'ኣፍካ ዘየኽድን' ኮኾብ ስነጥበባዊ ነጻነት ወርቅነህ እንክዝከር

ምንጪ ስእሊ, SM
ነጻነት ወርቅነህ ኣብ መስሓቕ ፊልምታት ይኹን ድራማታት ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ኾኾብ ኢትዮያዊ ተዋሳኣይ እዩ።
ኣብ ዝሰርሖም ተዋስኣዊ ስራሓት ይኹን ዝኣልዮም መድረኻት 'ስንኻ ዘየኽድኑ' ካብ ዝብሃሉ ተዋዘይቲ ኣቕረብቲ ቴለቪዝን እውን እዩ።
'ኤፍቢአይ'፣ 'ባለቀለም ሕልሞች' ን 'ያንቺው ሌባ'ን ካሎኦትን ዛኣመሰሉ ፊልምታት ከምኡ'ውን 'ፍሬሽማን' ኣብ ዝኣመሰላ ኣዛነይቲ ስርሓት ብዘለዎ ኣዝዩ መሳጢ ናይ ምውሳእ ብቕዓት ዝፍለጥ ነጻነት ብዝሓደሮ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ነጻነት ናይቲ ኣብ ኢቢኤስ ቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ 'የቤተሰብ ጨዋታ' ኣቕራብን ኣሰናዳኢን እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ንተወዳደርቲ ዝሓቶ መስሓቕ ሕቶታትን ወስ ዘብሎም ኣዛነይቲ ርእይቶታቱ'ውን ዝዝከር እዩ። ነጻነት ብናይ ተለቭዥን መወዓዊዒታት'ውን ዝና ኣትሪፉ እዩ።
ነጻነት'ቲ 'ፈጣን'
ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ዴኤታ ዝዀነ በዓል ሞያን ሓጋዚ ፕሮፌሰርን ነብዩ ባዬ ንነጻነት ገና ወዲ 20 ዓመት እንከሎ ካብ መጨርሽታ 1980ታት ኣትሒዙ እዩ ዝፈልጦ።
መወዳእታ 1980ታትን ፈለማ 1990ታትን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ናይ መድረኽ ድራማታት ዘጉላዕላዓሉ እዋን ምንባሩ ይዝክር።
ካብ ከባቢ ቄራ ሳምሶን ታደሰ (ቤቢ)፡ ሰለሞን ቦጋሌ ኣብ ከባቢ ማርካቶ፣ ቴድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ) ከምኡውን ኣብነት ኣጎናፈርን ገለ ካብቶም ብስነ-ጥበባዊ ንጥፈታቶም ዚፍለጡ እዮም።
ናብ ሃገር ፍቅርን ከባቢ ገዳም ሰፈርን ምስ እንመጸእ ድማ ነብዩን ነጻነትን ይጥቐሱ።
ኣብቲ ግዜ'ቲ ብዙሓት መንእሰያት ናብ ትያትር ይኸዱ ነበሩ። ብዙሓት ናይ ስነጥበብ ጉጅለታት ዓንቢበን እዮም።
እዚ ድማ እዩ መበቈል ናይቶም ውሩያት ክኢላታት ተዋሳእቲ፡ ጸሓፍትን ኣዳለውትን ።
ካብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብፍላይ ንኮሜዲ ዝኸውን "ኣዝዩ ፈጣን" ከምኡውን "ኣዝዩ ልዑል ውህበት ዘለዎ" ነጻነት ከም ዝነበረ ይዝክሩ።
ኣብ 1993 ዓ/ም ተመሃሪ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበሩሉ ነጻነት 'ማክሲ ሚዲያ ኢንተርፕራይዝ' ኣብ ዝብሃል ናይ ስነጥበብ ጉጅለ ክስልጥን ረኺቦሞ።
ኣብቲ እዋንቲ ነቲ ሹዑ ተማራይ ዩኒቨርስቲ ዝንበረ ነብዩ ኣሰልጣኒ ኮይኖም እዮም ከይዶም።
' ሞያኡ ንምድራዕ፡ ብዙሕ ጻዓርታት እናገበረ እየ ረኺበዮ' ብምባልውን ትዝታኦም የካፍሉ።
