ስለምንታይ ሞሮኮ ድሕሪ ሱዳንን ኣልጄሪያን ናዕቢ ዝረኣየላ ሃገር ኮይና?

ባንዴራ ዝሓዘት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፍርቂ ሞሮኮኣውያን፡ ስደትን ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጥን ከም ዝደልዩ ቢቢሲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር።

ሞሮኮ፡ ኣሰር እግሪ ሱዳንን ኣልጄሪያን ክትስዕብ'ያ ማለት ድዩ? ክብል ቶም ካስቴላ ሓቲቱ።

ሳልሕ ኣል-ማንሶሪ ኣብ ዕስራታት ዝርከብ ግን ድማ፡ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ባሕሪ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ መንእሰይ'ዩ።

ዝሓተቶ ዕቑባ ተነጺጉ ናብ ሃገሩ ክሳብ ዝምለስ፡ ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ጀርመን ተቐሚጡ።

"ሰባት ርጉጽ ነገር ከይሓዙ'ዮም ናብ ስደት ዝኸዱ" ይብል ማንሶሪ። ገሊኦም ዝሓሸ ክዳን ክኽደኑ፣ ዝሓሸ ናብራ ክረኽቡ ኢሎም ናይ ቁጠባ ዕቑባ ንምርካብ እንትኸዱ፡ ናይ ገሊኦም ግን ዘይድህሰሱ ነገራት ምኽንያት ዝገበረ'ዩ ኢሉ።

"ንኣብነት ነጻነት" ዝብል ማሶሪ፡ ካልኦት ብዙሓት ነገራት'ውን ኣለው ይብል።

"ኣብ ሞሮኮ ንህዝቢ ተገዳስነት የለን። ሰባት ክስደዱ ዝገብሮም ዘሎ ድማ እዚ'ዩ" ዳርጋ ፍርቂ ዜጋታት እታ ሃገር ስደት'ዮም ዝሓስቡ።

ማእኸላይ ምብራቕን ሰሜንን ኣፍሪቃ ዝሸፈነ ኣብ 2018/2019 ኔትዎርክ መጽናዕቲ ኣራብ ባሮሜትር ዘካየዶ መጸዕናዕቲ፡ ሞሮኮ ቀጺላ ዘይምርግጋእ ዝርኣየላ ሃገር ድያ? ዝብል መካትዒ ሓሳብ ክለዓል ምኽንያት ይኸውን።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ሱዳንን ኣልጄሪያን ዝተወለዐ ናዕቢ ሃንደበታዊ ለውጢ ፖለቲካ ክመጽእ ገይሩ'ዩ። ፕሬዝደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃን ፕሬዝደንት ኦማር ኣልበሽር ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም።

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ እዞም ህዝባዊ ዓመጻት፡ መራሕቲ ካብ ስልጣኖም ቅድሚ ምውራዶም፡ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ንዘካየዶ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ምላሽ ዝሃቡ ሱዳናውያንን ኣልጄሪያውያንን፡ ቁጥዐን ፍርሕን ከም ዘለዎምን ተስፋ ከም ዝቖረጹን'ዩ።

ሳልሕ ኣል-ማንሶሪ
መግለጺ ስእሊ, ሳልሕ ኣል-ማንሶሪ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ዝህቦ ጠመተ ትሑት ብምኻኑ ከምኡ ዝበሉ ሰባት ስደት ከም ዝመርጹ ይዛረብ

ሰለስተ ርብዒ ሱዳናውያን ሃገሮም ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲ ናብ ውልቀ ምልኪ ቐረባ ምንባራ እዮም ዝዛረቡ።

ክልተ ሲሶ ኣልጄሪያውያን፡ ንመወዳእታ ግዘ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መረጻ ፍትሓውን ናጻን'ዩ ኢሎም ኣይኣምኑን። ሓደ ርብዒ ካብ ህዝቢ ሱዳን ከምኡ'ውን፡ ሓደ ሲሶ ካብ ኣልጄሪያውያን ኣብ ሃገሮም ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ከም ዘሎ ይኣምኑ።

ሞሮኮ'ኸ?

