ስደት፡ ኢትዮጵያውያን ስለምንታይ ዘይሕጋዊ ስደት ይመርጹ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እትርከብ ወረዳ ኢሮብ ዝወጽኡ 15 መናእሰይ ጣቢያ እንዳልጌዳ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ምሟቶም፡ ብዙሓት ኣሕዚኑን መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩን።
እዚ ናይ ቀረባ ተጓንፎ ድኣ ብኣብነት ኣልዒልና እምበር፡ ኣብ ኬኒያ፣ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሊቢያን ካልኦትን ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ተኣሲሮም፣ ባሕሪ ከቋርጹ ሞይቶም ዝብሉ ዜናታት ምስማዕ ድማ፡ ሓድሽ ኣይኾነን።
ኣብታ ሃገር፡ በብዓመቱ ካብ ማእከላት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ተመሪቖም ዝወጽኡ ተምሃሮ ቑጽሮም ውሑድ ኣይኮነን።
በዚ ጸገም ቀረብ ሓይሊ ሰብ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነዚ ቑጽሪ ዝሓቑፉ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘለው ሃጓፋት ግን ብዙሓት'ዮም።
ስለ ዝኾነ፡ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝህልዋ ቀረብ ዕድላት ስራሕን ፈጠራ ስራሕን ብዝሰገረ፡ ብሞያ ብምስልጣን ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ሓይሊ ሰብ ምልኣኽ ከም መደብ እትሕዞ መማረጺ'ዩ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ወግዓዊ ስምሪት ስራሕ ከም ዝተጀመረ ዝጸብጸባ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ድማ፡ ተቛሪጹ ዝነበረ ጉዕዞ ስምሪት ስራሕ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ሕጋውን ሞያውን ብዝኾነ ኣገባብ ንምጅማር ምድላው ክግበር ምጽንሑ ኣጋዊሐን።
ብምኻኑ ድማ፡ ኣብ ቀረባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 50 ሽሕ ዝኸውን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ንምልኣኽ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ገሊጹ ነይሩ።
ንምኻኑ ኢትዮጵያውያን ስለምንታይ፤ በየናይ ኣንፈት ናብ ስደት ይወጽኡ?

ትግራይ
ሰንሰለት ዘይሕጋዊ ደለልትን ኣስገርትን ምብታኽ፡ ዓብዪ ጸገም ከም ዝኾነ ይዝረበሉ። እዚኦም፡ ክጭበጥ ዘይኽእል ሓያል መርበብ ኣለዎም ተባሂሉ'ዩ ዝእመን።
ይኹን'ምበር፡ ጸሓይ እቶም ነዚ ዝቃለሱ ኣካላት በሪቓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንትኣትው ዝውሃቦም ቕጽዓት ናይ ልቢ ዝመልእ ኣይኮነን።
እዚ ዝብል ክትትል ማሕበራዊ ጉዳይ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እቲ ክልል ዝኾነ ኣቶ ሰለሞን ኣብርሃም'ዩ።
"ኣብ ትግራይ ክተሓዙ ከለው ዝወሃቦም ቕጽዓት መምሃራይ ኣይኮነን፤ ብዋሕስ ዝወጽኡ ኣለው። መምሃራይ ስጉምቲ ክውሰዶም ከም ዘለዎ ግን ባዕሉ እቲ ስራሕ የርእየና'ሎ" ብምባል ዘይሕጋዊ ስደት ኣካል እቶም ዘለው ማሕበራዊ ቅልውላዋት ምኻኑ ይጠቅስ።
ምምሕዳር ዞባታት ምብራቕን ደቡብን ትግራይ፡ ብልዑል ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ዝተጠቕዓ ዞባታት እየን። ስዑዲ ዓረብን ጥልያንን ድማ፡ ካብዞም ከባቢታት ዝብገሱ ስደተኛታት መወዳእትኦም ገይሮም ዘነጽሩወን ሃገራት እየን።
መስመር ዓፋር-ጅቡቲ፣ ናብ ጥልያን ድማ ሑመራ-ሊቢያ ይጥቀሙ። ብሶማሊያ ጅግጅጋ ገይሮም ናብ የመን ንምእታው ዝብገሱ'ውን ዉሑዳት ኣይኮኑን።
መናእሰይ ግዳያት እዚ ጉዕዞ እንትኾኑ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና ዝዛረብ ኣቶ ሰለሞን፡ "ናብ ስዑዲ ዓረብ እየን ዝኸዳ፤ ንምንታይ እንትብሃላ፡ ብጉልበትና ድሓን ክንክፈል ስለ እንኽእል ይብላ" ኢሉ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝሓሸ ነገር ይርከብ'ዩ ዝብል ግጉይ እምነት፣ ናይ መሓዛ፥ ስድራን ዘይሕጋዊ ደለልትን ጸቕጢ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ሰለሞን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብምምጻእ ኣብ ዓዶም ስራሕ ዝረኽብሉ ባይታ ንምፍጣር ንሰርሕ ኢና ዘለና ይብል።
ጉዳይ ስእነት ስራሕ፣ ምጉልእላእ፣ ሕጽረት ገንዘብ ልቓሕን ካልኦት ምምሕዳራዊ ጸገማትንከ?
