ኲናት ትግራይ፡ ነፈርቲ ውግእ ሰላማውያን ሰባት ደብዲበን ድየን?

‘’ኣነን ደቀይን ቴሌቪዥን እናረአና ከለና እዩ ካብዚ መጺኡ ዘይበልናዮ ደብዳብ ነፋሪት ዝወቐዐናን ኣብኡ ዝደፈነናን”
እዞም ቃላት ካብ ሓንቲ ግዳይ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እትርከብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ዝተሰምዑ እዮም። በቲ መጥቃዕቲ 8 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ዓሰርተታት ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እታ ከተማ ናብቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይ ብሓደ ወገን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብካልእ ወገን ኮይኖም ኲናት ዘካይዱሉ ዝነበሩ ግንባር ኣብ ቀረባ ርሕቀት ነይራ።
ነቲ ዘጋጠመ ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ዝጻረሩ ሓበሬታታት ኣለዉ፤ ጋዜጠኛታት ናብቲ ከባቢ ክኣትዉ እውን ፍቑድ ኣይኮነን።
ገለ መረዳእታታት ቪድዮ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ነቶም ቪድዮታትን ካብ ሳተላይት ዝተረኸቡ ምስልታትን ተወኪስና እንታይ ከምዝተፈጠረ ዳህሲስና ኣለና።
ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ እንታይ ተባሂሉ?
ሰብ መዚ ህወሓት፡ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ 27 መስከረም ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ከምዝፈጸመ እዩ ዝገልጽ።
“ቦምባ ደርብዮም . . . ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም፤ ብዙሓት ኣቑሲሎምን መንበሪ ኣባይቲ ናብ ሓሞኽሽቲ ቀዪሮምን” ኢሎም።
ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ሓደ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኤርትራ እትውነን ሚግ-27 ከምዝፈጸመቶ ከሲሱ።
ኣብ 27 መስከረም ነፈርቱ ንከተማ ዓዲ ዳዕሮ ከምዝደብደባ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዒላማ ዝገበረኦ ግን ምስ ህወሓት ርክብ ዝነበሮ ትሕዝቶ ጥራሕ ምንባሩ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነን ፋክት ቸክ ዝተባህለ ናይረ ትዊተር ገጽ እውን “ኣቐዲሙ ዝተኣለመ ናይ ሕሶት ክሲ” ኣቕሪቦም ክብል ንሓይልታት ትግራይ ከሲሱ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ እንታይ ዝተረኸበ መርትዖ ኣሎ?
ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቪድዮታት ዝወጹ ኮይኖም፡ ገሊኦም ብሓደ ናይ ትግራይ ጉጅለ ቴሌዚዥን ኣብ ኢንተርነት ተፈንዮም።

ካብ ዓዲ ዳዕሮ ከምዝመጽአ ዝተነገረና ሓደ ቪድዮ፡ ነቲ ኣብ 27 መስከረም ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ደብዳብ የርእይ።
ምንጩ ንምርርግጋጽ ግና ነቲ ዝቐደሖ ሰብ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን።
ብ 28 መስከረም ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተሓላለፈ ቪድዮ ድማ፡ ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ ሰባት ኣብ ዝፈራረሱ ገዛውቲ ብህይወት ንዝተረፉ ሰባት እንትደልዩ የርእይ።
ኣብቲ ቪድዮ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን የረኣያ። ኣብ ገለ ክፋል እቲ ቪድዮ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቲ ፍርስራስ ተፋሒረን ክወጻ የርእይ። ናይ ሲቪል ክዳን ተኸዲኖም ብረት ዝሓዙ ክልተ ሰባት እውን ዝረኣዩ ኮይኖም፡ መንነቶም ክነረጋግጽ ግን ኣይከኣልናን።
ኣብ ገለ ካባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝባዊ ከባቢታት ብረት ዝሓዙ ሰባት ምርኣይ ልሙድ እዩ፤ ኣብቲ እዋን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ምንባሩ እውን ይፍለጥ እዩ።

