ኢትዮጵያ፡ 'ቀቲሎምኒ እንተ ዝዀኑ ምሓሸኒ' - ህይወት ደቀንስትዮ ዘዕኑ ዘሎ ዝተረሰዐ ኲናት

ብድሕሪኣ ዓባይ ክፉት ኢድ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ብክሬም ሕብሪ ዝተሰርሐ ስእሊ ዝተነድፈ ምስሊ። ብተወሳኺ ናይ ርሑቕ ምስልታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣግራብን ነዋሕቲ ህንጻታት ሓንቲ ከተማን ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Klawe Rzeczy

መጠንቀቕታ፤ እዚ ጸብጻብ'ዚ ብዛዕባ ምግሳስን ጾታዊ ዓመጽን ዝገልጽ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ። ብሕታውነቶምን ድሕነቶምን ንምሕላው፡ ኣስማት ግዳያት ተቐይሩን ኣንፈት ዝህብ ዝርዝራት ተሓዲጉን እዩ።

እናት፡ ሓደ ሰንበት ንግሆ እቶም ወተሃደራት ክመጽኡ ከለዉ ምስ ጓል ሸሞንተ ዓመት ጓል ሓብታ ኣብ ቤታ ከም ዝነበረት ትዛረብ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ኣካል ናይቲ ንዕጡቓት ፋኖ ንምህዳን ዝገብሩዎ ዝነበሩ ስርሒታት፡ ብ5 ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ገዛውቲ እናኣተዉ ተፍትሽ የካይዱ ነበሩ።

ወተሃደራዊ ልብሲ ዝተኸድኑ ሰለስተ ወተሃደራት ኣብ ደቡብ ጎንደር ናብ ዝርከብ ገዛኣ ብምዕታው፡ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ስድራኣን ዕጡቓት ፋኖ ናብቲ እትሰርሓሉ ባር ይመጽኡ እንተዀይኖምን ክሓቱዋ ጀመሩ።

ጓል 21 ዓመት እናት፡ ከም ዝመጽኡ ተዛረበት።

"ከመይ ገይርና ክንሕሱ? ነቲ ሓቂ ከመይ ኣቢልና ክንክውሎ?" ትብል እናት።

እቲ ኵነት ቀልጢፉ ዓረገ።

ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ስድራኣ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታቶም፡ እቶም ወተሃደራት ክጸርፉዋ ከም ዝጀመሩን እታ ቈልዓ ጓል ሓብታ ምስ በኸየት ብሽጉጥ ከም ዘፈራርሑዋን እናት ትዛረብ።

ብድሕሪኡ፡ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኣብ ቅድሚ እታ ቈልዓ ከም ዝተጋሰሳን እቶም ካልኦት ድማ ሓለዋ ከም ዝወጽእሉን ገሊጻ።

"ከይጐድኡኒ ስም መላእኽቲ እናጸዋዕኩ ለሚነዮም፣ ልቦም ግን ኣይራሕርሐን - ግሂሶሙኒ።"

ኣሽሓት ጸብጻባት ምግሳስን መጥቃዕትታትን

ኣብ ልዕሊ AK-47 ናይ መጥቃዕቲ ሽጉጥ ኢድ ዘርኢ ዝተነድፈ ምስሊ፡ ክልተ ገጸን ዘይርአ ደቂ ኣንስትዮ። ክልቲአን ደቂ ኣንስትዮ ርእሰንን መንኵበንን ዝሽፍን ጻዕዳ ስካርፍ ኣለወን።

ምንጪ ስእሊ, Klawe Rzeczy

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እናት፡ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቡ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ብሄረ ኣምሓራ ኰይና፡ ኣብ ነሓሰ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ምግሳስን ጾታዊ መጥቃዕትን ካብ ዝወረደን ኣሽሓት ደቀንስትዮ ሓንቲ እያ።

