'ሱፐር-ኤጀርስ' ብዛዕባ ጥዑይ እርጋን እንታይ ይነግሩና?

"ኩላትና ዝያዳ ክንንቀሳቐስ ይግባእ" ይብል ወዲ 71 ዓመት ኤሪክ ቶፖል

ምንጪ ስእሊ, Sandy Huffaker for The Washington Post via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, "ኩላትና ዝያዳ ክንንቀሳቐስ ይግባእ" ይብል ወዲ 71 ዓመት ኤሪክ ቶፖል

ሓኪም ልቢ ዶክተር ኤሪክ ቶፖል ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጓል 98 ዓመት ኤል.ኣር ንሕክምናዊ ቘጸራ ምስ ተራኸበ፡ ሓደ ነገር ኣቓልቦኡ ስሒቡዎ።

ኣሰኒዩዋ ዝመጽአ ዘመድ ከም ዘየለ ስለ ዘስተባህለ፡ ከመይ ገይራ ናብ ማእከል ሕክምና ከም ዝበጽሐት ሓተታ።

"ባዕላ መኪና ትዝውር ነይራ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሽዑ፡ ብዛዕባ እዛ በይና እትነብር፡ ሰፊሕ ማሕበራዊ ርክብ ዘለዋ ግን ከኣ ብሕትውናኣ እተስተማቕር ፍልይቲ ሰብ፡ ብዙሕ ፈሊጠ፡" ይብል።

መስራትን ዳይረክተርን ስክሪፕስ ሪሰርች ትራንስሌሽናል ኢንስቲትዩት - ኣብ ኣመሪካ ፍሉጥ ማእከል ምርምር ሕክምና - ዝዀነ ዶክተር ቶፖል፡ ሰፊሕ ተሞክሮ ዘለዎ ተመራማርን ጸሓፍን እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሰርሖ ስራሕ፡ ገለ ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ነዊሕን ጥዑይን ህይወት ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ዘርኢ ሳይንሳዊ ምርምር እዩ።

ስለዚ ብሳይንስ ዝድገፉ ምስጢራት ጥዑይ እርጋን እንታይ እዮም?

ዶክተር ቶፖል ሰባት ከም "መረዳእታ ዘይብሉ ጸረ-እርጋን መድሃኒታት፡ ከምኡ'ውን ብዘይ ዝዀነ [ሳይንሳዊ] ሓበሬታ ዝሽየጡ ኣገባባትን ፍወሳታትን" ከይኣምኑ የጠንቅቕ።

"ምናልባት ሓደ መዓልቲ [ጽቡቕ ዕድመ ንክህልወና ዝሕግዘና] ምትሃታዊ ከኒና ክህልወና ይኽእል'ዩ፤ ሕጂ ግን የብልናን። ንምርካቡ'ዉን ኣይቀረብናን፡" ኢሉ።

ተራ ውርሻ ሓረግ ዘርኢ- ጀነቲክስ

ኣብ 2007፡ ዶክተር ቶፖልን ጉጅልኡን፡ ኣብ ጂን ኣስታት 1400 ኣብ 80ታት ዕድመኦምን ልዕሊኡን ዝርከቡ ሰባት፡ ዝዀነ ዓቢ ጸገም ጥዕና ዘይብሎም ሰባት ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት መጽናዕቲ ገይሮም።

"እዚኦም ንምርካቦም ኣዝዮም ከበድቲ ሰባት እዮም፡ [ብዓቢ ወይ ሕዱር ሕማም] ሓሚሞም ዘይፈልጡ፡ [ንነዊሕ እዋን] መድሃኒት ዘይወሰዱን ልዕሊ 85 ዓመት ዝዕድሚኦምን እዮም፡" ይብል ዶክተር ቶፖል።

ነታ ብ'ሱፐር-ኤጀርስ' እትፍለጥ ጕጅለ ምስ ኣጽናዕዋ፡ እዞም ሰባት ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ጥዑያት ምዃኖም ዝገልጽ መረዳእታ ኣብ ውርሻ ዘርኢ ሓጐም ኣዝዩ ውሑድ ሓበሬታ ረኺቦም።

ዶክተር ቶፖል ነቲ መጽናዕቲ ምስ ኣሕተመ እዩ ምስ ኤል.ኣር ተራኺቡ።

ንሳ ሓንቲ ካብተን ናይ መረዳእታ ነጥብታቱ እኳ እንተዘይኰነት፡ ዛንታኣ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ስርሑ ተኻቲቱ ኣሎ።

ኣብ ስድራቤታዊ ታሪኻ ብኣጋ ዘጋጠመ ሞት እኳ እንተሃለዋ፡ ጽቡቕ ዕድመ ዝደፍአት ሰብ ምዃና የመልክት።

"እዞም ንምእማኑ ዘጸግምን ጥዑይን ኵነታት ዕድመ ምድፋእ ዝበጽሑ ሰባት፡ ክሳብ ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ብሓፈሻ ስድራቤታዊ ስልሚ ዘለዎም ኣይኰኑን፡" ይብል ዶክተር ቶፖል።