ኣብቲ ቪድዮ ቃለ መሕተት ዝተገበረሎም ሰባት፡ እቲ መዓልቲ በዓል መስቀል ዘኽብሩሉ ሰላማዊ መዓልቲ ምንባሩ ክገልጹ ይስማዕ።
ሓንቲ ሰበይቲ “እዚ ከጋጥም እዩ ኢልና ኣይሓሰብናን። ኣብዚ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ የለን። እዚ ድኻታት ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ” ክትብል ንቴሌቪዥን ትግራይ ተዛሪባ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ምዃኑ ዘመላኽቱ ምልክታት ኣለዉ።
ኣብ ሓደ ቪድዮ ዝረኣይ ፍሉይ ዝርገሐ ዘለዎ ጎቦ፡ ኣብ 'ጉግል ማፕ' ከምዝረኣይ፡ ምስቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ዝርከብ ዝመሳሰል እዩ።

ነቲ ቪድዮ ዝሰኣለ ሰብ ካሜርኡ ኣብ ዘዝረሉ ላዕለዋይ ክፋል ናይ መስጊድ ንካልኢታት ይረኣይ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ 'ጉግል ማፕ' ዝተለጠፈ ምስሊ ዓዲ ዳዕሮ ዘሎ ምስጊድ ሓደ ዓይነት እዩ።
እቲ መስጊድ ካብቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ንኣንፈት ሰሜን ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ 'ጉግል ማፕ' ብቖጻል ምልክት ይፍለ።
ቢቢሲ እውን ሳትላይት ምስሊታት እቲ ከባቢ፡ ቅድምን ድሕርን እቲ ደብዳብ ርእዩ እዩ።
ኣብቶም ምስሊታት መንበሪ ኣባይቲ ዝዓረፉዎም ቀጥ ዝበሉ ጎደናታት ዝረኣዩ ኮይኖም፡ ኣብ 1 ጥቅምቲ ዝተወሰደ ምስሊ ድማ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝበጸሐ ጉድኣት ብግልጺ የርእይ። እዚ ጉድኣት ኣብቶም ቅድም ኢሎም ዝተወሰዱ ምስልታት ኣይረኣይን። ጽርየት እቲ ብ 1 ጥቅምቲ ዝተወሰደ ምስሊ ግና ምኽንያት እቲ ጉድኣት ንምፍላይ ዘኽእል ኣይኮነን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?
ኣብቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዒላማ ዝተገበሩ ወታሃደራዊ ቦታታት እንታይ ምንባሮም ንሰብ መዚ ኢትዮጵያ ሓቲትናዮም፤ ምላሽ ግን ኣይሃቡን።
ኣብ 17 ጥቅምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉድኣት ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ኣብ ከባቢታት ከተማ ኲናት ከምዘየካይድ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንህወሓት ድማ ሰላማውያን ሰባት ከም ሽፋን ብምጥቃምን ሲቪላዊ ትካላት ንወታሃደራዊ ኣገልግሎት ብምውዓልን ከሲሱ።
መጥቃዕቲታት ኣየር ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ'ውን እናተፈጸሙ ጸኒሖም እዮም፤ እንተኾነ ብምኽንያት እቲ ዝቐጸለ ዕጽዋ መራኸቢታት ነቲ ዘጋጠመ ነገር ብትኽክል ንምፍላይ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣይ ኣር ሲ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሽረ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰራሕተኝኡ ከምዝተቐተሎ ገሊጹ እዩ።
ኣብ ካልኦት ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ዝገልጹ ሓበሬታታት እውን ወጺኦም እዮም፤ ምርግጋጽ ግን ኣይተኽኣለን።
ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ “ህዝቢ ኣብ ዝበዘሖም ከባቢታት ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ድሮን ሰላማውያን ሰባት ንልዑል ሐደጋ ክቃልዑ ይገብር ኣሎ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







