ትግራይ፡ “ትዅረትና ኣብ ረድኤት ኣይኰነን”

ረድኤት ዝወስዳ ትግራወይቲ ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃለቃ ገ/መድህን ገብረዋህድ፡ ካብቶም ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ሕድሕድ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ነበርቲ እዮም፤ ነባርነቶም ኣብ ወረዳ ወልቃይት እዩ ነይሩ።

ንሶም፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣቦ ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ስድራ እዮም።

ኣብ ነሓሰ 15 ኪሎ ግራም ንነፍሰወከፍ፣ 1.5 ሊትሮ ዘይት [ንሓሙሽተ ኣባላት]፡ ሓደ ኪሎ ክክዕ ረድኤት ይረኽቡ ከምዝነበሩ ይገልጹ፤ ሕጂ ግን እቲ ራሽን ከምዝጐደለን፡ ብፍላይ ንሰብ ዕያል እኹል ከምዘይኮነን የንጸርጽሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነፍስወከፍ ተመዛባሊ፡10 ኪሎ ከምዝረኸበ ዝዛረቡ ሃለቃ ገ/መድህነ፡ ዝለዓለ ናይ ሓሙሽተ፡ ዝተሓተ ናይ ሓደ ኣባል ስድራ ረኺቡ ይብሉ።

“እንታይ እዩ‘ሞ እዚ? ካብኣ እያ ትጠሓን፣ ጨው በርበረ ካብኣ እያ፣ ተዋሂቡና ዘይኮነ ዝበሃልስ፡ እንታይ ከምዝበሃል እንድዒ። ካብቲ ዝነበረ ዝሓሸ ነገር ኣይኮነን፤ ኣብ ነሓሰ ዝነበረ’ኳ ይሐይሽ” ኢሎም።

ቅሬታኦም’ውን ሰማዒ ከምዘይብሉ ይዛረቡ።

“ኣእዊኻ ዝሰምዕ የለን። ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ገለ በይዛ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ወይ ድማ በይዛ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበለ ሰብ ስለዘየለ ጠሪዕካ ተምጸኦ የለን። ህዝቢ ኣብ ሓዘን እዩ ቀንዩ ዘሎ። ብሓቂ ይስመዓካ እዩ” ክብሉ የንጸርጽሩ።

“ሓመድ ዝተለኸና ኢና ንመስል”

ኣብዝሓ እቶም ተመዛበልቲ ጸገም ጥዕና ጸገም ከምዘለዎም፡ እቶም ሓካይም ክሕግዝዎም እንተፈተኑ’ኳ፡ እቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም መድሃኒት ከምዘይረኽቡ ሃለቃ ገ/መድህን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ወሲኾም፡ “በሊዕካ ኣይኮነን ዝንበር ዘሎ። ብኣካል መጺኻ ክረአ እንከሎ’ውን ሰብ ድዩ፡ ሓመድ ድዩ ተለኺና ዘይፍለጠሉ ሰዓት ኢና ዘለና” ኢሎም።

ኣብ ጥሪ 2013 ዓ.ም እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ ካብ ከተማ ሑመራ ተፈናቒሉ ዝመጽአ ኣይተ ግደይ ብወገኑ፡ ኣብ መቐለ 70 ካሬ ኣብ ዝበሃል ኣካባቢ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቈቢ ይርከብ።

ኣብዚ መዕቈቢ ጥራይ ልዕሊ 16 ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ይዛረብ። እዚ ኣሃዝ ኣብ ቀረባ ካብ ክልል ዓፋር ተመዛቢሎም ዝኣተዉ ከምዘየጠቓልል እዩ ዝገልጽ።

ንሱ፡ ኣብዚ ቀረባ ረድኤት ክወሃብ ከምዝተጀመረን፡ ከምኡ ክቕጽል እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎን ተዛሪቡ።

“ዝተቘራረጸ እንተዀነ‘ውን፡ ንወርሒ 15 ኪሎ ግራም፡ ዛጊድ ሰለስተ ግዜ ተዋሂቡና ኣሎ” ኢሉ።

ኣይተ ግደይ፡ ሓንቲ ጓሉ ኣብ ዓድዋ ክልተ ደቁ ድማ ኣብኡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገዲፍወን ከምዝመጽአ ይዛረብ።

“ተፈላሊና ስለዝጸናሕና ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ተሪፍና”፡ ዝብል ኣቶ ግደይ፡ “ምህላውስ ኣለኹ ይበሃል ግን ዳርጋ ዘይምህላው እዩ፤ ብጭንቂ ሞይትና ኢና” ክብል የንጸርጽር።

ኣቶ ግደይ፡ ኣብዚ ሰሙን ስልኪ ክሰርሕ ምስ ጀመረ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ንመጀመርታ ግዜ ቴሌፎን ደዊሉ ነተን ደቁ ከምዘዛረበን ይገልጽ።

