መነጽር ምጥቃም ናይ ምርኣይ ኣቕምና የዳኽሞ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ሰባት ኩሉ ግዜ መነጽሮም ዘይጥቀምሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዉ። ገሊኦም ንመልክዖም ከምዘበላሽው ይዛረቡ፤ ‘ሰባት ስለዘላግጹልና’ ዝብሉ እውን ኣለው።
ገሊኦም ድማ ብዘይ መነጽር ዝያዳ ምቹእነት ስለዝስምዖም ክጥቀሙ ከምዘይደልዩ ይገልጹ።
ኪኖ ምቾትን ስነ-ጽባቐን ግን፡ ብዙሕ ግዜ መነጽር ምጥቃም ናይ ምርእይ ኣቕሚ ከምዘዳኽሞ ዝሙግቱ ኣለዉ። ሓደ ግዜ መነጽር ምጥቃም እንተጀሚርና ብድሕሪኡ ዝያዳ ኣብ መነጽር ክንምርኰስ ኢና ክብሉ ድማ ይሰግኡ።
ኣብ ናይጀርያ ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 64 ሚእታዊት ተማሃሮ መነጽር ምጥቃም ንዓይኒ ክጎድእ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ኣብ ህንዲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ፡ 30 ሚእታዊት ተሳተፍቲ መነጽር ርእየት ከምዝንክይ ገሊጾም። ኣብ ፓኪስታን 69 ሚእታዊት ሰባት ተመሳሳሊ ስምዒት ኣለዎም።
ኣብ ብራዚል፡ ሰራሕተኛታት ሕክምና ከይተረፉ፡ ብሰንኪ መነጽር ኣዒንቲ በብቑሩብ ከምዝደኽማ ይኣምኑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ እውን ካብ ተሓከምቲ መነጽር ንምጥቃም ፍቓደኛ ዝዀኑ ኣስታት 36 ሚእታዊት ከምዝዀኑ የመልክት።
መነጽር ሓቂ ንዓይኒ ከምዘዳኽም ዝሕብር መርትዖ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብርግጽ ሰባት መነጽር ዝገብሩሉ ክልተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ።
እቲ ሓደ ርእየተ-ቀረባ ወይ ድማ ማዮፒያ እዩ። እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ኣብ ቀረባ ዘለዉ ነገራት ክርእዩ ይኽእሉ እዮም። ኣርሒቖም ናይ ምርኣይ ክእለቶም ግን ትሑት እዩ፤ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ነገራት ደብዚዞም እዮም ዝረኣይዎም።
እቲ ካልኣይ ርእየተ-ርሑቕ ወይ ድማ ሃይፐሮፕያ እዩ። ኣብዚ ዝምደቡ ሰባት ርኣይቲ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ ቀረባ ኣብ ዝርከቡ ነገራት ግን ከተተኩር ይጽገሙ።
ርእየተ-ርሑቕ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዕድመ ይተኣሳሰር። ብዙሓት ሰባት ኣብ 40-50ታት ዕድሚኦም ኣብ ትሑት ብርሃን ንምንባብ ከምዝጽገሙ ከስተብህሉ ይጅምሩ።
ዕድመ እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ኣብ ኣዒንትና ዝርከቡ ብሌናት (ለንስ) በብቑሩብ ይተርሩ፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ርሕቀት ንምርኣይ ዘድሊ ምትዕጽጻፍ ኣጸጋሚ ክኸውን ይገብር። ሰባት ኣብ ቀረባ ዝሓዝዎ መጽሓፍ ወይ ገለ ጽሑፍ ምንባብ ምስ ዝኣብዮም፡ መነጽር ንባብ ክጥቀሙ ይመርጹ።
እቲ ዝገርም ግን፡ ንነዊሕ እዋን መነጽር ምጥቃም እንታይ ጽልዋ ከምዘለዎ ብዝምልከት ዝተገብሩ ፈተነታት ክሳብ ክንደይ ውሑድ ምዃኖም እዩ።
ካብ’ቲ ዝፍለጥ ድማ መነጽር ምጥቃም ንርእየት ዓይኒ ከምዝጸልዎ ዘእምን መርትዖ የለን።
ስለዚ ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት፡ መነጽር ምጥቃም ኣዒንቲ ከምዘዳኽም ዝኣምኑ?