ኣብቲ ክልል ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ዝበዝሕ ዘይተሰነደ ደኣ ይዅን'ምበር፡ ቢቢሲ ግና ካብ ሓምለ 2023 ክሳዕ ግንቦት 2025 ኣሽሓት ጸብጻባት ዓመጽ ከም ዝተራእየ መረዳእታታት ኣዋህሊሉ ኣሎ። እተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጓነፈን ደቀንስትዮ፡ ካብ ጓል ሸሞንተ ክሳዕ 65 ዝዕድመአን እየን።

ነቲ ግጭት ንምጽብጻብ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ክልል ኣምሓራ ከይኣትዋ ገደብ ኣብ ዝተነብረሉ እዋን፡ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ጕጅለ ቢቢሲ ኣብቲ ክልል ምስ ዝቕመጣ ደቀንስትዮ ኰነ ሓካይም ክዘራረብ ብምኽኣሉ፡ እቲ ቅልውላው ኣብ ህይወት ሰባት ንዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ሳሕቲ ዝርከብ መረዳእታ ከቕርብ ክኢሉ ኣሎ።

ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብቲ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ሓቢሮም ወፊሮም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሞም፡ መንግስቲ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይልታት ዕጥቆም ክፈትሑ መምርሒ ብምውጽኡ ናብ ግጭት ክኣትዉ ምኽንያት ኰይኑ።

ሓይልታት ፋኖ፡ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብ ልዕለኦም ጥልመት ከም ዝተፈጸመ ኰይኑ ተሰሚዑዎም።

ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ኣምሓራ ዝፍጸም ዓመጽ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ካብ ትግራይ ኰነ ካልእ ቦታታት ክመጽኦም ንዝኽእል መጥቃዕትታት ተቓላዕቲ ከም ዝገብሮም ይኣምኑ ከም ዝነበሩ ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።

ፋኖ፡ ከም መልሰ ተግባር ናይቲ ኣብ ልዕልኦም ዝተወስደ ስጕምቲ ድማ ኣብ ሕብረተሰቡ ምልዕዓል ኣበጊሱ፣ ክሳዕ ወሰንቲ ከተማታት ክቈጻጸር በቒዑ። ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ክልሎምን ሕብረተሰቦም ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወረዶ ምግላል ንምክልኻልን ይቃለሱ ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ንፋኖ "ጽንፈኛታት ብሄራውያን" ኢሉ ዝጽውዖም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓመጽ ዝመልኦ ጭፍጨፋ ኣኸቲሉ ኣሎ።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክልቲኦም ወገናት ብብዙሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም፤ ኢደ-ዋኒናዊ ቅትለታት፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤትፍርዲ ምእሳር፡ ግዱድ ካብ ቤተ-ንብረት ምምዝባል፡ ምዕናው ንብረት፡ ራስያ፡ ሰፊሕ ጉዳያት ምግሳስን ጾታዊ ዓመጽን ገለ ካብቲ ዝኽሰስሉ እዩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ በቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ መርትዖታት ከም ዘሎ ይገልጹ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብር ህዝቢ ኣምሓራ ብሓይልታት ጸጥታን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ብደይ-መደይ ዒላማ ከም ዝተገበረ ይገልጹ።

እናት ቅድሚ'ቲ ዝወረዳ ዓመጽ፡ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ኣይትፈልጥን፣ ስለዝዀነ፡ ልክዕ ከምቲ ኣዝማዳ ደቀንስትዮ ዝገብርኦ፡ ብመሰረት ትእዛዝ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ክትምርዖ መደብ ነይሩዋ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ዝምስረት ሓዳር፡ ኣብቶም ኣብዝሓ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝዀኑ ህዝቢ ኣምሓራ ዝኽበሩ ልምድታት እዮም። እቶም መጻምድቲ ድማ ክሳዕ ቃልኪዳን ዝኣስሩ "ድንግላት" ኰይኖም ክጸንሑ ይሕተቱ።

"ቅድሚ እታ ዕለት፡ ወዲ ተባዕታይ ዝበሃል ፈሊጠ ኣይፈልጥን፡" ትብል ጓል 21 ዓመት እናት።

"ቀቲሎምኒ እንተ ዝዀኑ ምሓሸኒ።"

'ስድራይ ውኖይ ኣጥፊአ ረኺቦምኒ'

