ግሪንላንድ፡ ወተሃደራት ኤውሮጳ ናብታ ደሴት ይኣትው

ሲ-130ጀይ ሱፐር ሄርኩለስ እትበሃል ነፋሪት ንጉሳዊ ሓይሊ ኣየር ዴንማርክ ሎክሂድ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኑክ ግሪንላንድ ዓሪፋ እንከላ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ን'ዳህሳሳዊ ተልእኾ' ዝተወሰኑ ወተሃደራት ኣብ ዘዋፍራሉ ዘለዋ እዋን፡ ንእሽቶ ወተሃደራዊ ጕጅለ ፈረንሳ ናብ ርእሰ ከተማ ግሪንላንድ ኑክ ከም ዝኣተወ ሰበስልጣን ገሊጾም።

እዚ ንጀርመን፡ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድ፡ ነዘርላንድስን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሳትፍ ውሱን ምውፋር፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ክፋል ዴንማርክ ዝዀነት ደሴት ኣርክቲክ ዘቕርቦ ሕቶ ይግብኣኒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ እዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ እቲ ናይ መጀመርታ ጕጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ብ"ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን፡" ክድልድል ምዃኑ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኦሊቨር ፖይቭረ ዲ ኣርቮር፡ እቲ ተልእኾ ሓያል ፖለቲካዊ መልእኽቲ ከም ዝሰድድ ብምግላጽ፡ "እዚ ናይ መጀመርታ ልምምድ'ዩ... ንኣመሪካ ኔቶ ከም ዘሎ ከነርእያ ኢና፡" ኢሉ።

ፖይቭረ ዲ ኣርቮር፡ ምኒስተራት ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክን ግሪንላንድን ብረቡዕ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ንምርኻብ ናብ ዋሽንግተን ድሕሪ ምኻዶም ድሕሪ ሰዓታት፡ እቲ ፈረንሳ 15 ሰባት ዝሓዘ ናይ መጀመርታ ሓይሊ ኣዋፊራ።

ድሕሪ እቲ ርክብ፡ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክ ላርስ ሎከ ራስሙሰን፡ እቲ ክልተኣዊ ዝርርብ ሃናጺ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት "መሰረታዊ ዘይምርድዳእ" ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ድሒሩ ድማ ትራምፕ ንግሪንላንድ ንምዕዳግ ዝገበሮ ጻዕሪ ነቒፉ።

ትራምፕ ብወገኑ፡ ንግሪንላንድ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣመሪካ ንምእታው ዝገበሮ ጻዕሪ ዝምልከት፡ "ንሃገራዊ ድሕነትና፡ ግሪንላንድ ተድልየና እያ፡" ኢሉ። ዋላ እኳ ሓይሊ ከም ዝቀጥም እንተ ዘየአንፈተ፡ ምስ ዴንማርክ ገለ ነገር ክስራሕ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ብረቡዕ ኣጋምሸት ገሊጹ።

"እቲ ጸገም ሩስያ ወይ ቻይና ንግሪንላንድ ክትሕዛ እንተደልያ ዴንማርክ ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን፤ ንሕና ግን ክንገብሮ እንኽእል ኵሉ ነገር ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቬንዝዌላ ዝዀነ ነገር ርኢኹም ኢኹም።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናብ ግሪንላንድ ዝግበር ምውፋር ተወሳኺ ሰራዊት ኤውሮጳ፡ ኣብ መስርሕ ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መሬት ኣርክቲክ ጽልዋ ዝህልዎ ኣይመስለንን ኢላ።

ወሲኻ ድማ፡ "ኣብ ዕላማ ምግዛእ ግሪንላንድ'ውን ፈጺሙ ጽልዋ የብሉን፡" ኢላ።

ቀዳማይ ምኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ታስክ፡ ፖላንድ ኣብቲ ናብ ግሪንላንድ ዝግበር ወተሃደራዊ ምውፋር ኤውሮጳ ክትጽንበር መደብ ከም ዘይብላ እኳ እንተገለጸ፡ ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ግን ዓቢይ "ፖለቲካዊ ሓደጋ ክኸውን'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

