ቈልዑ ምውላድ ዕድመ የሕጽር ድዩ?

ኣብ 2023 ኣብ ሱዳን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብማእከላይ ገምጋም 4.32 ቆልዑ ወሊደን - ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ኩነታት ጥሜት ተኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2023 ኣብ ሱዳን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብማእከላይ ገምጋም 4.32 ቈልዑ ወሊደን - ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ኵነታት ጥሜት ተኣዊጁ

ቈልዑ ብሕርቃን ዘዝሓዙዎ ነገራት ክድርብዩ ከለው፡ 'ኣይበልዕን' ወይ 'ኣይድቅስን' ኣብ ዝብልሉ እዋን፡ ኣደታት "ኣሕሪርኩምኒ፤ ኣብ ዘይዕድመይ ኣሪገ፡" ኢለን ከማርራ ንሰምዐን ኢና።

ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እዚ ነተን ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ብዙሕ ብድሆታት ዝሓልፋ ደቀንስትዮ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ዕድመ ገለ ኣደታት ብነፍሲ ​​ወከፍ ዝወልዳኦ ቈልዓ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ክንኪ ከም ዝኽእልን፡ እዚ ጸቕጢ ድማ ነተን ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ሃዋህው ዝነብራ ደቀንስትዮ ዝያዳ ክብ ከም ዝብል ይሕብሩ።

ተመራመርቲ ፍልቀት እውን መዝገብ ልደትን ሞትን ዝሓዘ መዛግብቲ ቤተ ክርስቲያን መርሚሮም እዮም።

እቲ መዛግብቲ ካብ 1866 ክሳብ1868 ካብቲ ዓቢ ጥሜት ፊንላንድ ዝደሓና 4,684 ደቀንስትዮ ዝሰነደ እዩ።

ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን፡ መሪሕ ተመራማሪ ናይቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ዶክተር ኢዩን ያንግ-ቲ፡ "ሓደ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ዘጋጠመ ኣዝዩ ኣዕናዊ ጥሜት፡" ክብል ገሊጽዎ።

ዶክተር ያንግን መሳርሕቱን ኣብ እዋን ጥሜት ዝወለዳ ኣደታት ብነፍሲ ​​ወከፍ ዝወለድኦ ቈልዓ ዕድመአን ብሽዱሽተ ወርሒ ከም ዝነከየ ተዓዚቦም።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣደታት ካብ ምጽጋን ዋህዮታተን ናብ ሕርሲ ዝበዝሕ ጸዓት ስለ ዝሰጋገራ ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ድሒረን ድማ ንሕማም ዝያዳ ተቓላዕቲ ስለ ዝነበራን ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ርኽበታት ይሕብር።

እንተዀነ፡ ቅድሚ እቲ ጥምየት ምኽሳቱ ኰነ ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዕድመ ደቀንስትዮን ምውላድን ዝዀነ ርክብ ኣይነበሮን።

"እዚ ምልውዋጥ ኣብ እዋን ጥሜት ኣብ ሕርሲ ዝነበራ ደቀንስትዮ ጥራይ ኢና ንርእዮ፡" ይብል ዶክተር ያንግ።

እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዝወልዳሉ ሃዋህው ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ ጽንኩር ከባቢያዊ ኵነታት ቈልዓ ምውላድ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጸገማት ጥዕና ከጋድዶ ይኽእል እዩ።

ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዝርከባ ኣደታት፡ ንሕማማት ልብን ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢን ዝለዓለ ተቓላዕነት ከም ዘለወን ይፍለጥ።

እዚ ብኸፊል ብሰንኪ ምውሳኽ ክብደትን ኣካላዊ ጸቕጥን ዝመጽእ እዩ።

ዶክተር ያንግ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ጥንሲ፡ ምጥባው፡ ከምኡ'ውን ኣተዓባብያ ቈልዑ እታ ኣደ ዘለዋ ዓቕሚ ከም ዝጽብቕ ዘርኢ መርትዖታት ኣሎ፡" ኢሉ።

