ኤውሮጳ፡ ስለምንታይ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝጽበንራ ዘለዋ?

ኖርወይ ኣብ 1985 ኩሉ ናይ ውግእ ተራታት ንደቀንስትዮ ከፊታ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ድማ ደቀኣንስትዮ ናብ ወተሃደራዊት ኣገልግሎት ብምውፋር ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊት ሃገር ኰይና

ምንጪ ስእሊ, Norwegian Defence Ministry

መግለጺ ስእሊ, ኖርወይ ኣብ 1985 ንዅሉ ዓውዲታት ውግእ ንደቀንስትዮ ከፊታ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ድማ ደቀንስትዮ ናብ ወተሃደራዊት ኣገልግሎት ብምውፋር ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊት ሃገር ኰይና

ካብ ሓደ ሚያዝያ ጀሚሩ ዝዀነት 18 ዓመት ዝመልኣ ዴንማርካዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ወተሃደራዊ ማእከል ገምጋም ክትሳተፍን ዕጫ ዝመስል ቍጽሪ ክትወስድን ግዴታ ኣለዋ።

ድሕሪኡ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ወለንታውያን እንተ ጐዲሎም፡ ቍጽራ ክጽዋዕ ይኽእል። እቲ ቍጽሪ ብዝተሓተ መጠን ድማ ናብ ወተሃደራዊ ስራሕ ናይ ምእታው ተኽእሎኣ ይዓቢ።

ዴንማርክ ወትሩ ንደቂ ተባዕትዮ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ነይርዋ፤ ሕጂ ግን ንመጀመርታ ግዜ ደቀንስትዮ እውን ይኣትዋ ኣለዋ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕጫ ድማ ክሳተፋ እየን።

እቲ ውሳነ ደቀንስትዮ ኣብ 2024 ዝተወሰደ ኰይኑ፡ ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራር ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ከምኡ'ውን ኖርወይን ሽወደንን ተመሳሳሊ ስጕምትታት ድሕሪ ምውሳደን እዩ።

ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እኹላት ወለንታውያን ስለ ዝነበሩ፡ ዝዀነ ሰብ ብሓይሊ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክመጽእ ኣይግደድን ነይሩ። ዴንማርክ ግን እዚ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንኽቕየር ዝያዳ መንእሰያት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ትደሊ።

ኣብ መንእሰያት ደቀንስትዮ ዴንማርካውያን ብዛዕባ ምልመላ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምልከት ዘሎ ርእይቶታት ዝተሓዋወሰ እዩ።

"ክመውት ኣይደልን። ከምኡ'ውን በሰላ ኲናት [PTSD] ኣይደልን እየ። ከምኡ'ውን፡ ከም ጓለንስተይቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ንህይወተይ እፈርሕ እየ፡" ትብል ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንምልመላ ብቕዕቲ ክትከውን እትኽእል ኢዛቤላ።

ጓል 19 ዓመት ሳራ፡ ኣብ ሓደ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብወለንታ እትሰርሓሉ ወተሃደራዊ ማእከል ገምጋም፡ "ብቐንዱ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ተባሂሉ ኣብ ዝረአ ዝነበረ ዓውዲ ምእታውና ጽቡቕ ይመስለኒ" ትብል። እዚ ካብ 1998 ጀሚሩ ንደቀንስትዮ ዝከኣል ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ደቀንስትዮ ርብዒ ካብቶም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝዛዘማ እየን።

ፍልልይ ጾታ ዘይብሉ ሰራዊት

ደቀንስትዮ ካብ 1998 ጀሚረን ኣብ ዴንማርክ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብወለንታ ክሰርሓ ክሰርሓ ጸኒሐን

ምንጪ ስእሊ, MADS CLAUS RASMUSSEN/Ritzau Scanpix/AFP via Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኤውሮጳ ንፈለማ እዋን ፍልልይ ጾታ ዘይብሉ ወተሃደራት ዘተኣታተወት ሃገር ኖርወይ፡ ኣብ 2013 ዝወሰደቶ ውሳነ ብኸፊል ኵሎም ዜጋታት ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓላፍነትን ክህልዎም ኣለዎ ኣብ ዝብል እምነት መሰረት ዝገበረ ነይሩ።

