ደቂ ኣንስትዮ፡ ቀለበት ሕጸ ከመይ ይገልጸኦ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዓልቲ ሞያ ውጥን ሓበሬታ ማቲልደ ሶስኪን ክቡር ናይ ሕጸ ቀለበት ብዘሕድሮ ግጉይ እምነት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢ ሃስያ ከም ዘለዎ ገሊጻ።
ንሳ ኣብ'ቲ ቢቢሲ 100 ውመን ዝብል ዓምዲ ነገራት ንምታይ ይቕየሩ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፤ እዚ ናይ ቀለቤት ሕልሚ ጠጠው ክብል ዘለዎ ምዃኑ ከምእትኣምን ብተሪሩ ኣስሚራትሉ።
ማቲልደ፡ ክልተ ጊዜ ከም እተመርዓወትን ሕዚ እውን ደጊማ ክትምርዖ ከምእትኽእልን ድሕሪ ምግላጽ፤ ናይ ሕጸ ይኹን መርዓ ቀለበት ግን ክመልስ ኣይደልን መሊሰ እውን ኣይፈልጥን ትብል።
ናይ ሕጸ ቀለበት ኣንጻር ኣንስተይቲ ጾታ'ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምልክት ድኽመትን ተጸባይነትን ኣብ ርእሲ ምዃኑ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብ ወዲ ተባዕታይ ከምእትውነን'ውን ምልክት'ዩ።
ኣስዒባ እቲ ዝኸበረ ምስ ዝኸውን ከኣ ዝዓበየ ጾር ኣብ እንግድዓኣ ከም ዘሎ'ዩ ዘነጽር።
ኩለን መሓዙተይ ምሳይ ኣይሰማማዓን እየን። መብዛሕትእን ዕንቁ ኣልማዝ ዘለዎ፡ ዓቐኑ ዝተፈላለየ ቀለበታተን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም መርኣያ ይጥቀማሉ። ንዓይ ከሕርቓ ምስ ዝደልያ ከኣ ይመልስኦ።
ጓለይ'ውን እንተኾነ ብሓሳባተይ ኣይትሰማማዕንያ። ከም ኩለን መሓዙተይ እትርኣየሉ ዝበለጸ ቀለበት'ያ ትምነ። ኣነ ግን በዚ ፈጺመ ኣይሰማማዕን'የ።
እቲ ዝገርም፡ እዚ ኩሉ ናይ ረኣዩለይ ድራማ ማለት ምሕታት ንመርዓ ንዓይ ሕማም ርእሲ'ዩ። ወዲ ተንበረኪኹ ኢድ ክስዕም፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ፤ ካሜራን መድረኽን ኣዝዩ ተነቃፊት ከም ዝኾንኩ ኮዩኑ'ዩ ዝስምዓኒ።
መርዓ መርኣያ ፍቕሪ ጥራይ ዘይኮነስ ምምርቃሕ ኣብ ቁጠባን ማህበራዊ ናብራውን'ዩ ንዓይ። ስለዝኾነ ናይ ክልተኣዊ ስምምዕ እምበር ናይ ተዓዘብቲ ጣቕዒት ዘድልዮ ኣይኮንን።
ቢቢሲ 100 ውመን እንታይ'ዩ?
'ቢቢሲ ውመን' እምብኣር፤ ኣብ ዝነብራሉ ማሕበረ-ሰብ ብደረጃ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደራን ንኻልኦት ኣብነት ዝኾናን ደቂ ኣንስትዮ ዝሰሚ መድረኽ'ዩ። እዚ ድማ ታሪኸን ብመልክዕ ቃለ መሕትትን ትረኻን ንኻልኦት ንኸተሓላልፋ ብምግባር ኣወንታዊ ገጽታ ይህብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