ድሕርዚ ብስራሕ ሓሓሊፎም ይራኸቡ ነይሮም። ን ነጻነት ድማ 'ወናኒ ፈጣን ኣእእምሮ' ብምባል እዮም ዝገልጽዎ።
እዚ ፍጥነት'ዚ ኣብ ኮሜድያዊ ስራሕ መሰረታዊ ነገር እዩ።
እቶም በዓል ሞያ ' ኮሜድያዊ ስራሕ ፍጥነትን ፈጠራዊ ዓቕምን ዝሓትት እዩ' ይብሉ።
ነጻነት ወርቅነህ ንነዊሕ ግዜ ካብ ዝፈልጥዎን ብሓባር ካብ ዝሰርሑን ሰባትn ሓንቲ ደራሲትን ኣቕራቢንን መኣዛ ወልዱ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ቴለቭዥን ራድዮን ብዘርኣዮ 'ተፈጥሮኣዊ ናይ ምውሳእ ብቓዓት' ልዑል ኣድናቖት ከም ዘለዋ ትዛረብ።
'ንዝዀነ ዝሰርሖ ጥበባዊ ስራሕ ብሉጽ ጌርካ ናይ ምስራሕ ፍልይ ዝበለ ተውህቦ ዘለዎ ተዋሳኣይ ከም ዝነበረ ዝፈልጦ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ።'
ነጻነት ኣብ ስርሑ ብዝኮነ ጉድለት ዲስፒሊን ዘይሕመ፡ሓባራዊ ስራሕ ንምዕዋት'ውን ዕዙዝ ኣስተዋጾኦ ዘበርክት ምዃኑ መአዛ ትግልጽ።
'ስራሕ ብዝቐለለ መንገዲ ንክስራሕ ዝሕግዝ፡ ብዕድል ወይ ብ ኣጋጣሚ ዘይኰነ ሰሪሑ፡ ጺዒሩ፡ ወዲቑን ተሲኡን ዓቢ ስምን መንነትን ዝተኸለ በዓል ሞያ እዩ' ብምባልውን ዓወት ነጻነት ክሳብ ክንደይ ብትግሃትን ተወፋይነትን ዝመጽአ ምዃኑ ተረድእ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ቅጽበታዊ ናይ ምፍጣር ክእለት ናይ ኮሜዲያን ኣእምሮኣዊ ፍጥነትን ብልሒ ምዃኑን የርኢ።
እቲ ምንታይ ነቲ ኽትነግሮ ወይ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ ብቕልጡፍ ምብጻሕ እውን ይሓትት ስለ ዝዀነ።
ነጻነት ብኹሉ መዳይ ዝተዓጥቀ በዓል ሞያ እዩ ነይሩ።
እቲ ተሓጋጋጋዚ ፕሮፌሰር " ላዛ ዘለዎ፡ ማራኺን ኣንደበተ ርቱዕን ምስ ዝኸውን እቲ ሰብ ካብ ኩሉ ጎሊሑ እዩ ዝወጸእ" ብምባል ነጻነት ናይዚ ኣብነት ምዃኑ ይጠቅስ።
መድረኽ ክመርሕ፡ ኣብ ፊልም ይኹን ኣብ ድራማ ክዋሳእ እንከሎ ብቕዓቱ ጎሊሑ እዩ ዝርአ።
ብዙሓት ሰባት "ክንርኢዮ እንከለና ደስ ይብለና" ብምባል እቲ መስሓቕ ጎኑ ዝረኣዮም'ኳ እንተዀነ ብዛዕባ "ብልሕን ብስለትን ኣእምሮኡ" ግን ብዙሕ ክበሃል ከም ዝግባእ እቲ በዓል ሞያ የረድእ።
". . . እቲ ዝዓበየ ክእለቱ ኣእምሮኣዊ ፍጥነት እዩ። ኣእምሮ ክቅልጥፍ ከሎ ልሳን ምስ ዝተሓባበሮ፡ ናይ ቛንቃ ከእለትውን ተወሲኽዎ ብላዛ ዝተቐመመ ዋዛ'ውን ምስ ዝሰንዮ እቲ ሰብ ክኢላ ኮሜዲያን እዩ። "
ብፍላይ ከኣ ነጻነት ኣብ መንጎ ስታንድ ኣፕ ኮሜዲን ትያትርን ውህደት ከም ዘምጽአ ይዛረብ።
"መድረኽ ክቖጻጸር ዝኽእል፡ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ደው ኢሉ ዝደለዮ መልእኽቲ ከብጽሕ ዝኽእል ሰብ ኢዩ ነይሩ፡" ክብል'ውን ይንእዶ።
ነጻነት ሓደ ክነሱ ብትሕዝቶ ተዓጻጻፍነት ከምኡ'ውን ብምስሓቕ መድረኽ ብምቁጽጻር ዛንታ ዝቕይር ምዃኑ ሞያዊ ትንታነኦም የካፍሉ።