"ግጭት ወይ ፈተነ ምጕባጥ መሬት ሓደ ኣባል ኔቶ ብኻልእ ኣባል ኔቶ እንተ ኣጋጢሙ፡ ከምቲ ንፈልጦ መወዳእታ ዓለም ክኸውን'ዩ - እሞ ድማ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንጸጥታና ዘረጋገጸ፡" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ኣብ ኣርክቲክ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት "ከቢድ ስክፍታ" ከም ዝፈጠረሉ ብምግላጽ፡ ኔቶ "ካብ ሞስኮን በይጂንን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ብዝብል ናይ ሓሶት ምስምስ፡" ኣብኡ ወተሃደራዊ ህላወ ይሃንጽ ኣሎ ኢሉ።

ይዅን እምበር፡ ምውፋር ኔቶ፡ ከም ኣካል ናይቲ ብዴንማርክ ዝምራሕ ስርሒት ኣርክቲክ ኢንዱራንስ ዝበሃል ሓባራዊ ልምምድ፡ ውሑዳት ወተሃደራዊ ኣባላት ጥራይ ዝሓቘፈ እዩ። እዚኦም ክሳብ መዓስ ከም ዝጸንሑ ግን ንጹር ኣይነበረን።

ፊንላንድ ኣብዚ እዋን፡ ነቲ ሓቂ ዘጻሪ እዩ ዝበለቶ ወተሃደራዊ ልኡኽ ትሰድድ ኣላ። ሓላፊት ክፍሊ ፖሊሲ ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ጃነ ኩሰላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብዚ እዋን ዝዀነ ነገር ኣይንኽልክልን፤ ግን ብፍሉይ ዝዀነ ነገር ክንወስድ ኣይሓሰብናን፡" ኢላ።

ፊንላንድ ኣብ ኣርክቲክ እትርከብ ሃገር ኰይና፡ ኔቶ ኣብ ግሪንላንድ ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ መርገጺ ከም ዝሓዘ ዝነበራ ስክፍታታት ስዒቡ፡ እቲ ዕላማ ዓቕሚ ምክልኻል መሓዙት ሃገራት ንምዕባይ ምዃኑ ገሊጻ።

ጀርመን ብሓሙስ 13 ወተሃደራት ዝሓዘት 'A400M' ዝተባህለት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ናብ ኑክ ትሰድድ ነይራ፤ ሰበስልጣን እዚ ልኡኽ ኣብ ግሪንላንድ ክሳብ ቀዳም ጥራይ ከም ዝጸንሕ ይገልጹ።

ሰበስልጣን ምክልኻል ዴንማርክ፡ "ንረብሓ ጸጥታ ኤውሮጳን ስግረ-ኣትላንቲክን፡ ኣሰር ኔቶ ኣብ ኣርክቲክ፡" ንምድልዳል፡ ኣብ ከባቢ ግሪንላንድ ወሰኽ ወተሃደራዊ ህላወ ክህሉ ምስ መንግስቲ ግሪንላንድ ከም ዝወሰኑ ገሊጾም።

ማክሮን ኣብ ሓድሽ ዓመት ንዕጡቓት ሓይልታት ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ "እዚ መሬት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ስለ ዝዀነን ሓደ ካብ መሓዙት ኔቶና'ውን ስለ ዝዀነን፡" ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎም ኢሉ።

ኣመሪካ ድሮ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ።

እዚ፡ ኣብዚ እዋን ክሳብ 150 ሰባት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ብመሰረት እቲ ምስ ኮፐንሃገን ዝጸንሐ ስምምዓት ኣዝዩ ዝበዝሐ ቍጽሪ ናይ ምምጻእ ኣማራጺ ኣለዋ።

