ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን በደልቲ ንምኽሳስን ዝሕግዝ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ

ዙዚ ቻትቦት

ምንጪ ስእሊ, Grit

ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ሌኖራ ቲማ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ዘመዳ ዝበጽሐ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ ንህይወታ ቀይሩዎ።

ዘመድ ሌኖራ፡ ብጽሕቲ ወርሒ እንከላ እያ ተቐቲላ፤ ጓል 19 ዓመት ነይራ። ኣስክሬን እታ ግዳይ፡ ብ2020 [ኣ.ኤ] ኣብ ኬፕ ታውን ኣብ ድልድል ተደርብዩ ተረኺቡ።

ድሕሪ እዚ ቅትለት፡ ሌኖራ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ዝከታተል መተግበሪ ክትሰርሕ ወሲና።

"ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ስለ ዝሰርሕ፡ መጥቃዕቲታት ክፍጸሙ ርእየ እየ። ኣብ ልዕሊ ዘመደይ ቅትለት ክፍጸም እንከሎ ግን ዝተፈለየ እዩ፤ እቲ ቅትለት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ልሙድ ነገር'ዩ ተወሲዱ፡" ትብል።

እቲ ኣብ ልዕሊ ዘመድ ሌኖራ ዝተፈጸመ ቅትለት ዜና'ዉን ኣይተሰርሓሉን። "ኣብ ሃገርና ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ቅትለት ንዜና'ዉን ኣይበቕዐን።"

እቲ ቀታሊ'ዉን ኣይተትሓዘን። ሌኖራ ግን እዚ ቅትለት ትኹረት ዘይምርካቡ ኣቘጢዑዋ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ጾታዊ መጥቃዕቲ ትዅረት ዝገበረ መተግበሪ ክትሰርሕ ወሲና።

እዚ Gender Rights in Tech ወይ (Grit) ዝተባህለ መተግበሪ፡ 'ዙዚ' ዝተባህለት ቻትቦት ኣለዎ። እዚ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ካብ መንጐ ዝተሰርሑ መተግበሪታት ብቐዳምነት ይርቋሕ።

"ንኣፍሪቃውያን ዝኸዉን መተግበሪ'ዩ፡" ትብል ሌኖራ።

እቲ መተግበሪ፡ ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ንምእካብን ንደቀንስትዮ ድጋፍ ንምሃብን እዩ ተሰሪሑ። እዚ ኣብ ልዕሊ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ክሲ ንክምስረት ይውዕል።

ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝሰርሑ ቻትቦታት፡ ግደ ደቂ ሰባት ክትክኡ የብሎምን ዝብሉ ተሓለቕቲ እኳ እንተሃለው፡ እቲ መተግበሪ ግን ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ልዑል ረብሓ ከም ዘለዎ ይኣምኑ።

ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቀንስትዮ ድማ ካብ ሰብ ሞያ ስነ-ልቦና ሓገዝ ክረኽባ ይግባእ።

ሌኖራ፡ ነበርቲ ኬፕታውን ብምዝርራብ እንታይ ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸመን ብምንታይ መገዲ ድጋፍ ክትህብ ከም እትኽእልን ንምርዳእ ጽዒራ።

ቴሌፎንን ማሕበራዊ ሚዲያን ብምጥቃም ብኸመይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምክልኻል ከም ዝኽእላ ንምግንዛብ፡ ልዕሊ 800 ሰባት ኣዘራሪባ።

እቲ ቀንዲ ሕቶኣ፡ ስለ ምንታይ ሓገዝ ዘይሓታ? ዝብል እዩ።

ደቀንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክበጽሐን እንከሎ፡ ክዛረባ እኳ እንተደለያ ናብ ፖሊስ ክኸዳ ግን ኣይፈቕዳን።

"ገለ ደቀንስትዮ ኣብ ፌስቡክ ይጽሕፋ፤ ነቲ መጥቃዕቲ ዘብጽሓለን 'ታግ' ዝገብራ'ዉን ኣለዋ። ኰይኑ ግን ክሲ ጸለመ እዩ ዝበጽሐን፡" ትብል ሌኖራ።

ዙዚ ብሓገዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢ ኬፕታውን ኣብ ዝርከባ ማሕበረሰባት ዝተፈጥረት እያ

ምንጪ ስእሊ, Grit

መግለጺ ስእሊ, ዙዚ ብሓገዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢ ኬፕታውን ኣብ ዝርከባ ማሕበረሰባት ዝተፈጥረት እያ

ምምሕዳራዊ መሓውር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቀንስትዮ ካብ መጥቃዕቲ ክከላኸል ኣይኽኣለን ጥራይ ዘይኰነ፡ መጥቃዕቲ ክበጽሐን እንከሎ ንክዛረባ ዘተባብዕ ኣይኰነን።

መተግበሪ 'ግሪት'፡ ሞዚላ፡ ጌትስት ፋውንዴሽንን ፓትሪክ መክገቨርን ፋውንዴሽንን ብገንዘብ ሓጊዞምዎ ኣለው።

እዚ ናጻ ኣገልግሎት ዝህብ መተግበሪ፡ 13 ሽሕ ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ሌኖራ ትዛረብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጥራይ 10 ሽሕ ደቀንስትዮ ሓቲታ።

