ተመራመርቲ ሰብ-ሰርሖ ዲኤንኤ ንምፍጣር ይሰርሑ ኣለዉ

ዲኤንኤ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዕላማ ካብ ባዶ ተበጊስካ ክፍልታት ዲኤንኤ ደቂ ሰባት ምህናጽ እዩ

ተመራመርቲ ካብ ባዶ ተበጊሶም ሰብ-ሰርሖ ወይ ኣርቲፊሻል ዲኤንኤ ክፈጥሩ ይሰርሑ ኣለዉ።

እዚ ንምፍጻም ድማ ፈላማይ ምዃኑ ዝእመነሉ ኣካታዒ ህዩማን ጂኖም ፕሮጀክት ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ እዚ ጉዳይ'ዚ ከም ነውሪ ክሕሰብ እዩ ጸኒሑ።

ናብ ብጀነቲካዊ ምህንድስና ዝማዕበሉ ህጻናት ከየምርሕ ወይ ትጺቢት ዘይተገብረሉ ለውጢ ከየስዕብ ስክፍታታት ነይሩ።

ሕጂ ግን ዌልካም ትራስት ዝተበሃለ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ትካል ግብረሰናይ ሕክምና፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምጅማር መጀመሪ 10 ሚልዮን ፓውንድ መዲቡ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ ሕክምና ብዙሓት ዘይፍወሱ ሕማማት ከቀላጥፍን ካብ ጉድኣት ንላዕሊ ረብሓ ክህልዎን ተኽእሎ ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ካምብሪጅ ካብ ላቦራቶሪ ሞለኲዩላዊ ስነ-ህይወት ኤምኣርሲ ዝዀነ ዶክተር ጁልያን ሳል ኣብቲ መደብ ካብ ዝሳተፉ ክኢላታት ሓደ እዩ።

ዶክተር ጁልያን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ስነ-ህይወት ቀጻሊ ዓቢ ምዕባለ ከምዝኸውን ገሊጹ።

"ሰባት እናኣረጉ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ንህይወቶም ዘመሓይሹ፡ ብዝወሓደ ሕማም ምስ ጽቡቕ ጥዕና ዕድሞኦም ክደፍኡ ዝሕግዙ ፍወሳታት ኢና ንእልሽ ዘለና።"

"ነዚ ኣገባብ ተጠቒምና፡ ንኣብነት ኣብ ጸላም ከብድን ልብን፡ ዋላ'ውን ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ንዝተበላሸዉ ኣካላት ዳግማይ ንምህናጽ ክንጥቀመሎም እንኽእል ንሕማም ዝጻወሩ ዋህዮታት ንምፍጣር ንጽዕር ኣለና" ክብል ዕላማ እቲ መጽናዕቲ ኣብሪሁ።

እንተዀነ እቲ መጽናዕቲ፡ ዝማዕበሉ ወይ ዝተመሓየሹ ደቂ ሰባት ንምፍጣር ንዝደልዩ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ተመራመርቲ መንገዲ ክኸፍት ከምዝኽእል ነቐፍቲ ይሙግቱ።

"ኵሎም ሳይንሰኛታት ጽቡቕ ጥራይ እዮም ዝገብሩ ኢልና ክንሓስብ ንፈቱ፣ እቲ ሳይንስ ግን ጉድኣት ንምፍጻምን ንውግእን ክውዕል ይኽእል'ዩ፡" ይብል ዳይረክተር ናይቲ ቢዮንድ ጂኤም ዝበሃል ዳይሬክተር ጕጅለ ጐስጓስ ዶክተር ፓት ቶማስ።

ኣብ መበል 25 ዓመት ምዝዛም ህዩማን ጂኖም ፕሮጀክት ንቢቢሲ ኒውስ ዝተዋህበ ዝርዝር ናይቲ ፕሮጀክት ከምዘመልክቶ፡ እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዲኤንኤ ደቂ ሰባት ዝርከቡ ሞለኲዩላት ኣብ ካርታ ዝሰፈረ ኰይኑ፡ ብዓቢኡ ድማ ብዌልከም ዝምወል እዩ።

ብዘይካ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም፡ ኣብ ኣካላትና ዘሎ ኵሉ ዋህዮ ዲኤንኤ ዝበሃል ሞለኲዩል ዝሓዘ እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣካል ዘድልዮ ሰረታዊ ሓበሬታ የጠቓልል።

ዲኤንኤ ካብ ኤ፡ ጂ፡ ሲን ቲን ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣርባዕተ ኣዝዮም ንኣሽቱ ክፍልታት እዩ ዝህነጽ። እዚኦም ብዝተፈላለየ ውህደት ይደጋገሙ፤ እቲ ዝገርም ኵሉ እቲ ብኣካል መን ምዃንና ዝውስን ስረታዊ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

ህዩማን ጂኖም ፕሮጀክት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ንዅሉ ስረት ደቂ ሰባት ከም ኮድ ንኸንብብዎ ኣኽኢልዎም እዩ።

'ሲንተቲክ ህዩማን ጂኖም ፕሮጀክት ብዝብል ዝጽዋዕ እቲ ዝጅምር ዘሎ ሓድሽ ስራሕ፡ ነዚ ፍልጠት ዝያዳ ንቕድሚት ክወስዶ ከምዝኽእል ይግለጽ። ተመራመርቲ ንሓደ ሞለኲዩል ዲኤንኤ ከንብቡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክፋላቱን ምናልባት ሓደ መዓልቲ ድማ ምሉእ ብምሉእ ሞለኲዩል ብሞለኲዩል ካብ ባዶ ክፈጥሩ ዘኽእሎም እዩ።

ተመራመርቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ክፋላት ዲኤንኤ ደቂ ሰባት ንምፍጣር ዝሕግዙ መሳርሒታት ምምዕባል ክጅምሩ እዮም

ምንጪ ስእሊ, BBC News

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ክፋላት ዲኤንኤ ደቂ ሰባት ንምፍጣር ዝሕግዙ መሳርሒታት ምምዕባል ክጅምሩ እዮም

እቲ ፈላማይ ዕላማ ድማ፡ ዝዓበየ ክፋላት ዲኤንኤ ዝሃንጹሉ መገድታት ምምዕባል እዩ። እዚ ድማ ክሳብ ብስነ-ጥበባዊ ኣገባብ ክሮሞዞም ሰብ ዝሃንጹሉ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል። ክሮሞዞማት ንዕብየትና፡ ንጽገናን ዕቀባን ዘመሓደሩ ስረታት ዝሓዙ እዮም።

ብድሕሪኡ እዚኣቶም ስረታትን ዲኤንኤን ንኣካላትና ብኸመይ ከም ዝቈጻጸርዎ ዝያዳ ንምፍላጥ መጽናዕቲ ከካይዱ እዮም።

ብዙሓት ሕማማት ዝፍጠሩ እዞም ስረታት ምስ ዝጋገዩ እዩ።

ስለዚ እቶም መጽናዕትታት ናብ ዝሓሸ ሕክምና ክመርሑ ከምዝኽእሉ ዳይረክተር ትካል ዌልካም ሳንገር ኢንስቲትዩት ዝዀነ ፕሮፌሰር ማቲው ሃርልስ ይገልጽ።

"ካብ ባዶ ተበጊስካ ዲኤንኤ ክንሃንጽ፡ ዲኤንኤ ብሓቂ ከመይ ከም ዝሰርሕ ክንፍትንን ሓደስቲ ክልሰ-ሓሳባት ክንፍትሽን የኽእለና፣ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን'ዚ ብሓቂ ከምኡ ክንገብር እንኽእል ኣብቲ ድሮ ኣብ ህያው ስርዓታት ዲኤንኤ ዘሎ ዲኤንኤ ብምትዕርራይ ጥራይ'ዩ።"

ኣብ ኢንስቲትዩት ሳንገር ስረታት ወዲ ሰብ ንምስራዕ ዝወዓላ ማሽናት

ምንጪ ስእሊ, BBC News

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢንስቲትዩት ሳንገር ስረታት ወዲ ሰብ ንምስራዕ ዝወዓላ ማሽናት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ስነ-ጥበባዊ ህይወት ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ ኣየጠቓልልን። እቲ ቴክኖሎጂ ግን ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓታት ህይወት ደቂ ሰባት ተራእዩ ዘይፈልጥ ቍጽጽር ክህቦም እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ሕክምናዊ ረብሓታት ንምርካብ ዝጽዕር'ኳ እንተዀነ፡ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ተመራመርቲ ስነፍልጠት ነቲ ቴክኖሎጂ ንቅኑዕ ዘይኰነ ዕላማ ካብ ምጥቃም ዝዓግቶም ነገር የለን።

ንኣብነት፡ ስነ-ህይወታዊ ኣጽዋር፡ ዝተመዓራረዩ ደቂ ሰባት ወይ'ውን ዲኤንኤ ደቂ ሰባት ዘለዎም ፍጡራት ከይተረፈ ንምፍጣር ክፍትኑ ከምዝኽእሉ ኣርቲፊሻል ክሮሞዞም ደቂ ሰባት ንምፍጣር ዝሕግዝ ሜላ ዝነደፈ ፕሮፌሰር ቢል ኤርንሾው የመልክት።

"ሕጂ እኩብ ገደባት ክህልወና ይኽእል እዩ፣ ግቡእ ማሽነሪታት ዝረክብ ትካል ግን ዝዀነ ነገር ክሰርሕ እንተ ወሲኑ፡ ደው ከነብሎ ንኽእል ኣይመስለንን፡" ይብል።

ዶክተር ፔት ቶማስ እውን፡ እቲ ቴክኖሎጂ ካብቲ መጽናዕቲ ዝወጽእ ሕክምናታት ዘማዕብሉ ኩባንያታት ክንክን ጥዕና ናብ ንግዲ ዘቕርቡሉ ኣገባብ ብዝምልከት ስክፍታ ኣለዋ።

"ስነ-ጥበባዊ ክፍሊ ኣካላት ወይ'ውን ስነ-ጥበባዊ ሰባት ክንፈጥር እንተኽኢልና፡ መን ይውንኖም? ካብዞም ፍጥረታት ዝወጽእ መረዳእታ'ኸ መን ይቈጻጸሮ?"

እቲ ቴክኖሎጂ ብዘይግቡእ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዌልካም ዝቐርበሉ ሕቶ፡ ስለምንታይ ክምውልዎ መሪጾም ዝብል እዩ። ነቲ ምወላ ዝፈቐደ ዶክተር ቶም ኮሊንስ ግን እቲ ውሳነ ብቐሊሉ ከምዘይተወሰደ እዩ ዝገልጽ።

ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ናብ ተግባር ዘይምእታው ዝህልዎ ዋጋ ሓቲትና ኢና" ኢሉ።

"እዚ ቴክኖሎጂ ሓደ መዓልቲ ክምዕብል'ዩ፣ ስለዚ ሕጂ ብምግባርና እንተወሓደ ብዝተኻእለ መጠን ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክንገብሮን ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ስነ-ምግባራውን ሞራላውን ሕቶታት ክንፈትሕን ንጽዕር ኣለና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።