ኣብ ማላዊ ጃምላዊ መቓብር ኢትዮጵያውያን ተረኺቡ

ጃምላዊ መቓብር

ምንጪ ስእሊ, Malawi Police

ኣብ ደቡባዊ ማላዊ ዞባ ምዚምባ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ጫካ ሬሳ 25 ስደተኛታት ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ።

ፖሊስ ማላዊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብቲ ቦታ ዝተኣከበ መርትዖ፡ እቶም ግዳያት ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ ኩሎም ግዳያት ካብ 25 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ገሊጹ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ጠንቂ ሞት እቶም ስደተኛታት ይምርምሩ ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ፖሊስ ካብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ 221 ስደተኛታት ከምዝሓዘን፡ ካብዚኦም እቶም 186 ዜጋታት ኢትዮጵያ ከም ዝነበሩን ጸብጻባቱ ይሕብር።

መብዛሕትኦም ኣብ ማላዊ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ነታ ሃገር፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ከም መተሓላለፊ ዝጥቀሙላ ከም ዝዀኑ ሰበ ስልጣን ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማላዊን ሞዛምቢክን ሬሳታት ስደተኛታት ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020፡ ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ሞዛምቢክ፡ ኣብ ውሽጢ ኰንተይነር ናይ ጽዕነት መኪና፡ ኣስክሬን 64 ስደተኛታት ከም ዝረኸቡ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ እዞም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ሰኣን ኣየር ተዓፊኖም ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይእመን።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ፡ መራሒ እታ መኪና ዝርከቦም ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።

እቶም ስደተኛታት ድማ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝወስድ ፍሉጥ መገዲ ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ተገሊጹ’ዩ።

ሰብ መዚ፡ እታ መኪና ክፍትሹዋ ከለው፡ 14 ሰባት ብህይወት ረኺቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ድማ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ መዕቘቢ ስደተኛታት ማላዊ ብዙሓት ግዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ከም ዘለውን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከም ዝበጽሖምን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ ድዛሌካ ዝተባህለ መዕቘቢ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምኡ’ውን ደቂ ተባዕትዮ ሰፊሕ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከም ዝበጽሖም ገሊጹ።

ካብዚኦም፡ ልዕሊ 90 ስደተኛታት ከም ዘድሓነን መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዀኑን ሓቢሩ።

ካልኦት ድማ፡ ዕድሚኦም ካብ 12 ክሳብ 24 ዓመት ዘለው መናእሰይ ዝሽየጥሉን ብግዱድ ዕዮ ከምኡ’ውን ወሲባዊ ንግዲ ዝተቓልዑ ከም ዝዀኑ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ገበንን መድሃኒትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማክስዌል ማትዌር ተዛሪቡ።