ሽወደን ኣብ 2017 ንመሪሕነት ኖርወይ ተኸቲላ።

ሩስያ ንክረሚያ ድሕሪ ምጕባጣ፡ ኣብ 2020 ድማ ሆላንድ ንደቀንስትዮ ከምኡ'ውን ንደቂ ተባዕትዮ ንምእታው ሕጊ ኣጽዲቓ - ዋላ'ኳ ነቲ ጻውዒት ክተት ንዅሉ ወለንታዊ እንተዀነ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እተን ብብዙሓት ንቐጻሊ ዒላማታት መጥቃዕቲ ሩስያ ተቓላዕቲ ተባሂለን ዝቝጸራ ሃገራት ባልቲክ (ኢስቶንያ፡ ላቲቭያን ሊትወንያን)፡ ደቀንስትዮ ናብ ወተሃደራዊ ስራሕ ኣብ ምእታው ክካታዓ ጀሚረን ኣለዋ።

ደቀንስትዮ ካብ 1998 ጀሚረን ኣብ ዴንማርክ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብወለንታ ክሰርሓ ጸኒሐን።

ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢስቶንያ ተመራማሪት ዝዀነት ኤለሪ ሊለሜ፡ "ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ስዒቡ ዘጋጠመ ፍጻመታት ነዚ ዘተ መልክዑ ክቕይር ገይሩዎ'ሎ" ትብል።

"እዚ ዝዀነ ሰብ ዘይተጸበዮ ነገር'ዩ ዝመስለኒ።"

ምኒስተር ምክልኻል ላቲቭያ ኣንድሪስ ስፕሩድስ፡ ኣብ 2028 ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደቀንስትዮ ክጅምር ክደፍእ ጸኒሑ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ብዙሕ ምዃኑ ይዛረብ።

"ምኽንያቱ ኣብ ጐኒ ሓንቲ ወራሪት ሃገር ስለ እንነብር፣ ምኽንያቱ ኵለ መዳያዊ ምክልኻልና ኣደልዲልና ክንውስኽ ኣለና። ዜጋታትና ኣብ ምውሓስ ሃገራዊ ምክልኻል፡ ሃገራዊ ድሕነትና ማዕረ መሰልን ሓላፍነትን ክህልዎም'ውን ከነረጋግጽ ኣለና። ስለዚ ድማ እየ፡ ብመትከል፡ እወ፡ ከም ምኒስተር መጠን፡ ጾታ ዘይፈሊ መስርሕ ዝድግፍ፡" ይብል።

ምንካይ መጠን ወሊድ

መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምጽዋዕ ግን ርእሱ ዝኽኣለ ጸገም እዩ።

ኣብ ትሕቲ ክልተ ሚልዮን ዝነብረላ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ይቝጸር።

መጠን ፍርያምነት ላቲቭያ - ማእከላይ ገምጋም ካብ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ዝውለዱ ህጻናት - ናብ 1.36 ወሪዱ።

ሓደ ህዝቢ ርጉእ ንክኸውን መጠን ወሊድ 2.1 ክበጽሕ የድሊ።

ኣብተን ካልኦት ሃገራት ባልቲክ እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ይርአ፤ ኣብ ኢስቶንያን ሊትወንያን ድማ ብቕደም ሰዓብ 1.31ን 1.18ን እዩ።

ስለዚ ኣብ ግዝኣታት ባልቲክ ደቀንስትዮ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምውፋር ዘይተርፍ ምዃኑ ኤለሪ ሊለማየ ትገልጽ።

"እቲ ጸገም ኣብ ከባቢ 2040 ክመጽእ'ዩ፤ ምኽንያቱ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ቍጽሪ ወሊድ ኣዝዩ ትሑት ስለ ዝነበረ፡ ገና ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ጸጥታ እንተሃሊና፡ ሽዑ እኹላት ሰባት ጥራይ ኣይክህልዉናን እዮም፡" ትብል።

ኣብነት ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገር ኢስቶንያ ትጠቅስ።

ኣብዚ እዋን ኢስቶንያ ኣብቶም ብቑዓት ዝዀኑ ጕጅለታት ኣስታት 40 ሚእታዊት መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተእቱ።

ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተመሳሳሊ ቍጽሪ ዘለዎም ሰባት ክዕቅቡ እንተደልዮም፡ ክሳብ 2040 ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ክምዝገቡ ክግደዱ እዮም።

"መን ከም እንምልምል ከነስፍሖ ኣለና፣ ወይ ድማ ካልእ መገዲ ክንረክብ ኣለና፡" ትብል ሊለሜ።

ኣብ ሊትወንያ፡ ጕዳይ ምልመላ ደቀንስትዮ ንህዝቢ የካታዕ ኣሎ። ኣብ ላቲቭያ ግን ፖለቲከኛታት ኣብ ክልተ ተኸፋፊሎም ኣለዉ።

ልክዕ ከም ፊንላንድ ሰለስቲአን ግዝኣታት ባልቲክ ንደቂ ተባዕትዮ ዝኸውን ሓደ ዓይነት ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህልወን እንከሎ፡ ደቀንስትዮ ድማ ክሳተፋን ዘይክሳተፋን ክመርጻ ይኽእላ እየን።

