'ክንበልዕ ኢልና ዘሪእና መሬት በሊዑዎ' ሓረስቶት ትግራይ

መሬት ኣፅበደራ ከም ሎሚ ክልተሻዕ ከይተረኣየ፡ ነጪን ስብሕትን ዝወድቀሉ፡ ጥሕሎን ሜስን ዝፅገበሉ ምድሪ እዩ ነይሩ።
ኣስሓይታን ቁሪን ዘይፍለዮ ታባን ኩርባን ኣፅበደራ ፃዕዳ መዓር ይሕለቦ ነይሩ።
ከምቲ ሎሚ ግራት ማይ ፀሚኡ ፈጋዕጋዕ ከይበለ: ስርናይ ሻሓንን ደምሃይን ይጉነኾ ነበረ።
ኣብ ገርሁ ዝፈሰሰ ዘርኢ ብስእነት ማይ ቂሂሙ: ግራት ተገልቢጡ ከይተሓረሰ: መሸላባሕሪ ጭሒሙ ፈዘግዘግ ዝብለሉ መሬታዊ ገነት እዩ ነይሩ።
ኩልሳስ ብመሳልል ንዓቐብ ዝኹመር ምንባሩ ደቂ ዓዲ ነጊሮምና። ሎሚ ናዕሪ ኣብ ጎልጎል ዓውዲ ወዲቑ እንተላም ዝለመደ ቤት ዕኹቲ ይኣቱ ኣሎ።
ኣያ ገብረመድህን ገብረማርያም ብሕሱም እርጋንን ጥሜትን ከደራይ ገፆም: ነቲ ማይ ዝፀመአ ግራቶም ይመስል። ኣብራኾም ደኺሙ ኣብ ኣፍደገ ቤቶም ናዕሪ ዓተርባሕሪ ኣውዲቖም ረኸብናዮም።
ካብ እንቅዓ ድርቋ: ዕኹቲ ክሓፍሱ ምስ ደርሁ ገጢሞም።
"ሰለስተ ኣርባዕተ ግራት ጠፊኡ እዩ። እዘን ትርእየን ዘለኻ ናይ ሓደ ግራት እየ። ዝሽየጥ የብልና ዝልወጥ የብልና።
"ኣብ ኢድ መንግስቲን እግዝሃርን ወዲቕና ኣለና። እናተለቓቓሕና ኢና ከሪምና እምበይ ዝብላዕ የብልና ዝስተ የብልና" በሉ ሓመድ ዝፀገበ ኣእዳዎም እናነገፉ።
ኣያ ገብረመድህን ኣርባዕተ ደቆምን ካልኦት ኣርባዕተ ደቂደቆም ሒዞም ኣብ ጥርሕ ደምበ ምስ ጥሜት ገንበር ንገንበር ተታፋኒኖም ኣለዉ:።
ስድራ ኣያ ገብረመድህን ዝነብርሉ ከባቢ: ኣፅበደራ ጣብያ ገብረኪዳን ይበሃል።
እቲ ጣብያ ብስም ስዉእ ተጋዳላይ እዩ ዝፅዋዕ። ኣብ ጣብያ ገብረኪዳን ምእንተ ኣመሉ ዝጭንጓዕ ማይ ዘዕቖረ ራህያ የለን።
ኣብቲ ጣብያ ዝተሃነፀ ሓፅቢ(ዲጋ) ማይ ዝመሰሰ እኳስ ዘይመስል ናብ ፅግኢ ግራት ተቐይሩ።
ጥሪት ዝገሃፅ ኣብ ዘይብሉ መሬት: ኣሰር ቀሪም ኣብ ዘይረአየሉ ግራት: 'ሓመድ ድየን ይልሕሳ ኣለዋ' ኢልካ ክሳብ ትግረም፡ ብፅፍሪ እኳስ ዘይቑንጠጥ ሳዕርን ቆፅልን ይቑርጥማ።
ብድጉድጎ ዝማዕረጉ ሃዳሙ: ብበለስ ዝተሓፀረ ገደና: ቆፋፉ ከም ብቑሊ ተደፊኡ ይረአ።
ኣያ ገብረመድህን ንኣቦይዝጊ ይማዓትዎ።
"ሰነ ሓደ ዝናብ: ሓምለ እውን ሓደ ዝናብ ሰዲዶም ኣቦይዝጊ ኣጥፊኦምና እዮም" ይብሉ።
"እተን ዝረኣኻየን ዓልቋይ ኣምጊግና ክልተ ለይቲ ዝኾን ምስ ዕያልና እንተድረራና: ክሻዕ ዘርኢ መን የብፃሓየን" እንትብሉ ነቲ ካብ ዓውዲ ዝተዓኾተ ዓተር ባሕሪ የተስፍዉ።
"ካብ ጥሪት እውን ተጓዲልና ኢና" ብምባል "ትርእያ ኣለኻ ጥራሓ እያ ዘላ እታ ደምባ: ኩሉ ኣኪቡ ሂቡና እዩ" ይብሉ።

ወይዘሮ ለተስላሰ ደስታ: ኣብ ነፀላ መንደቕ እንዳ ኣያ ገብረመድህን ይነብራ።
ኣብ ድርኩኺት ኣጉድአን ብሕሱም ጥሜት ጭቑምጥ ኢለን ይረአያ።
ገፀን መፅጕዑ: ኣብራኸን ጠሊሙወን ኣብ ጥራሕ ከብደን ፀሓይ ይፅለዋ።