ጥንስን ምጥባውን ኣዝዩ ብዙሕ ጕልበት ዝሓቱ እዮም።

እዚ ማለት ሓንቲ ሓዳስ ኣደ ኣብ እዋን ጥሜት፡ ኣብ ዳሕረዋይ ህይወታ ካብ ሕማም ንምክልኻል ክሕግዛ ዝኽእል ዓቕሚ ሰብነት ንምህናጽ ጕልበት ክውሕዳ ይኽእል'ዩ።

"ብጥሜት ዝተሃስየ ከባቢታት ብዙሓት ቈልዑ ዝወለዳ ኣደታት፡ ንኽሓውያ እኹል ግዜ ስለ ዘይብለን ዝዓበየ ጽልዋ ጥዕና ክህልዎም ይኽእል'ዩ፡" ይብል ዶክተር ያንግ።

እቲ መጽናዕቲ ግን ታሪኻዊ መረዳእታ ጥራይ ከም ዝረኣየን፡ ተወሳኺ ናይ ቤተ-ፈተነ መርመራታት ሓድሽ ሓበሬታ ክሳብ ዝህብ ርግጸኛ ክኸውን ከም ዘይክእልን ይዛረብ።

እቲ ርኽበት ኣብተን ብዙሓት ቈልዑ ዝወለዳ ደቀንስትዮ እውን ዝያዳ ጐሊሑ ይርአ።

ኵለን ደቀንስትዮ ግን ብማዕረ ከም ዘይጽለዋ መጽናዕቲ ዶክተር ያንግ ይሕብር።

ዶክተር ያንግ፡ "ብርግጽ ኣዝዮም ዓበይቲ ስድራቤታት ዘለዎምን ክስተታት ጥሜትን ዝብሉ ክልተ ክልሰ-ሓሳባት ኣለዉ፡" ብምባል ይገልጽ።

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ መንጐ እቶም ሓጺር ዕድመ ዘለዎምን ብዙሓት ቈልዑ ዘለዎምን እንስሳታት (ኣንጭዋን ነፍሳትን) ከምኡ'ውን እቶም ውሑዳት ቈልዑ ዝወለዱን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎምን (ሓራምዝ፡ ዓሳ ነባሪን ሰብን) ዘሎ ፍልልይ ክግረሙ ጸኒሖም እዮም።

ሓደ መሪሕ ክልሰ-ሓሳብ፡ እቲ ንጽገና ዋህዮታት ዝውዕል ዝነበረ ጸዓት ናብ ምውላድ ብምቕያሩ ከም ዝዀነ የርኢ፤ እዚ ድማ ንእርጋን ኣበርክቶ ይገብር።

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ንነፍሲ ​​ወከፍ ዝወለድኦ ቈልዓ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ህይወተን ይስእና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ንነፍሲ ​​ወከፍ ዝወለድኦ ቈልዓ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ህይወተን ይስእና

ዘመናውያን ደቀንስትዮ ብተመሳሳሊ መንገዲ ይጽለዋ ድየን?

እቲ ቅድሚ 200 ዓመት ካብ ደቀንስትዮ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንዝርከባ ኣደታት ክውክል ይኽእል ድዩ?

"ዘመናዊ ስርዓታት ክንክን ጥዕና ድልዱል ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ነዚ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ'ዩ፡" ይብል ዶክተር ያንግ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ደቀንስትዮ ብማእከላይ ገምጋም ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቈልዑ እየን ዝወልዳ፤ እዚ ድማ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ቍጽሪ ህጻናት ኣዝዩ ዝረሓቐ'ዩ።"

ካብ 1800ታት ጀሚሩ ኣብ ኤውሮጳ፡ ቍጽሪ ህጻናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዩ ነክዩ ኣሎ።

ኣብ 2023፡ ማእከላይ ገምጋም ጓለንስተይቲ ልዕሊ ክልተ ቈልዑ ነይሮምዋ።

እዚ ለውጢ ምስ ምምሕያሽ ተበጻሕነት ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ተበጻሕነት መከላኸሊ ጥንሲን ምንካይ ሞት ዕሸላትን ዝተኣሳሰር እዩ።

ይዅን እምበር ኣብ ከም በዓል ኒጀር፡ ጫድ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝርከባ ደቀንስትዮ ብውሑድ ኣርባዕተ ቈልዑ ይወልዳ።