ምዕራብ ኦሮምያ፡ ንዝተኣሰረ ወደን ስንቂ ሒዘን እንትኸዳ ሬስኡ ኣብ መገዲ ዝረኸባ ኣዶ

ምንጪ ስእሊ, ስድራ
"ናብቲ ወደይ ዝተኣሰረሉ ቦታ እንጀራ ሒዘሉ ከይደ፡ ግን ኣይረኸብኩዎን. . . ሬሳ ወደይ ብኬንዳ ተጠቕሊሉ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኺበ" ብምባል ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ወደን ብኣባላት ጽጥታ ዝተቐተለን ኣዶ ንቢቢሲ ተዛሪበን።
ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ወረዳ ገንጂ ነባራይ ዝነበረ መንእሰይ ለሊሳ ተፈሪ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣካላት ጽጥታ መንግሰቲ ከምዝኣሰርዎን፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሞይቱ ከምዝተረኸበን ስድርኡ ይገልጹ፡፡
ግንቦት 2/2012 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊታት ጽጥታ ዝኣተወ ለሊሳ፡ ግንቦት 4 ሬስኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ከምዝተረኸበ ኣዲኡ ወ/ሮ ጫልቱ ሁንዴሳን ኣቡኡ ኣቶ ተፈሪ ዱጉማን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም፡፡
ሓዳር ንምግባር ይሸባሸብ ዝነበረ መንእሰይ ለሊሳ፡ ሕጽይቱ ንምርካብ ምስወጸ ከምዝተኣሰረ ስድራቤቱ ይዛረቡ።
'ብዝወጾ ተሪፉ'
ለሊሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ እትነብር ሓፍቱ ይቕመጥ ከምዝነበረን ናብቲ ከባቢ ካብ ዝምለስ ክልተ ወርሒ ከም ዘይመለኦን ወላዲቱ ይገልጻ።
ኣብ ቀጻሊ ዓመት ክምርዖ ትልሚ ዝነበሮ እቲ ግዳይ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ሕጽይቱ ንምምኻር ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ዕዳጋ ከምዝኸደን፡ ከይተመለሰ ምትራፉን 'ውን ይገልጻ።
"ሰንበት መዓልቲ ነይሩ። ምስኣ እናውግዑ እንተለዉ ኣብ ዕዳጋ ሒዞምዎ። ናብቲ ተኣሲሩሉ ዝተብሃለ ቦታ እንጀራ ሒዘሉ ከይደ፡ ኣብኡ ስኢነዮ። 'ንመን ደሊኽን?' ኢሎም ሓቲቶሙኒ፡ 'ለሊሳ ተፈሪ' ምስበልኩዎም 'ንሱ ካብዚ ወጺኡ እዩ' ኢሎሙኒ" ይብላ፡፡
ብተወሳኺ ናበይ ከይዱ ኢለን እንትሓታ ሓደ ኣባል ጸጥታ ኣንከላቢቱን ጸሪፉን ከምዝመለሰን ይዛረባ።
"ሬሳ ወደይ ብኬንዳ ተጠቕሊሉ ኣብ መይዳ ተደርብዩ ረኺበዮ"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