"ምናልባት ገለ ጀነቲካዊ ባእታ ክህሉ ይኽእል'ዩ፤ ግን እቲ ዓብላሊ ነገር ንሱ ኣይኰነን።"

ጀነቲክስ ንጥዑይ እርጋን ወሳኒ ረቛሒ ክኸውን ከም ዘይክእል ድማ ነቶም ኣብ ስድራቤቶም ኣቐዲሞም ሞትን ሕዱር ሕማምን ዘጋጠሞም ሰባተወ ሓራ ዘውጽእ ሓሳብ እዩ ኢሉ።

'ምስ ዕድመ ዝመጽእ ነድሪ'

ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ፡ ዶክተር ቶፖል፡ 'ልዕሊ ዕድመ ዘለዎም' ሰባት ካብቲ ብተለምዶ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ሕማማት ዝመጽእ ሕዱር ነድሪ ዝወሓደ ከም ዘጋጥሞም የረድእ።

ምስ ዕድመ ዝመጽእ ነድሪ'፡ 'Inflammageing' - ማለት ድማ ነቲ ምስ ዕድመ ዝምዕብል ሕዱርን ትሑት ደረጃ ዘለዎን ነድሪ እዩ - ዋላ ረኽሲ ወይ መጉዳእቲ ኣብ ዘይብሉ እዋን።

ነድሪ ኣካላትካ፡ ተፈጥሮኣዊን ንጕድኣት ከም ረኽሲ፡ መጉዳእቲ ወይ መርዛም ነገራት ምላሽ ዝህብን እዩ።

ነድሪ ንኣካላትና ንነዊሕ እዋን ክጸልዎ ከሎ ግን፡ ንሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ከምኡ'ዉን ኒውሮዲጀነሬቲቭ ሕማማት ሓዊሱ ከበድቲ ጕዳያት ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ለንደን ኣብ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ጥዕናዊ እርጋን (IHA) ዳይረክተር መጽናዕቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ዴቪድ ጌምስ ይዛረብ።

እዚ መስርሕ 'Inflammageing' ተባሂሉ ዝፍለጥ'ዩ ይብል።

"እቲ ጸገም ሕዱር ነድሪ ቁሩብ ከምቶም ዘይከዱ ሃነጽቲ ምዃኑ'ዩ፤ ወረሩ ኣብኡ ኰይኖም ዓብዪ ቃንዛ'ዮም ዝዀኑኻ፡" ኢሉ።

ሓደ ክልሰ-ሓሳብ፡ ዘመናዊ ኣነባብራና ነቲ ነድሪ ይድርዀ ኣሎ።

እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ዕብየት ኣካላትና ዘሎ ዘይምስምማዕን ኵነታት ኣነባብራናንን ዘንቀሎ እዩ።

"ኣካላትና ብሓቂ ንሓንቲ ሕጽረት መግቢ ንዘለዋ ዓለም ዝተዳለወ'ዩ። ፍጹም ኩሉ ግዜ ትርፊ መግቢ ንኽህልወካ ዝተዳለወ ኣይኰነን - ብፍላይ ድማ ልዑል ስብሒ ዘለዎም መግብታት ምስ ዝተጸረዩ ኣካላት መግቢ፡"" ይብል ጌምስ።

ስብሒ ንከም ሕማም ሽኮር፡ ረስዒ፡ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ዝኣመሰሉ ሕማማት ካብ ዝድርኸሉ መገዲ ሓደ፡ ብነድሪ ምዃኑ ፕሮፌሰር ጀምስ ይገልጽ።

ነዚ ከመይ ጌርና ነጕድሎ?

ብፍሩታታትን ኣሕምልትን ዝሃብተመ ሚዛናዊ ኣመጋግባ፡ ሓደ ካብቲ ንጽቡቕ ዕድመ ምድፋእ ዝሕግዙ መፍትሕታት እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብፍሩታታትን ኣሕምልትን ዝሃብተመ ሚዛናዊ ኣመጋግባ፡ ሓደ ካብቲ ንጽቡቕ ዕድመ ምድፋእ ዝሕግዙ መፍትሕታት እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መብዛሕትኦም ለበዋታት ዶክተር ቶፖል ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ እንኽተሎ መምርሒታት ጥዑይ-መነባብሮ ዘንጸባርቑ እዮም።

ንሱ፡ ኣመጋግባና ኣብ ተኽሊ ዝተመኰሰ ወይ ብፍሩታታትን ኣሕምልትን ዝሃብተመ ሚዛናዊ ዝተሞኰሰ ክኸዉን ኣለዎ ይብል።

እኹልን ጽቡቕ ጽሬት ዘለዎን ድቃስ ምርካብ እውን ኣገዳሲ እዩ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ እዞም ዘየድልዩ ፍርያት ኣብ ሓንጎልና፡ ሜታቦላይትስ፡ ናይ ብሓቂ መርዛማትን ንነድሪ ዘተባብዑን ኣለዉና። በዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተረኽበ ግሊምፋቲክ ቻነል ዝበሃል ድማ ከነጽርዮም ኣለና፡" ይብል።

