ኣባላት ባይቶ ኢንግሊዝ ብቺምፓንዚ ዝመሰለ ቅብኣ 359 ሚሊዮን ብር ተሸይጡ

ብቺንፓንዚ ዝተመሰለ ባእቶ ኢንግሊዝ

ምንጪ ስእሊ, Sotheby's

ኣባላት ባይቶ ኢንግሊዝ ብቺምፓንዚ መሲሉ ዘርኢ መንነቱ ዘይተገልጸ ኢንግሊዛዊ ቀብኣይ ዘዳለዎ ቅብኣ፡ 9.9 ሚሊዮን ፓውንድ [ኣስታት 360 ሚሊዮን ብር ወይ ድማ ኣስታት 200 ሚሊዮን ናቕፋ] ተሸይጡ።

እዚ 4 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ቅብኣ፡ ኣብ 2009 ኣብ ኢንግሊዝ ብዝነበረ ብናይ ብርዒ ሽሙ ጥራሕ ዝፍለጥ ሚስጢራዊ ቀባኣይ ዝተዳለወ'ዩ።

እዚ ቅብኣ፡ ኣብ ለንደን፡ ካብ 1.5 ሚሊዮን ፓውንድ ክሳብ 2 ሚሊዮን ፓውንድ ክሽየጥ ተገሚቱ'ኳ እንተነበረ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ'ዩ ተሸይጡ።

እቲ ባንክሲ ዝተብሃለ ቀብኣይ፡ "ካብ ቅብኣታተይ ዝኸበረ ዋጋ ዝረኸበ" ብምባል፡ "ክውንኖ ብዘይምኽኣለይ ግን የሕፍር" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፉ።

እቲ ኣጫራቲ ኣካል ድማ፡ "ኣብ ክትዕ ብሬክሲት ኣበየናይ ወንበር ኮፍ ከም እትብል ብዘየገድስ፡ እዚ ስራሕ ግን ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ብቑዕ'ዩ" ኢሉ።

"ጉዳይ ብረክዚት ዝድግፍ ይኹን ዝቃወም እዚ ዝርኣየ ሰብ ብዘይጥርጥር ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ጎሊሑ ዝወጽእ ጥበብ ምኻኑ ክርዳእ ይኽእል" ኢሉ።

ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ንነጆ፡ ኢንግሊዝ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ እትወጽአሉ መስርሕ ብሬክዚት ዝምልከት ህዝበ ውሳነ ምስ ተኻየደ፡ ባይቶ ኢንግሊዝ ክሰማማዕ ኣይክኣለን ዘሎ።