ንሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ኣደታት ዘጥቅዕ ሕማም 'ጐሎ'

ምንጪ ስእሊ, Victoria Roberton
ርብቃ ሚድልተን፡ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥንሳ፡ ብዓረብያ ስንኩላን ጥራይ ከም እትንቀሳቐስ ኣይፈለጠትን ነይራ።
ንሳ፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ጥንሳ፡ ተምላስን ዕውልውልን ሓዊሱ፡ ኣጸጋሚ እዋን እያ ኣሕሊፋ፣ ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ጥንሳ፡ ከቢድ ቃንዛ ጐሎ ኣጋጢምዋ።
"ብእግረይ ክኸይድ ኣይከኣልኩ፣ ኵሉ ግዜ ቃንዛ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖን ካልእ ጸገማትን ነይሩኒ። ግን ክንድኡ ዝኣክል ኣጸጋሚ ኣይነበረን፣ምስ ጠነስኩ ግን ኣዝዩ ቀልጢፉ ገዲዱኒ" ትብል።
ብዛዕባ ኵነታታ ምስ ተዛረበት ፊዚዮቴራፒ ተኣዚዙላ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ከቢድ ሕማም መገጣጠሚ፡ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ፤ ሲምፊሲስ ፑቢክ ዲስፋንክሽን (SPD) ተባሂሉ'ውን ይፍለጥ።
ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብ መገጣጠሚ 'ፐልቪክ' ክረአ ልሙድ እዩ፤ ካብ ሓሙሽተ ነፍሰጾራት ሓንቲ ብመጠኑ ከጋጥማ ይኽእል።
"'ደጊመ ብእግረይ ክኸይድ ድየ? ከመይ ገይረ ክገላገል እየ፣ ውላደይ ከመይ ኣቢለ ክከናኸኖ እየ?' ኢለ ኣዝየ እየ ዝፈርሕ ነይረ።"
ርብቃ፡ድሕሪ ሕርሳ ብዙሕ ቃንዛ ኣይነበራን። እንተዀነ ገና ምስ መሰረታዊ ንጥፈታት ከም ምጕዓዝ፡ ውላዳ ሓፍ ምባልን ወይ ዓረብያ ምድፋእ የጸግማ ነይሩ።
"ንሸውዓተ ወርሒ ለሚሰ ስለዝነበርኩ፣ ኵሉ ግዜ ዝሕግዘኒ ሰብ የድልየኒ ይሩ" ትብል።
"ብመንጽር ምእላይ ህጻን ክገብሮ ዝግበኣኒ ነገራት ክገብር ኣይከኣልኩን፤ ኣዝዩ በዳሂ እዋን'ዩ ነይሩ።"
ርብቃ፡ ቅድሚ ምጥናሳ ዓቢ ፀገም ምዃኑ ግምት ኣይነበራን።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ግን፡ ምስቲ ሕማም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንቕሓት ንምዕባይን ንምድጋፍን ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ ፐልቪክ ፓርትነርሺፕ፡ ብወለንታ ክትሰርሕ ወሲና።
እቲ ትካል፡ እቲ ሕማም ብገለ ልክዕ መንገድታት ክሕከም ከምዝኽእል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Rebecca Middleton
ብኸመይ ሓገዝ ክርከብ ይከኣል?
እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ኣደታት ምልክታት ክርእያ ምስ ጀመራ፡ ቀለልቲ ሕክምናታት ሓዊሱ ፍሉይ ሕክምናታት ክደልያን ምስ ሓካይመን ክዘራረባን ይመክር።
እዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዘይረኽባ ነፍሰጾራት፡ ንተወሳኺ ምኽሪ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪመን ወይ ሓኪም ማህጸን ክምለሳ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ይመክር።
ኣደታት ምስቲ ኵነታት ምንባር ዝስዕብ ስምዒታዊ ፅልዋ ንምቕላል ድማ፡ ደገፍ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ክረኽባ ከምዘለወን ሓቢሩ።
