ምቁር እንተዀይኑ 'ሓሰኻ' ክተበልዑ ምደለኹም'ዶ?

ዝበሰሉ ሓሳኹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትጵያውያን ኤርትራውያንን [ብሓፈሻ ህዝቢ ሓበሻ] ካብ ዝበልዖም ዘይበልዖም እንስሳትን ኣትክልትን ከምዝበዝሑ ይነገር።

ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣዝዩ ብሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባታት ዝተፀልወ ከባቢታት እተን ሃገራት፡ ሰፊሕ ጥሜትን ስደትን እናጋጠሞም'ውን፡ ከም ኣንበጣ ዝዓይነቶም ሓሳኹ ከም ወረርቲ ጥራይ እዮም ዝቝጸሩ።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተራእየ፡ ኢትዮጵያውያን ኣንበጣ ቅልቅል እንክበሉ ከም ወራሪ ዘጓይይዎም ኰይኖም፡ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሶማልያን ድማ ናብ መገቢ ቀይሮም ኣብሲሎም ክበልዑዎም ተራእዮም።

ኣብዚ እዋን፡ ኣስታት ክልተ ቢልዮን ሰባት ማለት ኣስታት ርብዒ ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ መዓልታዊ ኣመጋግባኦም ሓሳኹ ይበልዑ ከምዘለዉ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጕጅለ ፈታዊ መግቢ ሓሳኹ፡ እቲ ብልዒ ጥዑይን ንከባቢ ተፈጥሮ ኣዝዩ ውሑስ ዝዀነን ኣመጋግባ ምዃኑ ይምጕት።

እዚ ኣመጋግባ ግን ክንደይ ዝኣክል ዘላቕነት ክህልዎ ይኽእል?

ዓለም ንምምጋብ ተስፋ ዝተገብረሎም ሓሳኹ

ምንጪ ስእሊ, Insects to Feed the World

ምይይጥ ኣብ ዛዕባ 'ሓሳኹ'

ኣብ መላእ ዓለም፡ ገለ ሓሳኹ ንመግቢ ንምውዓልን ከም ስሩዕ ብልዒ ንምቕራብን ገለ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ ቀረባ፡ ‘ሓሳኹ ንዓለማዊ መግቢ’ ብዝብል ቴማ ዝተሰናድአ ዋዕላ፡ ኣስታት 600 ተመራመርት ከሸንትን ናብ ሓደ መድረኽ ዝዓደመ እዩ።

ነቲ ዋዕላ ከም ቀንዲ ምግቢ ኰይኑ ዝቐረበ መስተንግዶ ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ጣዕምታት ዝተቓመመን ዝመቀረን ካብ ሓሳኹ ዝተዳለወ መግቢ እዩ።

ካብ መንጐ እቶም ተሳተፍቲ፡ ነቲ ብቀመማት ሲንጋፖር ዝመዓዘ፡ ጥብሲ ሓሳኹ ዝበዝሖ ቡፌ እኽብክብ ኢሎም ይረአዩ።

“ከም ኬክ ዓሳ ረአዩዎ” በለ እቲ ፍሉጥ ከሻኒ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ እቲ ቡፌ ተሰሊፉ ዝነበረ ሰብአይ።

ነቲ ኣብ ባዴላ እናተጠበሰ ብቐመማት ኮኮናት ዝመኣዘ፡ ፕሮቲን ዝመልኦ ምግቢ ዕንጭራር [ክሪኬት] ክፍትኖ ይምሕጸን ነይሩ።

"ጥዑም ኣብ ምግባር ጥራይ ክነተኩር ኣለና" ይብል ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ከሻኒ ጆሴፍ ዩን፡ ምስ ሲንጋፖርያዊ ከሻኒ፡ ኒኮላስ ሎው ብምዃን፡ ነቲ ካብ ዕንጭራር ዝተሰርሐ ምግቢ ነቲ ዋዕላ ዘሰናደአ።

"ሓሳኹ ዘላቒ፣ ብመኣዛዊ ትሕዝቶኡ ልዑል ዝዀነ፣ ንውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ዝኽእል” ዝብል ሓሳብ፡ ኣሽንኳይዶ ሸውሃት ክፈጥር፡ ንምግብነት ክውዕል ንምእማን’ውን እኹል ከምዘይኰነ ይምጕት።

ንሱ፡ ነቲ ተሳታፊ እቲ ዋዕላ፡ መግቢ ‘ዕንጭራር’ ጥራይ ከሰናድእ እዩ ተወዓዒሉ።

ኣብ ሲንጋፑር ካብቶም ኣዝዮም ከልቡራት ብልዒ ሓሳኹ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Insects to Feed the World

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሲንጋፑር ካብቶም ኣዝዮም ከልቡራት ብልዒ ሓሳኹ እዮም

