ስእልታት ፓብሎ ፒካሶት ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ110 ሚሊዮን ዶላር ዝተሸጠ ቅብኣ

ሓደ ካብቶም ብኽባር ዘተሸጡ ስራሕቲ ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S/MGM RESORTS

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ብኽባር ዘተሸጡ ስራሕቲ ቅብኣ

ዓሰርተ ሓደ ጥበብ ቅብኣ ፓብሎ ፒካሶ፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ተሰቒሎም ዝጸንሑ ኾይኖም፡ ድሕሪ 20 ዓመታት 110 ሚልዮን ተሸይጦም።

ዋንነቶም፡ ኤምጂኤም ሪዞርትስ ናይ ዝተብሃለ ኩባንያ ዝኾኑ እዞም ኣሳእል፡ ቤላጂዮ ኣብ ዝተብሃለ ሆቴል እዮም ተሸቂሎም ጸኒሖም።

ናይ ፓውሎ ፒካሶ ስራሕቲ ዝሸጠ እዚ ኩባንያ፡ በቲ መሸጣ ዝተረኽበ 110 ሚልዮን ገንዘብ ካልእ ስራሕቲ ጥበብ ከምዝገዝአሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ ትሸዓንተ ናይ ፒካሶ ስእልታትን ክልተ ቅብኣ ሴራሚክን ንመሸጣ ጨረታ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ክንድኡ ገንዘብ ክረኽበሎም ዝኸኣለ።

ኣብ 1973 [ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ዝሞተ ስፔናዊ ኣርቲስት ሰራሕቲ ዝኾኑ እዞም ውጽኢት ጥበባት፡ ልዕሊ 50 ዓመታት ዕድመ ከምዘቑጸሩ እዩ ዝንገር።

ሓደ ካብቶም ብኽባር ዋጋ ዝተሸጡ ቅብኣታት 40 ሚልየን ዘውጸአ ስእሊ፡ ኣፍቃሪት እቲ ሰኣላይ ፓውሎ ዝነበረት፡ ሜሪ ቴሬሳ ዋልተር፡ ድሙቕ ቀይሕ ኣራንሺ ሕብሪ ዘለዎ ቆቢዕ ገይራ እትረአየሉ እዩ።

እዚ ስእሊ መጀመርታ ካብ 20 ክሳብ 30 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከምዘውጽእ እዩ ተገሚቱ ነይሩ።

ካልእ ዘበን ተሳጋሪ ዝተብሃለለሉ ስእሊ ድማ፡ 'ማን ኤንድ ቻይልድ' [ስብኣይን ቆልዓን] ብዝብል ዝፍለጥ ቅብኣ እንትኸውን 24.4 ሚልዮን ዶላር ኣውጺኡ ተባሂሉ።

ክልተ ሜትሮ ቁመት ዘለዎ እዚ ስእሊ፡ ብ1959 ፓውሎ ፒካሶ፡ ስሙ ኣዝዩ ኣብ ዝገነነሉ ዘበን ዝሰርሖ እዩ።

ካልእ 16.6 ሚሊዮን ዶላር ዘውጸኦ ስራሕቲ ጥበቡ ድማ፡ ከተማ ፓሪስ ኣብ ኢድ ናዚ ኣትያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝተሳእለ እዩ ተባሂሉ።

ኣፍቃሪት ፓውሎ ዝነበረት፡ ሜሪ ቴሬሳ ዋልተር፡ ድሙቕ ቀይሕ ኣራንሺ ሕብሪ ዘለዎ ቆቢዕ ገይራ

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S/MGM RESORTS

መግለጺ ስእሊ, ኣፍቃሪት ፓውሎ ዝነበረት፡ ሜሪ ቴሬሳ ዋልተር፡ ድሙቕ ቀይሕ ኣራንሺ ሕብሪ ዘለዎ ቆቢዕ ገይራ

ወናኒ ሆቴል ቤላጂዮ ዝነበረ ኣሜሪካዊው ፍሉጥ በዓል ሃብቲ ስቲቭ ዊን፡ ንስራሕቲ ፒካሶ ቅድሚ 20 ዓመታት እዩ ምእካብ ጀሚሩ።

እቲ በዓል ሃብቲ፡ ወናኒ ዌን ሪዞርትስ ዝነበረ ኾይኑ፡ ክሲ ጾታዊ ትንኮያ ምስ ቀረበሉ ስርሑ ከምዝገደፈ ይዝረብ።

ስፔናዊ ሰኣላይ ፓብሎ ፒካሶ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዕዙዝ ኣርቲስት ነይሩ እዩ ዝበሃል።

ኣብ 92 ዓመቱ ዝሞተ ፓብሎ፡ ኣብ'ቲ ዓውዲ ዝተፈላለዩ ቅድታት ኣሰኣእላ ኣርእዩ ከም ዝሓለፈ ድማ ይምስከረሉ።

ፓውሎ ፒካሶ ተወላዲ ስፔን እንተኾነ'ኳ፡ ዝበዝሕ ህይወቱ ኣብ ፈረንሳይ ከም ዘሕለፈ እዩ ዝንገረሉ።