ክብደት ንምንካይ እንኽተሎ ስርዓት ኣመጋግባ ሓደጋ ኣለዎ ድዩ?

ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ምዝንባዓት ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ምዝንባዓት ኣለዉ
    • Author, ዶክተር ኒኪ ስታምፕ
    • Role, ኣውስትራልያዊት ሓኪም መጥባሕቲ

ዶክተር ኒኪ ስታምፕ : ኣብ ዙርያ ጥዕና፡ ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ኵሉ ሰብ ጥዑይን ሕጉስን ንክኸውን እትጣበቕ ክኢላ'ውን እያ።

ገና ኣብ ዕስራታት ዕድመን ተማሃራይ ሕክምናን እንከለኹ፡ ሓደ ውልቃዊ ኣሰልጣንየይ ሰብነት ምጉልባት ንክጅምር ምዒዱኒ።

ብድሆን ንዝዀነ ዕላማ ኣበርቲዕኻ ምስራሕን ስለዝፈቱ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ክለማመድን እቲ እኹል ብቕዓት ዘይብሉ ኣሰልጣንየይ ዘዳለዎ መኣዛዊ ስርዓት ኣመጋግባ ክኽተልን ጀሚረ።

እቲ ስርዓት ኣመጋግባ ብዛዕባ ኣካላተይ ዝነበረኒ ኣረኣእያን ኣብ መግቢ ዘለኒ ስምዒትን ዝቐየረ ነይሩ።

መግበይ ንእሽተይን ቁንጣሮን ጥራይ ዘይኰነስ ሓያል እግድ'ውን ዘጠቓልል ነይሩ።

ዝርዝር ናይቶም ክበልዖም ዝኽእል ፍሩታን ኣትክልትን ሓጺር፡ ዝርዝር ናይቶም ዝተኸልከልክዎም መግብታት ድማ ሰፊሕ እዩ ነይሩ። ንልምምድ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ መግበይ ብኣዝያ ንእሽቶ መትሓዚ እየ ዝወስድ ነይረ።

መሓዙተይ ብቅዋመይ ተገሪሞም ነይሮም። ብሓቂ ግን ኣዝዩ ልዑል ሸውሃት ስለዝነበረኒ፡ ሃረርታይ ንምግታዕ ክብል ፍርቂ ቆርቆሮ ጀላተ ክበልዕ ጀሚረ።

ኵሉ ሓሳበይ ብዛዕባ መግቢን ናብ ኣፈይ ብዛዕባ ዝኣቱ ኵሉ ነገር ፍጹም ኣብ ምዕቃብን ዘተኰረ ኰይኑ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰብነት ምጉልባት ዝገብሮ ዝነበርኩ ጻዕሪ ኣቋሪጸ፤ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ መግቢ ዝነበረኒ ኣመና ድሌት ብኣካል ይዅን ብስነ-ኣእምሮ ክቆጻጸሮ ስለዘይከኣልኩ እዩ።

ኣዕጽምተይ ብምድካሞም ጉምቦ ኢደይ ተሰይሩ፡ ኣእምሮይ'ውን እንተዀነ ብተመሳሳሊ ተጎዲኡ ነይሩ።

ድሕሪ ዓመታት እውን ብዛዕባ ጽቡቕነት ወይ ሕማቕነት ኣመጋግባ ዝምልከት ኣመና ድሌት ኣለኒ።

ላዕላይ ላዕላዩ ክርአ እንከሎ፡ ብዛዕባ ጥዕናይ ጥንቃቐ ዝገብር ዘለኹ ኰይኑ ይስማዓኒ፤ እቲ ሓቂ ግን እቲ ኣመና ድሌተይ ኣካለይን ኣእምሮይን እናጎዳእኹ'የ ነይረ።

'ኦርቶረክስያ' እንታይ እዩ?

'ኦርቶረክስያ' ንፈለማ ግዜ ዝተገልጸ ኣብ 1990ታት ብዶክተር ስቲቨን ብራትማን እዩ፤ ስቲቨን ብራትማን ንገዛእ ርእሱ ናይ ኣማራጺ መድሃኒት ሓኪም ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ እዩ እዚ ዝዀን ዘሎ።

ኣብቲ እዋን ዶክተር ስቲቨን ብራትማን፡ ጥዕናኦም ንምምሕያሽ ክብሉ ጽኑዕ ኣመጋግባ ዝኽተሉ ተሓከምቱ፡ ኣመና ድሌት ዘለዎምን ብዝጎድእ መልክዕ ኣብ መግቢ ዘተኰሩ ምዃኖምን ከስተብህል ጀሚሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 'ኦርቶረክስያ ነርቮሳ' ብወግዒ ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኵነታት ኣይኰነን። እንተዀነ መጽናዕትታት ዝግበረሉን ሕክምና ዝወሃቦን ኵነታት እዩ።

