ትግራይ፡ ዘስካሕክሕ ጥሜት ‘77’ ኣብ 40 ዓመቱ ክድገም’ዶ ይኸውን?

ብዓጸቦ ዝተጠቕዐ ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብታ ንክልተ ዓመታት ብዝቐጸለ ኲናት ኣመና ዝተሃሰየት ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንድርቂን ጥሜትን ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ይግለጽ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስቲ፡ መሻርኽቱን ሓይልታት ትግራይን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት።

እቲ ኲናት፡ መነባብሮ፡ ሕርሻ ንኽዓንዉ መንቀሊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንኽነብሩ ስለዝተገደዱ ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ማሕበረ ቍጠባዊ ጸገማት ከምዝተቓለዐ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተወሲኽዎ ነቲ ኵነታት ከምዘጋደዶ ይንገር።

ብዘይካ’ዚ ሕጽረት ዝናብ ስለዘጋጠመን ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ ኣቋሪጾም ስለዝጸንሑን ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሰብመዚ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እቲ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ፡ ብሚልዮን ዝቑጸር ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓለዐ ሰብ መዚ እቲ ክልል ኣፍሊጦም’ኳ እንተዀኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ግን “ጥሜት ኣሎ” ንዝብል ነጺጐሞ ኣለዉ።

ህይወት ናይቶም ብሰንኪ ድርቂ ንጥምየት ዝተቓልዑ ሰባት ንምድሓን ሓገዝ ዘተኣኻኽብ፡ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ፡ ክልላዊ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ኣሎ።

እቲ ክልላዊ ሓይሊ ዕማም ወግዓዊ ኣብ ዝተገበረሉ መድረኽ፡ ኮምሽነር ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ምድላውን ትግራይ ዶክተር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር፡ “እቲ ከቢድ ዝበሃል ድርቂ ኣብ ትግራይ ኣብ 1951ን 1977ን [ግእዝ] ዝነበረ እዩ፤ ካብኡ ዝገደደ እዩ ገጢሙና ዘሎ” ምባሉ ይዝከር።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ምስቲ ኣብ 1977 [ግእዝ] ዘጋጠመ ድርቂ ብምንጽጻር፡ “91 ሚእታዊት ትግራይ ሓደጋ ሞትን ጥምየትን ኣንጸላልይዎ” ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

ንምዃኑ እቲ ኣብ 1977 [ግ] ዘጋጠመ ድርቂ ክንደይ ዝኣክል ዘስካሕክሕ ነይሩ?

‘77’

ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ይዅን ብድሕሪኡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ጥሜትን ድርቂን ብተደጋጋሚ ኣጋጢሙ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝበሃል ኣብ መንጐ 1888ን 1892ን ዘጋጠመ ኰይኑ ኣስታት ሓደ ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ከምዝቐተለ ይንገር።

ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን እውን ኣብታ ሃገር - ሕጂ’ውን ብፍላይ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር - ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዘጋጠሙ ድርቂን ጥሜትን ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም እዮም።

እቲ ኣብ 1984 (1977 - ግእዝ) ዘጋጠመ ድርቂ ግን ካብ ኵሎም ዝኸፍአ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰሙን፡ ኣሽሓት ህጻናትን ዓበይቲን ይሞቱ ከምዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ይርከብ።

ሓደ በዓል ስልጣን ረድኤት ኣብቲ እዋን ነቲ ከባቢ "ምድራዊ ሲኦል" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ። እዚ ኣገላልጻ ግን ምግናን ኣይነበረን።

ብሰንኪ እቲ ድርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 1 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 2 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይእመን።

ብማርክሳዊ ስርዓት ዝመሓደር ዝነበረ መንግስቲ እታ ሃገርን ኣብ ትግራይንን ካልኦት ከባቢታትን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ድማ ጽልዋ እቲ ድርቂ ዝገደደ ጽንኩር ክኸውን ከምዝገበረ ይግለጽ።

እቲ ኣብ 1984 (1977 - ግእዝ) ዘጋጠመ ድርቂ ግን እቲ ዝኸፍአ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።
መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ 1984 (1977 - ግእዝ) ዘጋጠመ ድርቂ እቲ ዝኸፍአ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ

ጠንቂ እቲ ጥሜትን ጽንኵርነቱ ክጋደድ ዝገበሩን እንታይ እዮም?

