ሆርሞናት ብኸመይ ንሓንጎልና ይጸልውዎ?

ዝደብዘዘ ስምዒት ሓንጎል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትና ስምዒታትና ናይ ምቁጽጻር ክእለት ከምዘለና ክንዛረብ ንስማዕ ኢና። ግን ሓቂ ድዩ?

ሓንጎልና፡ ኒውሮትራንስሚተር ብዝበሃሉ ኬሚካላዊ መልእኽተኛታት ዝያዳ ከምዝጽለው ካብ ዝፍለጥ ጸኒሑ እዩ።

ሕጂ ድማ ሆርሞናት እውን ብዘይተጸበናዮ መንገዲ ኣብ ሓንጎልና ጽልዋ ከሕድሩ ከምዝኽእሉ ተመራመርቲ ተረዲኦም ኣለዉ።

ስለዝዀነ ድማ ከም ኣብ ጭንቀትን ቅዛነትን ዝኣመሰሉ ኩነታት ክሕግዝ ዝኽእል ሓድሽ ሕክምና ክረኽቡ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ሆርሞናት፡ ኬሚካላዊ መልእክተኛታት ኰይኖም ናብ ደምና ኣትዮም ኣብ ዙርያ ኣካላትና ምስ ተቐበልቲ ምትእስሳር ይፈጥሩ።

እዚ ምትእስሳር እዚ፡ ኣካላትና እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ይእዝዝ።

ንኣብነት ኢንሱሊን ዝበሃል ሆርሞን ንዋህዮታት ጸላም ከብድን ጭዋዳታትን ካብ ደም ልዕሊ ዓቐን ግሉኮስ መጢጦም ከም ግላይኮጅን ክዕቅብዎ ይነግሮም።

ጽልዋ ሆርሞናት

ተመራመርቲ፡ ኣካላት ወዲ ሰብ ልዕሊ 50 ሆርሞናት ከምዘለዎ ኣለልዮም እዮም።

እዞም ሆርሞናት ብሓባር መስርሕ ዕብየትን ምዕባለን የመሓድሩ። እዚ ድማ ንጥፈታት ጾታዊ ርክብ፡ ስነ-ተዋልዶ፡ ዑደት ድቃስ-ንቕሓትን ከምኡ'ውን ብቐንዱ ኣእምሮኣዊ ጥዕና የጠቓልል።

"ሆርሞናት ብሓቂ ኣብ ስሚዒትናን ኩነተ-ኣእምሮናን ጽልዋ ኣለዎም" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦታዋ ካናዳ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ናፊሳ እስማዒል።

"እዚ ድማ ምስቶም ኣብ ፍሉይ ከባቢታት ሓንጎል ዝፍጠሩን ዝለቐቑን መልእኽተኛታት ብምትሕብባርን ከምኡ'ውን ሞት ዋህዮታት ወይ ኒውሮጀነሲስ ዝኣመሰሉ መስርሓት ብምጽላው'ውን የካይድዎ።"

ከም ጭንቀትን በሰላን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ፡ ኣብ እዋን ዓበይቲ ምስግጋር ሆርሞናት ዝፍጠር እዩ። እዚ ድማ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ይምልከት።

መጠን ጭንቀት ብመሰረቱ ኣብ መንጎ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ግዜ ንእስነት ማዕረ እዩ።

ኣብ ዕድመ ዓቕመ-ኣዳም ግን፡ ኣዋልድ ልዕሊ ኣወዳት ብዕጽፊ ክጭነቓ ተኽእሎ ከምዘሎ መጽናዕትታት የመልክቱ።

እዚ ፍልልይ ኣብ ምሉእ ዕድመ ዝቕጽል እዩ።

ናይዚ ምኽንያት ሆርሞናት ድዮም?

ሆርሞናት ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ ኵነተ-ኣእምሮ ፍሉይ ጽልዋ ከም ዘሕድሩ ፍሉጥ እዩ።

ቅድሚ ወርሓዊ ጽግያት፡ መጠን ኢስትሮጅንን ፕሮጀስትሮንን ይንኪ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ገሊአን ምስ ስምዒት ቁጥዐ፡ ድኻም፡ ጓሂን ጭንቀትን ዝተሰነየ ይኸውን።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዘለዋ ክልተ ሰሙናት ምስ ሆርሞን ብዝተኣሳሰር፡ ኣዝዩ ምልውዋጥ ስሚዒት፣ ጭንቀት፣ ቅዛነት፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ርእሰ ቅትለት ዝምልከቱ ሓሳባት ከጋጥመን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።

"እዚ ኵነታት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ህይወተን ብሓቂ ዓሚቕ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ" ትብል ሊዛ ሃንትሱ፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮን ስነ-ምግባርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ዘ ጆንስ ሆፕኪንስ።