ኦርቶረክስያ ምስ ጥዑይ ኣመጋግባ ሓደ ኣይኰነን፤ እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ካብ መግቢ ኣብ ዝርከብ ጥዕናዊ ረብሓ ኣመና የተኩሩ። እዚ ኣመና ትኹረት ድማ ምዝባዕ ክፈጥር ይኽእል፤ ጽኑዕ ሕግታት ኣብ ድሕነት ኣእምሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለዘሕድሩ፡ ማሕበራዊ ርክቦም ብስግንጢራዊ ኣገባብ ጉድለት መኣዛዊ መግቢ ከስዕበሎም ይኽእል እዩ።

ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ምዝንባዓት ኣለዉ፤ ገለ ካብዚኦም ኦርቶረክስያ ነርቮሳን ኣኖረክስያ ነርቮሳን እዮም።

ክልቲኦም ምስ ከም ቀይዲ በተኽ ኣመጋግባ፡ ኣብ መግቢ ምጽማድን ተሪር ኣመጋግባን ዝኣመሰሉ ምልክታት ስለዘለዎም ብገለ መልክዑ ይመሳሰሉ እዮም።

ይዅን'ምብር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፍልልይ ኣሎ።

ኣኖረክስያ ነርቮሳ፡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ወይ ምውሳኽ ክብደት ብምፍራሕ ስርዓት ኣልቦ ባህርያት ኣመጋግባ ምስ ምኽታል ዝተኣሳሰር እዩ። እዚ ብዛዕባ ምግዳብ ካሎሪን ብዝሒ መግብን ዝምልከት እዩ።

ኦርቶረክስያ ነርቮሳ ድማ፡ ውጥረት ጥዕናዊ ኣመጋግባ ዝፈጥሮ ስርዓት ኣልቦ ባህርያት ኣመጋግባ እዩ። ኣብዚ ትኹረት ዝወሃቦ ብዝሒ ዘይኰነስ ጽሬት መግቢ እዩ።

ብዛእባ ጽሬት መግብን ትሕዝቶ ኣመጋግባን ምጭናቕ፡ ኣብ "ጽሩይ" ኣመጋግባ ዘተኮረ ተሪር ልምድታት ኣመጋግባ ምኽታል፡ ጥዕና ዘይብሎም ተባሂሎም ዝግመቱ መግብታት ምውጋድ፡ ካብ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ማሕበራዊ ፍጻመታት ምስሓብ፡ መግቢ ኣብ ምዕዳግን ምድላውን ልዕሊ ዓቐን ግዜ ምውሳድን ገለ ምልክታት ኦርቶረክስያ እዮም።

እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ንገዛእ ርእሶም ዝህብዎ ዋጋ ነቶም ኣመና-ጥዕና ዝምልከቱ ሕግታት ኣብ ምዕቃብ ኣብ ዘለዎም ዓቕሚ መሰረት ዝገበረ እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ምጉዳል ክብደት ሰብነት፣ ሕጽረት መግቢ፣ ትሑት ርእሰ-ምትእምማን፣ ኣሉታዊ ምስሊ ኣካል፣ ቁጥዐ፣ ቅዛነት፣ ልዑል ጭንቀት፣ ማሕበራዊ ተነጽሎ ዝኣመሰሉ ኵነታት ከርእዩ ይኽእሉ።

'ኦርቶረክስያ' ሳሕቲ'ኳ እንተዀነ ሞት'ውን ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

ዶክተር ብራትማን፡ ብዙሓት ኦርቶረክስያ ዘማዕበሉ ሰባት ፈለማ ጥዑይ ኣመጋግባ ንምኽታል ሓሲቦም ዝጀመርዎ ከምዝዀነ ተዓዚቡ።

ልሙድ ስርዓት ኣመጋግባ ምኽታል ዘይተለምደ ነገር ኣይኰነን፤ መጽናዕትታት ከምዘመልክትዎ፡ 38 ሚእታዊት ካብ ኣመሪካውያን ኣብ ዝዀነ እዋን ልሙድ ስርዓት ኣመጋግባ ዝኽተሉ እዮም።

ግን ፈለማ ቁሩብ ክብደት ንምንካይ ዝነበረ ዕላማ ብኸመይ ናብ ሓደገኛ ኵነታት ይቕየር?

ቁሩብ ክብደት ንምንካይ ዝነበረ ዕላማ ብኸመይ ናብ ሓደገኛ ኵነታት ክቕየር ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቁሩብ ክብደት ንምንካይ ዝነበረ ዕላማ ብኸመይ ናብ ሓደገኛ ኵነታት ክቕየር ይኽእል?