መዓዛ ዕንጭራር

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ክሪኬት [ዕንጭራር] ልዑል ፕሮቲን ከም ዘለዎ እዩ።

ንምፍራዩ ድማ፡ ምስ ጥሪት ክነጻጸር ከሎ ውሑድ ማይን መሬትን ይሓትት።

ገለ ሃገራት ንኣመጋግባ ዕንጭራር ንቡር ንምግባር ዘይተገደበ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ።

ሲንጋፖር ኣብ ቀረባ እዋን ን16 ዓይነታት ሓሳኹ፡ ማለት ክሪኬት [ዕንጭራር]፡ ዕንቅርቢትን ንህቢ መዓርን ሓዊሱ፡ ከም መግብነት ክውዕሉ ብዕሊ ኣዊጃ ኣላ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዚላንድ፡ ደቡብ ኮርያን ታይላንድን መስርሕ ነዲፈን ናብዚ ሓድሽ ኢንዱስትሪ ዝኣትዋ ካብ ዘለዋ ሃገራት ካልኦት ሒደት እየን።

እቲ ሓድሽ ኢንዱስትሪ፡ ካብ 400 ሚልዮን ክሳብ 1.4 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቀሳቕስ ይግመት።

ሚስተር ሎው፡ ብዙሕ ሰብ ነቶም ሓሳኹ ከምዘለዉዎ እናረኣየ ክበልዕ ሕንኽ ስለዝብል፡ መልከዖምን ቅርጾምን ቀዪርካ ክቐርብ ከምዘለዎ እዩ ዝኣምን።

መብዛሕትኡ ግዜ ዝጥበሱ ወይ ድማ ናብ ጥሑን ህሩጭ ቀዪርካ ከም ‘ባርቤኪው’ ብብዙሕ መልክዑ ምቕራብ ይከኣል እዩ።

ሚስተር ሎወ፡ መዓልታዊ ክሪኬት ምግቢ ጥራይ ከብስል ክሓስቦ ኣይክእልን።

"ኣነ ኣካል ናይቲ ዝርዝር መግቢ ኰይኑ ብፍሉይ ክቐርብ እዩ ዝያዳ ደስ ዝብለኒ።"

ሲንጋፖር፡ ምግቢ-ሓሳኹ ምብሳል ካብ እተጽድቕ ንደሓር፡ ገለ ቤት መግቢ ኢደን ክፍትናኦ ጸኒሐን እየን።

ብርግጽ ካልኦት ነቲ ኵነታት ተገዳስነት ኣርእዮም ዝጸንሑ ኣለዉ።

ኣብ ቶክዮ ዝመደበሩ ‘ታኬዮ ካፈ’ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ንዓማዊሉ ድዱዕ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ብዛዕባ ኣከባቢኸ? "ዓማዊል ክሳብ ክንደይ ይግደሱን?" ይሓትት።

ሓቂ ንምዝራብ፡ ታኬዮ ካብ ሓሳኹ-ነጻ ዝዀነ ዝርዝር ዓይነታት ምግቢ እውን ኣለዎ።

"እቲ ዝርዝር መግቢ ክንነድፍ ከለና፡ ኣብ ልዕሊ ሓሳኹ ዘይበልዑ ሰባት ኣድልዎ ከይንገብር ኣብ ግምት ነእቱ... ገለ ዓማዊል ንኣዕሩኽቶም ክብሉ ጥራይ እዮም ዝመጽኡ " ይብል ሚስተር ሺንጂሮ።

"ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ክስከፉ ኣይንደልን። ሓሳኹ ብሓይሊ ክበልዑ ምግዳድ ኰነ ጸቕጢ ምግባር ኣየድልን"

ንሕናን መግብናን

እንተዀነ፡ኵሉ ግዜ ግን ከምዚ ኣይነበረን።

ንዘመናት ሓሳኹ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ክቡር ምንጪ መግቢ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ጃፓን ብፍላይ ኣብቲ ስጋን ዓሳን ከም ልብኻ ዘይርከበሎም ከባብታት፡ ንዕንቅርቢታት ሓዊሱ ገለ ዓይነታት ሓሳኹ ከም ባህሊ ይበልዑ ምንባሮም ይዝረብ።

ብፍላይ ሕጽረት መግቢ ኣብ ዝተፈጠረሉ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ባህሊ ዳግማይ ከምዝተጀመረ ኣካያዲ ስራሕ ታከዮ ሚቺኮ ሚውራ ገሊጹ።

ሎሚ ኣብ ታይላንድ ኣብ ናይ ለይቲ ዕዳጋታት ክሪኬትን ካልኦት ሓሳኹን ከም ምቁር መግቢ ክሽየጡ እንከለዉ፡ ኣብ ከተማ መክሲኮ ዝርከቡ ተመገብቲ ንላርቫ ጻጸ ኣማኢት ዶላር ክኸፍሉ ይረአዩ።