ኣብቲ እዋን ናብ ዝነበረ ጥሜት ዘምርሑ ዝተፈላለዩ ኣሉታዊ ረቛሒታት ነይሮም።

ገለ ካብዚኦም ተደጋጋሚ ድርቂ፡ ፍሹል ቀውዒ፡ ዋሕዲ ምህርቲ፡ ብሰንኪ ግጭት ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ዘይምብጽሑ፡ ከምኡ’ውን ሰፈራን ረድኤት ናብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክበጽሕ ዝገብሩ ፖሊሲታት መንግስቲ ይርከብዎም።

በዚ ድማ ክሳዕ ሕዳር 1984 ካብ 6 ሚልዮን ክሳብ 10 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም። ካብዚኦም እቶም 2.5 ሚልዮን ንህይወቶም ናብ ቅጽበታዊ ሓደጋ ዘእቱ ኵነታት ከምዝነበሩ ጸብጻብ ትካል ዓለምለኻዊ ረድኤት ሕቡራት ኣመሪካ የመልክት።

ኣብ ጽድያ 1984፡ እተን ኣዝየን ዝተሃስያ ዞባታት ትግራይ፡ ወሎ፡ ኤርትራ እየን ነይረን - እዘን ከባቢታት ኣዝዩ ድሩት መርበባት ጽርግያን መጓዓዝያን ዘለወን ከባቢታት ኰይነን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸረ-መንግስቲ ቃልሲ ዝካየደለንን ዘይተረጋገጸ ጸጥታዊ ኵነታት ዝነበረንን እየን።

ብመንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት (ደርጊ) ድማ ኣብቲ እዋን ዘጋጠመ ጥሜት ከም ስትራተጂ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይጥቀመሉ ነይሩ ኢሎም ዝኸሱ ኣለዉ። እዚ ድማ ን"ማሕበራዊ ለውጢ" ብዝብል ብፍላይ ኣብ ትግራይ ቀረብ መግቢ ምድራት እዩ ነይሩ። እዚ ዝተወደበ መንግስታዊ ፖሊሲታት ኮነ ተባሂሉ ሳዕቤን እቲ ጥሜት ክጋደድ ብምግባሩ ቍጽሪ ዝሞቱ ናብ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ከምዘብጽሖ ይምጕቱ።

እኽሊ ኣብ ዕዳጋ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጀመርያ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጥሜት ንምምካትን ብማሕበረሰብ ዓለም ክፍለጥ ብዘይምግባሩን ዓለምለኻዊ ኩነኔ ኣለዓዒሉ እዩ።

ብዙሓት ደገፍቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት እታ ሃገር ከይተረፉ መንግስቲ ናብተን ግጭት ዝካየደለን ዝነበራ ከባቢታት መግቢ ከይለኣኽ ምግባሩ ከምዝተቓወሙ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ዝተሃስየ ከባቢታት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥሜት ሕማም ተወሲኽዎ ብዙሓት ሞይቶም እዮም። ኣብ መዓስከራት ዝነበረ ጽዑቕን ጽሬት ዘይብሉን ኵነታት ዝያዳ ቅልጡፍ ዝርግሐ ሕማማት ኣስዒቡ። ኣብ ጽድያ 1985 ኣብ መወዳእታ ዝመጸ ጽቡቕ ዝናብ ከይተረፈ፡ ሕማም ኮሌራን ካልእ ሕማማት ተምላስን ንኽዝርጋሕ ሓጊዙ እዩ።

ኣብተን መዓስከራት ዝበዝሑ ጸገማት መንቀሊኦም ምስ ማይን ጽሬትን ዝተኣሳሰሩ ሕማማት እዮም፤ ካብዚኦም ድማ ሕማም ኮሌራ፡ ዕንፍሩር፡ ዓሶ፡ ታይፈስ፡ ትራኮማ፡ ሕጽረት ቫይታሚን ኤ፡ መኒንጃይትስ፡ ተመሊሱ ዝመጽእ ሰዓልን ምሕርቃምን ይርከብዎም።

እቲ ዝናብ ገለ ጽርግያታትን ድልድላትን ብምዕናዉ ድማ ናብ መዓስከራትን ማእከላት ረድኤትን ዝግበር ጉዕዞን ኣጸጋሚ ስለዝገበሮ ቀረብን መግቢ ድሩት ክኸውን ገይሩ እዩ።

እቲ ድምር ሳዕቤናት ጥሜትን ውሽጣዊ ውግእን ኣብቲ እዋን እቲ ንቝጠባ እታ ሃገር ኣብ ውድቀት ኣእትይዎ ነበረ።

ድምር ሳዕቤናት እዞም ኵነታት እቲ ድርቂ ዘስዓቦ ጥሜት ክጋደድድ ብምግባሮም ድማ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ንኽበጽሕ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ካብ 1983-1985 ብውሑዱ 400,000 ሰባት ከምዝሞቱ ይንገር - ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት እቲ ድርቂ ተወለድቲ ትግራይ እዮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረት ኤርትራ’ውን ብሰንኪ ወጥሪ ጸጥታዊ ኵነታትን፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣብ መሬት ዓመጽቲ’ መግቢ ንምዕዳል ድሌት ስለዘይነበሮን ነቲ ሕጽረት መግቢ ኣዝዩ ተጋዲዱ እዩ። ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ምብራቓዊ ሱዳን ከባቢ ከሰላ ናብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ብእግሮም ክጓዓዙ ተገዲዶም።