ምስ ሩስያዊት ግዝኣት ካሊኒንግራድ እትዳወብ ፖላንድ፡ ካብ 2026 ጀሚራ ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ወተሃደራዊ ስልጠና ዳግማይ ከተተኣታቱ መደብ ከም ዘለዋ፣ ደቀንስትዮ እውን ወለንታውያን ክዀና ከም ዝኽእላ ገሊጻ።

ተመኵሮ ዩክረይን

ብመሰረት ጸብጻብ ኤለሪ ሊለማየ፡ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ኲናት፡ ደቀንስትዮ ንኽዋግኣ ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ልዕሊ 70 ሽሕ ኣብ ዕጡቕ ሓይሊ የገልግላ ከም ዘለዋን ካብዚአን እተን 5 ሽሕ ኣብ ቅድመ ግንባር ከም ዘለዋን ገሊጹ።

"ደቀንስትዮ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከመይ ከም ዘድልያኻ፡ እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ተሪር ኵነታት ኣብ እትህልወሉ እዋን ኵሉ ሰብ ከመይ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዘለዎ ንምርኣይ ዝበለጸ ኣብነት ኰይነን'የን፡" ትብል ሊለማየ።

ኣብ ዩክረይን ግን ዋላ'ኳ ሕጽረት ወተሃደራዊ ሓይሊ ሰብ እንተሃለወ፡ ደቀንስትዮ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክኸዳ ዝጸውዐ ፖለቲከኛ የለን።

ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ኲናት፡ ኔቶ - ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኣብ ምክልኻል ኤውሮጳ ዝጻወቶ እጃም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።

ብኸፊል ብጸቕጢ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብዚ ሓጋይ ኣብ ሄግ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ወጻኢታት ምክልኻል ክውስኹ ተሰማሚዖም።

ሃገራት ኤውሮጳ ግን ድሕሪ ደጊም ኣመሪካ ክትከላኸለለን ከም ዘይትኽእል'ውን ይፈልጣ እየን፤ ስለዚ ዝያዳ ዓርሰ ምርኰሳ ክገብራ ኣለወን።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረን ብምሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ኔቶ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ኣዋፊሩ’ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረን ብምሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ኔቶ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ኣዋፊሩ'ሎ

ጀርመን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ 2026 ወለንታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምትእትታው ዝቐረቡ እማመታት ክትካታዕ እንከላ፡ ፈረንሳ ድማ ነቲ ዝጸንሐ መደብ ወለንታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ንኽትቃለስ ኣብ ስልጠና ዝያዳ ትኹረት ምሃብ ብዝብል ዳግማይ ክትቅይሮ ትደሊ ኣላ።

እንታይነትን ንውሓት ግዜን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ።

ገለ ሃገራት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ይሰርዕኦ፤ ገሊአን ድማ ንበይኖም የሰልጥናኦም።

ንኣገዳስነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ርእይቶን ደገፍን ህዝቢ'ውን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ።

ኣብ ግንቦት 2025 ብቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ ኤውሮጳ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ፖላንድን ዝበዝሑ ኣባላት ብትሪ ዝድግፉ ወይ ድማ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኽምለስ ናይ ምድጋፍ ዝንባለ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ።

ደቀንስትዮ ግድን ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምልኣኽ ግን፡ ኣብ ዴንማርክ ኣይነበረን፤ ኣብ ግዝኣታት ባልቲክ ግን ውሑዳት ጥራይ እዮም ነቲ ሓሳብ ዝድግፍዎ።

"ሕብረተሰብ ላቲቭያ ብርግጽ በዚ ይካታዕ ኣሎ፤ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝበዝሐ ሕብረተሰብ ላቲቭያ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ቍጡብ እዩ፡" ይብል ምኒስተር ምክልኻል ኣንድሪስ ስፕሩድስ።

ላቲቭያ ካብ ኢስቶንያን ሊትወንያን ኣዝያ ዝድሓረት ኰይና መሊሳ ደቂ ተባዕትዮ ንምእታው ከም ዝጀመረት ይሕብር።

"ኣብ ላቲቭያ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ 2023 ጥራይ'ዩ ዳግማይ ተኣታትዩ። ስለዚ፡ ገለ ግዜ ወሲዱ'ዩ።"

