ብብጫ ምንቅስቓስ (Yellow Movement) ዝተዳለወ ወፍሪ 'ንዓይ'ውን ስምዑኒ'

ኣብ ቤተመዝክር ኣዲስ አበባ ዝቐረበ 'ክትዕመፅ እንከላ እንታይ ተኸዲና ነይራ?' ዝብል ምርኢት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤተመዝክር ኣዲስ አበባ ዝቐረበ 'ክትዕመፅ እንከላ እንታይ ተኸዲና ነይራ?' ዝብል ምርኢት

መጥቃዕቲ አንትበጽሕ ነተን ተጠቃዕቲ ናይ ምውቃስ ልምዲ ኣሎ። ኣከዳድነአን፣ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ዝነበረን ባህሪ፣ ኣወዓዕለአን፣ ዝነበራሉ ቦታ፣ ምስቲ መጥቃእቲ ዝፈጸመ ሰብ ዝነበረን ርክብ ይለዓል'ዩ።

እዚ ድማ 'ከምዚ እንተትገብር ነይራ፣ ከምዚ እንተትኸውን እኮ እቲ መጥቃዕቲ ኣይምተፈጸኣን ነይሩ" ናብ ዝብል ድምዳመ ዝወስድ እዩ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ገዲፉ ነታ ተጠቃዒት ተሓታቲት ዝገብር እዩ።

በዓልቲ ሞያ ስነ ልቦና ዝኾነት ሰብለ ሃይሉ፡ ሓደ እዋን ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ንጓል 5 ዓመት ህጻን ምስደፈረ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ክትህብ ኣዘራሪባቶ ነይራ። ገጻ እስር ኣቢላ

"ሕዚ እንታይ ዝስመዓ ይመስለካ?" ክትብል ሓቲታቶ ።

"ኣእሚነያ እየ፤ ብደልየታ እዩ" ክብል መሊሱላ።

ኣብ ሕዚ ኾይና ክትሓስቦ ከላ፡ እቲ ቆልዓ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ተግባርን ከብጸሖ ብዛዕባ ዝኽእል ጉድኣትን ኣፍልጦ ኣይነበሮን።

እቲ ፍጻመ 'እንታይ እያ ተኸዲና ነይራ?' ዝብል ሕቶ ትርጉም ከምዘይህባ ንምግላጽ እያ ተጠቒማትሉ።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ንዘውጸኦ ጸብጻብ ጠቒሳ ክትዛረብ ከላ፤ ኢትዮጵያ ብመቕርብ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸመለን ሃገራት እታ ቀንዲ እያ ትብል።

"ኣቦ ንውላዱ፣ ሓው ንሓፍቱ፤ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝኾነን ሰብ ጸጋ ዕድመን ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ብሰንኪ ኣከዳድነአን ድዩ?" ክትብል ትሓትት ሰብለ።

ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ ክትዕመጽ ከላ ተኸዲናቶ ዝነበረት ቀምሽ

ካልእ ዛንታ ድማ ተልዕል። ዛንታ ሓንቲ ዝተደፈረት ጓል ሰለስተ ዓመት ህጻን ኣልዒላ፤ 'ዳይፐር' ገይራ ነይራ ክትከውን ትኽእል ትብል። ስለዝኾነ፡ እቲ እንታይ እያ ተኸዲና ነይራ ዝብል ሕቶ ዘይምኽንያታዊ እዩ ትብል።

16 ሕዳር ዝጀመረ ወፍሪ 'ንዓይ'ውን ስምዑኒ' (Hear Me too) ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ ደቂኣንስትዮ ግንዛበ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።

ሓደ ኣካል ናይዚ ምንቅስቓስ ድማ 'እንታይ ተኸዲና ነይራ?' ዝብል ኣብ ቤተመዝክር ኣዲስ አበባ ዝቐረበ ምርኢት እዩ።

ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ ክትዕመጽ ከላ ተኸዲናቶ ዝነበረት ቀምሽ

ምንጪ ስእሊ, Yellow Movement FB

መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ ክትዕመጽ ከላ ተኸዲናቶ ዝነበረት ቀምሽ

ኢንስፔክተር ስንታየሁ በተላ ምስ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ኣብ ዝዛመዱ ጉዳያት እትሰርሕ ፖሊስ እያ። ካብ ተሞክሮ ስርሓ ተበጊሳ ክትዛረብ ከላ፤ ማሕበረሰብ ዋላኳ ኣከዳድና ከም መበገሲ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ገይሩ እንተሓሰበ፡ እቲ ሓቂ ግን ካልአ እዩ ትብል።

ንርእሳ እኳ ክትኽደን ዘይትኽእል ስድርኣ ዝኸድንዋ ህጻን ኣብ እትድፈረሉ ዓዲ፡ 'ከምዚ ተኸዲና ነይራ' ኢልካ ምስባብ ዘይቅቡል እዩ ክትብል ትገልጾ።

ኣብ እዋን ምጽራይ እውን "ታይ ተኸዲንኪ ነይርኺ? እቲ ኹነታት እንታይ ይመስል ነይሩ? ኣበይ እዩ? እናተባህለት እትሕተት ንሳ እምበር ንሱ ኣይኮነን። እዚ ግን ኣብኣ ትኹረት ምግባር ንሳ ከምዝተጋገየት ክስምዓ ይገብር" ትብል።

መጥቃዕቲ ንዝተፈጸመን ናይ ምውቃስ ልምዲ (Victim Blaming) ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ እትብል ድማ ሓላፊት ፕሮጀክት 'ሴታዊትን' ናይዚ 'ንዓይ'ውን ስምዑኒ' ዝብል ጎስጓስ መራሒትን ኣክሊል ሰለሞን እያ።

ከምዚ ዓይነት ጎስጓስ ድማ ሰባት ኣቓልቦ ሂቦም ዘየስተውዕልዎ ነገር ከስተውዕሉ ዝገብር እዩ ትብል።