ቦብ ጊልዶፍ ብጥሜት ዝተጠቕዐ ቈልዓ ሒዙ
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ኵነታት '77 ዝተዓዘበ ህቡብ ደራፋይ ቦብ ጊልዶፍ እዩ ነይሩ

ሕጂኸ ታሪኽ ክድገም ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ኮምሽነር ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድሉውነትን ትግራይ ዶክተር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር፡ እቲ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ዘጋጠመ ድርቂ ዘንጸላለዎ ሓደጋ ካብቲ ኣብ 1951ን 1977 ን (ግእዝ) ዝገደደ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

“ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት፡ 32 ወረዳታት፡ 196 ጣብያታትን እዩ እቲ ከቢድ ድርቂ ኣጋጢሙ ዘሎ። ካብ (ተሓራሲ) መሬት ትግራይ 48 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ተሓሪሱ። ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብ ኢድ ካልኦት ሓይልታት እዩ ዘሎ። ካብዚ 48 ሚእታዊት እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ 3 ዞባታት ዝነበረ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ምንም የብሉን።”

ብሰንኪ’ዚ ድርቂ ዘጋጠመ ጥምየት ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ጥራይ፡ 25 ህጻናት ዝርከብዎም 400 ሰባት ምማቶም እውን እቲ ኮምሽነር ገሊጹ’ዩ።

መርበብ ስርዓታት ቅድመ መጠንቀቕታ ጥሜት (The Famine Early Warning Systems Network) ዝተበሃለ መጽናዕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘካይድ ጕጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ኣብ መጀመርታ 2024 ጥሜት ብሰፊሑ ከጋጥም ከምዝኽእል ገሊጹ እዩ።

ሰበስልጣን ትግራይ ኣብ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ክልል 2.3 ሚልዮን ሓረስቶት ዝርከብዎም 3.5 ሚልዮን ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮም ይግምቱ።

“እዚ ጥሜት ርኡይ’ዩ፡ ዝያዳ ንሰባት ይጸልዎም ኣሎ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ምላሽ’ውን ውሑድ’ዩ፡” ይብል ዶክተር ገብረህይወት ን ‘ዘ ግሎብ’ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ካብ 2017 ክሳዕ 2021 ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ማርክ ሎውኮክ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ዘለዎ ስክፍታ ይገልጽ።

“ተመኵሮን ኣፍልጦን ዘለዎምን ክኢላታት እቲ ዝርኣይዎ ዘለዉ መረዳእታ - ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ክፋል ገጠራት ትግራይ ብምጋሽ ዝረኣይዎም ነገራት - ኣብ 2024 ምስቲ ኣብ 1984-85 ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ዝመጣጠን ዕንወት ከጋጥም ከምዝኽእል ነጊሮምኒ" ምባሉ ዘ ግሎብ ይጠቅስ።

“ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንርእዮ ዘለና ኣዝዩ ዝቐልፈጠን ህጹጽን ምላሽ ክህቡን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኣዝዩ ዝያዳ ግብራዊ ሓገዝ ክህቡን ኣገዳሲ እዩ።”

ኣብ ቓዛን ዩክረይን ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት ንዓለማዊ ትዅረት ኣብ ዝዓብለሉ እዋን፡ ዓለም ንቅልውላው ትግራይ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይሃበትን ዘላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ መገሻ ብዝገበሮ እገዳታታት፡ ሚድያታት ሕጂ’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ብነጻነት ክንቀሳቐሳ ኣይክእላን።

ኣብ ገጠራት እቲ ክልል ተበጻሕነት ኢንተርነት እውን ዳርጋ የለን።

ሓይልታት ኤርትራ ንገለ ክፋል ናይቲ ክልል ተቘጻጺሮም ምህላዎም እውን ተበጻሕነት ረድኤት ክድርት ተኽእሎ ኣሎ ዝብሉ ኣለዉ።

ሓገዝ ንዘድልዮም ዝመጸ ረድኤት ኣብ ዘይመዓልኡ ውዒሉ ብምባል ዕደላ ምግቢ ደው ኣቢሎም ዝጸንሑ ውድብ ምግቢ ዓለምን ትካል ልምዓት ኣመሪካ - ዩኤስኤኣይዲን እውን ኣብ ቀረባ እዋን ምሃብ ዝጀመርዎ ሓገዝ ገና እኹል ከምዘይኰነ እዩ ዝንገር።

ምስዚ ኵሉ ተደማሚሩ ብሰንኪ ኣብታ ክልል ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት፡ ሕጂ’ውን ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ክደግም ተኽእሎ ከምዘሎ ስግኣት ዝሓደሮም ሒደት ኣይኰኑን።