ሚኒስትር ፈትለወርቅ፡ 'ኩሉ ናይ ሓደ ዓመት ጥራሕ ውጽኢት ኣይኮነን፡ ተቓሊስና ኢና'

ሚኒስትር ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ብፍቓደይ ስልጣነይ ክለቅቕ ወሲነ ኣለኹ ኢሉ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምውራዱ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቃለ መሓላ እንትፍጽም ንኣዲኡን በዓልቲ ቤቱን እዩ ኣመስጊኑ።

ደቂ ኣንስትዮ ንዝለዓለ ጸፍሒ መሪሕነት ሓርዩ ናብ ባይቶ እንተቕርብ'ውን፡ "ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተባዕትዮ ክነፃፀራ ከለዋ ካብ ብልሽውና ዝረሓቓ እየን። እቲ ንደልዮ ሰላም ንኽነረጋግፅ ክሕግዛና እየን" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ መግለጺታቱ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያ እወንታዊ ከም ዝኾነ ዘንጸባርቕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ፍርቂ ካቢኔ ሚኒስትራቱ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንትገብር፡ ብዙሓት ንኢደምዎ።

መንግስታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ንኢደንኦ፤ ንስለ ጾታዊ መዓርነት ዝሟገታ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራትን ድማ ሞሳ ለጊሰንኦ።

ብመሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድ ተሓጽያ፡ ንሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትርን ክትመርሕ ዝተሸመት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ኣብዚ ዛዕባን ካልእ ጉዳያትን ንቢቢሲ ርኢይቶኣ ሂባ'ላ።

Presentational grey line

ቢቢሲ፡ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፍርቂ ኣባላት ካቢንኡ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ወሲኑ'ዩ። እዚ ውሳኔ ብኸመይ ትገልዮ?

ሚኒስትር ፈትለወርቅ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ 50 ሚኢታዊት ክኸውን ኣለዎ ኢልካ ብምውሳን ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ተገይሩ ኣሎ።

እቲ ውሳነ ጽቡቕ ውሳኔ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ደቂ ኣንስትዮ፡ ውሳነ ክህባ ይኽእላ እየን ኢልካ ምሕሳብ [ጽቡቕ እዩ]። ንሽሙ 50 ሚኢታዊት ክመልኣ ተባሂሉ'ውን ዓቕሚ ዘለወንን ዘይብለንን ኣኪብኻ መማልእቲ ክኸውን የብሉን።

እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ግን ነጺልካ ኣይኮነን ክርአ ዘለዎ። ብናተይ እምነት ደቂ ኣንስትዮ ናብዚ ብርኪ ክበጽሓ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ዕድል ክረኽባ ኣለወን ተባሂሉ ፖሊሲ ተቐሪጹ ኩሉ ጻዕሪ ተገይሩ'ዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ናጻ ዝኾና እንተድኣተማሂረን'ዩ ተባሂሉ ዝተገበረ ናይ ነዊሕ ዓመታት ጻዕሪ'ዩ ኣብዚ ኣብጺሑና ዘሎ።

ኣብ ኩሉ ብርኪ ናብ ትምህርቲ ምስበጽሓ፡ ማዕረ እቲ ወዲ ተባዕታይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ ኣለወን ዝብል ሰፊሕ ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ እዩ ክካየድ ጸኒሑ።

በዚ ምኽንያት፡ ዝርግሐ ትምህርቲ ብስፍሓት ናብ ኩሉ ከባቢታት ክባጻሕ ስለ ዝተገበረ፡ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ናብ ትምህርቲ ኣትየን ክመሃራ'ዩ ተገይሩ። ቅድሚ ሕዚ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸራ'የን ነይረን።

ሎሚ ግን ቑጽረን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናበዝሐ ትርጉም ብዘለዎ ደረጃ ብዝተፈላለዩ ብርኪታት እናተሳተፋ ዝመጽኣሉ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ። እዚ ናይ ሓደ ዓመት ውጽኢት ኣይኮነን፤ ደቂ ኣንስትዮ ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ዘካየድኦ ቓልሲ'ዩ።