"ስእነት ስራሕ የለን'ኳ እንተዘይበልና ሚዛን ክትሕዝ ዝግብኦ ነገር ግን ኣሎ" ብምባል ርኢይትኡ ዝህብ ኣቶ ሰለሞን፤ ኩሉ ትምህርቲ ዝወድአ ዕድል ስራሕ ተፈጢርሉ'ዩ ምባል ከም ዘይክኣል ይዛረብ። ይኹን'ምበር፡ እቶም ወጺኦም እንረኽቦም መብዛሕትኦም መኪናን ገዛን ዘለዎም'ዮም ኢሉ።
"ኩሉ ዝምሃር ዘሎ ስራሕ ክቑጸር ዘይኮነ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ክልወጠሉ ዝኽእል ዕድል ግን ኣሎ። ምጉልእላእ፣ ምላሽ ዘይምሃብ ዝኣመሰሉ ጸገማት የለውን ማለት ግን ኣይኮነን። እቲ ከይዶም ዝገጥሞም ዘሎ ጸገምን፡ ኣብዚ ተቓሊሶም ከዐርዩዎ ዝኽእሉ ጸገምን ክወዳደር ከሎ ግን፡ እዚ እዩ እቲ ዝቐለለ ዝኸውን" ኢሉ።

ስምሪት ስራሕ ሃገራት ወጻኢ 923/2008 እንታይ ይጠቅስ?
- ዕድመ [እንተውሓደ 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ]፣
- ሞያ [ኣብዚ'ውን ብሲኦሲ ተዓቂኖም ዝሓለፉ]
- ኩሎም ካብ ሃገር ክወጽኡ ብሕጋዊ መገዲ ክኸዱ ከም ዘለዎም ይጠልብ
- ስልጠና ኣተሓሕዛ ገዛ፣ ክንክን ከምኡ'ውን ምዝዋር መኪና ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም
- ስዑዲ ዓረብ፣ ዮርዳኖስን ኳታርን፡ ሰራሕተኛታት ንምልኣኽ ምስ ኢትዮጰያ ስምምዕ ዝተበጽሐለን ሃገራት'የን
- ፖላንድ፣ ጃፓን፣ ካናዳ፣ ጀርመንና ሩሲያ ልዑል ጠለብ ሓይሊ ሰብ ኣለወን ተባሂለን ካብ ዝተጸንዓ ሃገራት ኤውሮጳ'የን

ክትትል ማሕበራዊ ጉዳያት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣቶ ሰለሞን ኣብርሃም፡ ኣብዚ እዋን ናብ ወጻኢ ሃገር ክኸይድ ቑጽሪ ዝደሊ መንእሰይ ብዙሕ ምኻኑ'ዩ ዝዛረብ።
ብመሰረት ኣብታ እትልእኽን እትቕበልን ሃገር ዝተጸዕሐ ስምምእ ግን፡ ሞያዊ ስልጠና ረኺቦም ክኸዱ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ሓዊሱ ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት'ውን ስልጠና ይወሃብ ከም ዘሎ ሃቢሩ።

ኦሮሚያ
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ ማሕበራውን ሰራሕተኛን ኣቶ መሓመድ ጠይቡ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝስደዱ መናእሰይ፡ መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ኣብ ንእስነት ዝርከቡ'ዮም ኢሉ።
ኣብቲ ክልል፡ ካብ ሽዱሽተ ዞባታት ብበዝሒ ዜጋታት እንትስዱ፡ ጅማ፣ ባሌ፣ ኣርሲን ምዕራብ ኣርሲ ብቐዳምነት ዝርቁሑ ዞባታት እዮም።
"ካብ ኦሮሚያ ቑጽሪ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝስደዱ ዜጋታት እዚ እዩ ኢልካ ምግላጽ እንተጸገመና'ውን ቑጽሩ ግን ይውስኽ እዩ ዘሎ" ኣቶ መሓመድ ኢሉ።
እዚ ዘይሕጋዊ ስደት ብኽልተ ቀንዲ ኣንፈታት'ዩ ዝግበር። እቲ ሓደ መስመር፡ ክልል ኣምሓራ ብምቁራጽ ብመተማን ሱዳን ገይርካ ክሳብ ሊቢያ ዝበጽሕ ኾይኑ፡ እቲ ኻልእ ብጅቡቲ-ናብ የመንን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝግበር ጉዕዞ ስደት'ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ ዜጋታት ብኬኒያ፣ ታንዛኒያ ገይሮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይጉዓዙ ከም ዘለው ኣቶ መሓመድ ገሊጹ።