ሰባት ንገኣዝ ርእሶም በብቑሩብ ኣብ መነጽር ዝያዳ ጽግዕተኛታት ኰይኖም ክረኽብዎም ይኽእሉ’ዮም፡ እንተዀነ ግን ብሌኖም ምስ ዕድመ እናደኸመ ስለ ዝኸይድ እዩ ብብዝሒ ኣብ መነጽሮም ክምርኰሱ ዝጅምሩ።
ብሰንኪ እዚ ግን ብዙሓት እቲ መነጽር ንዓይኖም ኣዳኺምዎ ኢሎም ንክድምድሙ ይመርሖም እምበር ብሓቂ ምኽንያታዊ ምትእስሳር የብሉን።
መነጽር ንባብ ምጥቃም ወይ ዘይምጥቃም ኣብ ነዊሕ ግዜ ኣብ ርእየት ዓይንና ዝፈጥሮ ዝዀነ ፍልልይ የለን። የግዳስ ብዘይ መነጽር ንምንባብ ኣብ ኣዒንትና ጸቕጢ ብዝፈጠርና መጠን፡ ሕማም ርእሲ ወይ ቃንዛ ኣዒንቲ ከስዕበልና ተኽእሎ ኣሎ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዅነታት ኣብ ቈልዑ ሓደ ኣይኰነን። ቅኑዕ ወይ ኣድላዪ ዝዀነ መነጽር ዘይምጥቃም፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህጻናት ንርእየት-ቀረባ ንምእራም ኮነ ኢልካ ካብቲ ብሓቂ ዘድልዮም ዝደኸመ መነጽር ብምሃብ ምስ ግዜ ዕብየት ኵዕሶ ዓይኒ ክድርኽን ብሰንኪ እዚ ድማ ምዕባለ ርእየት-ቀረባ ከዝሕል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ።
ኣብ ማሌዥያ ዝተኻየደ ፈተነ ግን እዚ ሓሳብ ኣዝዩ ጌጋ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ሰባት ሕጂ’ውን ናብ ዝዀነ ጽኑዕ መደምደምታ ንምብጻሕ እኹል መርትዖ ከምዘየለ ይምጉቱ።
ይኹን’ምበር እቶም ዘለዉ ውሱን መርትዖታት ከም ዝሕብርዎ፡ ንህጻናት ቅኑዕ መነጽር ምሃብ ዝሓሸ ምዃኑ ይሕብሩ።
ቅኑዕ መነጽር ምግባር ካብ ፈጺምካ ዘይምግባር ንላዕሊ ንዓይኒ ከምዘዳኽም ዝሕብር መርትዖ የለን። የግዳስ ንነዊሕ ግዜ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ብኣንጻሩ እዩ ዝሕብሩ እዮም።
ዘድልዮም ህጻናት መነጽር ምጥቃሞም ንጹር ረብሓ ኣለዎ።
ኣዒንቲ ህጻናት ምርኣይ ክመሃራ ስለዘለወን፡ ቅኑዕ መነጽር እንተዘይረኺበን “ሃካይ ዓይኒ” (ሓውላል ዓይኒ) ወይ ኣምብሊዮፒያ ዝበሃል ኵነታት ከማዕብላ ተኽእሎ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ኣብ ረቲና (ኣብ ዳሕረዋይ ክፍሊ ዓይኒ ዝርከብ ሃዋስ ብርሃን ኣካል) ንጹር ምስሊ ሒዞም ኣይርእዩን።
ቅኑዕ ትእዛዝ መነጽር ንፍጥነት ንባብን ከምዘመሓይሽን ሓደጋ ምምዕባል ሓውላል ዓይኒ ከምዘጉድልን እውን ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ዓበይቲ ሰባት ግን እቲ ዝፈልጥ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብዚ መዳይ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ዘይምህላዎም እዩ።
ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይኒ ሙርፊልድስ ኣማኻሪ ሓኪም መጥባሕቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ኣናንት ቪስዋናታን፡ መጽናዕቲ ዘይተኻየደሉ ምኽንያት፡ መነጽር ምጥቃም ንዓይኒ ክጎድእ ዝኽእል ዝዀነ ኣካላዊ ሳዕቤን ብዘይምህላዉ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምን። መጽናዕቲ ንምክያድ ምትእስሳር ምድላይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣእማኒ ኣገባባት ምድላይ እውን የድሊ እዩ።
ስለዚ መነጽር ንዘይምጥቃም ብዙሕ ምኽንያታት እኳ እንተሃለዉ፡ ርእየት ዓይኒ ከይጉዳእ ዝብል ፍርሒ ግን ሓደ ካብኣቶም ክኸውን የብሉን።
* እዚ ዛንታ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ጥራይ ዝሓዘ እዩ፤ ከም መተካእታ ሕክምናዊ ምኽሪ ሓካይም ወይ ሰብ ሞያ ጥዕና ክውሰድ የብሉን። ብዝዀነ ይኹን መንገዲ ብዛዕባ ጥዕናኹም ትሻቐሉ እንተዀይንኩም ሓኪም ክትውከሱ ንላበው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







