ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት እተድሕን መርከብ ተዋፊራ

ኦሽን ቫይኪንግ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኤስኦኤስ ሜድትራኔ ዝበሃል ትካል ረድኤት፡ ካብ ባሕሪ ሜድትራንያን ሓገዝ ንዝደልዩ ስደተኛታት እተድሕን ሓዳሽ መርከብ ኣዋፊሩ'ሎ።

እታ ባንዴራ ኖርወይ እተንበልብል 'ኦሽን ቫይኪንግ' እትበሃል ሓዳሽ መርከብ፡ ካብ ፈረንሳዊት ወደብ ማርሲለስ ተበጊሳ እያ ኣብቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዝኣትውሉ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምንቅስቓሳት ክትገብር።

እቲ ትካል ረድኤት ቅድም ክብል'ውን ኣኳርየስ እትበሃል ንስደተኛታት እተድሕን መርከብ ነይራቶ።

መርከብ ኣኳርየስ፡ ኣብ ብዙሓት ወደባት ኤውሮጳ ስደተኛታት ከይተራግፍ ድሕሪ ምእጋዳ እያ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ተግባራታ ዝሓለፈ ዓመት ኣቋሪጻ።

"ኣብዚ እዋን ብዙሓት ስደተኛታት ባሕሪ የቋርጹ ኣለዉ" ዝበለ ናይቲ ትካል ሓላፊ ወፍርታት ፍረድሪክ ፔናርድ፡ እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት፡ ሰባት ሓደገኛ ምርጫታት ክገብሩ የገድዶም ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ብሰንበት ሓደ ናይ ጀርመን ትካል ረድኤት፡ ነቶም ኢጣልያ ኣብ ወደባታ ንኸይዕሽጉ ፍቓድ ዝኸልኣቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘድሓኖም 40 ስደተኛታት ኣብ ማልታ ኣራጊፉ'ዩ።