደዛ ብወገና "ዘሕዝን ኩነታት እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።

ንሳ፡ ፖሊስ ይምርምር ከምዘሎን እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ከምዝተሓዙን ኣስሚራትሉ ነይራ።

መንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊት ክፋል’ታ ሃገር ዘይሕጋዊ ስግግር ደቂ ሰባት ደው ንምባል ኣብ ጽርግያታትን ዶባትን "ቁጽጽር የሐይል" ከምዘሎ ሰንደንዛ ወሲኻ ገሊጻ።

እታ ሚኒስትር ከምዝበለቶ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣሰጋገርቲ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ እዮም።

ፖሊስ ካብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ 221 ስደተኛታት ክሕዝ እንከሎ፡ ካብዚኦም እቶም 186 ዜጋታት ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መብዛሕትኦም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ንማላዊ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ከም መተሓላለፊ ዝጥቀሙላ ከም ዝዀኑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

ጽልዋ ዘለዎም ማላዊያውያን’ውን ኣብቲ ሰንሰለት ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብ ከምዘሳተፉ ይግመት።

ኣብ 2020 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማላዊ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ነበር ኡላዲ ሙሳን ሓደ ሓላፊ ኢሚግሬሽንን፡ ማላዊያውያን ንዘይኮኑ ሰባት ፓስፖርት ማላዊ ንኽረኽቡ ብምሕጋዞም ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱሎም ነይሩ።