እቲ መተግበሪ፡ ሰለስተ መሰረታዊ ረብሓታት ኣለዎ፤ መጀመርታ ኣብ ናይ ቅድሚት ገጽ ሓገዝ እትሓተሉ መፍትሕ ኣለዎ።

ሓንቲ ጓለንስተይቲ ነዚ መፍትሕ ክትጥውቕ እንከላ፡ ናይ 20 ካልኢት ድምጺ ይቐድሕ፤ ድሕሪኡ ሞያዊ ሓገዝ ናብ ዝህቡ ናይ ውልቂ ትካላት ጥቈማ የብጽሕ።

ኣብዞም ትካላት ዝሰርሕ ክኢላ፡ ብቕልጡፍ ቴሌፎን ብምድዋል ሓገዝ ይህብ ወይ ክኢላታት ይልእኽ። ብተወሳኺ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቀንስትዮ ናበየናይ ማእከል ክኸላ ከም ዝኽእል ሓበሬታ ይህብ።

"መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቀንስትዮ ንክኣምናና ኢና ንደሊ። ሓበሬታ ንክህባና ክንሓተን እንከለና ቀሊል ከም ዘይኰነ ንግንዘብ ኢና፡" ትብል ሌኖራ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ መተገብሪ 'ዘ ቮልት' ይብሃል፤ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቀንስትዮ ሓበሬታ ዝእክባሉ ኰይኑ፡ ብሚስጢራዊ ኮድ ይዕጾ።

እቲ ሓበሬታ ድማ ክሲ ኣብ ምምስራት ይውዕል። ስእልታት፡ ቅዳሓት ስክሪን፡ ናይ ድምጺ ቅድሓትን ካልኦት መረዳእታታትን ንኸይጠፍኡ ብሚስጢር ቈሊፉ ከቐምጥ ይኽእል።

ሊዮራን (የማን) መሳርሕታን

ምንጪ ስእሊ, Grit

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሳልሳይ፡ 'ዙዚ' ዝተባህለት ቻትቦት እቲ መተግበሪ መጥቃዕቲ ንዝበጽሐን ሰባት ትሰምዕ፡ ትምዕድን ተወሳኺ ሓገዝ ዝረኽባሉ መገዲ ትሕብርን።

"ነቲ መተግበሪ ዝጥቀሙ ሰባት እንሓቶም ሕቶታት ኣለው፤ እዚኦም እቲ ቻትቦት ድምጺ ጓለንስተይቲ ዶ ወዲ ተባዕታይ ይሃልዎ? እቲ ድምጺ ናይ ሮቦት ዶ ይምሰል? እቲ ቻትቦት ከም ጠበቓ ዶስ ወሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይዅን? እቲ ቻትቦት ጋዜጠኛ ዶ በዓል ስልጣን ይዅን? ዝብሉ'ዮም፡"።

ገለ ተጠቀምቲ፡ ዙዚ 'ግደ ሓቲ'እኖ ይሃልዋ' ይብላ፤ እምንትን ሓጋዚትን ክትኸዉን ይደልያ።

ዙሪ፡ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ክትስራሕ እንከላ፡ ደቂ ተባዕትዮ'ዉን እትህቦ ኣገልግሎት ይረኽቡ እዮም ዘለው።

ገለ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሕርቃን ብኸመይ ምቍጽጻር ከም ዝኽእሉ ማዕዳ ይሓቱዋ። መጥቃዕቲ ዝበጽሖም'ዉን ብግልጺ ምስ ዙሪ የዕልሉ።

ሌኖራ ከም እትብሎ፡ ብዙሓት ሰባት ከይፈርዱኒ ብዝብል ምስ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ምውጋዕ ይመርጹ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጾታዊ መጥቃዕቲ ካብ መንጐ ዝፍጸመለን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት (femicide) ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ብሓሙሽተ ኢድ ይዛይድ።

ካብ 2015 ክሳብ 2020፡ መዓልታዊ ብማእኸላይ ሸውዓተ ደቀንስትዮ ከም ዝተቐትላ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ይገልጽ።

ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል እትሰርሕ ሊሳ ቬት፡ ቴክኖሎጂ ጾታዊ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ኣብ ረብሓ ክውዕል ኣለዎ ኢላ። ሰብ ሰርሖ ብልሒ ግን ከም ብሕታዊ ኣማራጺ ክንጥቀም ዶ ይግባእ ኣብ ዝብል ግን ሕቶ ተልዕል።

"ሰብ ሰርሖ ብልሒ፡ ሕጋዊ ማዕዳ ክህብ እንከሎ የስግኣኒ እዩ፤ ጠቓሚ ሓበሬታ ዝህብ እኳ እንተዀነ፡ ዝተሓላለዅ ጕዳያት ግን ኣይርድኦን። ንሰባት ክትክእ ኣይኽእልን። መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቀንስትዮ፡ ድሕነት ንክስምዐን ዝገብርን ዝኣምንኦን ሰብ የድልየን፡" ኢላ።

ብ2018 ዝወጽአ ጸብጻብ ወርልድ ኢኮኖሚክ ሪፎርም፡ ኣስታት 22 ሚእታዊት ክኢላታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ ደቀንስትዮ እየን።