ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ 170 ሰባት ሞይቶም

ስደተኛታት ኣብ ናይ ጎማ ጃልባ ኣብ ባሕሪ

እቲ እዋን ብደሓኑ እንከሎ እውን ከይተረፈ፡ እቶም ብባሕሪ ሜዲተራንያን ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት፡ 'መዓስ ኢና ንኸይድ ወይ መዓስ ኢኻ ትሰግር ንምባል፡ 'መዓስ ኢኻ ትጥሕል? ወይ መዓስ ኢና ንጥሕል" ዝብል ቃላት ይጥቀሙ ነይሮም።

ከምኡ ዘብሎም ዝነበረ ምኽንያት ከኣ ኣብ ባሕሪ ተደጋጋሚ ሓደጋታት የጋጥም ስለዝነበረ እዩ።

ልዕሊ 360 ሰባት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ኣፍ-ደገ ላምፔዱሳ ምጥሓላ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ስለዝተነግረ እምበር ቅድሚኡ እውን እንተኾነ፡ ገሊአን መላስ ወረ ዘይብለን፡ ገለ ከኣ ውጻእ መዓት ዝተረፉሉ ኣማኢት ስደተኛታት ዝቐዘፈ ሓደጋ ምጥሓል ኣጋጢሙ እዩ።

ድሕሪ ሓደጋ ላምፓዱሳ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን መራኽበን ብምውፋር ህይወት ስደተኛታት ኣድሒነን።

እዚ ሰብኣዊ ተግባር እተን ገበርቲ ሰናይ፡ ሰባት ከካብ ቤቶም ንቑጠባዊ ረብሓ ተጓሕጒሖም ንኽወጽኡ የተባብዓ ኣለዋ ስለዝተባህለ ሓያሎ መንግስታት እቲ ተግባር ንኸይቅጽል ዓናቒፎሞ።

ኪንኡ ሰጊሮም እውን ዕድል ገይረን ማዕበል ሜዲተራንያን ሰጊረን ዝመጽኣ ጀላቡን ናእሽቱ መራኽብን ኣብ ወደባት ሃገረን ከይዕሽጋ ክሳብ ምኽልካል በጺሐን። ጥልያንን ማልታን ከኣ እተን ብኣብነት ዝጥቀሳ ምስቲ ስደተኛታት ዝጓዓዝሉ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ስለዝኾና፡ ወትሩ ብብዝሒ ስደተኛታት ምስተማረራ እየን።

ቐዳም 19 ጥሪ 2018 ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን 170 ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ምሟቶም ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ምስ ሓበረን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንቲ ልዕሊ 4,200 ስደተኛታት ብማእካላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ከምዝሰገሩ ምስ ሓበረን፡ ኩሉ እቲ ጉዳይ ቤቱን ሃገሩን ዝከታተል ሰብ "ዜጋታተይከ ይህልዉ'ዶ ይኾኑ?" ክብል ንቡር እዩ።

ጸሓፊ እዚ ዓንቀጽ እውን ከምኡ እናበልኩ እየ ንባበይ ቀጺለ።

ላዕለዋይ ተጻዋዒ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ "ሰባት እናጠፍኡ ዓይንና ክንዕመት የብልናን" ክብል ብህልቂት ሰባት ዝተሰመዖ ምረቱ ብምግላጽ ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን ዝግባእን ዝኣክልን ኣይግበርን ኣሎ ክብል ነቒፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2018 ልዕሊ 2,200 ሰባት ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ከምዝሞቱ ይግለጽ።

ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እታ ቐዳመይቲ ጃልባ 53 ሰባት ሒዛ ኣብ ምዕራብ ባሕሪ ሜዲተራንያን እያ ተሰዊራ። ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ከኣ ኣብ ሞሮኮ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ኣሎ። መንግስታት ሞሮኮን ስፐይንን ኣብዚ ናይ ሕጂ ሓደጋ ግዳያት ንምድሓን ጻዕርታት እኳ እንተካየዳ ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዩኤንኤችሲኣር፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ኣብ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ንከይሳተፋ ስለዝዓንቀፈአን ንጹሃት ሰባት ግዳይ ይኾኑ ምህላዎም ሓቢሩ።

