ስጉምቲ ትራምፕ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምልካውያን ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ - ጄረሚ ቦወን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ቬነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ክተሓዝ ምኽኣሉ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ብቕዓት ድልየቱ ምፍጻም ንዘለዎ እምነት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘርኣየሉ ፍጻመ እዩ።
ንሱ ብዘሕለፎ ትእዛዝ ኣመሪካ ንማዱሮ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ኣእትያቶላ፡ ንቩነዝወላ'ውን "ክትመርሓ" እያ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ "ውሑስ፣ ግቡእን ፍትሓውን መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ክሳብ ዝግበር" ንቬነዝወላ "ክትመርሓ" እያ ክብል ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ቬነዝወላ ደልሲ ሮድሪገዝ ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።
"እትደልይዎ ክንገብር ኢና" ከምዝበለቶ ዝገለጸ ሩብዮ፡ "... ንሳ፡ ይመስለኒ፡ ምሉእ ብምሉእ ሕያወይቲ እያ፤ ምርጫ'ውን ግን የብላን" ኢሉ።
ትራምፕ ብዙሕ ዝርዝራት ኣይሃበን። "እንተድኣ ኣድልዩና ኣብ መሬት ወተሃደራት ክነዋፍር ኣይንፈርሕን ኢና" ኢሉ።
ንቬንዙዌላ ግን ብርሕቐት ከመሓድር ከም ዝኽእል ይኣምን'ዶ? ንቬንዙዌላ ዳግማይ ንምጥያስን መራሕቲ ላቲን ኣመሪካ ንኽእዘዙ ንምግባርን እኹል ድዩ?
ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ዝኣምን ይመስል።
እቲ መርትዖ ግን ቀሊል ከምዘይከውን እዩ ዘመልክት።
ክኢላታት ዓለምለኻዊ ጉጅለ ቅልውላው፡ ውድቀት ማዱሮ ኣብ ቬንዙዌላ ዓመጽን ዘይምርግጋእን ከስዕብ ከምዝኽእል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ኣብ ቀዳማይ ምምሕዳር ትራምፕ ዝነበሩ ሰበስልጣን ምክልኻልን ዲፕሎማስን፡ ማዱሮ እንተወዲቑ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ብኲናት ከምዝቖመሩ ጸብጺቡ።
መደምደምታኡ ድማ ዕጡቓት ውድባት ንስልጣን ክወዳደሩ እንከለዉ ዓመጽ ዝመልኦ ህውከት ክፍጠር ተኽእሎ ኣሎ ዝብል እዩ ነይሩ።
ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣን ዝተኣለየሉን ዝተኣሰረሉን ኣገባብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣመሪካ ዘረጋገጸ እዩ።
ኣመሪካ ዕስለ ጭፍራ መራኽብ ውግእ ተጠቒማ ዋላ ሓደ ወተሃደር ከይሞታ ዕላምኣ ፈጺማ።
ማዱሮ ኣብ መረጻ ዘጋጠሞ ስዕረት ንጐድኒ ገዲፉ፡ ድሌት ህዝቢ ቬንዙዌላ ሸለል ኢሉ ስለዝነበረ፡ ብዙሓት ዜጋታታ ነቲ ስጉምቲ ብሓጎስ ክቕበልዎ እዮም።
ትርጉም ናይዚ ስጉምቲ ግን ኣብ ቀጻሊ እንተላይ ካብ ዶባት ቬንዙዌላ ኣዝዩ ርሒቑ ክረኣይ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝነበረ ስሚዒት ዓወት ዝመልኦ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ እቲ ስጉምቲ ብዝለዓለ ሞያውያን ሓይልታት ኣመሪካ ዝተኻየደ እዩ።
እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ቀዳማይ መድረኽ ጥራይ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ብሓይሊ ለውጢ ስርዓት ዘመዝገበትሉ ታሪኽ ኣዕናዊ እዩ ነይሩ።
ነቲ መስርሕ ዕውት ክኸውን ወይ ዘይክኸውን ዝገብሮ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ኵነታት እዩ።
ዒራቕ ድሕሪ ወራር ኣመሪካ ኣብ 2003 ናብ ደማዊ ዕንወት እያ ኣትያ። ኣመሪካ ኣብ 2021 ካብ ኣፍጋኒስታን ክትስሕብ እንከላ፡ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደን ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ገንዘብ ዝወጾ ፈተነ ህንጸት ሃገርን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ዓንዩ።
እዘን ክልተ ሃገራት ግን ኣብ ጥቓ ኣመሪካ ኣይነበራን።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝነበረ ዝሓለፈ ምትእትታዋት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ መጻኢ ስግኣት ዳርጋ ካብዚ ንላዕሊ ተስፋ ዝህቡ ኣይኰኑን።
ትራምፕ ንዶንሮ ዶክትሪን ሓድሽ ሳጓ ክህብ ፈቲኑ እዩ። ዶንሮ ዶክትሪን ብፕረዚደንት ጀምስ ሞንሮ ኣብ 1823 ዝወጸ ካልኦት ሓይልታት ኣብ ዓውዲ ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ኢድ ከይኣትዋ ዘጠንቅቕ ኣዋጅ እዩ።
"ዶክትሪን ሞንሮ ዓቢ ነገር'ዩ፡ እንተኾነ ግን ብብዙሕ በሊጽናዮ ኣለና" ክብል ትራምፕ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ተዛሪቡ። "ብመሰረት ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነትና፡ ዕብለላ ኣመሪካ ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ድሕሪ ደጊም ኣብ ሕቶ ምልክት ኣይኣቱን'ዩ።"
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ "ዕጫኡ ክከታተል" ከምዘለዎ እውን ገሊጹ።
ድሒሩ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ሜክሲኮ እውን ገለ ነገር ክግበር ኣለዎ" ኢሉ።
ኩባ እውን እንተዀነት ኣብ ኣጀንዳ ኣመሪካ ከምዘላ ዘጠራጥር ኣይኰነን፣ እዚ ድማ ወለዱ ኩባውያን ኣሜሪካውያን ዝዀኑ ማርክ ሩቢዮ ዝመርሖ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዕጥቃዊ ምትእትታው ብምፍጻም ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ።
ኣብ 1994 ፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ለውጢ ስርዓት ንምትግባር 25 ሽሕ ወተሃደራትን ክልተ መራኽብ ጽዕነት ነፈርትን ናብ ሃይቲ ሰዲዱ።
ድሕሪኡ፡ ስርዓት ሃይቲ ጥይት ከይተተኮሰ ፈረሱ። ዝሓሸ መጻኢ ግን ኣይተረኣየን፤ ካብኡ ንደሓር ዘለዋ 30 ዓመታት ህዝቢ ሃይቲ ዳርጋ ዘይተሰብረ ሕሰም ዘጋጠሞ እዋን እዩ። ሕጂ ሃይቲ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝተዓብለለት ፍሹልቲ ሃገር ኰይና ኣላ።
ዶናልድ ትራምፕ ንቬነዝወላ መሊሱ ዓባይ ሃገር ከምዝገብር ተዛሪቡ'ሎ። ብዛዕባ ዲሞክራሲ ግን ኣይተዛረበን። ኣብ 2025 ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወተት መራሒት ተቓዋሚት ቬንዙዌላ ማሪያ ኮሪና ማቻዶ ነታ ሃገር ክትመርሕ ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ነጺግዎ'ዩ።