እዚ ጥራሕ'ውን ኣይኮነን፡ ከምዚ ዝመሰለ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕርነተን ዘረጋግጽ ስርዓት ንክመጽእ ኣብቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ እቲ ወዲ ተባዕታይ ተቓሊሰን ደጀን ኮይነን ኣብ ኩሉ ስራሕቲ ታሪኻዊ ዝኾነ ተሳትፎ'ዩ ነይሩወን።

ምእንቲ ድሕረትን ድንቁርናን ጠፊኡ፡ ማዕርነተን ክረጋገጽ'ዩ እቲ ቓልሲ ተኻይዱ። ስለዝኾነ ኣነ ዝርእዮ፡ ውጽኢት ንነዊሕ ዓመታት ዘካየድናዮ ቃልሲ'ዩ።

ክሳብ ዝለዓለ መሪሕነት ክፍለ ሰራዊት በጺሐን፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ነይረን እየን ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ። ንህወሓት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝለዓለ ጸፍሒ መሪሕነት ምድያብ ማለት ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፤ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ቃልስና ውጽኢት'ዩ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝመጽኡ ለውጢታት ነይሮም'ዮም። ብተሳትፎ ማዕረ ክኾና [እቲ ፖለቲካዊ ተሳትፎ] ዝስርሑ ስራሕቲ ነይሮም'ዮም።

እቲ ድኽመት ዝነበረ ኣብቲ ፈጻሚ ኣካል'ዩ። እቲ ፈጻሚ ኣካል ክንድቲ ክኾንኦ ዝግባእ፡ ክንድቲ ዝተቓለሳሉን እናፈጠርኦ ዝመጽኣ ዓቕምን ኣለሊኻ ኣብቲ ዝግብአን ቦታ ኣብ ምቕማጥ ጸገም ነይሩ'ዩ።

ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ፈሪና ኢና። ክንድቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ልክዕ ቁጽሪ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነዚ ኣለሊኻ ብቑዓት ኣለዋ እየን፡ ዕድልን ቦታን ረኺበን ክመርሓ ይኽእላ እየን ኢልካ ኣብ ሚኒስትርነት ክበጽሓ ምኽኣለን ክምስገን ዝግብኦ ትኽክለኛ ውሳኔ'ዩ።

ብደረጃ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ትግራይ ኣባላት ካቢኔ 50 ሚአታዊት ደቂ ኣንስትዮ ክኾና'ዩ ተገይሩ። እዚ ቃልሲ ይሓትት።

ኣይትኽእልን እያ፣ ስራሕ ድኣ ከይትጎድኦ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ድሕረታት ኣለው። እዚ ሴርካ፡ ትኽእሎ እያ ኣብ ዝብል ውሳነ በጺሕኻ ሓላፍነት ምሃብ በዚ መገዲ እዚ ክርአ ኣለዎ።

Presentational grey line

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣካላትን ዝተረኸበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡

  • 25 ሚኢታዊት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዓበይቲ ዝበሃሉ ውሳነታት ናብ ሰብኡተን ኣሕሊፈን ይህባ
  • 50 ሚኢታዊት ብሰብ ሓዳረን ጥቕዓት ይበጽሐን
  • ትሕቲ 20 ሚኢታዊት ጥራይ እየን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝከታተላ
  • ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ድማ፡ 18 ዓመት ዕድመ ከይመልአን ሓዳር ይገብራ
Presentational grey line

ቢቢሲ፡ ብፍሉይ ኣብዚ ሓደ ዓመት ኣመራርሓ ኣብዪ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈጠሮ ጽልዋ ኣሎ'ዶ?