ሕርቃንን ቀቢጸ ተስፋን

መብዛሕትአን እቲ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዝተኻየደለን ከባቢታት፡ ሱር በተኻዊ ለውጢ ክመጽእ ይደልያ። ኣብ ሞሮኮ ግን እቶም ፍርቂ ፖለቲካዊ ለውጢ ጥራሕ'ዮም ዝጠልቡ።

"ኣብቲ መንእሰይ ናይ ሕርቃንን ናይ ቀቢጸ ተስፋን ስምዒት ኣሎ" ይብል ጋዜጠኛን ተቓዋምን ዓብደልፋታሕ ፋዶች።

45 ሚኢታዊ ህዝቢ ሞሮኮ ትሕቲ 24 ዕድሚኦም መናእሰይ ዝሓዘ'ዩ፤ ካብ 70 ሚኢታዊት ኣባጽሕ ድማ እቶም ትሕቲ 30 ዓመት ዘለው ስደት ይመርጹ።

ፍርቂ እቶም ልዕሊ 60 ዓመት ዕድሚኦም ዜጋታት እታ ሃገር ግን፡ ነቲ መንግስቲ እወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም፤ ካብ 18-29 ዝዕድሚኦም መናእሰይ ድማ 18 ሚኢታዊት ጥራሕ'ዮም።

ቀውዒ ዓረብ፡ እቲ ማሕበረሰብ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምጽእ'ዩ ዝብል ተስፋ ነቲ መንእሰይ ኣሕዲሩሉ ነይሩ'ዩ።

ሞሮኮ ብንጉሳዊ ኣገዛዝኣ እትመሓደር ኮይና፡ ኣብ 2011 ዓመጽ ምስ ተልዓለ ንጉስ መሓመድ ሻብዓይ ናይ ለውጢ ፕሮግራም ኣተኣታትዩ።

ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ተኣታትዩ፣ እቲ ንጉስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝህልዎ ስልጣን ኸይተተንከፈ፡ ስልጣን ፓርላማን ቐዳማይ ሚኒስትርን ክሰፍሕ ተገይሩ። ግንከ፡ መብዛሕትኦም እቶም መብጽዓ ዝተኣተወሎም ጉዳያት መሊኦም ኣይተተግበሩን ይብል ፋዶች።

ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዘሎ ድኽመት ትኽክለኛ ቑጠባ እቲ ዕዳጋ ይዓግቶ'ዩ ዘሎ ዝብል እዚ ጋዜጠኛ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለው ፖለቲከኛታት ኾነ እቲ ንጉሳዊ ቤተመንግስቲ ፍቓድ ስራሕ ምግፋፍ ዓሳ ኾነ ካልእ ዕድል ስራሕ ኣይመጽአን ኢሉ።

"ዋላ እቲ ተስፋ ጽባሕ ተባሂሉ ዝነበረ ተኾሊፉ ኩሉ ናብ ዝነበሮ'ዩ ተመሊሱ" ይብል።

እቲ ለውጢ ብናይ ፖለቲካ ሙሁራት ኣቢሉ ክመጽእ ድማ ድልየት ኣሎ'ዩ ብምባል፡ "ኣብ ሓደ እዋን ሞሮኮ እቲ ኣብ ሱዳንን ኣልጄሪያን ዝተርኣየ ናዕቢ ንግብጺ፣ ሶርያ፣ ሊቢያ ወይ ቱኒዚያ ቐዲማ ክተአንግድ'ያ" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።

ጥሮተኛ በዓል ሞያ ሒሳብ ዓብደላህ ኣል-ባርኖኒ ምስ ስድርኡ፡

ምንጪ ስእሊ, PAUL HARRIS

መግለጺ ስእሊ, ጥሮተኛ በዓል ሞያ ሒሳብ ዓብደላህ ኣል-ባርኖኒ ምስ ስድርኡ፡ መናእሰይ ለውጢ ይደልዩ ምህላዎም ከም ዝዕዘብ ይዛረብ

ነቲ ሕሉፍ ወለዶ እንተሓተትካዮ፡ እቲ ዘሎ ስርዓት ክቕጽል ከም ዝደሊ'ዩ ዝዛረብ።

ጥሮተኛ በዓል ሞያ ሒሳብ ዓብደላህ ኣል-ባርኖኒ ነባሪ ካሳብላንካ'ዩ። ኣብቲ ሓድሽ ወለዶ ዝርእዮ ዘሎ ህንጡይነት ለውጢ ኣይቕበሎን።

"ናይ ሎሚ ወለዶ፣ ናይ ሎሚ ቖልዑ ኩሉ ነገር ቐልጢፉ ክኸውን'ዮም ዝደልዩ። ኩሉ ብቑልጡፍ ይብህጉ፤ መኪና፣ ገዛ፣ ስራሕ፣ ቐልጢፎም ልዑል መነባብሮ ክህልዎም'ዮም ዝደልዩ"።

ክሳብ ሕጂ ዝርአይ ምንቅስቓስ ናዕቢ የለን። እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ሞሮኮኣውያን ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሞርኮሰ ተቓውሞ የካይዱ ምህላዎም'ዩ ዘርኢ።

