ኣምነስቲ፡ ኣብ ኵናት ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ሰብኣዊ መሰላት ግሂሶም ይብል

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኵሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ሰብኣዊ መሰላት ብመጥሓስ ገበን ከምዝፈጸሙ ገሊጹ።
ኣምነስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ገሊጹ።
ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ፍስሃ ተክሌ፡ “እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ፡ ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረግ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክንምልከት ክኢልና ኢና” ኢሉ።
ፍስሃ ተክሌ ካብቶም ዝተፈጸሙ ገበናት፡ “ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ጭካነን ዝተሓወሶም ጾታዊ መጥቃዕትታት” ከምዝርከብዎም ገሊጹ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ምስ ምጽጻይ ዓሌት ዝዳረግ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሞም’ዮም ዝብሉ ጸብጻባት ኣቐዲሞም ክወጽኡ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ ኣብ ክልል ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ምጽጻይ ዓሌትን ክፍጸም ዘሎ ተኽእሎ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኣተሓሳሲብና ኣሎ፡ ኢሉ ነይሩ።
እቲ ቤተ መዘክር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራን ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ተሓጊዙ ንወሰንቲ ከተማታት ትግራይ ምቍጽጻሩ፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት እቲ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ክብል ብሰኑይ 24 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ መግለጺ፡ “ጸብጻባት ገበናት ምጽጻይ ዓሌት ዝመስሉ ምልክታት፡ ንሰለማውያን ነበርቲ ዝዀኑ ተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ ቅትለታት፡ ናይ ጽልኣት ዘረባታት፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ኮነ ኢልካ ጥምየት ከምዝህሉ ምግባርን ጃምላዊ መቕጻዕትን እናበርከቱ ይመጽኡ ኣለዉ” ዝብል ይርከቦ።
ንመግለጺ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም ተኸቲሉ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ጸብጻብ ብትሪ ነጺጐምዎ ኣለዉ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሓላፍነት ዝጐደሎን ንፕሮፖጋንዳ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ህወሓት ንምግዋሕ ዝዓለመ’ዩ፡” ኢሉ።
እቲ ኤምባሲ፡ “ብዘይ መርትዖ ድምጺ ህወሓት ካብ ምግዋሕ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ዘርኢ ሓበሬታ ምእካብ ምሓሸ ነይሩ” ኢሉ።
እቲ ኤምባሲ ኣስዒቡ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተፈጸሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምእንቲ ክምርመር መንግስቲ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሓባራዊ መርመራ ንኸገብሩ ባይታ ዘጣጥሕ ተባዕ ተበግሶ ከምዝወሰደ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ነቲ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ ዘውጽኦ መግለጺ ብምቅዋም፡ ምስ መግለጺ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝመሳሰል መግለጺ ትማሊ ኣውጺኡ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ “‘ሆሎካስት ሚሞርያል ሙዝየም፡ ንወፍሪ ጸለም ህወሓት’ዩ ደጊሙ” ኢሉ።
እቲ ኤምባሲ፡ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ “ ነቲ ዘይሻራዊ መርመራ ከይገበረ ዘወጽኦ መግለጺ” ክኣልዮ’ውን ጸዊዑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