ፈትለወርቅ፡ መበገሲ ውጽኢት እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ቃልሲ እዩ ብቑዓት ደቂ ኣንስትዮ ክርከባ ዝኽኣላ ይብል።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን፡ እቲ ውሳኔ ንኽእል ኢና ዝብል መንፈስ ዝፈጥር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካልኦት'ውን ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣረኣእያ ከመሓይሹ፣ መሪሕነተን ክቕበሉ፣ ኣብዚ ደረጃ እዚ'ውን ክበጽሓ ይኽእላ'የን ዝብል እምነት ክሕዙ ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ'ዩ።

ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ካብ ዝተሸማ ፈላሞት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጸጋም ናብ የማን [ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጀነር ኣይሻ መሓመድን ፈላመይቲ ፕሬዝደንት ላእለዋይ ቤት ፍርዲ መኣዛ ኣሸናፊን}

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ፡ ኣብ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ዝመጽኡ ለውጢታት ኣለው'ዶ?

ሚኒስትር ፈትለወርቅ፡ ኣብ ሓጺር ግዘ ለውጢ ክመጽእ እዩ ኣይበሃልን። ክንዲ ዝኽኣልናዮ ለውጢ ክነምጽእ ተሊምና እንኸዶም ነገራት'ኳ እንተሃለው ነዊሕ ግዘ ክወስዱ ዝኽእሉ ጉዳያት ግን ኣለው።

ቀዳማይ ነገር ክልቲኦም [ንግድን ኢንዳስትርን] ዓበይቲ ሚኒስትር ቤት ዕዮታት እዮም። ብሓደ ምዃኖም ይጠቅም'ዩ ተባሂሉ ተገምጊሙ ግን ናብ ሓደ ክመጽኡ ተገይሩ ኣሎ።

ስለዚ እቲ ዓብዪ ስራሕ እንታይ'ዩ፡ ክልተ ዓበይቲ ኣብያተ ዕዮ ናብ ሓደ ናይ ምውህሃድ ስራሕቲ ብምስራሕ፡ ክጎራረስ ዝግብኦ ነገራት ኣጎራሪስካ ናብ ሓደ ክመጽኡ ክትገብር ኣለካ።

ክልቲኦም ቤት ዕዮታት መንግስቲ ነንበይኖም እናሃለው ተገልገልቲ ክመላለሱ ዝገብር ዝነበረ ፈቲሕና ኢና። ኣብ ኩሉ ዝተዋፈረ በዓል ሃብቲ ዝተናበበ ኣገልግሎት ክረክብ ድማ ሰሪሕና ኣለና።

ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ድማ፡ ስሉጥን ዘዕግብን ክኸውን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣለው። ሓደ ዓብዪ ሕማም ርእሲ፡ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረ ማሕበረሰብ፡ ሕድሳት ፍቓድ ንግዲ'ዩ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ታሕሳስ ክበጽሕ ከሎ ናይ መወዳእታ ብዘይ መቕጻዕቲ ሕድሳት ዝካየደሉ እዋን ይኸውን'ሞ ኩሉ ናብቲ ናይ መወዳእታ ወርሒ እናደፍኦ ስለዝጸንሕ፡ ኣብዚ ብዙሕ ምድፋእን ሰልፍን ኣሎ።

እዚ ጸገም ንምፍታሕ ሕጂ ኦንላይን ምዝገባን ሕድሳትን ንክካየድ ዘኽእል ስርዓት [ሲስተም] ይምዕብል ኣሎ። ናይ ፈተነ ስራሕ ሰሪሕና ኣለና፤ ናብ ተግባር ክንሰግር ከለና፡ ኩሉ ኢንተርነት ኣብ ዝረኽበሉ ኮይኑ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ፍቓድ ንግዱ ከሐድስ፣ ክምዝገብ ከኽእሎ'ዩ።

እዚ፡ ነቲ ናብ ፌደራል፣ ክልል ይኹን ወረዳ ብኣካል ከይዱ ተዳፊኡ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ክምዝገብ ዘገድዶ ዝነበረ ነገር ከወግደልና'ዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ትካላት'ውን ክተኣሳስር ኣለዎ'ዩ።