ዝደቀሰት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኣንጻሩ፡ ቅድሚ ምፍራይ እንቋቑሖ፡ ልዑል መጠን ኢስትሮጅን ጽቡቕ ስምዒትን ሓጐስን ክስምዐን ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።

ውጽኢት ምብትታን ፕሮጀስትሮን ዝኾነ ኣሎፕረግናኖሎን ድማ፡ ህድኣት ከምዝፈጥር ይንገር።

"ኣሎፕረግናኖሎን ዝተወግኡ ሰባት፡ ህድኣት ይስምዖም'ዩ" ትብል ፕሮፌሰር ሃንትሱ።

ደቂ ኣንስትዮ ምስ እዋናት "ወርሓዊ ጽግያት" ጥራይ ኣይኰናን ዝቃለሳ።

ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ኣብ ዙርያ ቅድመ-ንጽፈተ-ጽግያትን ኣብ እዋን ንጽፈ-ጽግያትን ዝፍጠር ምልውዋጥ ሆርሞናት እውን ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ጉድኣት ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

ድሕሪ ሕርሲ ክሳብ 13 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ጭንቀት ከምዘጋጥመን ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

እዚ ግን ስለምንታይ ይኸውን?

ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሕርሲ ብኡንብኡ ሓያል ምንቁልቋል መጠን ሆርሞናት ፕሮጀስትሮንን ኦስትሮጅንን የጋጥመን። ኣብ እዋን ቅድመ ንጽፈተ- ጽግያት፡ ኣብ ሆርሞናት ማህጸን እውን ልዑል ምልውዋጥ ከጋጥመን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ይዛረቡ።

ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኰና፡ ደቂ ተባዕትዮ እውን ዕድሞም ምስ ዝደፍእ ኣብ መጠን ቴስቶስትሮን ምንካይ የጋጥሞም እዩ። እዚ ለውጢ እዚ ግን ቀስ ብቐስ እምበር ከምቲ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝረአ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር እዚ ንእሽቶ ለውጢ እውን እንተኾነ ኣብ ገለ ሰባት ናይ ስሚዒት ለውጢ ከለዓዕል ተኽእሎ ከምዘሎ ገለ መርትዖታት ኣሎ፤ እዚ ግን ኣብ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ኣይኰነን።

ኣወዳትን ኣዋልድን እናተጻወቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጾታዊ ሆርሞናት ንስሚዒት ክጸልዉ ዝኽእሉሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብ ሓንጎል ዝርከቡ ኒውሮትራንስሚተራት [ሴሮቶኒንን ዶፓሚንን] ብምውሳኽ እዩ።

ትሑት መጠን ሴሮቶኒን፡ ጠንቂ ጭንቀት ከምዝዀነ ይንገር፤ መብዛሕትኦም ዘመናውያን መድሃኒታት ጸረ-ጭንቀት ድማ መጠን ናይዚ ናይ ሓንጎል ኬሚካል ክብ ክብል ዝገብሩ እዮም።

ገለ ገለ ኦስትሮጅናት ንተቐበልቲ ሴሮቶኒን ዝያዳ ምላሽ ክህቡን ቁጽሪ ተቐበልቲ ዶፓሚን ኣብ ሓንጎል ክብ ክብል ከምዝገብሩን ዘመልክቱ መርትዖታት ኣለዉ።

ካልእ ክልሰ-ሓሳብ ድማ፡ ኢስትሮጅን ንኒውሮናት ካብ ጉድኣት ይከላኸለሎምን፡ ኣብ ሓደ ዝኽርን ስምዒታትን ተራ ዘለዎ ክፋል ሓንጎል (ሂፖካምፑስ) ዕብየት ሓደስቲ ኒውሮናት ከይተረፈ ከነቓቕሕን ይኽእል'ዩ።

ጭንቀትን ሕማም ረሲዕ (ኣልዛይመር)ን ዘለዎም ሰባት ኣብዚ ክፋል ሓንጎል ዝርከቡ ኒውሮናት ብምንካዩ እዮም ዝሳቐዩ።

ነዚ እዩ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጽፈተ-ጽግያት ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምዝካር ጸገማትን ከጋጥመን ዝኽእል።

ኣካላትና ንጸቕጢ ዝህቦ ምላሽ ምስ ዝጋገ'ኸ?

