ኣዘውቲርና እንምገቦ እንጀራ ጣፍ ትሕዝቶኡ እንታይ እዩ?

ምስ ዘተፈላለየ ኣጻብሕ

ምንጪ ስእሊ, The Washington Post

ብሳይንሳዊ መገዲ ብዙሕ አይተባህለሉን፣ እኹል መጽናዕቲ ተኻይድሉ ምባል'ውን ኣይከኣልን። እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መኣድና ዝውቱር እዩ - ጣይታ ጣፍ/እንጀራ።

እንጀራ ዘይብሉ መኣዲ ዝብላዕ ዘይመስሎም ብዙሓት እዮም።

ብልሙድ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና፡ ናብራኻ እትመርሓሉ ስራሕ፡ 'እንጀራይ' ኢልካ እዩ ዝግለጽ፣ ምስኡ ተኣሳሲሩ'ውን 'ብእንጀራይ ኣይትምጽኣኒ' ይበሃል እዩ።

ዓበይቲ ሰባት፡ 'እንጀራኻ ሰፊሕ ይግበሮ ' ኢሎም ክምርቑ ምስማዕ'ውን ልሙድ እዩ።

እዚ ዝጸንሐ ኣበሃህላታትን ኣተሓሳስባታትን 'ምበኣር፡ ኣብ መንጐ ሓበሻን እንጀራን ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ።

ንምዃኑ እንጀራ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ቢቢሲ ኣምሓርኛ ዘዘራረቦም ሰብሞያ መግቢ፡ እንጀራ፡ ካብ ምድላው ኣትሒዙ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ የረድኡ።

ዶ/ር ቃለኣብ ባዬ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ሳይንስ ምግብን ስነ-ምግብን፡ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር እዩ።

ቅድሚ ዓመታት፡ ጣፍ ከም ሓደ ምግቢን ንጥዕና ዘለዎ ረብሓን ብዝምልከት ሓደ መጽናዕቲ ኣዳልዩ፡ ኣብ ትካል ዓለመለኻዊ ማእከል ፖሊሲ ምግቢ ኣሕቲሙ ነይሩ።

"እንጀራ ይዅን ባዕሉ ጣፍ ዘለዎ ረብሓ እኹል መጽናዕቲ ኣይተገብረሉን፡" ዝብል፡ ዶ/ር ቃልኣብ፡ "ካልእ ይትረፍ፡ ኢትዮጵያውያን ቀጠንቲ ዝዀኑሉ ምኽንያት፡ እንጀራ ስለዝበልዑ እዮም፡"ተባሂሉ መዋዘዪ ኰይኑ ከምዝነበረ ይዝክር።

እንተዀነ፡ "ናብ ውሽጥና ተመሊስና፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ ሓደ እንተወሓደ ግዜ እንምገቦ እንጀራ፡ ዘለዎ ረብሓ ንምፍላጥ ተበጊስና ኣለና፡" ይብል።

ጣፍ ዘለዎ ትሕዝቶ ይዅን እንጀራ - ካብ ምድላው ጀሚርካ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ጣፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጣፍ እንታይ ንጥረ-ነገር ሒዙ?

ልዕሊ 600 ዓሌታት ጣፍ እዮም ዘለው፣ ኵሎም ከኣ ብዝተፈላለዩ መጠን ዝግለጽ ንጥረ ነገር ዝሓዙ እዮም።

በዚ መሰረት ጣፍ፡ ካርቦሃይድሬት፡ ኣይረን፡ ፕሮቲን፡ ልዕሊ ስርናይን ሩዝን ዝዓዘዘ ስብሒ (ፋቲ አሲድ)፡ ማዕድን፡ ካልሺየምን ፋይበርን ሓዊሱ ብዙሓት ንጥረ ነገራት ዝሓዘ ምዃኑ መጽናዕቲ እቲ ተመራማሪ የመልክት።

ዘይፍተግ ጣፍ

ምስ ካልኦት ዘራእቲ እንትነጻጸር፡ መጠን ጣፍ ኣመና ንእሽቶ እዩ። መጠን ሓንቲ ፍረ ጣፍ ሓደ ሚሊ ሜትር ጥራይ እዩ።

ንእሽቶ ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ላዕለዋይ ሽፋኑ ንምእላይ ይዅን ንምፍታግ ቀሊል ኣይኰነን።

እዚ ግን ካብቶም ረብሓታት ጣፍ ሓደ ክኸውን ገይርዎ፤ ብኸመይ?