"ወደይ ሞይቱኒ: ብጥሜት ክመውት ኢለ እንሄኹ። ጠዋርየይ ሞይቱኒ: ካሕሳይ ገብረፃድቃን ዘይፈልጥ የለን:: ኣርባዕተ እየ ወሊደ። ተጋዳላይ ወደይ ሕቑኡ ወፂዑዎ ሓደ ጥራሕ እዩ ወሊዱ" ብምባል ዝተሰወአ ወደን ይዝክራ።
ከዋኒአን እዩ ነይሩ።
ወይዘሮ ለተስላሴ በዓል ቤተን እውን ሞት መንጢልወን። ኣብ ደቀን ኣፅሊለን ይነብራ።
ግራተን ባም ኢለን ከምዝቐረያን ዕኹቲ እኳ ክምስሳ ከምዘይከኣለ ብሕርቕርቖት ይዛረባ።
"ወደይ ንፉዕ እዩ ነይሩ። ንሱ እዩ እተን ገርሁ ዝሓርሰለይ ዝነበረ። ጓለይ እውን ጨጉሪ ትቑንን ነይራ። እዚኤን
ደቂ ጓለይ እየን። ሎሚ እቲ ቆልዓ እውን ምስ ተጎደአኒ: ወዮ ንሳ እውን ጥዕና ሰኣነት: እምበር ብዓይነ ብርካ
ትቕልበኒ ነይራ። ሎሚ ሓዘን ወሲኸሉ ብጥሜት ክመውት ኢለ ኣለኹ" ተስፋ ብዘቑርፅ መንፈስ እናተስሓጋ
ይዛረባ።

ወ/ሮ ፀጋ ሰበሆ ካብ ቐደመን ዓይነን ኣይርእይን። ኣብ ልዕሊኡ ጥሜት ተወሲኹዎ ማእሲ ሒዘን ኣለዋ።
ዕድሚኤን ዋላ እኳ ዓመተ ምህረት ንምግላፅ እንተኸበደን: 'ጥልያን ተሳዒሩ እንትወፅእ ብዘበነ እንግሊዝ ተወሊደ' ይብላ።
"ብዓይኒ ዕውረትይ ጥሜትይ ተጎቲና ከይንወፅእ ኣካል ተሰይሩ። ብጥሜት ብርኪ ተሰይሩ። ናዓ ተልዓል ብርኪ: ኣይለዓልይ። እንሄና እምበይ ተዓፂፍና።
"ዝተዘርአ ሓሪሩ: ክንበልዕ ኢልና ዘሪእና መሬት በሊዑዎ። ከም ሎሚ የተርአየይ" ብምባል ሓይሊ ሓይሊ ኣቦአን ቃንዘአን ስዒረን የተንፍሳ።
ወ/ሮ ፀጋ እውን ልክዕ ከም ኣደታት ጣብያ ገብረኪዳን ምስ ብደቀን እናተጠወራ ይነብራ።
'ኪዳነ ምህረት ነዚ ዶ ዓቖርክኒ፡ ብቖልዓይ ከይሞት' ዝብል ቁዛመ እናስቆንቆና መዓልቲ ሞተን ይቖፅራ።
ደቀ'ባት ኣፅበደራ ኣብ ዝኣተኻዮ ገዛ ኣብታ ዘይብሎም ገዛ እንዶ እተዉ መውፅኢት ኣፎም እያ።
ዝቑርጠም ዝልከፍ ኣብ ዘይብሎም: ጋሻ ተቐቢሎም ዘይምእንጋዶም ምሒር ይቋጨጩ።
ቃተኛ ዓፂፎም፣ ሃንዛ ፈጊኦም ኣጅቦን ማጨባን ዳሕዲሖም ክህቡ ዶ ፀሊኦም።
ላጋን ጊባቦን ነቒፁ: ፃዕዳን ሰርጌንን ዝለመደ ገዛ: ዓሕእምባሕ ዝዳመፅ ደምባ: ጨና ማይ ኮይኑ ዕያል ከብዶም ሓኺኾም ይሓድሩ።
ጣብያ ሓድነት እውን ሓንቲ ካብተን ብድርቂ ዝተሃሰያ ጣብያታት ኣፅበደራ እያ።
ሃለቃ ፍስሃ ገብረኪዳን እውን ብርሃን ዓይኖም ስኢኖም ዓዲ ውዒል ኮይኖም።
ዕድሚኦም ደፍደፍ 80 መሊኦም።

ፃዕዳ ጭራኦም ነስ እናበሉ ኣጎዛ ተነፂፎም የስቆንቁኑ። ዘራጊት ስድራ ድርቂ ሕስምቲ ናብ ምስትምሳል መሊሳቶም። ኣብዚ ዕድሚኦም ኣዒንቶም ፆሚቖም ፀረርታ ንብዓት ኣይሰኣኑን።
“ቀውዒ እንድዩ ደኣ ሎሚ ሕዳር ታሕሳስ: ንኢድና ሸዊት ኣየንታዕናን።
"ሰበይተይ ከምዝገበረት ገይራ ትጥውረኒ ኣላ። እንተስ በለስ ወይ ሓምሊ ንሳ ትቕልበኒ። ካብ ክረምቲ ወፂእና ናብ ክረምቲ ኣቲና። ንሞት ንፅበ ኣለና። ሞት እኳ ንቡር እዩ: ብመድሂነኣለም ከምቲ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝብልዎ: ካብ ብጥሜት ብኲናት ምማት ይሓይሽ"።