"መራሒት ክትከውን ኣዝዩ ዝኸብዳ ይመስለኒ፡ ደገፍ የብላን... ዘኽብራ የለን" ኢሉ።
ነቲ ብዙሓት ቬነዝወላውያን ኣብ ምርጫ 2024 ብግቡእ ተዓዋቲ ምዃኑ ዝኣምኑሉ ኤድሙንዶ ጎንዛለዝ እውን ኣይጠቐሶን።
ኣብ ክንድኡ፡ ኣመሪካ፡ ንግዚኡ ንምክትል ፕረዚደንት ማዱሮ ደልሲ ሮድሪገዝ ትድግፍ ኣላ።
ንማዱሮ ንምእላይ ዘድሊ ውሽጣዊ ሓበሬታ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ዝሃበ ገለ ዓይነት ውሽጣዊ ምትሕብባር ዘሎ ይመስል፤ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሁጎ ሻቨዝ ዝፈጠሮ ስርዓት ግን ኣብ ዝነበሮ ዘሎ ይመስል።
ሰራዊት ምክልኻል ቬነዝወላ፡ ጀነራላቱ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ ክቃወሙ ብዘይምኽኣሎም ዝኾነ ይኹን ውርደት ክስምዖም ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ንመደባት ኣመሪካ ክቕበሉ ግን ተኽእሎ የለን።
ወተሃደራትን ሲቪላውያን ደገፍቲን እቲ ስርዓት ክስእንዎም ዘይደልይዎም መርበባት ብልሽውና ኣሀብቲሞም እዮም።
ሲቪላውያን ምልሻታት በቲ ስርዓት ዝተዓጠቑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ቬነዝወላ ድማ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ኣለውዋ።
ገለ ካብዚኦም መርበባት ገበነኛታት፡ ከምኡ'ውን መዕቆቢ ክረኽቡ ክብሉ ንስርዓት ማዱሮ ዝደገፉ ደባይ ዕጡቓት ኮሎምብያ ይርከብዎም።
ኣመሪካ ኣብ ቬነዝወላ እትገብሮ ዘላ ምትእትታው፡ ንገለ ናይ ትራምፕ ኣረኣእያ ዓለም ኣብ ትኹረት የእትዎ ኣሎ።
ንማዕድናዊ ሃብቲ ካልኦት ሃገራት ዝምነየሉ ኣገባብ ኣይሓብአን።
ካብ ዩክረይን ብኣምሳያ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እታ ሃገር መኽሰብ ክወስድ ፈቲኑ እዩ።
ትራምፕ ነቲ ገዚፍ ዕቑር ማዕድናት ቬነዝወላ ንምቁጽጻር ዘለዎ ድሌት ከምኡ'ውን ኢንዱስትሪ ነዳዲ ክህገር እንከሎ ኩባንያታት ነዳዲ ኣመሪካ ከምዝተዘመታ ዘለዎ እምነት ኣይሓብእን።
"ካብ መሬት ኣዝዩ ዓቢ ሃብቲ ከነውጽእ ኢና፡ እቲ ሃብቲ ድማ ናብ ህዝቢ ቬነዝወላ፡ ከምኡ'ውን ናብ ኣብ ቬንዙዌላ ነበርቲ ዝነበሩን ካብ ቬነዝወላ ወጻኢ ዘለዉን ሰባት'ዩ ዝኸይድ። እቶም ብመልክዕ ምምላስ ወጻኢታት ድማ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ'ዩ ክኸይድ" ኢሉ።
እዚ ድማ ኣብ ግሪንላንድን ዴንማርክን ዘሎ ስግኣት ዘዕሙቕ እዩ።
ኣመሪካ ንግሪንላንድ ክትቆጻጸር ዘለዋ ድሌት ይቕጽል ኣሎ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ኣርክቲክ ዘለዋ ስትራተጂካዊ መርገጺን ተፈጥሮኣዊ ሃብታን እዩ።
ማዱሮ ንምእላይ ዝተገብረ ስርሒት እውን፡ ንዓለም ንምምራሕ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተቐመጠ ስምምዓት ምኽታል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘዳኽም እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ይኹን ብዓለም ደረጃ ንሱ ዘይፈትዎም ሕግታት ሸለል ክብሎም ከምዝኽእል ብረደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታርመር ዝርከብዎም ንትራምፕ ከየቖጥዑ ዝፈርሑ መሻርኽቲ መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ስርሒት ማዱሮ ብግልጺ ምጥሓስ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ከይኰነኑ፡ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝድግፉሉ ኣገባብ ክረኽቡ ይቃለሱ ኣለዉ።