ዶ/ር ቃለኣብ፡ ረብሓ ምፍታግ ኣእካል ኣይረኣዮን።

ምኽንያቱ ኣእካል፡ ብዙሕ ካብ ጠቓሚ ትሕዝቶኦም ኣብ ላዕለዋይ ሽፋኖም እዩ ዝርከብ።

ስለዚ፡ ምፍታግ ኣእካል፡ ነዞም ጠቐምቲ ነገራት ምእላይ ማለት እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ፡ መምህር ስነ-ምግብን ሳይንስ ምግብን፡ ዶ/ር ይሁኔ ኣየለ፡ "እኽሊ ምፍታግ ጥርሑ ምውጻእ ማለት እዩ፡" ኢሉ እዩ ዝኣምን።

የግዳስ፡ ጣፍ 'ፈቲግና ጥራሕካ ክነውጽኣካ፡' እንተዝበሃል'ውን እሺ ዝብል ኣይኰነን።

ክልቲኦም ተመራመርቲ፡ ጣፍ ኣብ ላዕለዋይ ሽፋን ፋይበር ምሓዙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ምንኣሱ ዝተልዓለ፡ ኣብ ሓንቲ ፍረ ጣፍ ዘሎ ትሕዝቶ ፋይበር ብዙሕ ምዃኑ ክልቲኦም የረጋግጹ።

ኣብ ዓውዲ ክኽየድ

ጣፍ እንጀራ ዀይኑ ቅድሚ ምስንካቱ፡ ዝሓልፎ ከይዲ ንባዕሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝዀነ፡ ዶ/ር ይሁኔ ኣየለ ይዛረብ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ትሕዝቶ ኣይረን ጣፍ ክብርክት ዝገብሮ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ዓውዲ ዝኽየደሉ መገዲ እዩ።

"ጣፍ መካናይዝድ እንተጌርናዮ፡ ጣፍነቱ ከብቅዕ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ትሕዝቶ ኣይረን ክጠፍእ ስለዝኽእል። ብኸብቲ ክኽየድ እንከሎ፡ ፍረ ንእሽቶ ስለዝዀነ፡ ካብ መሬት ኣይረን ይስሕብ፡" ኣብ ርእሲ ምባል፡ እቲ ዝስንከተሉ መጎጎ ድማ ተወሳኺ ኣይረን ዝርኽበሉ መገዲ ከምዘዀነ ተዛሪቡ።

መኼዳ ጣፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምብኳዕ ጣፍ

እንጀራ ቅድሚ ምስንካቱ፡ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ፡ ተለዊሱን ቦዂዑን ዝጸንሕ ሕሩጭ ጣፍ፡ እቲ ዝሓልፎ ከይዲ ንባዕሉ ንጥዕና ኣዝዩ ዝሰማማዕ ክኸውን ይገብሮ።

ሕሩጭ ጣፍ እንክበኵዕ፡ ዝተወሰነ ክፍሉ ናብ ኣሲድነት እዩ ዝቕየር፣ 'ኣሲድ ኢልካ ጥዕና ዘለዎ ምግቢ ኣሎ ድዩ?' ኢልኩም ትሓቱ ትዀኑ።

ዶ/ር ቃለኣብ፡ ኣብ እዋን ምብኳዕ (Fermentation) ዝፍጠር ኣሲድ ኣብ ከይዲ ዝፍጠሩ ጐዳእቲ ባክተርያታት ናይ ምርባሕ ዕድሎም ብምንካይ፡ እንጀራ ጥዕና ዝመልኦን ድሕነቱ ዝተሓለወን ክኸውን ይገብር።

እቲ ከይዲ ቫይታሚን ሒዙ ክፍጠር ድማ ይገብር።

ዶ/ር ቃለኣብ፡ እዚ ከይዲ ምብኳዕ ካብቲ ንሳቶም ዘጽንዕዎ ንላዕሊ ረብሓ ክህልዎ ከምዝኽእል ይግምት።

ከምኡ'ውን፡ ምስ ካልእ ምግቢ ጠቕሊልና ኣብ ኣፍ እንትኣቱ፡ ምግቢ ቅድሚ ናብ ጨጓራ ምኻዱ ብደንቢ ተሓይኹ፣ ሓቒቑን ደኺሙን ስለዝወርድ ካልእ ዘይተዘርበሉ ረብሐ ከምዝኾነ ዶ/ር ይሁኔ ይዛረብ።