እዚ ምግቢ እዚ፡ ካብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ክሳብ መበል 16 ክፍለ ዘመን በቶም ነቲ ከባቢ ዝገዝኡ ዝነበሩ ‘ኣዝቴክስ’ ከም ምቁር መግቢ ዝቝጸር ዝነበረ እዩ።

ክኢላታት ምግቢ ግን፡ እዞም ልምድታት ምግቢ ምስ ልኡላዊነት ተኣሳሲሩ፡ ገለ ስክፍታት ይፈጥሩ ኣለዉ፤ ምኽንያቱ ሕጂ ሓሳኹ ዝበልዑ ሰባት ነቲ ኣመጋግባ ምስ ድኽነት የዛምድዎ።

ኣብ ከም ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሓሳኹ ናይ ምብላዕ ባህሊ ነዊሕ ታሪኽ ዘለወን ቦታታት ከም ሕፍረት እዩ ዝቝጸር ዘሎ።

ጁሊ ለስኒክ ተመራማሪት ስነ-ሰብ ኣብታ Edible Insects and Human Evolution እትብል መጽሓፋ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነቲ ሓሳኹ ምስ ምብላዕ ተኣሳሲሩ ዘሎ ጌጋ ኣረኣእያ ትትንትን።

ብርግጽ ኣተሓሳስባ ሰባት ክቕየር ይኽእል’ዩ።

ንኣብነት ከም ሱሺን ሎብስተርን ዝኣመሰሉ ምቁር መግቢታት ኣብ ሓደ እዋን ንመብዛሕትኦም ሰባት ዝሕሰብ ኣይነበረን፤ ነውሪ እዩ ነይሩ።

ሱሺ ኣብ ጐደናታት ኣብ ድኳናት ዝርከብ ናይ ሸቃሎ መግቢ ኰይኑ እዩ ጀሚሩ።

ከምኡ’ውን “ደርሆ ድኻ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ሎብስተር፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ንዝርከቡ እሱራትን ባሮትን ይምገቡ ከምዝነበሩ ተመራማሪት መግቢ ኬሪ ማቲውክ ካብ ሲንጋፖር ናንያንግ ቴክኖሎጂካዊ ዩኒቨርሲቲ ገሊጻ።

መርበባት መጓዓዝያ መገሻታት እናቐለለን ኣተዓሻሸጋ [ክዘና] መግቢ እናተመሓየሸን ምስ ከደ ግን፡ ዝያዳ ሰባት ምስቶም ዓይነት እንስሳታት ክላለዩ ጀሚሮም።

ሎሚ፡ ጠለብ እናወሰኸ ምስ ከደ ድማ ዋጋኡን ደረጅኡን እውን እናወሰኸ ከይዱ።

ኣብ ሓደ እዋን ከም ‘ነውሪ’ ዝቝጸሩ ዝነበሩ ፡ ወይ'ውን ከም መግቢ ዘይቍጸሩ መግቢታት፡ በብቕሩብ ከም ንቡር ብልዒ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዶክተር ማትዊክ ይዛረብ።

“[ግን] ባህላዊ እምነታት ንኽቕየር ግዜ ይወስድ። ሓሳኹ ከም ፍንፉናትን ረሳሓትን ጌርካ ምርኣይ ዘሎ ኣረኣእያ ንምቕያር ቅሩብ ግዜ ክወስድ እዩ።”

ገለ ክኢላታት፡ መጻኢ ወለዶታት ምሉእ ሳዕቤን ቅልውላው ክሊማ ስለዘጋጥሞም፡ ሰባት ደቆም ንዘይተለምደ መግቢ፡ እንተላይ ንሓሳኹ ዝያዳ ድሌት ከማዕብሉ ከዕብይዎም የተባብዑ።

ምናልባሽ፡ ሓሳኹ ከም ኪኖዋን በርበረን ዝጥለቡ ናይ ጽባሕ “ልዕለ መግብታት” ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ንሕጂ ግን ይብል፡ ሲንጋፖራዊ ከሻኒ ኒኮላስ ሎው፡ ሰባት ኣመጋግባኦም ክቕይሩ ዝደፍእ ነገር ከምዘየድሊ ይኣምን።

መንእሰያት፡ ነቲ ረብሓ ካብ ምፍላጥ ተበጊሶም ክጥዕምዎም ፍቓደኛታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

“ንሕና ግን ከም ምርጫ ኢና ንነብር። ስጋና ከም ስጋ፡ ዓሳና ድማ ከም ዓሳ ንፈትዎ።”