ካብ ዝሞተት ሰበይቲ ብዝተለገሰ ማህጸን ዝተወልደ ናይ መጀመርታ 'ተኣምራታዊ' ህጻን

 'ተኣምራታዊ' ቈልዓ ዝወለዱ ግሬስን ስቲቭ ፖወል ዝተባህለ ኣፍቃሪኣን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, 'ተኣምራታዊ' ቈልዓ ዝወለዱ ግሬስን ስቲቭ ፖወል ዝተባህለ ኣፍቃሪኣን
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ግሬስን ስቲቭ ፖወል ዝተባህለ ኣፍቃሪኣን 'ተኣምራታዊ' ቈልዓ ወሊዶም

ግሬስ ቤል ኣብ 30ታት ዕድመኣ እትርከብ ብዘይ ማህጸን ዝተወልደት ጓለንስተይቲ እያ። ይዅን እምበር ግሬስን ስቲቭ ፖወል ዝብሃል ኣፍቃሪኣን ግን ቈልዓ ክወልዱ ዝደልዩ መጻምድቲ እዮም ነይሮም።

ሕጂ ሁጎ ዝተሰምየ "ተኣምራታዊ" ውሉድ ኣሎዎም። ማህጸን ዘይብላ ግን ከመይ ኢሎም ውሉድ ሓቚፎም? እቲ ጽዋ ከምዚ እዩ።

ሁጎ ወዶም ካብ ዝተወፈየ ማህጸን ሓንቲ ዝሞተት ሰበይቲ እዩ ተወሊዱ። ስለዝኾነ ግሬስ ነቲ 10 ሰሙን ገይሩ ዘሎ ውላዳ 'ብተኣምር ዝተወልደ ወደይ' እያ ትብሎ።

ህጻን ሁጎ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ፡ እቲ ካብ ዝሞተት ጓለንስተይቲ ዝተወፈየ ማህጸን እተወልደ ናይ መጀመርታ ቈልዓ እዩ።

በዚ ድማ እቶም ውላድ ናይ ምርካብ ባህጎም ዝሰመረ መጻምድቲ ነታ ማህጸና ዝወፈየት ሰበይቲ 'ኣዝያ ሕያወይትን ንሰባት እትሓልን' ብምባል ንስድራቤታ'ውን 'ዓቢ ውህበት እዮም ሂቦምና' ኢሎም የመስግኑ።

እቲ ህጻን ብሓገዝ እቶም ኣብ ኦክስፎርድን ለንደንን ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምና እዩ ተወሊዱ።

ነቲ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይም እቲ ቈልዓ "ታሪኽ ዝቕይር" ምዃኑን፡ ንኸም ግሬስ ዝኣመሰላ ብዙሓት ደቀንስትዮ ድማ ውሉድ ክረኽባ ተስፋ ንኽህልወን ዝገብር ምዃኑን ይገልጹ።

ሁጎ ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኲን ቻርለስ ኤንድ ቸልሲ እዩ ተወሊዱ። ክውለድ እንከሎ 3 ኪሎ ግራም እዩ ዝምዘን ነይሩ ።

ግሬስ ብዘይ ማህጸን ስለዝተወልደት ወርሓዊ ጽግያት ርእያ ኣይትፈልጥን'ያ።ገና ጓል 16 ዓመት እንከላ ድማ ክትወልድ ከምዘይትኸእል ተነጊሩዋ። እዚ ሕማም እዚ ኤምአርኬኤች ሲንድሮም (MRKH syndrome) ይብሃል። ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ድማ 5,000 ደቀንስትዮ ተመሳሳሊ ጸገም ኣለወን።

በዚ ምኽንያት እቶም ብመንገዲ surrogacy ( ዘርኢ ኣቦን ኣደን ኣዋሲብካ እቲ ድቂ ኣብ ናይ ካልእ ጓለንስተይቲ ማህጸን ክዓቢ ዝገብር ኣገባብ) ዝሓስቡ ዝነበሩ መጻምድቲ፡ ናይ ካልእ ጓለንስተይቲ ማህጸን ብመጥባሕቲ ክትከለላ ከም ዝኸእል ምስ ተነግራ 'ኣዝያ ከም ዝሰንበደት'ን 'ዝተሓጎሰትን' ትዝክር።

