ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት እተድሕን መርከብ ተዋፊራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኤስኦኤስ ሜድትራኔ ዝበሃል ትካል ረድኤት፡ ካብ ባሕሪ ሜድትራንያን ሓገዝ ንዝደልዩ ስደተኛታት እተድሕን ሓዳሽ መርከብ ኣዋፊሩ'ሎ።
እታ ባንዴራ ኖርወይ እተንበልብል 'ኦሽን ቫይኪንግ' እትበሃል ሓዳሽ መርከብ፡ ካብ ፈረንሳዊት ወደብ ማርሲለስ ተበጊሳ እያ ኣብቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዝኣትውሉ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምንቅስቓሳት ክትገብር።
እቲ ትካል ረድኤት ቅድም ክብል'ውን ኣኳርየስ እትበሃል ንስደተኛታት እተድሕን መርከብ ነይራቶ።
መርከብ ኣኳርየስ፡ ኣብ ብዙሓት ወደባት ኤውሮጳ ስደተኛታት ከይተራግፍ ድሕሪ ምእጋዳ እያ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ተግባራታ ዝሓለፈ ዓመት ኣቋሪጻ።
"ኣብዚ እዋን ብዙሓት ስደተኛታት ባሕሪ የቋርጹ ኣለዉ" ዝበለ ናይቲ ትካል ሓላፊ ወፍርታት ፍረድሪክ ፔናርድ፡ እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት፡ ሰባት ሓደገኛ ምርጫታት ክገብሩ የገድዶም ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ብሰንበት ሓደ ናይ ጀርመን ትካል ረድኤት፡ ነቶም ኢጣልያ ኣብ ወደባታ ንኸይዕሽጉ ፍቓድ ዝኸልኣቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘድሓኖም 40 ስደተኛታት ኣብ ማልታ ኣራጊፉ'ዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