ኣብ ሂፖካምፑስ ዝርከቡ ኒውሮናት ክንክዩ እንከለዉ፡ ኣብቲ ኣካላትና ንውጥረት ዝህቦ ምላሽ ዝቆጻጸር ስርዓታት ሆርሞናት (HPA) ሳዕቤን ይህልዎ።

ጭንቀት ምስ ዝስምዓና፡ ኣብ መወዳእታ ንመብዛሕትኦም ሆርሞናት ኣብ ኣካላትና ንኽፍኖ ዝቆጻጸር ሃይፖታላመስ ብዝብል ዝጽዋዕ ክፍሊ ሓንጎል፡ ናብ ጽኪ ፒቱታሪ ምልክት ብምስዳድ (ACTH) ዝተብሃለ ካልእ ሆርሞን ይለቅቕ።

ድሕሪኡ እዚ ሆርሞን፡ ጽክታት ኣድረናል ኮርቲሶል ዝተባህለ ናይ ጸቕጢ ሆርሞን ንክፍንዉ የነቓቕሖም።

ኮርቲሶል ድማ ኣካላትና ሽኮር ናብ ደም ክፍንው ይገብር፤ እዚ ድማ ሓንጎልናን ኣካላትናን ኣብ ህጹጽ እዋን ዘድልዮ ጸዓት ክረክብ ይገበር።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ንኣካላትና ዘዕለቕለቐ ኮርቲሶል፡ ሓንጎል ንክሃድእ ዝሕብር ምልክት የንቀሳቕስ። ይኹን እምበር፡ ሰባት ከም ምፍርራሕ፡ ግህሰት ወይ ዓመጽ ዝኣመሰለ ሕዱር ጸቕጢ እንተ ኣጋጢምዎም፡ እዚ መስርሕ ኣይፍጠርን፤ ሓንጎሎም ድማ ብኮርቲሶል ይዕለቕልቕ።

እዚ ምስ ዝኸውን ውጽኢቱ ሕማቕ እዩ፡ ምኽንያቱ ምስ ግዜ ኮርቲሶል ኣብ ሓንጎል ነድሪ ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኮርቲሶል ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሓንጎል እውን ሳዕቤን ኣለዎ። ከም ኣሚግዳላን ኮርተክስን ዝርከቡ ኒውሮናት ክንክዩ ክገብር ይኽእል'ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ዝኽሪ፡ ትኹረትን ስሚዒትን ጽልዋ የሕድር።

ኮርቲሶል ጸቕጢ ከስዕብ እንከሎ፡ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ "ሆርሞን ፍቕሪ" ብዝብል ዝፍለጥ ኦክሲቶሲን ግን ብኣንጻሩ እዩ። ምውቕን ሕያውነትን ዝኣመሰሉ ስምዒታት እዩ ዝፈጥር።

"ኦክሲቶሲን ምስ ምቅርራብን ናይ ውሑስነት ስምዒትን ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንሳዕቤናት ጸቕጢ ንምምካት ይሕግዝ" ትብል ፕሮፌሰር ናፊሳ እስማዒል።

"ውሕስነት ምስ ዝስምዓና፡ ኣብ ከባቢና ደገፍ ከምዘሎ ምስ ዝስምዓና፡ ብርግጽ ነቲ ብውጥረት ክውስኽ ዝኽእል ዝነበረ መጠን ኮርቲሶል የጉድሎ።"

መድሃኒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደስቲ ፍወሳታት

እዚ ሓድሽ ፍልጠት ሆርሞናትን ስሚዒት ዝቕይር ሳዕቤናቶም፡ ናብ ሓደስቲ ሕክምናታት ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ይፍጸም ከምዘሎ ድማ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ።

ብረክሳኖሎን ዝበሃል ንሆርሞን ኣሎፕረግናኖሎን ዝመስል መድሃኒት፡ ድሕሪ ሕርሲ ዝመጽእ ጭንቀት ኣብ ምፍዋስ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ትሑት መጠን ቴስቶስትሮን እንተሃልዩኩም፡ ዝተወሰኑ መመላእታታት ቴስቶስትሮን ምስ መድሃኒታት ጸረ-ጭንቀት ምውሳድ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክገብሮም ከም ዝኽእል እውን ገለ መርትዖታት ኣሎ።

ሆርሞናዊ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣብ ገለ ጭንቀት-ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ተኣምራት ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ካልኦት ፀገማት ከጋድድ ይኽእል።

እዚ ድማ፡ ገለ ሰባት ንምንታይ ንለውጢ ሆርሞናት ኣዝዮም ተሃዋስያን ከምዝዀኑን ካልኦት ድማ ከምዘይኰኑን ክሳብ ሕጂ ብልክዕ ስለዘይተፈልጠ፡ ኣለሻ ሓደስቲ ሕክምናታት ከምቲ ዝድለዩ ዘይማዕበለሉ ምኽንያት ዘጉልሕ እዩ።