ኣመሪካ ነታ ሃገርን ኢንዱስትሪ ነዳዲኣን ክትቆጻጸር እያ ዝብል ኣዋጅ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰራዊታ ንሓደ ፕረዚደንት ቬነዝወላ ተመሲሉ ዝነበረ ጎይታ ዕጸፋርስ ንምእሳር ጥራይ ይሰርሑ ነይሮም ዝብል ብኣመሪካ ብፍላይ ብትራምፕ ዝቐርብ ምኽንያት ዘእምን ኣይኰነን።
ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ቅድሚ ምትሓዞም ሒደት ሰዓታት ኣብ ካራካስ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቱ ምስ ቻይናውያን ዲፕሎማሰኛታት ተራኺቡ ነይሩ።
ቻይና ነቲ ስጉምቲ ኮኒናቶ'ያ። "ልዕልናኣዊ ተግባራት ኣመሪካ ንዓለምለኻዊ ሕግን ልኡላውነት ቬነዝወላን ብኸቢድ ዝጥሕስን ንሰላምን ድሕነትን ላቲን ኣመሪካን ዞባ ካሪብያንን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን'ዩ" ኢላ።
ኣመሪካ "ልኡላውነትን ጸጥታን ካልኦት ሃገራት ምግሃስ ደው ከተብል" ድማ ኣተሓሳሲባ።
ዋላ ከምኡ ይኹን፡ ቻይና ቅድመ-ፍጻመ ናይቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ክትዕዘብ ትኽእል እያ።
ታይዋን ከም ዝተፈለየት ግዝኣታ እያ ትቖጽራ፤ ናብ ቁጽጽር ቤጂንግ ምምላስ ድማ ሃገራዊ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦ ኣዊጃ ኣላ።
ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚተ ስለያ ሰኔት ዲሞክራትስ - ሰነተር ማርክ ዋርነር ድማ ተመሳሳሊ ስግኣት ይስምዖ። ንሱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መራሕቲ ቻይናን ካልኦትን ብቐረባ ከምዝከታተሉ ሓቢሩ።
"ኣመሪካ ብገበናዊ ተግባር ንዝኸሰሰቶም መራሕቲ ወጻኢ ሃገራት ንምውራርን ንምሓዝን ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ምጥቃም መሰላ እንተድኣ ኣረጋጊጻ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ታይዋን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንከይትወስድ ዝዓግታ እንታይ እዩ? [ፕረዚደንት ሩስያ] ቭላድሚር ፑቲን ንፕረዚደንት ዩክረይን ንምጭዋይ ተመሳሳሊ ምኽንያት ካብ ምሃብ ዝዓግቶ እንታይ እዩ? እዚ መስመር ምስተሰገረ፡ ዓለማዊ ህውከት ዝገትእ ሕግታት ክፈርስ ይጅምር፡ ምልካውያን ስርዓታት ድማ ቀዳሞት መዝመዝቲ ክዀኑ እዮም።" ይብል።
ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ሕግታት ዘውጽእ ባዕሉ ከምዝዀነ እምነት ዘለዎ ይመስል። ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ንኣመሪካ ዝሰርሕ ነገር ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ሓለፋታት ክጽበዩ ይኽእሉ ማለት ኣይኰነን።
ሓይሊ ዓለም ግን ከምኡ ኣይኰነን ዝሰርሕ።
ኣብ መጀመርታ 2026 ዝፈጸሞም ተግባራት፡ ንኻልእ 12 ኣዋርሕ ናብ ዓለማዊ ቅልውላው ዘምርሕ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