እታ ትማሊ ቐዳም ካብ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት መርከብ 120 ስደተኛታት ሒዛ ከምዝነበረት፡ ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ውጻእ መዓት ንትካል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ከምዝሓበረ፡ ሚስተር ፍላቪዮ ዲ ጂያኮሞ ሓቢሩ።

ሓይሊ ኣየር ጥልያን እታ መርከብ ክትጥሕል ምስ ረአያ ክልተ ናይ ህይወት ኣድሕን ተንሳፋፊ ጃንጥላ እኳ ደርብዩ እንተነበረ ሰባት ከድሕን ግን ከመዘይከኣለ ሓይሊ ባሕሪ ሪር ኣድሚራል ፋቢዮ ኣጎስቲኒ፡ ራይ-24 ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ኢጣልያ ሓቢሩ።

ሰለስተ ካብቶም ዝደሓኑ፡ ንሕክምናዊ ክንክን ናብ ደሴት ላምፓዱሳ ከምእተወስዱ እውን ሓቢሩ። ንዜግነት እቶም ግዳያት ብዝምልከት ግን፡ ገና ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን።

መራሕ ህዝባዊ ፓርቲ ማቲዮ ሳልቪኒ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝከኣሎ ይሰርሕ ምህላዉ ይንገር። ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተመሳሳሊ መርገጺ ሒዘን ምህላወን ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንቲ 4,216 ስደተኛታት ብባሕሪ ሜዲተራንያን ናብ ኤውሮጳ ከምዝሰገሩ ብምሕባር፡ እቲ ቑጽሪ ዓሚ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናብ ኤውሮጳ ምስ ዝሰገሩ ክወዳደር እንከሎ ዳርጋ ዕጽፊ ምዃኑ ይሕበር።

ህልቂት ናይዞም ስደተኛታት ምስተሰምዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማቲዮ ሳልቪኒ፡ "ወደባት ሕብረት ኣፍሪቃ ንስደተኛታት ክሳብ ዝተኸፍተ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያንን ገማግም ሊብያን ሞትን ትራጄዲን ክቕጽል እዩ" ክብል ርእይትኡ ሂቡ።

ንምዃኑ ሓላፍነት እዞም ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝጠፍኡ ዘለው መን እዩ ዝስከም? ዝብል ሕቶ ነብሲ ወከፍ ሰብ ዘልዕሎን፡ ምላሽ ክረኽበሉን ሃንቀው ዝብሎ ጉዳይ እዩ? ግን መን እዩ ሓላፍነት ዝስከም?

ስድራ ቤታት ውልቀ ሰባት? መንግስታት እቶም ሰባት ዝስደዱለን ዘለው ሃገራት? እቶም ኣብ ፈቐድኡ ሃገራት ዓሪዶም ንግዲ ስደት ዘሳልጡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ-ደቂ ሰባትን ደለልትን? ወይ እተን ንዕዳገአን ክብላ ኣብ ዘዝተኣጉደ ኩናት ሓዊ ዘሳውራን ሓዊ ዝፈጥራን ሃገራት?

እተን ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ወደባተን ንኸይዕሽጋ ዝኽልክላ ዘለዋ ሃገራት፡ ወይ እተን ካብ ባሕሪ ተተቐቢለን ስደተኛታት ከድሕና ዝፍትና ዝነበራ ማሕበራትን ትካላትን? መን ክኸውን ይኽእል?

ኩሉ ሰብ አዕጋቢ ምላሽ ክሰምዕ ይጽበ ኣሎ! መንዩ ሓላፍነት ዝስከም?