እዞም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ትምህርቶም ኣቋሪጾም፡ ዝኸዱ ምኻኖም ብምግላጽ፡ ዕድሚኦም ካብ 12 ዝጅምር ምኻኑ ሓቢሩ። ኣብ ቀረባ ናብ ሃገራት ዓረብ እንትጉዓዙ ተታሒዞም ካብ ዝተመለሱ እቶም 60 ቆልዑት ምኻኖም ብኣብነት ኣልዒሉ።
ነዚ መንቀሊ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከም ዘለው ዝገለጸ ኣቶ መሓመድ፡ ናይ መብዛሕትኦም ግን ምስ ስእነት ስራሕ ከም ዝተሓሓሕ ተዛሪቡ። ኣብ ካልእ ሃገር ሰሪሖም ሃብቲ ንምፍራይ ሓሲቦም ዝስደዱ'ውን ግን ኣለው።
ኣ ብዝተፈላለዩ እዋናት ዜጋታት ባሕሪ ኣቋሪጾም ክኸዱ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ከም ዝሞቱ ዘልዕል ኣቶ መሓመድ፡ ኣብ መገዲ ምማቶምን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ምቅልዖም ጸብጻብ ይበጽሐና እዩ ብምባል፡ እዚ ኩነታት ንምንካይ "ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ ከይዶም ሰሪሖም ዓርሶምን ሃገሮምን ክረብሑ ንምግባር ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።
ብተመሳሳሊ፡ ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተትሓሓዘ ኣብ ልዕሊ ደለልቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብምጥንኻር፡ ንማሕበረሰብ ብሰፊሑ ትምህርቲ ንምሃብ ከም ዝተተለመ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቑጽሪ ስደተኛታት
- Mixedmigration ceneter ዝተብሃለ ማዕኸን ሓበሬታን ትካል መጽናዕትን ኣብ ድረ ገጹ [www.mixedmigration.org] ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2019፡ ቑጽሪ ካብ የመን፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያና ጂቡቲ ብሶማሊያ ኣትዮም ዝወጽኡ ስደተኛታት ብ41 ሚኢታዊት ወሲኹ ይብል
- ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት፡ 18 904 ዝኾኑ ኢዮጵያዊያንን ሶማሊያዊያንን የመን ኣትዮም
- ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ድማ ኣብ የመን ዝበጽሑ ሓፈሻዊ ስደተኛታት ድማ 74333 የይበጽሕ
- ብሚያዚያ፡ ብውሑድ 40 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ የመን ህይወቶም ሓሊፉ

ኣምሓራ
ክልል ኣምሓራ'ውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ካብ ዝርኣየሎም ክልላት ሓደ'ዩ።
ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብመስመር ሰመራ [ዓፋር] ናብ ጅቡቲ ክኸዱ 545 ሰባት ተታሒዞም ናብ ከባቢኦም ተመሊሶም።
መተማ በብግዝኡ ብዙሓት ስደተኛታት ዝተሓዝሉ ከባቢ ኾይኑ፡ ኣብርሃጅራ ዝብሃል መገዲ ድማ ካብ መስመር መተማ ሃዲሞም ንምምላጥ ዝጥቀምሉ'ዩ።