ድሕነት ንደቀንስትዮ

ካልእ ጉዳይ ትሕተ ቅርጺ እዩ።

መብዛሕትኦም ሰራዊት ንሃንደበታውን ብዝሕን ተወሳኺ ምልመላታት ናይ ምቕባል ዓቕሚ የብሎምን።

ድፋዓት ክህነጹን መምህራን ክስልጥኑን ኣለዎም።

ሓደስቲ ዩኒፎርምን ሳናጡን እውን ምግዛእ የድሊ፤ ምኽንያቱ እቲ ንደቂ ተባዕትዮ ዝተዳለወ ሳናጡ ንኣካላት ደቀንስትዮ ዝምችእ ኣይኰነን።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ባህሊ ሰራዊት ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ቦታታት ንደቀንስትዮ ውሑሳት ድዮም ኣይኰኑን ዝብል ሕቶታት ተላዒሉ'ዩ።

"ምስ ኣወዳድባ ደቀንስትዮ ገዳይም ተጋደልቲ ዴንማርክ ኣኼባታት ኣካይድና ኢና። ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዴንማርክ ጓለንስተይቲ ክትስለፍ ቀሊል ኣይኰነን፡" ትብል ኣደ መንበር ማሕበር ደቀንስትዮ ዴንማርክ ሉዊስ ቪንተር ኣሊስ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ዴንማርክ ኣብ 2023 ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ 20.3% ካብተን ኣብ ሰራዊት ዴንማርክ ዝነበራ ደቀንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ዘይተደልየ ጾታዊ ኣቓልቦ ወይ ትንኮያ ከም ዘጋጠመን ይሕብር።

እቲ ምኒስትሪ፡ ግህሰት ንምውጋድ ዝገብሮ ጻዕርታት ከም ዝቕጽል'ኳ እንተገለጸ፡ ብዝሒ እተን ዝተጠቕዓ ደቀንስትዮ ካብቲ ብሓፈሻ ኣብ ሕብረተሰብ ዴንማርክ ዝወሓደ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ካልእ ሸነኽ ባሕሪ ባልቲክ፡ ኣንድሪስ ስፕሩድስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ላቲቭያ ንደቀንስትዮ ሓደገኛ ቦታ ከም ዘይኰነ ርግጸኛ እዩ - ወይ ነተን ሕጂ ከም ወለንታውያን ኰይነን ዘገልግላ ዘለዋ (18% ኣባላት) - ወይ ድማ ነተን ኣብ መጻኢ ክምዝገባ ዝኽእላ።

"እወ ንዅሉ ዝሓቁፍ እዩ፤ ኣብዚ እዋን፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ውሑስ ቦታ'ዩ።"

ብደረጃ ዓለም፡ ደቀንስትዮ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምልኣኽ ሳሕቲ እዩ ዝረአ።

ኣብ 2019 ማእከል መጽናዕቲ ፒው፡ ኣብ እስራኤልን ሰሜን ኮርያን ከምኡ'ውን እንተወሓደ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማለት ኤርትራ፡ ማሊ፡ ሞሮኮን ቱኒዝያን ኣድማሳዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ጸብጺቡ።

መብዛሕትኡ ግዜ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣካል ናይቲ ዕቑር ሰራዊት ይዀኑ።

ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ድማ ንተወሳኺ ስልጠና ክጽውዑ ወይ ኣብ ግዜ ኲናት ክዋግኡ ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ኤውሮጳ ግን፡ ኣሽንኳይዶ ደቀንስትዮ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክኣትዋ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝብል ጕዳይ ንርእሱ ሃንደበት ዝተቐልቀለ ይመስል።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኤለሪ ሊለማየ ገና ነገራት ብቕልጡፍ ኣይምዕብሉን ዘለዉ ኢላ ትሓስብ።

"ዴንማርክ ኣዝዩ ቅልጡፍ ውሳነ ወሲዳ፤ እተን ካልኦት ሃገራት ግን፡ ብዙሕ ዘረባታት እምበር ስጕምቲ ኣይወሰዳን፡"።

እዚ ኣካል ናይቲ ብቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ዝዳሎ ተኸታታሊ መደብ ደቀንስትዮ ዓለም ኰይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዘይተነግረን ኣገደስትን ዛንታታት ዘካፍል እዩ።
  • እዚ ኣካል ናይቲ ብቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ዝዳሎ ተኸታታሊ መደብ ደቀንስትዮ ዓለም ኰይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዘይተነግረን ኣገደስትን ዛንታታት ዘካፍል እዩ።