እቲ ሓጋዚ ፕሮፌሰር፡ ነጻነት ንበይኑ እናዛነየ መድረኽ ናይ ምቑጽጻር ዘለዎ ክእለት ኣብ ትያትር 'ፍሬሽ ማን' ጐሊሑ ከም ዝወጽአን እቲ ኣብ ስታንድ ኣፕ ኮሜዲ ዘምጾኦ ለውጢ ድማ ከም እሸቱ መለሰ ዝኣመሰሉ ኮሜዲያን ከም ዘፍረየ ይገልጹ።
ትሕትና ዝመለለይኡ ነጻነት
'ኣዝዩ ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ' ብምባል'ውን እቲ ተሓጋሓጋዚ ፕሮፌሰር ይገልጾ።
' ሰብ ድሕሪ ሕልፈቱ ...... ከም ዝብሃሎ ንስለ ምባል ዘይኰነስ እቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ኣዝዩ ሰብ ዘኽብር ፡ ኣዝዩ ትሑት ፡ መስተውዓሊ እዩ። እቲ ኣብ መድረኽ ዝጥቀመሉ ነገር ብምስትውዓል፡ ብምሕታትን ብጽሞና ብምስማዕን እዩ ዘዋህልሎ።'
ባህሪኡ በዓል ዝና ብምዃኑ ሰባት 'ክርሕቅዎ' ዝገብር ዘይኰነስ መሊሶም ናብኡ ክቐርቡ ዝገብር ምንባሩውን ይምስክሩ።
'ኣብ ገዛውቱ ይኹን ኣብ መድረኽ፡ ሓደ ሰብ ይሃሉ ሽሕ ሰባት ኣብ ዝተአከቦ ትሑት እዩ። ብትሕትና ሰብ ምኽባርን ሓድሽ ነገር ምምሃርን እየ ዝርእየሉ ነይረ' ኢሉ'ውን የረደእ።
"ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሕ ተዘክሮታትን ብዙሕ ጥበብን ዝሃበ ሰብ እዩ" ብምባል ነጻነት ነቲ ፈጣሪ ዝሃቦ ዕድመ ብኣገባብ ከምዝተጠቀመሉ ይኣምን።
ነጻነት ኣብ ሞያኡኡ ዝነብሮ ፍቕሪ ብዝምልከትውን መአዛ ወርቁ ኣብ 2004 ዓ/ም ነቲ ናይ ብሕቲ ኣዳለውቲ ትያትር ብዛዕባ ወጻኢታት ትያትር ኣብ ዚገብርዎ ቃልሲ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበረ " ተሓላቒ ናይቲ ሞያ እዩ' ክትብል ትገልጾ።
ሓንቲ ኻብ ህቡብ ስራሓት ነጻነት ዝዀነትን ኣብ መጀመርታ 2000 ዓ/ም ናብ መድረኽ ዝቐረበት "ፍሬሽማን"፡ ኣብ ርእሲቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኩለን ኣደራሻት ምርአያ ኣዛራራቢት ምንባራውን ዝዝከር እዩ።
'ፍሬሽማን' ብነጻነት ወርቅነህ ዝተደርሰን ዝቐረበን ስራሕ ኰይኑ ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራት ዓለም ኣብ ርእሲ ምርኣዩ "ክሳዕ'ዚ ቀረባ ግዜ እናጸንሐ ናብ መድረኽ ዝምለስን ንተዓዘብቲ ናብ ትያትር ዚመልስ ተፈታዊ ስራሕ እዩ፡" ብምባል ደራሲትን ኣቕራቢትን መአዛ ዘለዋ ኣድናቖት ትገልጽ።
ነጻነት ንኹሉ ቀረብኡ ንኽገብሮ ዘለዎ ድሌትን ጻዕርን ኣብ ሞያኡ ዕዉት ክኸውን ከም ዝገበሮ እትዛረብ መኣዛ ሕልፈቱ ልዑል ጓሂ ፈጢሩላ እዩ።
'ነጻነት ንህዝቢ፡ ንሜድያ፡ ንዓለምለኻዊ ምዕባለታትን ንንባብን ቀረባ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ምስቲ ዝነበሮ ፈጣን ኣተሓሳስባ ዝተማልአ ስብእናን፡ ኣብ ዝኮነ ጉዳይ ዝሓሸ መረዳእታን ክህልዎ ጌሩ እዩ። ንስርሑውን ዘይነጽፍ ዋሕዚ ክህልዎ ሓጊዝዎ እዩ።'

ምንጪ ስእሊ, SM