በዚ መገዲ ክጉዓዙ ዝፈተኑ 290 ዝኾኑ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ተታሒዞም ካብ ዶብ ተመለሲኦም'ዮም ይብል ካብ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።
"እዞም ስደተኛታት ካብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ዝተበገሱ ዘይኮኑ፡ ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣዲስ ኣበባን ክልል ሶማሌን ዝመጽኡ'ዮም" ዝብል ድማ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት፡ ኣገልግሎት ስምሪት ስራሕን መጽናዕቲ ሓይሊ ሰብን እቲ ቢሮ ኣቶ ጌታሰው መንጌ'ዩ።
መብዛሕትአን ንስደት ዝወጽኣ ደቂ ኣንሰትዯን ከም ዝኾና ዝገልጽ ኣቶ ጌታሰው፡ ካብዚኦም 40 ሚኢታዊት ዝኾኑ ድማ ቆልዑ'ዮም።
ብጅቡቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጉዕዞ ሓደ እቶም ናብ ስደት ዝወጽኡ መናእሰይ ዝጥቀምሉ መገዲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣቶ ጌታሰው፡ ብመተማ-ሱዳን-ሊቢያ ዝግበር ካልእ መገዲ'ውን ኣሎ።
እዚ ናብ ኤውሮጳን ስዑዲ ዓረብን ንምኻድ እንትጥቀምሉ፡ ኣብዚ ዶብ ልዑል ቑጽጽር ስለ ዘሎ ግን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ብዙሕ ኣይደፍሩዎን።
ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብሕቡእ ዝፍጸም ስለ ዝኾነ፡ ቑጽሮም እዚ'ዩ ኢልካ ንምቕማጥ ዝኸብድ ሰባት ኣብ ዶባት ከም ዝትሓዙን ከም ዝጉድኡን ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር፡ መብዛሕትኦም ንስደት ዝብገሱ ነበርቲ እቲ ክልል ካብ ምብራቓዊ ኣምሓራ [ደቡብ ወሎ፣ ሰሜን ወሎ፣ ሰሜን ሸዋ፣ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ] ኮይኖም፡ ብፍላይ ብጅቡቲ ዘሎ መገዲ ይመርጹ።
ካብ ከባቢታት ጎንደርን ጎጃምን ዝኸዱ'ውን ኣለው። ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ዝወጽእሎም ምኽንያታት ዝተፈላለዩ ምኻኖም ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ሃገር ዘሎ ምምዝባል ዜጋታት ግን እቲ ቑጽሪ ክጋደድ ከም ዝገበሮ ይዛረብ።
"ስእነት ስራሕ፡ ካልእ ምኽንያት'ዩ። ትምህርቶም ዝወድኡን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘቋረጹን፡ ኣማራጺ የብልናን ኢሎም ብምሕሳብ፣ ካብ ጎዳእቲ ልምድታት ንምምላጥ ከምኡ'ውን ብድፍኢት ዘይሕጋዊ ደለልቲ ዝወጽኡ ምህላዎም'ውን ክዝንጋዕ የብሉን' ይብል።
እዚ ጸገም ንምፍታሕ፡ ስምሪት ስራሕ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መማረጺታት ይውሰዱ ኣለው ዝብል ኣቶ ጌታሰው፡ ምስ ሕብረተሰብ ብምዝታይ ግንዛበ ዘዕብዩ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለው ኢሉ።
ኣብቲ ክልል 125 ኤጀንሲታት ስምሪት ስራሕ ወጻኢ ውዕሊ ይጸድቕ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ፡ ብኤጀንሲታት ኣቢሉ፡ ልዕሊ 16 ደቂ ኣንስትዮ ብሕጋዊ መገዲ ተላኢኸን አለዋ። ብመሰረት እዚ እቲ ቢሮ 20 ሽሕ ሰባት መዝጊቡ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣሰልጢኑ ከም ዝወድአ ካብቲ ቢሮ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ብሕጋዊ መገዲ'ውን እንተኾነ፡ ሕጂ ብዝተፈጠረ ዕድል ስምሪት ስራሕ ወጻኢ ዲግሪ ሒዞም ስልጠና ብምውሳድ ንምኻድ ዝምዝገቡ ምህላዎም ብምግላጽ፡ ስእነት ስራሕ ትኹረት ክወሃቦ ከም ዝግባእ የረድእ።
