“ብዝተገጠመለይ ብሌን ዓይኒ፡ ፈለማ ንኣደይ ርእየ በኽየ”

ምንጪ ስእሊ, BEZAWIT TILAHUN
ቤዛዊት ጥላሁን ክሳብ 12 ዓመታ ምስ መሓዙታ ትፃወት፣ ትምህርታ ትከታተልን ፀገም ጥዕና ገጢምዋ ዘይትፈልጥን ሰገን እያ ኔራ።
ኣዕይንታ ብዘይ ገለ ፀገም ይርእዩ ከምዝነበሩ ክትገልፅ እንከላ “ቀይሑ’ኳ ኣይፈልጥን" ትብል። እንተኾነ ኣብ 2006 ኣቆፃፅራ ግእዝ ቤዛዊት ጓል 12 ዓመትን ተምሃሪት ሻውዓይ ክፍልን እንከላ፡ ናይ ምርኣይ ክእለታ ክንኪ ጀሚሩ፡ ደሓር’ውን ሙሉእ ብሙሉእ ክትርእየሉ ናብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ በፂሑ ኔሩ።
“ብሓደ ግዘ ካብ ትምህርቲ እንተቋርፅ፣ ወፂእኻ ምፅዋትን ቆልዓ ኮይነ ዘሕልፎምን ነገራትን ኣቋሪፀ። ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ልዑል ስነ ልቦናዊ ፀቕጢ ኣለዎ” ትብል ቤዛዊት “ካብ ሕዚ ንደሓር ክርእይ ኣይኽእልን ዝብል ብጣዕሚ ስለዘሕርቐኒ፡ ኣብ ጭንቀት ኣትየ ካልእ ሕክምናን መድሓኒትን ዝወስደሉ ግዘ ኔሩ” ብምባል ተረድእ።
ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ኣዕይንታ ለውጢ ስለዘይነበረ፡ “ሰባት ኣይኣምንኑን። ይቕልድ ዘለኹ’ዩ ዝመስሎም” ትብል ቤዛዊት፡ ኣዕይንታ ብምስኣና ዘሕለፈቶ ፈተና ካብኣ ሓሊፉ ንስድርኣ ዝተረፈ ኔሩ።
ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝፀንሐት ቤዛዊት ብ2009 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብርሃን ዓይና ጥራሕ ዘይኮነስ ጥዕና ኣእምሮኣ ክመልስ ዝኽእል ኣጋጣሚ ረኺባ።
ኣብ ሆስፒታል ዳግማዊ ሚኒሊክ ካብ ዝርከብ ናይ ዓይኒ ባንኪ ካብ ለጋሲ ዝተረኸበን ንዕኣ ዝኾንን ዓይኒ ከምዘሎን ተነጊርዋ። እዚ ብሌን ዓይኒ ክልተ ሰዓታት ብዝወሰደ ንቅለ ተኸላ ምስ ተገጠመላ ሓጎሳ ወሰን ኣይነበሮን።
“ፈለማ ንኣደይ እየ ርእየ። ብጣዕሚ ከቢድ ስምዒት’ዩ፤ ሓድሽ’ዩ ኮይኑኒ። ዘዕበየትኒ ኣደይ ኣይመሰለትንን። ኣደይ ምስ ረኣኽዋ በኽየ...... ኣብ ህይወት ዝሰኣንኽዎ ሰብ መሊስካ ከም ምርካብ’ዩ። ስድራይ ኮነ ኣነ ካብ ሕዚ ንደሓር ክርእይ’የ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን። ...ሕጉስ ይገብር፡ ተስፋ ይህብ” ትብል።
ቤዛዊት በቲ ዝተገጠመላ ብሌን ዓይኒ ምርኣይ ምስ ከኣለት፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ዘቋረፀቶ ትምህርታ ተመሊሳ፤ ዋላ’ኳ ሓደ ዓይና እንተፀገማ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ትምህርታ ቀፂላ።
ብሌን ዓይኒ እንተዘይግጠመላ ኔሩ ዘጋጠማ ጭንቀትን ምርባሽን ናብ ካልእ ብርኪ ክበፅሕ ይኽእል ከምዝነበረ ትዛረብ ቤዛዊት፡ ካልኣይ ዓይኒ ንምርካብ ግና ንሓሙሽተ ዓመታት ክትፅበ ኔርዋ።