ክኢላ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዶክተር ንጋት ዓሪፍ፡ ዝያዳ ንቕሓትን ብኣጋኡ ምፍላጥን፡ ከም በዓል ርብቃ ዝኣመሰላ፡ ዓረብያ ስንኩላን ወይ በትሪ ካብ ምጥቃም ከድሕነን ከምዝኽእል ትዛረብ።
"ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ርድኢት ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ዝተመርኮሰ ግንዛበ እንተዘይተፈጢሩ፡ ገለ ካብዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወተን ዝነብር ኣሉታዊ ሳዕቤን የጋጥም።"
ኣተሓባባሪት ሽርክነት ፐልቪክ፡ ቪክቶርያ ሮበርትሰን፡ ንቕሓት ናይቲ ኵነታት ክሳብ ክንደይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ትርዳእ።
ንሳ'ውን ልክዕ ከም ርብቃ፡ ኣብ እዋን ጥንሳ ንመጀመርታ ግዜ ሕማም ነድሪ ጐሎ (PID) እንታይ ምዃኑ ኣይትፈልጥን'ያ ነይራ።
ብዝተኻእለ መጠን ከምቲ ዝተመኸረቶ ክትንቀሳቐስ ፈቲና ነይራ።
ናብቲ ብኢንተርነትን ብተሌፎንን ዝወሃብ ዝነበረ መደባት ፊዚዮቴራፒ ተላኢኻ ነይራ፤ ጥንሳ እናዓበየ ምስ ከደ ግን፡ እቲ ቃንዛ እናገደደ ከም ዝኸደ ኣስተብሂላ።
"ምስሕሓብ/ምዝርጋሕ ኣካላት ሓዊሱ፡ ክንገብሮ ዝግበኣና ምውስዋስ ኣካላት ነይሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ዋላ ሓደ ክገብር ኣይከኣልኩን፣ ኣዝዩ ዘሕምም'ዩ ነይሩ" ትብል።
ቪክቶርያ፡ ኮፍ ኢላ እንከላ ከይተረፈ ምቾት ይኸልኣ ስለ ዝነበረ፡ ዝበዝሕ ግዜኣ ክሳብ እዋን ሕርሲ፡ ኣብ ገዛ እያ ተሕልፎ ነይራ።
እቲ ቃንዛ ድሕሪ ቀዳማይ ውላዳ ሃዲኡ'ኳ እንተነበረ፡ ካልኣይ ውላዳ ምስ ጠነሰት ግን እቲ ጸገምተመሊሱ ኣጋጢምዋ።
ንብዙሓት ኣደታት ኣማራጺ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ቪክቶርያ ግን፡ ብዙሕ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ፊዚዮተራፒ ክትከታተል ከምዝወሰነት ገሊጻ።
እቲ ምኽንያት ድማ ቆጸራ ፊዝዮተራፒ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝነበረ እዩ።
እቲ ፊዚዮቴራፒስት ምሉእ ገምጋም ጥዕናን ግብራዊ ሕክምናን፡ እንተላይ ምንቅስቓስ መላግቦታት ክትገብር ሓጊዙዋ።
ብተወሳኺ ቃንዛኣ ንኸይጋደድ ኣካላታ ከተንቀሳቕሰሉ እትኽእል ዝተፈላለየ መገድታት ኣርእዮዋ፣ እዚ ድማ ነቲ ቃንዛ ንምፍዋስ ሓጊዙዋ።
ቪክቶርያ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ሕጂ ምስዚ ጸገምትቃለስ እኳ እንተዀነት፡ ኣብ ካልኣይ ጥንሳ ግን ኵነታታን ብኸመይ ከም እትዋጽኦን ስለ ዝተረድኣ ንምምሕዳሩ ኣዝዩ ቀሊል እዩ ነይሩ።
ካልኣይቲ ጥንሲ ርብቃ'ውን ብተመሳሳሊ ዝያዳ ኣወንታዊ ተመኵሮ'ዩ ነይሩ።
ኵሉ ግዜ ቃንዛ ክህልዋ ከም ዝኽእል ስለ እትፈልጥ፡ ኣብ እዋን ጥንሳ ቅድሚ ምግዳዱ፡ ቀልጢፋ ሕክምና ክትረክብ ክኢላ።
ካልኣይ ውላዳ ካብ እትወልድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ሓውያ፤ ኣብ እዋን ቀዳማይ ውላዳ ንኽልተ ዓመት ኣይሓወየትን ነይራ።
"ካብቲ ቅድሚ ምውላደይ፡ ዝነበርኩዎ ዝሓሸ ኵነታት ጥዕና ኣለኒ፣ ምኽንያቱ ሕጂ ጠንቂ እቲ ቃንዛ እንታይ ከም ዝዀነ ፈሊጠ ኣለኹ፡ ፀገመይ ድማ ብዘይ መጥባሕቲ ሕክምና ተፈቲሑ" ትብል።
"ብዛዕባ ሕማመይ እኹል ፍልጠትን ርድኢትን ስለዘይነበረኒ፣ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሲኦል ነቢረ።"

ምንጪ ስእሊ, Rebecca Middleton




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