"ፓስፖርት ምኽላእ ሓዊሱ ካልኦት መገዲታት ብምጥቃም ዘይሕጋዊ ስደት ንምንካይ ዝግበር ጻዕሪ'ኳ እንተሃለወ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምምዝባል ቑጽሪ ስደት ክውስኽ ገይሩ'ዩ"
ብሕጋዊ መገዲ ስምሪት ስራሕ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምኻድ፡ ኣብቲ ክልል ጥራሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።
"እዚ፡ ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ናይ ምኻድ ድልየት ከም ዘለዎም ዝርኣናሉ'ዩ። ይኹን'ምበር፡ እዚ ዝኣክል ቑጽሪ'ውን ብዘይሕጋዊ መገዲ ክወጽእ ይኽእል ነይሩ'ዩ" ዝብል ግምቱ የቐምጥ።

እዚ ጸገም ንምግታእ እንታይ ይስራሕ ኣሎ?
ኣብ ቀረባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 50 ሽሕ ዝጽግዑ ሰናሕተኛታት ናብ ሕቡራት ኢመራት ንምልኣኽ ትልሚ ከም ዝተትሓዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ስምሪት ስራሕ ከም ዝተጀመረን ናብ ኤሽያን ኤውሮጳን'ውን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንምልኣኽ ምድላው ከም ዝተገበረን ድማ ኣብ ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዳይሬክተር ስምሪት ስራሕ ሃገራት ወጻኢ ብርሃኑ ኣበራ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ስደት ጠቕሊልካ ምቅታእ ከም ዘይክኣል ዝገለጸ ኣቶ ሰለሞን፡ "ምውጻእ ምርጭኦም ንዝኾነ፡ ብሕጋዊ መገዲ ንክኸውን 'ፕሪ ዲፓርቹ' ስልጠናታት፡ ብኣተሓሕዛ ገዛ፣ ምክንኻን፣ ፍቓድ መግንሒ መኪና ክረክቡ ንገብር ኣለና። ኣብዚ ክልል ድማ ልዕሊ 22 ፍቓድ ፌደራል ዝሓዛ ኤጀንሲታ ጨንፈር ከፊተን ኣለዋ። ዘድሊ ስልጠና ምስ ሃብና ድማ፡ እቲ ወኪል ብዝጠልቦ ሞያ መሰረት ጌርና ዜጋታት ብኽብሪ ክወጽኡን ኽብሪ ሃገር ክሕሎን ንሰርሕ ኢና ዘለና" ኢሉ።
ተመሳሳሊ ርኢይቶ ዘለዎ ኣቶ ጌታሰው ብወገኑ፡ ናብ ደገ ወጺኦም ክሰርሑ ንደልዩ ሰባት ስልጠናታት ናይ ጋ ስራሕ፣ ኣተሓሕዛ ገዛ፣ ሹፌርን ነርስን ይወሃብ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"እዚ ጸገም ንምፍታሕ፡ ስምሪት ስራሕ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መማረጺታት ይውሰዱ ኣለው ዝብል ፡ ምስ ሕብረተሰብ ብምዝታይ ግንዛበ ዘዕብዩ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለው" ክብል'ውን ገሊጹ።
ካብተን ዝተጠቐሳ ክልላት ወጻኢ ዘሎ ሃገራዊ መረዳእታ ዘይሕጋዊ ስደት ዝምልከት መረዳእታ ካብቲ ሚኒስትር መረዳእታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጠን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







