ብ3ዲ ዝተሓትመ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ክትከለሉ ፍቓደኛ ዝኾነ ፈላሚ ውልቀሰብ

ስቲቭ ቬርዜ

ምንጪ ስእሊ, MOORFIELDS EYE HOSPITAL

ሓደ ተቐማጢ ከተማ ለንደን ዝኾነ ውልቀሰብ እቲ ፈላሚ ብ3ዲ (ስሪ-ዲ) ዝተሓተመ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ክትከለሉ ክኸውን እዩ።

ስቲቭ ቬርዚ እቲ ብ3ዲ ዝተሓትመ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ዓይኒ ሞርፊልድ ለንደን ክትከለሉ እዩ።

እቲ ሓድሽ ዓይኒ ካብቲ ኣብ ጥቕሚ ዝጸንሐ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ብዝበለጸ ተፈጥሮኣዊ ከምዝመስል ተስፋ ይግበር።

ብዘይካ'ዚ እቲ ናይ 3ዲ ተክኖሎጂ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ንምግጣም ዘድልይ ዝነበረ ግዜ ብፍርቂ ማለት ናብ ሰለስተ ሰሙን ከጉድሎ ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ንናይ ምርኣይ ክእለት ዝመልስ እኳ እንተዘይኮነ፡ ተፈጥሮኣዊ ዓይኒ ስለዝመስል ንርእሰ ምትእምማን ናይቶም ተሓከምቲ ክብ ከምዘብል ተሓቢሩ።

ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከብ ቬርዚ "ካብ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ጀሚሩ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ የድልየኒ ነይሩ. . . ካብ ገዛይ ክወጽእ እንከለኹ ኣብ መስትያት ዓይነይ እርኢ እሞ ኣየሕጉሰንን" ኢሉ።

"እቲ ሓድሽ ዓይኒ ብሉጽ ይመስል። ብመሕተሚ 3ዲ ቴክኖሎጂ ምድላው ዝሓሸ ክኸውን እዩ" ኢሉ።

ንሓደ ውልቀሰብ፡ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ንምትካል ብዓቐን ዓይኑ ምድላው የድልይ።

ብ3ዲ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ናይ ምፍራይ መስርሕ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሰሙን ዝጠልብ ኮይኑ፤ ኣብቲ ፈላሚ ቆጸራ ፍርቂ ሰዓት ጥራይ ከምዘድልይ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ሆስፒታል ዓይኒ ሞርፊልድስ ኣማኻሪ ሕክምና ዓይኒ ዝኾነ ፕሮፌሰር ማንዲፕ ሳጎ ምሉእ ብምሉእ ዲጂታል ዝኾነ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ብምምዕባሉ መሳርሕቱ ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱ ገሊጹ።

"እቲ ዝቕጽል ፈተነ ንሓከምቲ እንታይ ዓይነት ፍልልይ ከምዘምጽእ ብምርኣይ ንጥቕሚ ናይዚ ሓድሽ ተክኖሎጂ ብዝምልከት ጽኑዕ መረዳእታታት ከምዝህበና ንትስፎ" ኢሉ።