ኣብ ምዕራብ ጎጃም እትነብር ጓል 18 ዓመት ትግስት፡ ኣብ ልዕለኣ ጾታዊ ዓመጽ ቅድሚ ምውራዱ፡ ኣብታ ብስድራኣ እትውነን ንእሽቶ ቤት-ሻሂ እያ ትሰርሕ ነይራ።

ኣብ ጥሪ 2024፡ ኣብቲ ትካሎም ሻሂ ክሰቲ ዝመላለስ ወተሃደር ኢዱ ሰዲዱ ሃሰስ ኢሉዋ፣ ከም ዝነጸገቶ ድማ ትገልጽ። ነቲ ዝሰዓበ መጥቃዕቲ መንቀሊኡ ምዃኑ'ውን ትኣምን።

ድሒሩ፡ ምሸት ካብ ስራሕ ናብ ገዛኣ እናተመልሰት ከላ፡ እቲ ሃሰስ ዝበላ ወተሃደርን ካልኦት ሰለስተን ኣብ ጽርግያ ኣድብዮም ብምጽናሕ፡ ኣብቲ ጐደና ብሓባር ከም ዝተጋሰሱዋ ትዛረብ።

"ስድራይ ኣብ ወሰን ጽርግያ ውኖይ ኣጥፊአ ረኺቦምኒ፡" ክትብል ትዝክር። "ተሰኪሞም ናብ ክሊኒክ ወሲዶምኒ፣ ኣብኡ ንሓሙሽተ መዓልታት ተዓቚበ።"

ትግስት ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ብሰንኪ ፍርሒ ደቂ-ተባዕትዮን ካብ ገዛኣ ወጻኢ ዘሎ ቦታታትን ንግዳም ክትወጽእ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ።

"ፍርሐይ ናብ ስራሕ ከይከይድ ይዓግተኒ፣ ወተሃደራት ወይ ዝዀኑ ሰብኡት ኣብ ዝርእየሉ እዋን ብስንባደ አንፈጥፍጥ፣ ንነብሰይ ድማ ይኽውላ።"

ብሰንኪ እቲ ዝወረዳ፡ ካብ ንቡር ህይወት ንነብሳ ገሊላ፣ ተሓጽያቶ ዝነበረት ድማ ኣቋሪጻቶ። ንሕጹያ ንምንታይ ወይ እንታይ ከም ዘጓነፋ ከም ዘይነገረቶ ትዛረብ።

ብተስፋ ምቝራጽ ዝተዋሕጠት ትግስት፡ ህይወታ ከተጥፍእ እኳ እንተ ፈተነት ስድራኣ ስለ ዘርከቡዋ ግን ድሒና። ንስድራኣ ካልኣይ ግዜ ከምኡ ከም ዘይትገብር ቃል እኳ እንተ ኣተወትሎም፡ ነብሰ-ቕትለት ብዛዕባ ምፍጻም ካብ ምሕሳብ ግን ከም ዘየቋረጸት ትገልጽ።

'ጓለንስተይቲ ኴንካ ምፍጣር ዘጽልእ እዩ'

ገጻ ብሲልሆት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ፡ ርእሳን መንኵባን ዝሽፍን ጻዕዳ ስካርፍ ተኸዲና ዘርኢ ዲዛይን ዘለዎ ምስሊ። ኣብ ትሕቲኣ ጠውዮም ዝኸዱ ጽርግያን ገለ ኣግራብን ንእሽቶ ምስሊ ካልእ ተመሳሳሊ ኣከዳድና ዝለበሰት ሰበይቲን ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Klawe Rzeczy

ቢቢሲ ካብ 43 ትካላት ጥዕና ክልል ኣምሓራ - ብገምጋም 4% ካብ ጠቕላላ ትካላት ጥዕና ናይቲ ክልል - ከምኡ'ውን ካብ ካልኦት ምንጭታት ሕክምና መረዳእታታት ብምእካብ፡ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝፍጸሙ ዘለዉ ነገራት ስእሊ ረኺቡ።

