መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንኢሳት 'ናይ ሓሶት ዜና ብምቅልሑ' ከምዝኸሶ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, ESAT
መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ፡ ንኢሳት 'ስኑዕ ሓበሬታ ብምቅልሑ' ከምዝኸስሶ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፡ ትማሊ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ይፈናቕሉን፡ ደቂ ኣንስትዮ እውን ይዕመጻ ከምዘለዋን ኢሳት ዘቃልሖ ሓበሬታ፡ 'ሓሶት ብምዃኑ እዩ' ይብሉ እቶም ሓላፊ።
ኣብቲ ክልል፡ ብፍላይ ድማ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ከምዘየለ፡ እቲ ክልል ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ነቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ንምውሳድ ዝወሰንሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ኢሳት ዘቃለሖ ጸብጻብ ሓሶት ከምዝኾነ ስለዘረጋገጹ ምዃኑ፡ እቶም ሓላፊ ወሲኾም ገሊጾም።
ኣካያዲ ስራሕ ኢሳት፡ ኣይተ ታማኝ በየነ ብወገኑ፡ እቲ መጋቢት 2/ 2011 ዓ.ም ''ኣብ ቄለም ወለጋ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ነቲ ከባቢ ገዲፎም ክወጹ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ'' ዝብል ጸብጻብ፡ ኣጻርዮም ከምዝሰርሕዎ ተዛሪቡ።
''ንሕና ካብ ህዝቢ እንረኽቦ ሓበሬታ ኣጻሪና ኢና ነቕርብ። ስለዚ ዘቕረብናዮ ዜና ሓቂ እዩ'' ኢሉ ኣይተ ታማኝ።
ኢሳት ንምንታይ ኣብቲ ዛንታ ንርእይቶ ክልል ኦሮሚያ ክምዘየካተተ ዝተሓተተ ኣይተ ታማኝ፡ ''መልሲ ዝህብ ሰኢንና'ምበር ፈቲንና ኢና'' ኢሉ።
ኢሳት፡ ካብ ክልል ኦሮሚያ ሓበሬታ ንምርካብ ምፍታኑ ግን፡ ኣብ ጸብጻቡ ኣይገለጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