ሻቡ ድማ ነዚ ብልግሲ ዝተረኽበ ማህጸን (womb transplant) ጌርካ ውላድ ምሕቋፍ ዝብል ኣማራጺ ወሲዶም።

ግሬስ "እዚ ንዓይ ዓቢይ ህያብ እዩ። ንዓኣን ንስድራ ቤታን ወትሩ እየ ዝዝክሮም።ወትሩ ድማ ጓሎም እቲ ዝዓበየ ሰብ ክህቦ ዝኸእል ህያብ ሂባ ከም ዝሓለፈት ብምሕሳብ ክጸናንዑ እጽሊ።ሓደ ክፍሊ ኣካላ ድማ ክሳብ ዘለኹ ምሳይ ብሂወት ክቕጽል እዩ፡" ትብል።

እቲ 10 ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ኣብ ኣብ ኦክስፎርድ ኣብ ዝርከብ ቸርችል ሆስፒታል እዩ ተኻይዱ።

ኣብ ፈለማ እቶም ሰብ ሓዳር እንቋቝሖን ስፐርምን ብምትሕንፋጽ ሕክምና (IVF) ተገይሩሎም። ድሕሪኡ ግሬስ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዘ ሊስተር ክሊኒክ ፍርያምነት ድቂ ረኺባ።

ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ፡ ዝሞተት ጓለንስተይቲ ካብ ዝለገሰቶ ማህጸን ቈልዓ ክውለድ ንፈለማ እዋን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Womb Transplant UK/PA Wire

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ፡ ዝሞተት ጓለንስተይቲ ካብ ዝለገሰቶ ማህጸን ቈልዓ ክውለድ ንፈለማ እዋን እዩ።

ግሬስ ሁጎ እተወልደላ ህሞት ወትሩ ትዝክሮ እያ። እቲ ወቕቲ'ቲ በዓል ልደት ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ ብምባል ድማ ነተን ናይ ፈለማ መዓልታት ሓጎስ ዝፈጠሮ ስምዒታት ትገልጽ።

'ንግሆ ተንሲአ ገጹ ኽርኢ እንለኹ ትዝ ይብለኒ። ከምዚ ካብ ሕልሚ ዝተበራበርኩ ዀይኑ እዩ ክሳብ ዝስማዓኒ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ ነይሩ።"

ኣብ ብሪጣንያ ከምዚ ዓይነት 10 ናይ ፈተነ መጥባሕቲ ማህጸን ይግበር ኣሎ። ግሬስ ከኣ ሓንቲ ካብኣተን ኰይና፡ እቲ ቀዳማይ ውሉድ ግን ሁጎ እዩ።

ኣብ 2025 ኣብ ኣውሮጳ፡ ኤሚ ዝስማ ሕጻን ካብ ሓንቲ ብሂወት ዘላ ሰበይቲ ካብ ዝተለገሰ ማህጸን ተወሊዳ እያ።

ኣደ ኤሚ ኣብ 2023 ብዝተኻየደ መጥባሕቲ እያ ማህጸን ካብ ዓባይ ሓፍታ ተለጊሱላ።

ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ካብ ኣባላት ስድራቤት ኣብ እተወፈየ ማህጸን ሓሙሽተ መጥባሕቲ ንምግባር መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ብዘይ ማህጸን ንዝውለዳ ደቀንስትዮ ተስፋ ዝህብ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዞም ኤሚን ሁጎን ዝተሰምዩ ክልተ ህጻናት፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል እዮም ተወሊዶም።

እቶም ኣብ ምውላዶም ዝሓገዙ ሰብ ሞያ ድማ ንዓመታት ምርምር ዘካየዱ እዮም። ፕሮፌሰር ሪቻርድ ስሚዝ ዝበሃል ኣብ ኢምፐርያል ኮለጅ ሄልዝ-ኬር ዝዓዪ ሓኪም ማህጸን፡ብዛዕባ መጥባሕቲ ማህጸን ቅድሚ 25 ዓመት እዩ ክመራመር ጀሚሩ።