ልዕሊ ርብዒ ተሳተፍቲ እዚ መጽናዕቲ፡ ካብ መጋቢት ጀሚሮም ኣብ ሰላማዊ ተቓውሞ ከም ዝርከቡ ሓቢሮም። ሞሮኮ ዝተፈላለየ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ ትውንን ሃገር ኮይና፡ ካብ 2013 ጀሚሮም ሞሮኮኣውያን ሃይማኖቶም ዘጥብቑ ከም ዘይኮኑ ይዛረቡ።

ኣብ 2016ን 2017ን "ሂራክ ሪፍ' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ምንቅስቓስ፡ ኣንጻር ግዕዝይና [ብልሽውና]ን ስእነት ስራሕን ናዕቢ ተላዒሉ ነይሩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ኣማኢት ድማ ተኣሲሮም።

መንግስቲ ንመራሕቲ እቲ ምንቅስቓስ ን20 ዓመት ክእሰሩ ምስፈረዶም፡ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ሚያዚያ ተቓውሞታት ተራእዮም ነይሮም።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ሞሮኮ ኣብዚ መጽናዕቲ ርኢይትኡ ክህብ'ኳ እንተሓተቶ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ኣብ ሱዳንን ኣልጄሪያን፡ ዝተርኣየ ናዕቢ ቀስ እናበለ'ዩ ናብ ዋና ከተማታት ሊሒኹ። እዚ ኣብ ሞሮኮ ከጋጥም ይኽእል'ዶ ይኸውን?

"ክትግምቶ ይኸብድ'ዩ" ኢሉ ጋዜጠኛ ሰሙናዊ መጽሄት ተልቄል ዓረቢ ዓብደራሒም ስሙጌኒ።

"ኣንጻር መንግስትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን ዝዓበየ ፍርሕን ቅረታን ኣሎ። ሰባት መንግስቲ ግዕዝይና ክቃለስ ትጽቢት ገይሮም ነይሮም። ኣብ ክንድኡ ኣብቶም ማእኸላይ እቶት ዘለዎም ሰባት ግብሪ ወሲኾም" ኢሉ።

ኮይኑ ግን፡ ወሳኒ ኣፈላላይ ኣሎ። ሱዳንን ኣልጄሪያን ኣብ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ኣይነበራን።

እሙን ሰራዊት

ብመሰረት ሃገራዊ ምርድዳእ ሞሮኮ፡ እቲ ንጉስ ንኹሉ ፖለቲካዊ ልዕልና ሒዙ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ፍሬኖ እዩ ዝኾኖ ዘሎ።

"ሰብ ዝበለ እንተበለ፡ ኣብቲ ንጉስ ግን እመነት ኣለዎ" ኢሉ ጋዜጠኛ ስሙጌኒ። ካልኦት ግን፡ ቅድሚ እቲ ቀውዒ ዓረብ'ውን እንተኾነ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ሃገራዊ ምርድዳእ ነይሩ'ዩ ኢሎም ይካትዑ።

ፋዶች፡ "ሕጂ ግን እዚ እምነት ኣይቕጽልን" ይብል።

ኣብ ሱዳን፡ ኣንጻር በሽር ተቓውሞ እንትብርትዕ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ተቓወምቲ ኮይኑ ነቲ ፕሬዝደንት ኣሊዩዎ። ሰራዊት ሞሮኮ ግን፡ ተኣማንነቱ ነቲ ንጉስ'ዩ።

ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞሮኮ ብንጉሳዊ ስርዓት ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ እትመሓደር ሃገር'ያ

ቀይሕ ምልክት

ኣብ 2011 ኣብ ሞሮኮ ዝተልኣለ ቀውዒ ዓረብ፡ መሰረታዊ ለውጢ ናብ ዘምጽእ ብርኪ ኣይዓበየን። ሕጂ'ውን እቲ ንጉስ ይመርሕ ኣሎ፤ ፖለቲካዊ ለውጥታት ድማ ተገዲቦም ኣላው።

ሰራሕተኛ ጉጅለ ዓረብ ባሮሜተር ሚካኤል ሮቢንስ፡ እቲ ንጉሳዊ ስርዓት ክወድቕ ኣለዎ ብዛዕባ ዝብል ሓሳብ ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ይሕብር። እንተኾነ፡ እዚ መጽናዕቲ ንመንግስቲ ሞሮኮ 'ቀይሕ ምልክት' ከም ዘሎ'ዩ ዘመላኽት ይብል።

"ሞሮኮኣውያን ብፍላይ ድማ መናእሰይ ወለዶ፡ ቅልጡፍ ለውጢ ክመጽእ'ዮም ዝደልዩ። ብልጭታ ተቓውሞ ከልዕሉ ዝተቓረቡ'ውን ይመስሉ።"

በቲ ኮይኑ በቲ ግን ሞሮኮ ኣብ ቀራና መገዲ'ያ ዘላ።