"ብቃላት ዘይግለፅ ብርሃን’የ ረኺበ”
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ባሌ ዝነብር ፍሬው ሺበሺ’ውን ኣብ ፀጋማይ ዓይኑ ዝነበረ በሰላ ቀስ ብቐስ እናሰፍሐ፡ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ቀስ ብቐስ ነክዩ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተቓሊዑ ኔሩ። መበገሲ እዚ በሰላ እንታይ ምዃኑ’ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ተምሃሪ ቴክኒክን ሞያን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምብያድ ይለማመድ ስለዝነበረ፡ ንሱ ጠንቂ ክኾን ከምዝኽእል ይግምት።
ኣብ ዞባ ባሌ ጊነር ኣብ ዝበሃል ቦታ ሞተር ሳይክል ብምዝዋር ኣታዊ ይረክብ ዝነበረ ፍሬው፡ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ትሒቱ ንነገራት ምፍላይ ክሳብ ዝሰኣኖ ስርሑ ኣየቋረፀን ኔሩ።
“ግድን ክሰርሕ ነይሩኒ፤ እንተዘይሰሪሐ ክነብር ስለዘይኽእል ብስረሐይ ቀፂለ ነይረ። ...... ኣብ ሓለዋ ኣምላኽ ኮይነ’ምበር ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ኣጋጢሞምኒ’ዮም። ብናህሪ ሞተር ክዝውር ከለኹ ብጣዕሚ ናይ ቀረባ ርሕቐት እንተዘይኮይኑ ክርእይ ስለዘይኽእል ኣብ ቅድመይ ምስ ዘሎ ነገር ይላተም ኔረ” ብምባል ይዝክር።
ፍሬው ናይ ምርኣይ ተኽእልኡ እናነከየ ብምምፅኡ መዓልታዊ ህይወቱ ኣፀጋሚ ክኾን ካብ ምድራኽ ብዝዘለለ፡ ተስፋ ኣብ ዘስእን ብርኪ ኣጥሒልዎ ኔሩ።
“መንእሰይ ኮይንካ፡ ብሓደ ግዘ ምርኣይ ዘይምኽኣል ይኸብድ’ዩ። ተስፋ’ዩ ዘቑርፅ። ንምንታይ’የ ዝነብር? ዝብል ነገር ይፍጠር እሞ፡ ንሂወት ሱቕ ኢልካ ምንባር ይጅመር። መኪና ኣብ ዝገጨወኒ እዋን፡ ይግጨወኒ ዝብል ዓይነት ናብራ ጀሚረ ነይረ።...... መገዲ ክሰግር ከለኹ ሰባት ‘ኣይትርእን ድኻ?! ዝብሉ ሕልና ዝትንክፉ ፀርፍታት ይፀርፉኒ” ይብል።
ንልዕሊ 10 ዓመታት ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ክፅገም ዝፀንሐ ፍሬው፡ ብህይወት ካብ ዘየለ ሰብ ዝወሰዶ ብሌን ዓይኒ፡ ብዘይተፀበዮ መልክዑ ኣንፈት ህይወቱ ተለዊጡ።
ብናይ ሰባት ጥቆማ ናብ ባንኪ ዓይኒ ኬዱ ዝተመዝገበ ፍሬው፡ ድሕሪ ብዙሕ ትፅቢት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ንዕኡ ዝኾን ብሌን ዓይኒ ተረኺቡ፡ ሰለስተ ሰዓታት ብዝወሰደ ንቅለ ተኸላ ብርሃን ዓይኑ ተመሊስሉ።
