ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትግራይ፡ ብሰንኪ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ሰላም ርሒቝዋ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርታ ረጊፎም፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመዛቢሎም፡ ንሕልና ዝኸብዱን ንሰማዒ ዘሰንብዱን ግፍዕታት ተፈጺሞምዋ እዮም።
ኣብ መንጐ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ነታ ክልል ኣብ ጸልማት ክትነብር ገይርዋ'ሎ።
ትግራይ ካብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ተፈላልያ’ላ።
ኣብታ ክልል ሰላም ጥራሕ ዘይኰነስ ንመዓልታዊ ናብራ ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣገልግሎታት እውን የለዉን።
ትምህርቲ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ነዳዲን ከምኡ እውን ኣገልግሎት ቴሌኮምን ባንክን ተቛሪፁ ኣሎ።
መሰረታዊ መሰረተ ልምዓት (ትሕተ-ቅርጺ) ዓንዮም፤ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ሕክምናን ካልኦት መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ተሰናኺሎም ይርከቡ።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ነበርቲ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ዝወዲቘም፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ከኣ ብዙሓት ክሞቱን፡ ዝተረፉ ድማ ብኸቢድ ጸገምን ብድሆን መነባብሮኦም ክደፍኡ ተገዲዶም ይርከቡ።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት
ቅድሚ ክልተ ዓመት ብ24 ጥቅምቲ 2013 [ግእዝ] ድሕሪ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኵሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት "ንምስምዖም ዘስካሕክሑ" ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ብዝብል ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ኲናት ክምርምር ዘቘሞ ኮሚሽን፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ መባእታዊ ጸብጻቡ፡ እቶም ዝተፈፀሙ ከበድቲ ግህሰታት ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝዳረጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብተወሳኺ ጥሜትን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ምትዕንቓፍን ጾታዊ ዓመጽን ከም መሳርሒ ኲናት ምውዓሎም ኣመልኪቱ።
ብዘስካሕክሕ ደረጃ ዓመጽን ጾታዊ ግህሰትን ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኵሎም ኲናት ዝተኻየደሎም ከባቢታት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ፡ ኣብ ትግራይ ግን እቲ ዝኸፍአን ጭካነ ዝተመልኦን ከምዝነበረ ይጠቅስ።
እቶም ዓመጻትን ጾታዊ ግህሰታትን ዝተፈጸሙ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንትግራይ ምስ ተቘጻጸረ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ኣባላት ፋኖ ነቶም ተግባራት ከምዝፈፀሙ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝወጸሉ እዋን እውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዝቐፀለ ብዝርዝር ገሊጹ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተቘጻጸርዎ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዝፈጸሙ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ምሕባሩ ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ "ብስም መርመራ ዝተዋህበ ፖለቲካዊ መግለጺ" ክብል ነቒፍዎ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘረባ ዘስምዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቶም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት "ሰፊሕ ፕሮፖጋንዳ ኣሎ" ክብል'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ግን ተኣሚኑ’ዩ።
"ሰራዊትና ንገበነኛታት ክቈጻጸር እምበር ግህሰት ክፍጽም ኣይለኣኽናዮን። ኣብ ገበን ዝተሳተፈ ወተሃደር እንተሃልዩ ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውን እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ መሻርኽቶም ብምዃን ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ መግቢ፡ ትምህርቲን ን ሕክምናን ብዝተወደበ መንገዲ ብሰፊሑ ኣዕኒዮም እዮም ክብል እቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ’ሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ጸረ ሰብኣውነትን ዓሌታዊ ጽንተትን ብመልክዕ ወፍሪ ከምዝተፈጸሙ ክልተ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ኣመልኪቶም።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ዝዘርግሕዎ ጸብጻብ ካብ ጐረቤት ክልል ኣምሓራ ዝመጹ ሓይልታት ጸጥታን ሰበስልጣንን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዓሌታዊ ጽንተት የካይዱ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።
እቶም መጥቃዕትታት ከኣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
እንተዀነ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ነቲ ጸብጻብ ኣይተቐበልዎን።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መፋርቕ 2013 [ግእዝ] ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና ዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ንበይኑ ኣብ ዘውፀኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ጾታዊ ግህሰት ከም ዝተፈጸመን 1,288 ግዳያት ናብ ትካላት ሕክምና ብምኻድ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ከምዝሓበራን ኣመልኪቱ።