ኣብነት፡ ክምዝገብ እንተኾይኑ ብቕዓት መረጋገጺ ዝበሃል ኣሎ። እዚ ኹሉ ብኔትዎርክ ክራኸብ፡ ንሳቶም'ውን እዚ ስርዓት ተጠቒሞም ነቲ ዝሓትት ዘሎ ኣካል እቲ ዘድልዮ ነገር ኣማሊኡ ስካን ገይሩ ክልእኽ፡ ሙሉእ ኣገልግሎት ክረክብ ዘኽእሎ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና።

እዚ ሓደ ዓብዪ እፎይታ ክኸውን እዩ ንብል።

ሚኒስትር ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ምስ መስራቲት ውድብ ዓረናን ነባር ተጋዳሊት ህወሓትን ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነ
መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትር ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ምስ መስራቲት ውድብ ዓረናን ነባር ተጋዳሊት ህወሓትን ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነ

ቢቢሲ፡ ህላወ እታ ሃገር ኣብ ምንታይ ሃዋህው ይርከብ ?

ሚኒስትር ፈትለወርቅ፡ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ዘይምርግጋእ ነቲ ናይታ ሃገር ቁጠባ ብጣዕሚ ሃስዩዎ'ዩ። ቀዳማይ ነገር ሃገራዊ ቁጠባና ኣብ ሕርሻ ዝተደረኸ'ዩ።

ሓረስታይ ሕርሽኡ ከማዕብል፣ መፍረያይነቱ ከዕቢ ቖላሕታ ኣይረኸበን። ኢህወዴግ'ውን ኣብ ናይ ውሽጡ ሽግርን ካልእን ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ዘድሊ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ኣካል፡ ዘድልዮ ቀረብ ምሩጽ ዘርኢ፣ ድኹዕን ካልእን ብእዋኑ ኣይረኸበን።

ብቐሊሉ ኣይኮነን ሕርሻ ካብ ዓመት ናብ ዓመት መፍረያይነትን ጠቕላላ ኣታውን ክዓቢ ዝግበር ዝነበረ፤ ብዙሕ ናይ ቀረባ ክትትልን ኣመራርሓን ብምሃብ'ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ግን፡ ከምዚ ዓይነት ቆላሕታ ኣይረኸበን።

ኣብ ርእሲኡ ሰላም ምስኣን ኣሎ። ሓረስታይ ተረጋጊኡ ክሓርስ ኣይክኣለን። በዚ ምኽንያት ናይ ሕርሻ መፍረያይነት ኣዐርዩ'ዩ ተዳኺሙ። እዚ ማለት ነቲ ቑጠባ ብጣዕሚ'ዩ ዝሃስዮ።

ናይዚ ዓመት'ኳ እንተወሲድና፡ ጽቡቕ ናይ ዝናብ ወቕቲ'ዩ ነይሩ ምባል ይከኣል። ነዚ ብኣግባቡ ተጠቒምና ስለ ዘይሰራሕና ግን ኣብዚ ዓመት ዝተመዝገበ ናይ ሕርሻ ዕብየት ከባቢ 3 ነጥቢ 5 ሚኢታዊት እዩ። ቅድሚኡ 8ተን ልዕሊኡን ሚአታዊት እዩ ዝምዝገብ ነይሩ።

ሕርሻ በዚ ልክዕ ዓብዩ ማለት ነቲ ጠቕላላ ኢኮኖሚ'ዩ ዘዕብዮ። መሰረት እቲ ቁጠባ ንሱ ስለ ዝኾነ፤ ብዝሓሸ መልክዑ እንትዓቢ ካልኦት ሴክተራት ልዕሊኡ ክዓብዩ ይገብር።

ስለዚ፡ ኣብዚ ሓደ ዓብዪ ውድቀት ኣሎ። ንመን ይነክእ፡ ነቲ ጠቕላላ ኢኮኖሚ ዝጎድኦ እንትኾን፡ ንናይ ወጻኢ ሰደድ ብዝለዓለ ደረጃ የጥቅዖ።