እዚ ብዴንማርክ ዝምራሕ ተበግሶ ግን ንምምሕዳር ትራምፕ መሻርኽቱ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣርክቲክን ሰሜን ኣትላንቲክን እውን ኣብ ጸጥታ ብጽሒት ከም ዘለዎም ምልክት ዝህብ ኰይኑ ይረአ።

ቀዳማይ ምኒስተር ሽወደን፡ መኮንናት ሰራዊት ሽወደን ብረቡዕ ናብ ኑክ ከም ዝተላእኩ ሓቢሩ።

ክልተ ወተሃደራት ኖርወይ፡ ሓደ ወተሃደራዊ መኮነን እንግሊዝን ሓደ መኮነን ሓይሊ ባሕሪ ኔዘርላንድስ እውን ይለኣኹ ነይሮም።

መንግስቲ ብሪጣንያ ብዛዕባ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ "ኣብ ላዕለዋይ ሰሜን ዘለዎ ስግኣት ጸጥታ፡" ከም ዝካፈል ብምግላጽ፡ እቲ ምውፋር ሓይልታት "ንዓመጽ ሩስያን ንጥፈታት ቻይናን ንምዕጋት፡" ዘጠቓልል'ዩ ኢሉ።

ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን፡ ምክልኻልን ሓለዋን ግሪንላንድ ንመላእ ኪዳን ኔቶ ዘገድስ ምዃኑ ገሊጻ።

ምኒስተር ምክልኻል ዴንማርክ ትሮልስ ሉንድ ፖልሰን፡ እቲ ዕላማ "ብተዘዋዋሪ" ወተሃደራዊ ህላወ ክህሉ ምዃኑን፡ ዕላማኡ ድማ ኣብታ ደሴት ዝያዳ ቀዋሚ ወተሃደራዊ ህላወ ክህልዎምን ናይ ወጻኢ መሻርኽቲ ኣብ ስልጠናን ልምምድን ክሳተፉ ምዃኖምን ገሊጹ።

ኮፐንሃገን፡ ትራምፕ ንግሪንላንድ ክቈጻጸራ ዝደለየሉ ምኽንያት ሞጊታ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ራስሙሰን፡ ዋላ'ኳ ብመጠኑ ስክፍታታት ጸጥታ ኣመሪካ እንተኣመነ፡ ዴንማርክን ግሪንላንድን ክከላኸልኦ ዘይክእላ ካብ ቻይና ይኹን ሩስያ ዝመጽእ "ቅጽበታዊ ስግኣት" ከም ዘየለ ብረቡዕ ገሊጹ።

ብዲሞክራት ዝምራሕ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ኣባላት ባይቶ ዴንማርክ ንምዝርራብ ሎሚ ዓርቢ ናብ ዴንማርክ ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ራስሙሰን ብረቡዕ ምስ ቫንስን ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮን ድሕሪ ምዝርራቡ ምስ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ግሪንላንድ ተራኺቡ።

እቲ ዴንማርካዊ ዲፕሎማት ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ፕረዚደንት ህርፋን ኣለዎ። ብርግጽ ቀይሕ መስመራትና ኣለና። ኣብ 2026 ኢና ዘለና፡ ምስ ሰባት ክትነግድ ትኽእል፤ ንሰባት ግን ኣይትነግደሎምን፡" ኢሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ግሪንላንድ ጀንስ-ፍረደሪክ ኒልሰን ኣብዚ ሰሙን እዚ እቲ ግዝኣት ኣብ ማእከል ጂኦፖለቲካዊ ቅልውላው ከም ዘሎን፡ ህዝቡ ምርጫ ክገብር እንተተሓቲቱ ካብ ኣመሪካ ንላዕሊ ንዴንማርክ ከም ዝመርጽን ገሊጹ።

"ግሪንላንድ ብኣመሪካ ክትውነን ኣይትደልን እያ። ግሪንላንድ ብኣመሪካ ክትመሓደር ኣይትደልን እያ። ግሪንላንድ ኣካል ኣመሪካ ክትከውን ኣይትደልን እያ፡" ክብል ኣስሚሩሉ።