ትራምፕን መርዝን፡ ኣመሪካ 5000 ወተሃደራታ ከተጕድልያ እያ - ዘፋጥጦም ዘሎ ግን እንታይ'ዩ?

ፍረድሪክ መርዝን ዶናልድ ትራምፕን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ቻንስለር ፍረድሪክ መርዝን ፖለቲካዊ ወጥሪን ምዝልላፍን ኣብ ዝሓየለሉ፡ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ 5,000 ወተሃደራቱ ካብ ጀርመን ክስሕብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ምንካይ ወተሃደራት ነቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ንጡፍ ወተሃደራዊ ስርሓት ዘለዉ ልዕሊ 36,000 ዝዀኑ ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ቍጽሪ ዘለዎም ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ዝጸሉ እዩ።

ቀንዲ መበገሲ እዚ ስጕምቲ፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ፍልልይ እዩ። ቻንስለር መርዝ ኣብ ቀረባ እዋን ንተግባራት ኣመሪካ ብምንቃፍ፡ ኣመሪካ "ስትራተጅያዊ መውጽኢ" ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ ኣብ እዋን ዘተ እውን ብመሪሕነት ኢራን "ተዋሪዳ" እያ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ቻንስለር፡ ኣብ ኲናት ኢራን ብተደጋጋሚ ንኣመሪካ ክነቅፍ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ሃገራት ኤውሮጳ ይዅን ኔቶ ናብቲ ኲናት ተጐሲሶም ከም ዘይኣትዉ፤ ብቐደሙ እቲ ኲናት ክጅመር እንከሎ እውን ኣፍልጦን ምምኽኻርን ከም ዘይተገብረሎም ብትሪ ክገልጹ ዝጸንሑ መራሕቲ ዓበይቲ ሃገራት ኤውሮጳ እዩ።

መራሒ ጀርመን ኣብ ፈለማ መዓልታት እዚ ሰሙን ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝስምዖ መደረ፡ "ኢራናውያን ኣብ ዘተ ኣዝዮም ሓያላት ምዃኖም ርዱእ እዩ፤ ወይ ድማ ብልክዕ ክዛረብ እንተዀይነ፡ ንኣመሪካውያን ናብ እስላማባድ ክጓዓዙ ይገብርዎም እሞ፣ ድሕሪኡ ብዘይ ዝዀነ ፍረ ከም ዝወጹ ይገብርዎም፡" ኢሉ።

እቲ ንኣካይዳ ትራምፕ ብተደጋጋሚ ዝነቅፍ ቻንስለር መርዝ ወሲኹ፡ "ምሉእ ህዝቢ ኣመሪካ" ብመሪሕነት ኢራን "ይዋረድ" ከም ዘሎ ከኣ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ከም ግብረመልሲን ሕነን ናይዚ ናይ መወዳእታ እቲ ቻንስለር ዝሃቦ መደረ፡ ብሓሙስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ፍረደሪክ መርዝ "ኣዝዩ ሕማቕ ስራሕ" እዩ ሰሪሑ፤ ከም ጉዳያት ኢምግረይሽንን ጸዓትን ዝኣመሰሉ ውሽጣዊ ጉዳያት ከመሓድር ኣይከኣለን ክብል ከነኣእሶ ፈቲኑ።

ካብዚ ሓሊፉ ትራምፕ "ፍረድሪክ መርዝ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትረክብ እውን ብዙሕ ደንታ ዘለዎ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል፡ ትእዛዝ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ጀርመን ብመንገዲ ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት ከም ዝወረደ ኣረጋጊጹ። እዚ ድማ "ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለባትን ኵነታትን ብሰፊሑ ድሕሪ ምግምጋሙ'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ መስርሕ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር። እዚ ስጕምቲ ኣብ ጀርመን ጥራይ ዝሕጸር ከም ዘይኰነ፡ ትራምፕ ኣብ ኢጣልያን ስጳኛን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክውሰድ ይሓስበሉ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ትራምፕ፡ ሃገራት ኤውሮጳ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ካብ ፈለማኡ ኣብ ዝወጠኖን ወተሃደራዊ ስርሒታትን ዝገብሮ ዘሎ ዕጽዋን ምስታፍ ብምእባዮም ኣመና ተቐይምዎም እዩ።

ነቲ ስጳኛን ኢጣልያን ኣብዚ ስርሒት ንምሕጋዝ ዝሃባኦ ኣሉታዊ ግብረመልሲ እውን ብትሪ ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።

ወተሃደራት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሕጂ'ውን ትራምፕ፡ ብፍላይ ኣብ 2020 ጀርመን ነቲ 2% ሸቶ ወጻኢታት ምክልኻል ኔቶ ከተማልእ ዘይምኽኣላ ኣብ ዝጠቐሰሉ ዓመት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ንምንካይ ፈቲኑ ነይሩ እዩ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነ ብኮንግረስ ክዕገት እንከሎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መርዝ ጀርመን ወተሃደራዊ ባጀታ ብዓቢኡ ወሲኻቶ ኣላ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጠቕላላ ወጻኢታት ምክልኻል ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር 3.1% ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወተሃደራዊ ጸጋታት ኣመሪካ ካብ ኤውሮጳ ናብ ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ ንምስግጋር ዝገበረቶ ሰፊሕ ስትራተጅያዊ ውሳነ ምዃኑ ዝተገልጸ፡ ካብ ሩማንያ ምንካይ ወተሃደራት ኣካይዳ ነይራ።

ነዚ ናይ ሕጂ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ጀርመን ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ፔንታጎን "ምቅይያር ናይ ሓይሊ ኣቃውማ" ዝብል ምኽንያት'ኳ እንተ ተዋህቦ፡ እቲ ስጕምቲ ግን መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ናይ ፖሊሲን ኣተሓሕዛን ፍልልይ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።