ነቲ ብዓለም ደረጃ ዘጋጥም ምንካይ ዋጋ ብምንታይ ኢና ክነከሓሕሶ ነይርና፤ ዝለዓለ ምህርቲ ብምፍራይ'ዩ ነይሩ። በዚ ምኸንያት ግን ሰደድ ናይዛ ዓዲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነነየ'ዩ ኸይዱ።

ናይ 6ተ ወርሒ ኣፈጻጽማ እንተተራእዩ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ 6 ሚኢታዊት ወሪዱ'ዩ። ብጣዕሚ ሓደገኛ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ፤ ሃገር ሸርፊ ወጻኢ እትረኽበሉ ዕድል እናነከየ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ንሚዛን ንግዲ ኣታውን ወጻእን የዛብዖ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እኮ፡ ዳርጋ ናይቲ ሰደድ እንገብሮ 8ተ ዕጽፊ ኢና ኣታዊ ንገብር ዘለና። ካበይ መጺኡ? በዓልና ክነመንጭዮ ዝግባእ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሃብቲ ስለ ዘየዐወትናዮ፡ ካብ ልቓሕ ብዝርከብ ሸርፊ ወጻኢ ኢና ንረኽቦ ዘለና። እዚ ግን ነቲ ቁጠባን ኢንዳስርን'ዩ ዝጎድኦ።

ስለዚ እቲ ስእነት ሰላምን፡ እቲ ኣመራርሓ ነቲ ኢኮኖሚ ትኹረት ገይሩ እንከይመርሖ ንነዊሕ ግዘ ስለ ዝጸንሐን [ኣብ ውሽጡ እናተሓመሰ ስለ ዝነበረ] ናይታ ዓዲ ቑጠባ ኣብ ሓደጋ 'ዩ ዘሎ።

ቢቢሲ፡ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ሚኒስትር ፈትለወርቅ፡ ልዕሊ ኹሉ ነቲ ቀንዲ መፍረያይ ሓይሊ ሓረስታይ ናብ ሕርሽኡ ክኣቱ ንክለዓዓል ሰፊሕ ጠመተ ተገይርሉ ሕርሻና ለውጢ ከምጽእ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ንክገብር መሪሕነት፣ ዘድልዮ ቀረባትን ክረክብ ኣለዎ፡ ቀልቡ ናብ ልምዓት ክኸውን ክግበር ኣለዎ።

ንሓረስታይ ትኹረት ሂብካ ስለ ዝተሰርሐ'ዩ ቅድሚ ሕዚ ለውጢ ዝመጽእ ዝነበረ። ሰላምን ምርግጋእን ድማ ክፍጠር ኣለዎ። ሓረስታይ ሙሉእ ንሙሉእ ተረጋጊኡ ኣፍሪዩ ዓዲ ዝጠቕመሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ኣብ ካልኦት ሴክተራት'ውን ተመሳሳሊ ዝኾነ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ።

ንኣብነት ኣብ ዓድና መዋእለ ንዋይ ከውፍር ንዝመጽእ ሰብ እንታይ ዓይነት ምቹእነት ኣሎ እንተይልና፤ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ነገር'ዩ ዘሎ።

ኣብ ዓለም ካብ ከባቢ 190 ሃገራት ኣብ 159 ኢና ዘለና። እዚ ማለት፡ ዘለናዮ ኩነታት ምቹእ ኣይኮነን፣ ሰሓቢ ኣይኮነን ማለት'ዩ።

ብናይ ንግዲ ምቹእነት እንተሪእናዮ ግን ካብ ሩዋንዳን ኬንያን ንታሕቲ ኢና። ናይ ሩዋንዳ ግልጺ፣ ቅልጡፍን ብቐሊሉ ሰብ ናብ ስራሕ ክኣቱ ዕድል ዝህብን'ዩ።

ኣብዚ ለውጢ ንክመጽእ ብትኹረት ክስራሕ ድማ ኣነጺርና ኣለና። ዘድልን ዘየድልን ዝሕተቶ ኣሎ፡ እዚ'ውን ኣብ ሓጺር ግዘ ክነመሓይሾም ካብ ዝበልናዮ'ዩ።