እቲ ኣሃዝ ግን ነተን ናብ ትካላት ጥዕና ዝኸዳ ጥራይ ዘመልክት ስለዝዀነ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተዓመጻ ደቂ ኣንስትዮ ጭቡጥ ቁጽሪ ኣይገልፅን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ብጕጅለ ከምዝተዓመጻ፡ ንባርነት ጾታዊ ርክብ ከምዝተቓልዓ፡ ናብ መራብሒ ኣካላተን ባዕዳዊ ነገራት ክኣትወን ከምዝተገበረን ገሊኤን ድማ ብኤችኣይቪ ከምዝተለኽፋን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ሓይልታት ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን ነዚ መጥቃዕቲታት ከምዝፈፀሙ ጠቂሱ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ዋና ጽሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘይሓዊ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ንምውራድ፡ ምድፋርን ፆታዊ መጥቃዕትን ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝገልገሉ ብሩህ እዩ" ኢላ።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝተሓፀረ ኣይኰነን።
እቲ ኲናት ምስተወልዐ፡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታትን እታ ሃገር ብሰንኪ መንነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላትን ኣረጋጊጾም’ዮም። ነቲ ተግባር ብምኹናን ድማ ብቕልጡፍ ደው ክብል ሓቲቶም።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስዋርን ካልኦት ግህሰታትን ከምዝፈፀሙ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች የመልክት።
ሓይልታት ትግራይ ንዝተፈላለዩ ከባቢታት ተቘጻጺሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ኣብ ዝግስግሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ነቲ ብፌደራላዊ መንግስቲ ዝወፀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ስዒቡ ንብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍጸም ከምዝነበረ ዘመልክቱ ጸብጻባት ተዘርጊሖም’ዮም።
እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ ካብ ሕዳር ክሳብ ለካቲት ጥራይ ልዕሊ 15 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሮይተርስ ብወገኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ብምዝርራብን ኣሳእል ሳተላይት ብምግምጋምን ቁጽሪ ዝተኣስሩ ሰባት ካብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገልጸ ብውሑዱ ብ3 ሽሕ ከም ዝዛይድ ሓቢሩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) እውን እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝፀደቐሉ መዓልቲ ጀሚሩ ሰባት ካብ ስርሖም፡ ገዛኦምን ጐደናታትን ከይተረፈ ተታሒዞም ኣብ ዝተፈላለያ መደበራት ፖሊስ ከምዝርከቡ ኣብቲ እዋን ምግላፁ ይዝከር።
እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ገለ መደበራት ፖሊስ ሰባት ነቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ስድራቤቶም መግቢ፡ ክዳንን መሰረታዊ ነገራትን ከብጽሑ ይዅን ክሓቱ ከምዘይከኣሉ ዝሓበረ ኢሰመኮ፡ ህጻናት ዝሓዛ ኣደታት፡ ክትትል ሕክምና ዘድልዮምን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዝተቓልዑ ሰባት እውን ከምዝተኣሰሩ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብኻልእ ገጽ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብታ ኣብ ዶብ ትግራይን ዓፋርን እትርከብ ከተማ ኣብዓላ ናብ ከተማ ሰመራ (ዓፋር) ምስተወስዱ እኹል ኣገልግሎት ጥዕናን ሓገዝን ኣብ ዘይብሉ መጽንሒ ማእከል ክሰፍሩ ከምዝተገበሩ ጸብጻባት ኣቃሊዖም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ብቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ኣብቲ ማእከል ዝነበሩን ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ቦታ ካብ ዝነበሩ ሰባት ዝሞቱ ከምዘለዉ ገሊፆም ነይሮም።
ኣብ ክልል ዘጋጠመ ቅልውላው ጥዕና
ነቲ ኲናት ስዒቡ ዝመፀ ተነጽሎ ትግራይ ካብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ንስርዓተ ጥዕና ብሕሱም ሃስይዎ፣ ሕጽረት መሰረታዊ መድሃኒታት ንተሓከምቲ ይቐትል ኣሎ።
ኣብቲ ክልል ዝነበረ ውሱን መጠን ክታበት፡ ፀረ-ቃንዛን ኢንሱሊንን ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ከምዝተወድኡ ዝሓለፈ ዓርቢ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብሕክምና ክፍወሱን ንምክልኻሎም ብዝከኣልን ሕማማት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ።
ብሰንኪ እቲ ኣብታ ክልል ዝተነበረ እገዳ፡ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ከእቱ ከምዘይከኣለ ክገልጽ ዝጸንሐ እቲ ዓለማዊ ትካል፡ ነቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተዅሲ ደው ምባል ተጠቂሙ ዝተወሰነ ረድኤትንመድሃኒትን ከብጽሕ ክኢሉ ነይሩ።
ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ማእከላት ጥዕና እተን 9 ሚእታዊት ጥራሕ ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ፤ እዚአን’ውን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ፀገም ምህላወን ሰበስልጣን ትካል ውድብ ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም መራሒት ጕጅለ ኢትዮጵያ ኢልሃም ዓብደልሓይ ኑር፡ ኣብ ትግራይ ቍጽሪ ናይቶም ብሕፅረት መግቢ ዝሳቐዩ ህጻናት "ዘሰንብድ" ምዃኑ ብምግላፅ፡ ካብቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም እቶም ሓደ ሕምሲት ብኸቢድ ሕፅረት መግቢ ከምዝሳቐዩ ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ብተደጋጋሚ ዝዛረብ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ቅልውላው ዝግባኦ ቆላሕታ ክህቦ እሓትት። ኣብዚ እዋን፡ ምጽናት ዓሌት ንምክልኻል ጸቢብ ዕድል ኣሎ" ኢሉ።
ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ወይ ‘ኤምኤስኤፍ’ ዝተበሃለ ኣህጉራዊ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ኮነ ኢልካ ሰፊሕ ምዝማትን ምዕናውን ከምዝተፈጸመ ኣብ መፋርቕ 2013 ዓ/ም ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኤምኤስኤፍ ኣብ ትግራይ ንዝርከባ 106 ትካላት ጥዕና ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ሰለስተ ርብዒ ካብአን ከምዝተዘመታ ሓቢሩ። ገለ ካብቲ ዝምታ እውን ብወተሃደራት ከምዝተፈጸመ ገሊፁ።
ካብተን ዝተዓዘበን ትካላት ጥዕና እተን 13 ሚእታዊ ጥራይ ኣገልግሎት ክህባ ከም ዝኽእላ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኤምኤስኤፍ ኣብ ትግራይ ካብ ዝዳህሰሰን ትካላት ጥዕና እተን 65 ሚእታዊ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣግውልግሎት ወጻኢ ዝዀናን ሰብ ሞያ ዘይብለንን እየን።
ፈጻሚ ዳይረክተር ኤምኤስኤፍ ኦሊቨር ቤን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ" ክብል ገሊፁ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ብዘጋጥም ከቢድ ሕፅረት ምግቢ መዓልታዊ ህጻናት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ወግዓዊ ምግባሩ ይፍለጥ።
ብሰንኪ’ቲ ዕንወት ትካላት ጥዕና ትግራይ፡ ፀገም ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምቁራፅ ንህይወት ዘስግኡ ሕማማት ንምፍዋስ ዝውዕሉ መድሃኒትን ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለው።
ኣብ መቐለ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር እውን በዚ ጸገም ይፍተንን መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምና ደው ከብልን ተገዲዱ ኣሎ።
ንኣብነት ሕማም ሽኮር ክነልዕል።
ኣብ ትግራይ ኣስታት 27 ሽሕ ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር ከኒና እናወሓጡ ወይ ብመርፍእ ህይወቶም ከምዘቐጸሉ ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 8 ሽሕ ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም።
ዓይደር ኣብቲ ክልል እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል እዩ። እቲ ሆስፒታል ብዅነታት እቶም ሕሙማት ካብ ምሕዛን ሓሊፉ ካልእ ነገር ክገብረሎም ከምዘይክእል ዶክተር ክብሮም ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሰሙን ክሳብ 12 ሰባት ይሞቱ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጸገም ስርዓት ጥዕና ብዝኸፍአ ደረጃ ዝተሃስዩ ህጻናት እዮም።
ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ 2022 ክታበት ዝረኽቡ ህጻናት ቍጽሮም ናብ ትሕቲ 10 ሚእታዊ ኣንቈልቊሉ ኣሎ።
"ዕሸላትን ህጻናትን ብሰንኪ ሕጽረት ክታበትን ህይወት ዘድሕኑ መድሃኒታትን ከምኡ’ውን ሕክምናዊ ናውቲ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ" ምህላዎም እቲ ቢሮ የመልክት።
እዚ ድማ ለበዳ ሕማም ንፍዮ፡ ውፅኣት፡ መነንጃይተስ፡ ለምሲ [ፖልዮ]ን ካልኦት ለብዒታትን ኣብቲ ክልል ከምዘስዓበ’ውን ሓቢሩ።
ለበዳ ሕማም ንፍዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከምዘጋጠመ ዝጠቐሰ እቲ ቢሮ፡ ኣብ ዕሸላት ዘጋጥም ዝነበረ ሕማም ቴታነስ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ዜሮ ወሪዱ ከምዝነበረን ሐዚ ግን ኣብ 25 ህጻናት ከምዘጋጠመን ገሊፁ።
ቢቢሲ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝረኸቦ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ቁፅሪ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ ዝሞቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ትግራይ፡ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ 4 ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ምስ ዝነበረ ኵነታት ክነጻጸር እንከሎ ብ 1 ሽሕን 533 ሚእታዊ ወሲኹ’ሎ።
ካብ ሓምለ 2013 ክሳብ ሓምለ 2014 [ግእዝ] ኣብ ዝነበረ እዋን 2 ሽሕን 450ን ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ክልል ሓበሬታ ምርካብ ብሰንኪ ፀገም መጓዓዝያ፡ ሕጽረት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት ምኽንያታት ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣሃዛት ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝረሓቐ ከምዝኸውን ይእመን።
ብኻልእ ገጽ ንምጅማር ኲናት ስዒቡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 1 ሽሕን 500ን ትካላት ጥዕና ብሓይልታት ትግራይ ከምዝተዘመቱን ከምዝዓነዉን ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልፅ።
ጥምየትን ሕፅረት ምግብን ኣብ ትግራይ
ኲናትን እገዳን ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕፅረት መግብን ጥምየትን ኣስዒቡ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ክሳብ ናብ ልመና መግቢ ዝተቓልዑ ዶክተራትን ነርሳትን ቢቢሲ ኣዘራሪቡ።
እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ስርሓት ሕርሻ ምቁራጹን ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እገዳ ተነቢሩ ብምፅንሑን ዘጋጠመ እዩ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ሰባትን እንስሳትን ይሞቱ ምህላዎም ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ድሕሪ 8 ኣዋርሕ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮ ኣመልኪቶም’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