"ደቅና ፍቖድኡ ፋሕ ፋሕ ይብሉ ኣለዉ" ምስ በሉ ንብዓት ስዒርዎም ዘረበኦም ኣቋረፁ።
"ኣብ ገዛ ጎዶስ ይሃልዋ ለቖታ እንሃ እታ ሰበይቲ: ኣነ ክወቕዖ ዶ ንዝግሃር: ንሳ ካብ ዘምፀት ኣምፂኣ ዋላ ርብዒ ጣይታ ዝሰንከተቶ የብልናን። ሓደ ብዕራይ ነይሩና መስከረም ሸይጥናዮ። ክሳብ ሎሚ ርብዒ ጣይታ ከይሃበት ኣየሕደረትንን" ኢሎም።
ኮይኑ ግና ንዓይ ንበይነይ እንተይኮነ ንብህዝቡ እዩ ወሪድዎ ዘሎ ብምባል ንገዛእ ርእሶም የፀናንዑ።
ረድኤት ዝበሃል ከምዘይረኣዩ እንተዝህሉ ኣነ ምተረዳእኹ ይብሉ ሃለቃ ፍስሃ።
ብሕሱም መሪር ጥሜት ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸይድ ህፃን የለን። ኣስኳላ ተምሃሩ እንተዝበሃል ንምልክት ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ እዮም ዝወፍሩ።
ሓረስቶት ኣፅበደራ: ስእነት ማይ ዝወለዶ ጥሜት ኣንፀላልዩ ኣሎ። መሬት እቲ ወረዳ: ዕንበባን ሸዊትን ናፊቑ: ደቂ ሩባ መረበቱ ክዕንግል ኣይከኣለን።
ረድኤት ብቕልጡፍ እንተይዘተዋሂቡ: ኣብ ቀልቀል ሞት ዝርከቡ ወገናት: ናብ መቓብር ይወርዱ ኣለዉ።
ወረዳ ኣፅቢ ዓሰርተ ክልተ ጣብያታት ዝሓዘ እንትኸውን እተን ትሻዓተ ጣብያታት ብሓደጋ ድርቂ ከምዝተሃሰያ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ መዝገበ ግርማይ ንቢቢሲ ገሊፁ።
"ብሰንኪ እቲ ድርቂ ክሳብ ሕዚ 111 ህይወት ሰብ ስኢንና ኢና። ጠንቂ እቲ ድርቂ ሕፅረት ዝናብ እዩ። እቲ
ዝሓለፈ ዓመት ዘይስሩዕ ክረምቲ እዩ ነይሩ። ክልተ ግዜ ጥራሕ እዩ ዘኒቡ። ዕለት 29 ሓምለን 16 ነሓሰን:: ንሱ
እውን ካፋ እዩ። ኣብ ኩሉ ከባቢ እውን ኣይኮነን። ኣብዚ ምሉእ ብምሉእ ዳርጋ እቲ ዝተዘርአ ግራት ተገልቢጡ
እዩ። ስለዚ ዋላ በብዓመቱ ብውሱን ድርቂ ዘጋጥም እንተነበረ: ናይ ሎሚ ዓመት ግን ፍልይ ዝበለ ኣብ
ዕድመና ምሉእ ከምዚ ዝበለ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን"።
ካብ ትካላት ኣህጉራዊ ረድኤት ዝቐርብ ዝነበረ እኽሊ ካብ ዝቋረፅ ኣስታት 10 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ።
ንህዝቢ ዝመፀ እኽሊ ስለዝተጓሕለ ዕደላ ረድኤት ደው ከምዝበለ ትካል ምግቢ ዓለምን ትካል ረድኤት ሕቡራት መንግስታትን ከምዘፍለጡ ይዝከር።
ብሰንኪ እዚ ውሳነ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከብ በዞም ትካላት ረድኤት ዝውነኑ መኽዘናት እኽሊ ተዀሚሩን ተዓሺጉን ኣሎ፤ ሰብ ግን ብጥሜት ይሃልቕ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