ድሕር'ቲ ዓመታት ዝወሰደ ምርምር ምውላድ ሁጎ ዝረኣየ ፕሮፌሰር ሪቻርድ፡ "ኣብቲ መስርሕ ብዙሓት ሰባት ተሳቲፎም እዮም፣ መጥባሕቲ ኣብ ምግባርን ኣብ ምውላድ እቲ ሕጻንን ሓጊዞምኒ እዮም፡" ይብል።

እቲ በዓልሞያ፡ "ዩኬ ልግሲ ማህጸን " ዝተባህለ ትካል መስሪቱ፡ ሁጎ ንኽውለድ ብዝገበሮ ሓገዝ ዝተሓጎሱ ወለዲ ድማ ነቲ ቘልዓ ሓደ ካብቲ ዝሃብዎ ስማት እቲ ሪቻርድ ዝብል ነቲ ዶክተር ንምምስጋን እዩ ነይሩ።

እቶም መጻምድቲ ኻልኣይ ውሉድ ክወልዱ እንተ ወሲኖም እቲ ፈተነ ክቕጽል እዩ።ድሕሪኡ እቲ ንግሬስ እተዋህበ ማህጸን ብመጥባሕቲ ክወጽእ እዩ።

ምኽንያቱ ዋህዮታት ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ነቲ እተወፈየ ማህጸን ምእንቲ ከየጥቅዑ ምሉእ ህይወታ መድሃኒት ክትወስድ ስለ እትግደድ፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ብመጥባሕቲ ነቲ ማህጸን ካብ ኣካላታ ምውጻእ እዩ።

ካልእ ክኢላ መጥባሕቲ ዶክተር ኢዛቤል ኲንጋ ንልደት ሁጎ "ባህ ዘብል ዜና" እዩ ብምባል ኣብ ዓውዲ ምርምር ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝኸፈተ ይዛረብ።

"ኣብ ኣውሮጳ ካብ ምውቲ ሰበይቲ ብዝውፈ ማህጸን ክወልዳ ዝኽእላ ደቀንስትዮ ኣዝየን ውሑዳት እየን" ብምባል እቲ መጥባሕቲ ንኻልኦት ደቀንስትዮ መፍትሒ ምዃኑ ከረጋግጽን ነተን ብዘይ ማህጸን እተወልዳ ደቀንስትዮ ውሉድ ናይ ምውላድ ተስፋ ክረኽባን ክሰርሕ እየ ይብል።

ኣብ እተወፈየ ማህጸን እተወልዱ ሕጻናት ምስታ ማህጸን ዝለገሰት ሰበይቲ ዘተኣሳስር ጂናዊ ርክብ የብሎምን።

ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እተገብረ ልዕሊ 100 መጥባሕቲ ማህጸን (womb transplant) ልዕሊ 70 ሕጻናት ተወሊዶም እዮም።

ማህጸን ምልጋስ ከም ልብን ኵላሊትን ምሃብ ኣይኰነን። ኣብ ፍታው እተመስረተ ወፈያ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት ኣለዎ።

ኣብ ብሪጣንያ ሰባት ቅድሚ ምማቶም ኣካላቶም ክውፍዩ ከም ዘይደልዩ እንተ ዘይሓቢሮም፡ ድሕሪ ሞቶም ከም ለገስቲ እዮም ዝቝጸሩ።

እቶም ማሕጸን ውሉዶም ንግሬስ ዝወፈዩ ወለዲ መንነቶም ክግለጽ'ኳ እንተዘይደለዩ "ኣዚና ኢና ተሓጒስና።

"ጓልና ንኣካላታ ብምሃብ ንኻልኦት ወለዲ ተስፋን ድሕነትን ግዜን ሂባ እያ" ብምባል ስምዒቶም ገሊጾም።

ጓሎም ኣርባዕተ ካልእ ክፍልታት ኣካላታ እውን ንእተፈላለዩ ሰባት ወፍያ እያ።