ኣብዘን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፡ ካብ 18 ሓምለ 2023 ክሳዕ ግንቦት 2025 ኣብ ዝነበሩ ግዜያት፡ 2,697 ጸብጻባት ዓመጽ ተመዝጊቡ። ካብዚ እተን 45% ትሕቲ 18 ዝዕድመአን እየን።

ልዕሊ ፍርቂ ካብተን ግዳያት ብጾታዊ ርክብ ብዝመሓላለፍ ሕማማት (STIs) ከም ዝተለኽፋ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብዙሓት'ውን ጥንሲ ክሕዛ ብምግዳደን ኣደዳ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክዀና ተፈሪደን።

እንተዀነ፡ ብዙሓት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ነቲ ኣብ ልዕለአን ዝተፈጸመ ገበን ኣይሕብራን፣ ወይ ናብ ሕክምና ክኸዳ ኣይመርጻን እየን። ተነጽሎ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ወይ ጥንሲ ሒዘን ከይኰና ይፈርሓ።

ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ላዕለዋይ ክኢላ ጥዕና፡ እተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከብ ኣብያተ ጥዕና ዝመጽኣ ግዳያት፡ "ካብ ባሕሪ ብጭልፋ፡" ጥራሕ እየን ይብል።

ለምለም፡ ከም ኤችኣይቪ ዝኣመሰሉ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተለኺፈን ከይኰና ብምፍራሕ፡ ከም ዝተዓመጻ ካብ ዘይነገራን ናብ ሕክምና ዘይከዳን ሓንቲ እያ።

እታ ኣብ ደቡብ ጎንደር እትነብር ጓል 23 ዓመት ጓለንስተይቲ፡ ወተሃደራት መንግስቲ ብ6 ጥሪ ሓበሬታ ንምሕታት ናብ ገዛኣ ከም ዝኣተዉን ከምኡ ምግባር ልሙድ ተግባራት ሰራዊት ምዃኑን ትዛረብ።

እቲ ዝደልዩዎ ሓበሬታ ስለ ዘይሃበቶም፡ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ከም ዝተጋሰሳ ትሕብር።

"'እንተ ኣእዊኺ፡ ሓንቲ ጥይት ትኣኽለኪ እያ' ብምባል ኣፈራሪሑኒ፡" ትብል ለምለም።

"ወርሒ ምሉእ ከም ሓንቲ መዓልቲ በኽየ። ክምገብ ኣይከኣልኩን፣ ቀለበይ ንብዓት ጥራሕ ኰይኑ። ደው ኢለ ክስጕም ኣይከኣልኩን። ብርቱዕ ድማ ሓሚመ።"

ኣደዳ ሕሜታ ከይትኸውን ብምስጋእ፡ ናብ ቤተክርስትያን ካብ ምኻድ ከም ዝተሓየበት ትዛረብ።

"ጓለንስተይቲ ኰይነ ምፍጣረይ ዘጽልእ እዩ። ወዲ-ተባዕታይ እንተ ዝኸውን ነይረ ሃሪሞም ገዲፎምኒ ምኸዱ። ከምዚ ገይሮም ህይወተይ ኣይመበላሸውዎን ነይሮም፡" ትብል ለምለም፡ እቲ ዝወረዳ ጓለንስተይቲ ምዃና ክሳዕ ክንደይ በሰላ ከም ዝሓደገላ ተብርህ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓካይም፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ክሕከማ ዝጸንሓ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብዝሐን ኣዝዩ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ይዛረቡ።

"እናኣንፈርፈራ እየን ዝመጽኣ፣ ነዛ ክዛረባ እኳ እምብዛ እየን ዝፈርሓ፡" ይብል ሓደ ሓኪም።

እተን ስጕምቲ ወሲደን ናብ ሕክምና ዝመጽኣ መን ከም ዝተጋሰሰን ንምንጋር ፍቓደኛታት ኣይኰናን።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ግጭት ሕግን ስርዓትን ክፈርስ ስለ ዝገበረ፡ ፍትሒ ዝሓታ ኣዝየን ሒደት እየን። እኳ ደኣ መብዛሕትአን ጥንሲ ከይሕዛ ካብ ምስጋእ እየን ሕክምናዊ ሓገዝ ዝሓታ።