“ድሕሪ እቲ ንቕለ ተኸላ ኣብቲ ዓይኒ ዝነበረ መሸፈኒ ክለዓል ከሎ፡ ብቃላት ዘይግለፅ ብርሃን’የ ረኺበ። ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን’የ መፂአ። ከምዚ እርእይ ድየ ክሳብ ዝብል’የ ተደሚመ። ብርሃን ዝኣክል ነገር ክርከብ እንከሎ ብኸመይ ምግላፅ ከምዝከኣል ከቢድ’ዩ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, FIREWU SHIBESHI
ወዲ 33 ዓመት ፍሬው ብሌን ዓይኒ ከይተገጠመሉ ከሎ ካብ ሓደ ሜትር ዝነኣሰ ርሕቐት’ዩ ኣፅርዩ ዝርእይ ኔሩ፤ ሕዚ ግና ክሳብ 5 ሜትር ርሕቐት ምርኣይ ከምዝኽእል ይዛረብ
“መፅሓፍ፣ መፅሓፍ ቅዱስ ከንብብ እደልይ ኔረ። ድሕሪኡ ምንባብ ክኢለ። ብውልቀይ ክሰርሖም ዘይኽእሎም ነገራት ኔሮም። ሕዚ ግና ኣይፅገምን። ሓሳብ ናይ ልበይ ሰሚሩለይ’ዩ፡ ምንባብ ክኢለ” ይብል።
ቤዛዊትንፍሬውን ዝሳተፍሉ ምንቅስቓስ
ቤዛዊት፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እቲ ካልኣይ ብሌን ዓይኒ ረኺባ’ያ።
“ቅድም ክብል ብሓደ ዓይኒ ጥራሕ እርእይ ስለዝነበርኩ፡ እዚኣ ሓንቲ ዓይነይ ዝኾነ ነገር እንተኾነት’ከ” ዝብል ስግኣት ነይርዋ።
እንተኾነ ሕዚ ክልተ ብሌን ዓይኒ ስለዝረኸበት፡ ዘስግኣን ካብ ዝሓሰበቶ ነገር ዝኾልፋን ከምዘየለ ትገልፅ።
ንሳን ፍሬውን ሓዊሱ ካልኦት ካብቲ ባንኪ ዓይኒ፡ ብሌን ዓይኒ ረኺቦም ብርሃኖም ዝተመለሰሎም ሰባት፡ ኣብዚ ጉዳይ ግንዛበ ንምፍጣር ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።
ኣብዚ ምንቅስቓስ ንቕሕቲ ተሳታፊት ዝኾነት ቤዛዊት፡ ዛጊድ ንኣሕዋታ ሓዊሱ 17 ሰባት ህይቶም ምስ ሓለፈት ብሌን ዓይኖም ንክልግሱ ኣእሚና ኣፈሪማቶም’ያ።
“ንሕና ምርኣይ ስለዝኽኣልና ኣብ ማሕበረሰብ ግንዛበ ክንፈጥርን ንሓኻይምና ምምስጋን ባህሊ ክኾን ኢና ንደሊ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ብርሃን ዓይኖም ዝሰኣኑ ኣለዉ እሞ፡ ንዕኦም ናብ ሕክምና ምምፃእ እዩ ዕላማና” ትብል።
ዳይሬክተር ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ለምለም ኣየለ ፡ ሰባት ኣብ ንቅለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ዘለዎም ግጉይ ርድኢት ቀንዲ ፀገም እቲ ባንኪ ከምዝኾነ ትገልፅ።
ስለዝኾነ ድማ እኒ ፍሬው ዝጀመርዎ ምንቅስቐስ ብስፍሓት ንምፍላጥን ቁፅሪ ለገስቲ ብሌን ዓይኒ ክብ ንምባልን ከምዝሕግዝ ይእመን።
“ርሑቕ ከይከድና ናተይ ምርኣይ ይከኣል። ኣነ ቅድሚ ሕዚ ክሰርሖ ዘይኽእል ነገር ምስራሕ ክኢለ እየ። ብሓደ ወለንተኛ ለጋሲ ምርኣይ ክኢለ ኣለኹ። ብርሃን ካብ ንቐብር፡ ብርሃን ንለግስ፡ ንምንታይ ብርሃን ንቐብር?” ኢሉ ዝሓትት ፍሬው፡ እዚ ግንዛበ እዚ ምስራፅ ዓብይ ዕማሞም ከምዝኾነ ሓቢሩ።
"ኣብ ኢትዮጵያልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት በሰላ ብሌን ዓይኒ ኣለዎም"
