ኣብ ግራት ሓደ ሓረስታይ ዘደንቕን ታሪኻውን ሮማዊ ቅብኣታት ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, HISTORIC ENGLAND
ናይ ሆሜር ኢልያድ ምስልታት ዘርኢ ብርቂ ቅብኣታት ኣብ ትሕቲ መሬት ግራት ሓደ ሓረስታይ ተረኺቡ።
እቲ ኣብ ሩትላንድ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓደ ሓረስታይ ዝተረኽበ ጥንታዊ ቅብኣ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረኽበ ፈላሚ ኣብነታዊ ርኽበት ሞዛይክ'ዩ ተባሂሉ።
ብተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ምርምር ዝግበረሉ ዘሎ እቲ ጥንታዊ ቅብኣ ሞዛይክ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኽበ ኣዝዩ ዘደንቕን ታሪኻውን ጥንታዊ ቅብኣ ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ሞዛይክን ኣብ ከባቢኣ ዝተረኽበ ዘደንቕ ቪላን፡ ብክፍሊ ዲጂታል፡ ባህሊ፡ ሚድያን ስፖርትን ዓባይ ብሪጣንያ ከም ኣገዳሲ ቅርሲ ኰይኑ ተዓቂቡ ኣሎ።
እቲ ዘደንቕ ቪላን ጥንታዊ ሞዛይካዊ ቅብኣን፡ ኣብ ዘበነ ሮማውያን ሓደ ሃብታም ውልቀ-ሰብ ይውንኖ ከም ዝነበረ እዩ ዝእመነሉ ።
ጂም ኢርቪን ዝተባህለ፡ ወዲ እቲ ወናኒ መሬት ብራያን ናይሎር ኣብቲ 2020 ኣብቲ ግራት እናተንቀሳቐሰ ሓደ ፡ "ፍልይ ዝበለ ሰራሕ ካይላ" ምስ ረአየ ኣብ ለይስተርስ ንዘለዉ ጕጅለ ስነ-ጥንቲ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እቲ ዳህሳስ ተኻይዱ።
"ስድራ ቤተይ ነዛ ምድሪ እዚኣ ን50 ወይ 60 ዓመት ሓሪሶምዋ እዮም።
"ዓሚ ብምኽንያት ኮቪድ ኣብ ዕጽዋ እንከለኹ፡ ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ዘይፈልጥ ስርሓት ካይላ ርእየ። ኣብቲ ካይላ ዝረኣኹሉ ቦታ ቁሩብ ምስኳዓትኩ ን1700 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝተደብየ ዘደንቕ ነገር ርእየ። ካብቲ ቦታ ኣዝዩ ዘደንቕ ክቡር ነገር ይወጽእ ስለዘሎ ከኣ ኣዝየ እየ ዝድነቕ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, HISTORIC ENGLAND
ኣብ ታሪኻዊ ቅርሲ ዝግደስ ትካል ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ኣብቲ ቦታ ህጹጽ ናይ ኩዕታ ስራሕ ከካይድ ገንዘብ ሰሊዑሉ።
እቲ ኣብ ባይታ ናይቲ ከም መመገቢ ወይ ከም መዘናግዒ ዝግመት ኣብቲ ቪላ እተረኽበ ስእላዊ ሞዛይክ ፡ 11m x 7m ኣቢሉ ይኸውን።
ሞዛይክ ስእልታት ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ኣብ ዝርከብ ብሕታውን ህዝባውን ህንጻታትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ኣብቲ ጽውጽዋያዊ ዛንታታት ዝሓቘፈ ውሩያት ሰባትን ቦታታትን እዩ ዝርከብ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሩትላንድ ዝተረኽበ ፍልይ ዝበለ ሞዛይክ እቲ ቅርጽታቱን ምስሉን ነቲ ኣክሊስን ሄክተርን ኣብ ኵናት ትሮጃን ዝተዋግኡሉ መደመደታ እቲ ውግእ ከምዝመስል ይእመነሉ ።

ምንጪ ስእሊ, HISTORIC ENGLAND
ትንታነ፦ ብፊል ማኪ፡ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ሚድላንድስ እተጻሕፈ