ገለ ደቀንስትዮ ድሕሪ ዝወረደን ዓመጽ ደንጒየን እየን ሕክምናዊ ሓገዝ ዝሓታ። ከም ናይ ኤችኣይቪ ዝኣመሰሉ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ጸረ-መልከፍቲ መድሓኒታት ድማ ውጽኢታውያን ዝዀንሉ ግዜ ይሓልፍ።

ፔፕ (post-exposure prophylaxis) ዝበሃል ጸረ-መልከፍቲ ኤችኣይቪ መድሓኒት፡ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ድሕሪ ዝፍጸመ ቅሉዕ ወሲብ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ዝውሰድ ጥራሕ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢታዊ ዝኸውን።

ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምትዕንቓፉን ጸርግያታት ምዕጻዉን ቀልጢፈን ሕክምና ክረኽባ ከም ዘይክእላ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ ሓኪም ይገልጽ።

ሓደ ላዕለዋይ ክኢላ ጥዕና፡ ሕክምናውን ማሕበራውን ክልውላው ክመጽእ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ብምግላጽ የጠንቅቕ።

ማእከላት ጥዕና ኣብ ዝኣከብኦ ሓበሬታ ተመርኲሶም፡ "መልከፍቲ ኤችኣይቪ ክውስኽ ከም ዝኽእል፣ ጥዕና ኣእምሮን ስነኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣብ ኣዕናዊ ደረጃ ክበጽሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡" ምልክታት ከም ዘለለዩ ገሊጾም። ገለ ግዳያት፡ ነብሰ-ቕትለት ከም ዝፈተኑ'ውን ኣመልኪቶም።

ኣብ 2022 ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ መጠን ኤችኣይቪ ኣብቲ ክልል ካብ 100 ሰባት ከባቢ 1.1 ከም ዝነበረ - እዚ ድማ ካብቲ ብደረጃ ሃገር ዝተመዝገበ ማእከላይ ደረጃ ዝዛይድ እዩ።

ኣብቲ ግጭት ብኽልተኦም ወገናት ዓመጻት ይፍጸም እኳ እንተዀነ፡ ካብ ብዕጡቓት ፋኖ ንላዕሊ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተሳተፉዎ ጉዳያት ከም ዝርኣዩ ጸብጻብ ሰራሕተኛታት ሕክምና የርኢ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ናይ ምርኣይ ዕድል ዘለዎ ስሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ እዚ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

መብዛሕትኡ ፍጻመታት ጾታዊ ዓመጽ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝዕስክረሉን ዝቈጻጸሮን ከተማታት እዩ ተራእዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እተን ኣብ ከተማታት ዝነብራ ደቀንስትዮ፡ ዝሓሸ ኣገልግሎት ሕክምና ናይ ምርካብን ዝወረደን ናይ ምሕባርን ተኽእሎአን ዝለዓለ ምዃኑ ክኢላታት ይሕብሩ።

ቢቢሲ፡ ካብቲ ዕጡቓት ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ፡ ብኣባላት ፋኖ ጾታዊ ዓመጽ ዝወረደን ግዳያት ቃለመሕትት ክገብረለን ኣይከኣለን።

ኣቀማምጣ ኣምሓራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዘርኢ ካርታ። ክልል ትግራይ ብሰሜን ኣምሓራ እዩ። ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ኤርትራ (ብሰሜን)፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን (ብምዕራብ) እውን ተራእየን ኣለዋ።

ኣብ ሰነ 2024፡ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ - ንሰራዊት ዝሓወሰ - ምስ ፋኖ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ-ዕድመ ቈልዑ ከይተረፈ ገበን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመ ጸብጺቡ።

ቢቢሲ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምልሽ ክህብ ሓቲቱ ንኣዋርሕ እኳ እንተ ተጸበየ መልሲ ግን ኣይረኸበን።