ክልተ ዓመት ምሉእ፡ እተን ኣብኡ ዝተረፋ ደቁ ረድኤት ከምዘይረኸባ ይዛረብ።

ኣስታት 80 ኣጣል ሸይጠን ህይወተን ከምዘትረፋ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ብኸመይ ህይወተን ከምዝመርሓ ጨኒቕወን ከምዘሎ ወሲኹ ይዛረብ።

“ትዅረትና ኣብ ረድኤት ኣይኰነን”

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተመዛበልቲ፡ ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ኵነታት ጸጥታ ከባቢኦም ክመቻችኣሎም እዮም ዝጠልቡ።

ሃለቃ ገ/መድህን፡ “ከፊኡና እንድዩ ዘሎ። ንሕና ‘ሎምዓልቲ ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም’ እንድሕር ተባሂልና፡ ሓንቲ ለይቲ ኣይምሓደርናን። ጽባሕ ትጕዕዝ ሓዲርና ድሕሪ ጽባሕ ዓድና ምኣተና። ምኽንያቱ እቲ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ መሰከፊ እዩ” ኢሎም፡ ኣብቲ ግዝያዊ መዕቈቢ ብዙሓት ህጻናት ከምዝቐበሩ ብምዝራብ።

“ሰላም ኰይኑ፡ ናብ መረበትና ክንምለስ ኢና ንደሊ” ዝብል ኣቶ ግደይ ብወገኑ፡ “ንሕና ኣብ ረድኤት ኣይኰነን ትዅረትና። እቲ ሽግር ንጻወሮ ኢና ዘለና። ናብ መረበትና እንተንምለስ’ሞ ምስ ስድራና እንተንራኸብ። ዝሰርሕ ኣእምሮን ዝንቀሳቐስ ኣእዳውን ኣእጋርን ሒዝና፡ ቍሩናት ኴንና ኢና ዘለና። እዚ ዳርጋ ሓውሲ ልመና እዩ” ኢሉ።

ንሱ’ውን ከምቲ ሃለቃ ገ/መድህን ዝበልዎ፡ እቲ ሰብ መልክዑ ተበላሽዩን ማህሚኑን ተዳሂሉን ከምዘሎ ይዛረብ።

ካብ መንግስቲ ይዅን ካብ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት፡ ዛጊት ነቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ፡ ዝተጀመረ ጻዕሪ ከምዘሎ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

እንተዀነ፡ ብዘይ ዕላዊ መገዲ እቲ ኵነታት እናተዘረበሉ ይርከብ- ኢሉና ሓደ ስሙ ክንጠቕሶ ዘይደሊ፡ ሰራሕተኛ ትካላት ረድኤት።

እቶም ተመዛበልቲ ግን፡ ብፍላይ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ተስፋ ሰላም፡ መንግስቲ ፌዴራል ጸጥታ ከባቢኦም ከውሕሰሎምን ሓላፍነት ክወስደሎምን’ሞ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይምሕጸኑ።

ካልእ በዳሂ ኵነታት

ኣብ ሕዳር፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ውዕል ሰላም ድሕሪ ምፍርራሙ፡ ኣገልግሎት ተሌፎንን ባንክን ዝተጀመረ ዀይኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ናብቲ ክልል በረራ ጀሚሩ ኣሎ።

ኦቻ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ሕዳር ንነጀው ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ንልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ እዩ።

ናብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ትግራይ፡ ካብ ቀንዲ መስመር ጽርግያ ርሕቕ ዝበሉ ከባቢታትን ንምብጻሕ ግን ሕጂ’ውን ፈታኒ ምዃኑ ጠቒሱ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ደቡብ ትግራይን ማእከላይ ትግራይን ተበጻሕቲ ከምዘይኰኑን ትካላት ረድኤት ኣብቲ ከባቢ ዝገብርዎም ምንቅስቓስ ድሩት ምዃኑን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ስማ ክትጥቀስ ዘይትደሊ፡ ሓንቲ ካብቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ንቢቢሲ፡ “ኣብዚ ሕጂ እቲ ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ፡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ረድኤት ንምዕዳል ተበጻሕቲ ኣይኰኑን” ኢላ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣዝዩ ሰፊሕ ቍጽሪ ዘለዎም ተመዛበልቲ ዝርከብሉ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ሕዳር ክሳብ ታሕሳስ ዝተወሃበ ረድኤት፡ ካልኣይ ዙር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

እቲ ተጻባዪ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ህዝቢ [ብፍላይ ድማ ኣብ መዕቈቢ ዘሎ] ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሕን ፈረቓን ረድኤት ክረክብ ከምዝነበሮን፡ ዛጊት ሽድሽተ ዙር ክበጽሖ ከምዝነበሮን፡ ካልእ ሰራሕተኛ ረድኤት ይዛረብ።

ብሓፈሻ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ልዕሊ 5́.4 ሚልዮን ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ከምዘሎ ካብ ውድብ ሕቡራት ዝተረኽበ መረዳእታ ዘመልክት ኰይኑ፡ እቶም ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ኣብ ማእከላት ግዝያዊ መዕቈቢ ይርከቡ።