ካብ 'ግሉቲን' ነጻ

ንስርናይ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ምግብታት ዝሕዝዎ 'ግሎቲን' ዝተባህለ ጠንቂ ጕድለት ጥዕና ዝዀነ ንጥረ ነገር ኣሎ።

ግሎቲን፡ ኣብ ሰባት ሕማም መዓንጣ፡ ጸላም ከብዲ፡ ድርቀትን ካልእ ምቾት ዝኸልእን ጕድለት ጥዕና ዘስዕብ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ዝነብሩ ሰባት በዞም ሕማማት ክሳቐዩ ይርኣዩ።

ጣፍ፡ ካብዚ ንጥረ ነገር ግሎቲን ነጻ ስለዝዀነ፡ ነዞም ሰባት ምቹእ ምግቢ ምዀነ ማለት እዩ።

እንጀራ

ምንጪ ስእሊ, ullstein bild Dtl.

"እንጀራ ብዙሕ ፋይበር ዝሓዘ እዩ። ነዚ ድማ ብሓፈሻ ንናውቲ ከብዲ ዓቢ እጃም ኣለዎ፡" ዝብል ዶ/ር ቃለአብ፡ ብተወሳኺ ክብደት ንምንካይን ምግቢ ንምምጥጣንን ከምዝጠቅም'ውን ተዛሪቡ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ብቕጽበት ደቒቑ ናብ ሰውነት ስለዘይበጽሕ፡ "ምሉእ ብምሉእ ክንድምድም'ኳ እንተዘይከኣልና፡ ብሕማም ሽኮር ንዝሳቐዩ ሰባት - ምስ ካልኦት ምግቢ ብምንጽጻር - ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።

ከምኡ'ውን፡ ጣፍ ካብ ዋሕዲ ደም ከምዝከላኸል፡ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ክሳብ 600 ዓይነታት ጣፍ'ኳ እንተሃለዉ፡ ብልሙድ ሰለስተ ዓይነታት ጣፍ ዝተለምዱ ኰይኖም፡ ጻዕዳ፡ ቀይሕን ሰርጌንን ይበሃሉ።

ካብ መንጐኦም፡ እቲ ኣዝዩ ብኣይረን ዝሃብተመ ዓይነት ጣፍ፡ ቀይሕ ጣፍ ምዃኑ፡ ዶ/ር ቃለኣብ ይዛረብ።

እንተዀነ፡ "ኵሉ ግዜ ከምኡ ማለት ኣይኰነን፡" ዝብል እቲ ተመራማሪ፡ "ምስ ካልኦት ኣዝርእቲ ኣነጻጺርካ፡ ዝዀነ ዓይነት ጣፍ ዝዓዘዘ መጠን ኣይረን ኣለዎ፡" ኢሉ።

ጣፍ ብኻልእ መልክዕ

ጣፍ ብመልክዕ እንጀራ ምድላው እዩ ተለሚዱ። እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ብዝተፈላለዩ መልክዓት ክዳሎ ከም ዝርአ ዶ/ር ቃለኣብ ይዛረብ።

ንኣብነት ብመልክዕ ባኒን ኮርን ፍሌክስን ናይ ምቕራብ ፈተነታት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ክፍሊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ጣፍ ምስ ካልእ ተሓዊሱ፡ ፓስታ ንምድላው ፈተነታት ከምዘሎን፡ ብኩኪስን ካልኦት ቀለልቲ ምግብን ክቐርብ ከምዝኽእልን'ውን ሓቢሩ።

እንተዀነ ዝዀነ መስርሕ ምድላው ዝተፈላለየ ዓይነት ምግቢ፡ ንትሕዝቶ ጣፍ ከጕድል ብዝኽእል ኣገባብ ክኸውን ከምዘይግባእ ይመክር።

ብተወሳኺ፡ ጣፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ዓይነት እኽሊ'ኳ እንተዀነ፡ 'ምሉእ' ክኸውን ከምዘይክእል ብምዝኽኻር፡ ምስ ካልኦት ዓይነታት ምግቢ ኣዛኒቕካ።