ቢቢሲ ብተደጋጋሚ ካብ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝርዝር ሓበሬታ ክወሃቦ ዘቕረቦ ሕቶ እውን ኣይተዓወተን።

ሓደ ካብ መራሕቲ ፋኖ ኣስረስ ማሬ ዳምጤ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዕጡቕ ብኣባላቱ ዝተፈጸመ ጉዳይ ከም ዘይፈልጥን ኣብ ልዕሊኦም ዝዀነ ክሲ ከም ዘይቀረበን ብምግላጽ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ምስታፍ ክሳዕ ሞት ከቕጽዕ ከም ዝኽእል ኣብሪሁ።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመዘዞ ብዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዝምራሕ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ኣመልኪቱ መርመራ ከም ዝተጀመረን ኣብ ዝስዕቡ ወርሓት ውጽኢቱ ብግልጺ ክዝርግሕ ትጽቢት ከም ዝግበረሉን ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ 2021 ሰራዊት ኢትዮጵያን ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ መሻርኽቱን ኣብ ትግራይ ብተመሳሳሊ ተግባራት ምስ ተኸሰሱ፡ መንግስቲ ንጾታዊ ዓመጽ እኳ እንተዀነነ፡ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ግን "ወገናውን ጕድለት ዘለዎን፡" ክብል እዩ ነጺጉዎ።

ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ዝተወሰደ ወግዓዊ ስጕምቲ ብግልጺ ኣይተገለጸን።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝገበሩዎ በደል ዘይቅጽዑ ምዃኖም ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝርኣዮ ስክፍታ ገሊጹ። ኣብቲ ዞባ ናይ ኣምነስቲ ተመራማሪት ሃይማኖት ኣሸናፊ፡ "ነቶም ዝበደሉ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝግበር ሓቀኛ ጻዕሪ የሎን፡" ትብል።

ቀጺላ፡ "ምውጋእ ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ኣምሳያ ናይቲ ዝበደሉዎ ዝዀነ ሳዕቤን ከይመጽኦም ክሳዕ ሕጂ ኣብኡ ኣለዉ። እተን ንህይወተን ናብ ካልእ ኣንፈት ብዝወስድ ተመኵሮ ዝሓለፋ ሰባት ፍትሒ ይግብአን እዩ፡" ክትብል ትገልጽ።

ንእናት፡ ሳዕቤን ናይቲ ዝወረዳ ዓመጽ ዓቢይን ነባርን እዩ።

ካብ ዝተዓመጸትሉ ሓደ ወርሒ፡ ካብቲ ዘስዓበላ ስነኣእምራዊ ስንባደ ንምርሓቕ ካብ ዓዳ ሃዲማ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ድማ እያ ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ነፍሰ-ጾር ምዃና ዝፈለጠት።

"ተምላስ ጀሚሩኒ፡" ክትብል ትዝክር።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝተዓመጸት ጓለንስተይቲ ክሳዕ ናይ 12 ሰሙን ጥንሲ እንተዀይኑ፡ ከተስድዶ ብሕጊ ይፍቀድ እዩ። ፈሪሓ ግን ኣይወዓለቶን።

"ንኣምላኽ ፈሪሐ። ኣደይ ድማ ተራእያትኒ። ጥንሲ ከሰድድ እንተ መይተ እንታይ ክትከውን እያ?"

ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ጻዕሪ፡ ኣብ መጀመርታ መስከረም ጓል ተበኲራ።

እቲ ዘጓነፋ ብዘየገድስ፡ እናት ነታ ህጻን ከም "ህያብ ኣምላኽ፡" እያ እትርእያ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ምስ ቤተሰባ ተጸጊዓ እያ ትነብር ዘላ፣ ጓላ ክትኣሊ ስለ ዘለዋ ናብ ስራሕ ክትወፍር ኣይትኽእልን። ብዛዕባ መጻኢኣ ትጭነቕ፣ ውላዳን ገዛእ-ርእሳን ብኸመይ ትኣሊ ትሓስብ።

"እዚ ምንባር ይቝጸር እንተዀይኑ፡ እወ - እነብር ኣለኹ፡" ትውስኽ።