እቲ ዘደንቕ ቪላ ኣበይ ከም እተረኽበ እፈልጥ እየ፡ ግን ብዙሕ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይተፈቕደንን። ምኽንያቱ ዝኾነ ናይ ገዛእ ርእሱ መርመራ ክገብር ብምምጻእ ነቲ ቦታን ስራሕን ክርብሾን ኣይተደልየን።
ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ናይ ሞዛይክ ምስሊ ተጐልቢቡ'ዩ ። እቲ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ትሕቲ ክልተ ጫማ ዕምቆት ኣብ ትሕቲ መሬት ተሰቲሩ ዝጸንሐ መሬት ብዝግባእ ተዓቂቡ ኣሎ። ምንም ጉድኣት ኣይክበጽሖን እዩ።
ጂም ኢርቪን፡ እቲ ስራሕ ምስተኸናወነ ሰባት ናብቲ ቦታ መጺኦም ነቲ ኩነታትን ርኽበትን ክዕዘቡ ተስፋ ኣለዎ። ግን መዓስ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይተወሰነን።
እቲ ቦታ ኣዝዩ ዓብዪ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ሒደት ክፋል እቲ እተወሳሰቨ ክፋል እቲ ጥራይ እዩ ተፋሒሩ። ኣብ ቀጻሊ ኩዕታ ብዙሕ ርኽበታት ክርከብ ይከኣል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, HISTORIC ENGLAND
እቲ ዝተገብረ ምርምር እቲ ሞዛይክ ኣብ መኽዘን እቲ ዓቢ ቪላ ወይ ኣብቲ ከቢብ ህንጻ፡ ምናልባት እውን ኣብ መሕጸብ ሰብነት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
እቲ ዝተወሳሰበ ቪላ ኣብ መንጎ 3ይን 4ይን ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብቲ ክላሲካዊ ስነ-ጽሑፍ ዝማዕበለሉ ግዜ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ኣርኪዮሎጂካል ሰርቪስን ሓላፊ ፕሮጀክት ስነ ቅርስን ዝዀነ ጆን ቶማስ፡ "እዚ ርኽበት ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ እተረኽበ ጥንታዊ ርኽበታት ሮማዊ ስልጣነ እቲ ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ። እዚ ርኽበት ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ዝነበሩ ሰባትን ሃብቶምን፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ክላሲካዊ ጽሑፋት ዘለዎም ርክብን ዝምልከት ሓድሽ ኣረኣእያ ከም ዝህልወና ዝገብር እዩ" ኢሉ።
ዋና ኣካያዲ ታሪኻዊ ርኽበታት ዓዲ እንግሊዝ ዴንካን ዊልሰን ከኣ ፡ "ከምዚ ዝኣመሰለ ሳሕቲ ዘጋጥም ስእልን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቪላን ምርካብን ምፍታሽን ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ ።ከምዚ ዝኣመሰለ ርኽበት፡ ነቲ ሓባራዊ ታሪኽና ግቡእ ዳህሳስን መረዳእታን ክንረኽበሉ ዝሕግዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ነዚ ቦታ እዚ ክንዕቅቦን ክንመሃረሉን ኣሎና። እቲ እነካይዶ ኵዕታ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ 1,500 ዓመት ዝነበሩ ሰባት ብዙሕ ክምህረና ብሃንቀውታ ንጽበ" ኢሉ።
እቲ ርኽበት ኣብ ናይ ውልቂ ሰብ መሬት ስለዝተረኽበ ዛጊት ንህዝቢ ክፉት ኣይኮነን። ንመጻኢ ግን ምስ ቤት ምኽሪ ሩትላንድን ንታሪኽ ዝምልከት ዝከታተል ትካል ዓባይ ብሪጣያን ቀጻሊ ምይይጥ ክግበር እዩ። ኣብ 2022 ከኣ ፡ ኣብቲ ቦታ ተወሳኺ ኩዕታ ክግበር መደብ ኣሎ ።
ኣቶ እርቪን፡ ነቲ ቅርሲ ንምዕቃብ እቲ ግራት ከምዘይሕረስ ሓቢሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