እቲ ግሊምፋቲክ ቻነል ኣብ 2012 ዝተረኽበ ኰይኑ፡ ኣብ ሓንጐል ዘየድልዩ ነገራት ዘጽሪ ኰይኑ ዝሰርሕ'ዩ።

ነዞም ፍርያት ድ ማ ብመርበብ ታንከራት ኣቢሉ ናብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ የጓዕዞም።

ድሒሮም ዝመጽኡ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ስርዓት ኣብ እዋን ድቃስ ዝያዳ ንጡፍ እዩ።

"እኹል ዓሚቕ ድቃስ እንተዘይረኺብና [...] ሽዑ ነዞም ጐሓፍ ፍርያት ከም ዘይነፍስሶም ተረጋጊጹ። ብመሰረቱ ድማ ኣብ ሓንጐልና ክቃጸሉ ዕድል ይረኽቡ። ስለዚ ንሕማማት ኒውሮዲጀነሬቲቭ ንምክልኻል ብዝሓሸ መልክዑ ጽቡቕ ድቃስ ክንረክብ ኣለና፡" ይብል።

እኹል ምንቅስቓስ ኣካላት ክንገብር እውን ይመክር።

"መድሃኒት እንተዝኸውን ነይሩ፡ እቲ ዝዓበየ ተራ ዘለዎ መድሃኒት ምዀነ፡"።

ቅልጡፍ ናይ እግሪ ጕዕዞ ወይ ብሽክለታ ዓበይቲ ኣብነታት ኤሮቢክ ምንቅስቓስ ኣካላት ምዃኖም ይዛረብ።

ሰባት ግን ብዛዕባ ካልኦት ዓይነታት ብቕዓት ሓዊሱ ናይ ሓይልን ሚዛንን ልምምድ እውን ክሓስቡ ከም ዘለዎም ይዛረብ።

ዋላ እኳ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንተዘይሰማምዑሉ፡ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ተነጽሎ ምውጋድን እውን ምስ ትሑት ሓደጋ ምምዕባል ሕማም ረስዒ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኮሚሽን ላንሰት 2020 ማሕበራዊ ተነጽሎ ምውጋድ ዓለምለኻዊ ዝርገሐ ሕማም ረስዒ ብ4 ሚእታዊት ከም ዝንክዮ ገሚቱ።

ካልእ ብዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ውጽኢት ካብ ኣውስትራልያ፡ ሰሜን ኣመሪካን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ደቡብ ኣመሪካ፡ ኤስያን ኣፍሪቃን ሓዊሱ 13 ኣህጉራዊ መጽናዕትታት ዝተንተነ ኰይኑ፡ ብልክዕ ኣየኖት ዓይነታት ማሕበራዊ ርክባት ዝዓበየ ጽልዋ ከም ዝነበሮም ርእዩ።

"ተደጋጋሚ ርክባት - ወርሓዊ ይኹን ሰሙናዊ - ምስ ስድራቤትን ፈተውትን ከምኡ'ውን እተዘራርቦ ሰብ ምህላው ንሓደጋ ሕማም ረስዒ ከም ዘጉድሎ ረኺብና። ምስ ካልኦት ምንባርን ማሕበረሰባዊ ንጥፈታት ምግባርን ንሓደጋ ሞት ከም ዘጉድል'ውን ረኺብና፡" ይብል ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ናይቲ ብዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዶክተር ሱራጅ ሳምታኒ።

ማሕበራዊ ርክብ ኣንጻር ሳዕቤናት ሕማም ኣልዛይመርስ ኣብ ሓንጎል - ብኮግኒቲቭ ሪዘርቭ ዝፍለጥ - ንምጽዋር ከም ዝሕግዝ ይእመን።

ከም ምንቅስቓስ ኣካላት ዝኣመሰሉ ጥዑያት ባህርያት ንምድንፋዕን፡ ጸቕጥን ነድሪን ንምንካይ እውን ክሕግዝ ከም ዝኽእል ማሕበር ኣልዛይመርስ ዓባይ ብሪጣንያ ይሕብር።

ዶክተር ቶፖል፡ ሚስ ኤል.ኣር ነዚ ፍጹም ኣብነት እያ ይብል።

"ኣዝዩ ሰሓቢ ባህሪ ኣለዋ፡ እዚ ምስ ብዙሕ ማሕበራዊ ርክባት ይኸይድ። ብዙሕ መዘናግዒታት'ውን ነይርዋ - ቀባኢት'ያ፡ ሽልማት'ውን ተዓዊታ'ያ። እዚ ክንምነዮ ዝግበኣና ጥዑይ እርጋን እዩ"።