ዘተ ሰላም ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክካየድ ጀሚሩ

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ብብዙሓት ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳዕ 30 ጥቅምቲ ክካየድ ምዃኑ ኣፈኛ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
ቪንሰንት ማግዌኛ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ልዝብ፡ ብሞንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኰይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዝደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚሌ ማላምቦ-ናኩክን ዘተሓባብርዎ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣቦ መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ብወገኑ ሎሚ ሰሉስ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ንግጭት ክልል ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈላሚ ቀጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምጅማሩ" ሓጎስ ከምዝተሰምዖ ገሊጹ።
ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘሎ ዘተሰላም ተወከልቲ ኢጋድ፡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ይሳተፉ ከምዘለው እውን ሓቢሩ።
ቪንሰንት ማግዌኛ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ መድረኽ ሰላማዊ ዝርርብ ተአንግድ ኣላ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኣዕናዊ ጐንጺ፡ ሰላማውን ዘላቕን ፍታሕ ንምምጻእ ዝተሓስበ ሰላማዊ ዝርርብ ድማ፡ ካብ ሎሚ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ” ኢሉ።
እቲ ዘተ ሰላም ፍረ ምእንቲ ክርከቦ’ውን፡ ነቶም ኣወሃሃድቲ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።
“ውጽኢት እቲ ዘተ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዘላቂ ሰላም ምእንቲ ከምጽእ ደቡብ ኣፍሪቃ ምንዮታ ትገልጽ” ኢሉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዘተ ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰነ 2021 ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትው ኣየፍቀደን።
ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መራኸቢታት ቴለፎንን ኢንተርነትን ተቋሪጹ ብምህላው ንህልው ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ክልል ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።
በቲ ኣብ ክልል ትግራይን መዋስንቲ ከባቢታትን ዝተኻየደ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግመት።
ብክልቲኡ ወገናት ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ኣካላት ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰሱ።
ኣብዚ ብሰፊሕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ፡ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሰንበትን ሰኑይን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ይዝከር።
ኣባል ማእከላዊ ህወሓት ዝኾነ ክንድያ ገ/ህይወት፡ ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ዝሳተፍ ልኡኽ ትግራይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ ኢሉ ኔሩ።
ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ትማሊ ሰኑይ ረፋድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምምርሑ ገሊጹ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ፊት ንፊት ዝራከቡ ዘለው፡ እቲ ኲናት ሓዪሉ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት፡ መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን፡ ብርክት ዝበሉ ከተማታትን ከባቢታትን ትግራይ ካብ ሓይልታት ትግራይ ይቆጻጸሩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