ጠንቂ ኦርቶረክስያ እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከም ዝንባለ ፍጽምና፡ ሕሉፍ ምዝባዕ ኣመጋግባ ወይ ዝተዛብዐ ኣመጋግባ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ከምኡ'ውን ንገዛእ ርእስና ዘለና ድኹም ኣረኣእያ ተደሚሮም፡ ናብ ኣድላዪ ዘይኰነ ቅዲ ኣመጋግባ ክመርሑና ከምዝኽእሉ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ብተወሳኺ ከም ብዘይካ ኣሕምልቲ ካልእ መግቢ ዘይፈቕዱ ዝኣመሰሉ ብሓይሊ ጽኑዕ እገዳታት ዝኽተሉ ስርዓት ኣመጋግባታት ብዝምልከት ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። እዚኦም ገለ ተቓላዕቲ ሰባት ብኸመይ ኦርቶረክስያ ንከማዕብሉ ከምዝገበሩን እውን ሕቶ ተላዒሉ እዩ።

ኣብ ከም ኢንስታግራም ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ጥዑይ ኣመጋግባ ዝኽተሉ ማሕበረሰባት ምዕዛብ ይከኣል።

ኣብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መሰጥቲ ኣሳእል ተጠቒሞም ሰባት ጥዑይ ኣመጋግባ ንክኽተሉን ጥዑይ ኣነባብራ ንክመርሑን ዝድርኹ ጎስጎሳት ይካየዱ እዮም።

ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ስነ-ኣእምሮ ዝጻወትዎ ተራ ብዝምልከት ስክፍታታት ክለዓሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

ኣባላት ጥዑይ ኣመጋግባ ዝኽተሉ ማሕበረሰባት ድማ ኦርቶረክስያ ከማዕብሉ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ተራእዩ እዩ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብተን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፉ መጠን፡ እናገደደ ዝኸዱ ምልክታት ሕማም ዘርእዩ ይመስሉ።

ላዕላዩ ክርአ እንከሎ ጥዑይ ኣመጋግባ ንቡርን እንተላይ ተደላይን እዩ። ከምቲ ኣብ ኦርቶረክስያ ዝርአ ዝበሉ ዘይምኽንያታዊ ባህርያት ድማ ከም ንቡር ክቑጸሩን ክጽንበሉን ጀሚሮም ኣለዉ። ዝተፈላለዩ መግብታት ዘየታልልዎም ዓርሰ-ቁጽጽር ዘለዎም ሰባት ድማ ከም ጅግና ይረኣዩ ኣለዉ።

ቆራጽነቶምን ንጥዕናኦም ቀዳምነት ምሃቦምን ነድንቕ፤ ገለና ድማ ካብኦም በሊጽና ክንርከብ ንምነ። ዘንጸባርቕ ቆርበቶም፡ ፍጹም ኣካላቶምን ቅርጾምን ክህልወና ንሕንጠ። ክሳብ ኣእምሮና ዝጎድእ እገዳ ዋላ'ውን ሕማም እንተስዓበልና፡ እንምነዮ ነገር ኰይኑ ኣሎ።

ጥዑያት ኰይናን ንኽንርአ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ሓደ ካብቶም ጠንቂ ጸገማት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጥዑያት ኰይናን ንኽንርአ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ሓደ ካብቶም ጠንቂ ጸገማት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ

ከመይ ኢሉ ናብ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር ዝቕየር?

ኦርቶረክስያ ጥዑይ ንምዃን ዝተለመ ከቡር ዕላማ ኰይኑ ይጅምር፤ ኣብ መወዳእታ ግን ልክዕ ኣንጻር እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሓደ ካብቶም ጠንቂ ጸገማት፡ እቲ ጥዑያት ኰይናን ንኽንርአ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ናይ'ዚ ጎናዊ ሳዕቤን ድማ ጥዕና ምስኣን ይኸውን ኣሎ።

ኣነ ክሳብ ጸገም ኣመጋግባ ወይ ኦርቶረክስያ ዝበጽሕ ጸገም ኣለኒ ኣይብልን።

ይዅን'ምበር ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ንኣሽቱ ኩባያታት ዝነበረ ጻዕዳ ፈሳሲ እንቋቑሖ ዝዕቀነሉን ድንሽ ድማ ከም ኒዩክለራዊ ውግእ ዝምድበሉ ዝነበርኩሉ እዋን ክዝክር እንከለኹ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋንን እንተላይ ሕጂ'ውን ዝጎድኣኒ ምዃኑ ይግንዘብ።

ድንሽ ናብ መግበታተተይ ዳግማይ ንኽምለስን ምስ መግብን ኣመጋግባን ብሓቂ ጥዕና ዘለዎ ርክብ ንከማዕብልን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ወሲዱለይ እዩ። ሕጂ ድማ ንዕላማ ክኽውን ዝግባእ ንሱ እዩ።

ጥዕና ማለት ከምቶም ነቶም ንፈትዎም ጸለውቲ ምምሳል ጥራይ ኣይኰነን።

ወይ'ውን ብሓቂ ክንበልዖም ኣይግባእን ንዝበልናዮም መግብታት ኣይፋል ክንብል ዘኽእለና ስነ-ስርዓት ምውናን ጥራይ አውን ኣይኰነን።

ርእሰ-ምግታእ፡ ብሓቂ እክሳብ ንጉድኣሉ ደረጃ ክበጽሕ የብሉን። ልዕሊ ኵሉ ክንቃለሶ ዝግበኣና ነገር እውን ኣይኰነን።

ኣብ መወዳእታ ብዘይ ልዑል ርእሰ-ምግታእ፡ ከምቲ እንደልዮ መጠን ጥዑያት ክንከውን ከምእንኽእል ዘመልክቱ መርትዖታት ሒደት ኣይኰኑን።