ብ1995 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝተመስረተ ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 18 ዓመታት ከም ፍሬውን ቤዛዊትን ዝኣመሰሉ ብበሰላ ብሌን ዓይንን ተዛመድቲ ፀገማትን ንዕውረት ንዝተቓልዑ ወይ ድማ ናይ ምርኣይ ክእለቶም ኣዝዩ ንዝነከየ ልዕሊ 2500 ሰባት ብሌን ዓይኒ ብምቕራብ ብርሃኖም መሊሱ’ዩ።
ዳይሬክተር እቲ ባንኪ ወይዘሮ ለምለም፡ “ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ብበሰላ ብሌን ዓይኒ ተጎዲኦም እዮም። እዚ ኣሃዝ ሕዚ ምስ ዘለና ብዝሒ ህዝቢ፡ ብጣዕሚ ዓብዩ እዩ ኢልና ንግምት። ስለዚ ክሳብ ሕዚ ዝሰራሕናዮም ንቕለ ተኸላታት ብጣዕሚ ውሑዳት’ዮም” ትብል።
ብበሰላ ብሌን ዓይንን ተዛመድቲ ፀገማትን ዝመፅእ ዕውረት ሙሉእ ብሙሉእ ክድሕን ከምዝኽእል ትዛረብ እታ ዳይሬክተር፡ እዚ ዝኾን ግና ለገስቲ ህይወቶም ምስ ሓለፈ ብሌን ዓይኖም ንምልጋስ ቃል ምስ ዝኣትዉ ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፃ።
ለገስቲ ህይወቶም ምስ ሓለፈ ሙሉእ ክፋል ዓይኖም ዘይኮነስ፡ ካብ 12 ክሳብ 14 ሚሊ ሜትር ዝኾን ብሌን ዓይኖም’ዩ።
“ኣብ ቅድሚት ብሌን ዓይኒ ዘሎ ክንዲ ፅፍሪ ዓባይ ኣፃብዕቲ ትኾን መስትያት ትመስል ብርሃን ተሕልፍ ክፍሊ ጥራሕ እያ፡ ንባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ ትልገስ። ስለዚ ድሕሪ ሞት’ውን እንተኾነ ኣብ ናይ ለገስቲ ዓይኒ ገፅታ ዘምፅኦ ለውጢ የለን” ብምባል ተረድእ።
እቲ ከይዲ ካብ 30 ክሳብ 40 ደቓይቕ ዝውድእ እንትኾን፡ ለጋሲ ህይወቱ ምስ ሓለፈት ኣብ ዘለዉ ሸሞንተ ሰዓታት ውሽጢ ክፍፀም ኣለዎ።
ኣብ 1995 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝጀመረ ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ፣ ሃዋሳን ጎንደር ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላትን ኣብ ትግራይ ሆስፒታል ኵሓን፡ ንቕለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ከምዝካየድ እታ ዳይሬክተር ገሊፃ።
ቤዛዊት፡ ዜጋታት ብሌን ዓይኖም ናይ ምልጋስ ልምዶም እንተዝዓብን እቲ ባንኪ ዘለዎ ፋይናንሳዊ ፀገም እንተዝቃለልን፡ ናይ ብዙሓት ህይወት ምቕያር ይከኣል’ዩ ዝብል ፅኑእ እምነት ኣለዋ።
“ብርሃንኩም ለግሱ እንትንብል፡ ስለዝከኣል’ዩ። ኣነ ምርኣይ ስለዝኸኣልኩ’የ ካብ ገዛይ ወጺኣ። ምርኣይ ስለዝኸኣልኩ’የ ትምህርተይ ቀፂለ። ርግፀኛ እየ ዝኾነ ዓሸራ ከምዘዕርፍ። ናህተይ ዓሸራ ዘንብር ድማ፡ ንዓይ ስለዝተገበረለይ’ዩ” ብምባል ሓሳባ ትዛዝም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