ካብ ንእስነቱ ኣብ ስነጥበብ ዝዘንበለ ነጻነት
ብ1975 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፡ ኡራኤል ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተወልደ ነጻነት ገና ብንእስነቱ እዩ ናብ ትያትር ኣትዩ።
ተዋሳኢ፡ ኮመዲያን፡ ኣዳላውን ተለቪዥንን ነጻነት ኣብ ታሪኽ ምድላው ፊልምን ትያትርን ተለቪዥን ኢትዮጵያን ዕዙዝ ተራ ኣለዎ።
ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ገዛእ ርእሱ ትያትር ብምጽሓፍን ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ገጸ-ባህርይ ብምልባስን ኣቓልቦ መምህራኑ ኸም ዝሰሓበ እዩ ዚንገር።
ብፍላይ ድማ ናይ ኣምሓረኛ መመህሩ የተባብዕዎ ምንባሮም፡ ነጻነት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቓት ተዛሪቡ ኣሎ።
ኣብ ተለቪዥን ኤቢኤስ "የቤተሰብ ጨዋታ" ኣብ ዘቕረበሉ ልዑል ናእዳን ህቡብነትን ኣትሪፉ ።
እቲ መደበር ተለቪዥን እውን፡ ኮኾብ ስነጥበባዊ ነጻነት ብዝሓደሮ ሕማም ድንገት ሂወቱ ምሕላፉ ሲዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ዝተሰሞዖ ሓዘን ገሊጹ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ብወገኑ "ነቲ ነጻነት ዝገበሮ ኣበርክቶ ወትሩ ክዝክሮ እየ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ብግድብ ህዳሴ እተወደበ ናይ 2016 ሓድሽ ዓመት ኣቀባብላ ፕሮግራም ክዝክሮ እየ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ሓዘኑን ናይ ጽናዓት ይሃብ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ናይ ነጻነት ዜና ዕረፍቲ ስዒቡ መሳርሕቱን ደገፍቱን ኣብ እተፈላለየ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስሊ ነጻነት ብምልጣፍን ትዝታኦም ብምጽሓፍን ሓዘኖም የካፍሉ ኣለዉ።
ነጻነት ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቘልዑን እዩ።
መሳርሕቱ ክሳዕ ሓሙስ 7 ጥሪ 2018 እተፈላለየ ዕዮታት ይዓዪ ኸም ዝነበረ እኳ እንተ ገለጹ ዓርቢ ንግሆ ግን ብሃንደበት ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምኻዱ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ኸም ዝሞተ ኣዕሩኽቱ ገሊጾም።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነጻነት ወርቅነህ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ክፍጸም እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







